ገሊኣቶም መልሲ ዝረኸቡሉ መገዲ
ገሊኣቶም መልሲ ዝረኸቡሉ መገዲ
ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ይጽልዩ እዮም። ገሊኣቶም ጸሎቶም ከም ዝስማዕ ይኣምኑ። ገሊኣቶም ግን ጸሎቶም ተሰሚዑ ዝፈልጥ እንተ ዀይኑ ይጠራጠሩ። ካልኦት እውን መልስታት ዋላ እኳ እንተ ደለዩ: ብዛዕባዚ ግን ንኣምላኽ ክልምንዎ ዝብል ሓሳብ ኣይመጾምን።
መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ‘ሰማዕ ጸሎት’ ገይሩ እዩ ዝገልጾ። (መዝሙር 65:2) ክትጽሊ ኸሎኻ: ጸሎትካ ናብቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከም ዝቐርብ ርግጸኛ ዲኻ፧ ጸሎትካኸ ንሱ ዝምልሶ ዓይነት ድዩ፧
ኣብ ኵሉ ዅርናዓት ምድሪ ዝርከቡ ብዙሓት ሰባት: ነዘን ሕቶታት እዚኣተን እወ ዝብል መልሲ ኽህቡለን ክኢሎም እዮም። ብኸመይ እዮም መልስታት ረኺቦም፧ እንታይከ ተማሂሮም፧
ኣምላኽ መን እዩ፧
ኣብ ፖርቱጋል እትነብር ብደናግልን ካህናትን ተማሂራ ዝዓበየት ሓንቲ መምህር: ንሃይማኖታ ኣርዚና እያ እትርእዮ ነይራ። እታ ቤተ-ክርስትያና ነቲ ኣገዳሲ እዩ ኢላ ዝመሃረታ ልምድታት ምስ ቀየረቶን ምስ ጠንጠነቶን ግን ተደናገራ። ናብ ካልእ ሃገር ምስ ገሸት ምብራቓዊ ዓለም ዘለዎም ኣገባብ ኣምልኾ ፈለጠት። ሓደ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እንተ ሃልዩ ድማ ክትሓስብ ጀመረት። ብኸመይ እያ ኸተምልኽ ዘለዋ፧ ንኻህና ብዛዕባ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ነገራት ምስ ሓተተቶ: ንሕቶኣ ኽምልሶ ኣይደለየን: በዚ ድማ ጐሃየት።
ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኣብታ እዛ መምህር እትነብረላ ኸተማ ነቶም ምእመናና ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከይዘራረቡ ዘጠንቅቕ ወረቓቕቲ ዘርጊሓ ነበረት: እንተዀነ ግን ሕቶታት እዛ መምህር እውን መልሲ ኣይረኸበን። ሓደ መዓልቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ቤታ ምስ መጻ: መልእኽተን ሰምዐት: ተገዳስነት እውን ኣሕደረት። ንመጀመርታኣ እያ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተዘራሪባ።
ነቲ ብዙሕ ሕቶታታ መልሲ ንምርካብ: ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ጀመረት። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ብዙሕ ሕቶታት ትሓተን ነበረት። ስም ኣምላኽ መን ምዃኑ: ሓደ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ጥራይ እንተ ሃልዩ: ምስሊ ኣብ ኣምልኾ ምጥቃም ዝቕበሎ እንተ ዀይኑ: ከምኡውን ካልእ ነዚ ዝመስል ሕቶታት ሓተተት። ኵሉ እቲ ዝሃባኣ መልስታት ካብ ርእሰን ዘይኰነስ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ምዃኑ ኣስተውዓለት: በቲ እተማህረቶ ድማ ተገረመትን ተሓጐሰትን። ቀስ ብቐስ ንሓያሎ ሕቶታታ መልሲ ረኸበት። ኣብዚ ግዜ እዚ ኸምቲ የሱስ ዮሃንስ 4:23
ክርስቶስ “ናይ ሓቂ ሰገድቲ” ወይ ኣምለኽቲ ኽገብርዎ ዝግባእ ኢሉ ዝጠቐሶ: ንየሆዋ ብመንፈስን ብሓቅን ተምልኾ ኣላ።—ኣብ ስሪ ላንካ ኣባላት ሓንቲ ስድራቤት ኣዘውቲሮም ብሓባር መጽሓፍ ቅዱስ የንብቡ ነበሩ። እንተዀነ ግን: ንሓያሎ ዘገድሶም ሕቶታት ዝኸውን መልሲ ኣይረኽቡን ነበሩ። ሓገዝ እኳ እንተ ኣድለዮም: እቲ ኻህኖም ግን ክሕግዞም ኣይከኣለን። ሓደ ግዜ ግን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክበጽሕኦም መጻ እሞ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጠቓሚ ጽሑፋት ገዲፈናሎም ከዳ። ጸኒሖም ካልኦት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዞም ኣባላት እዛ ስድራቤት ዘዕግብ መልስታት ምስ ሃብዎም: ምሳታቶም ኰይኖም መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዑ ፍቓደኛታት ኰኑ። እቲ ኣብቲ መጽናዕቶም እተማህርዎ ነገራት ዓሚቝ ተገዳስነት ከሕድረሎም ጀመረ።
ይኹን እምበር: እታ ሰበይቲ ኻብ ንእስነታ ኣትሒዛ እትኣምነሉ ሰረተ-እምነት ስለ ዝነበራ: ከምቲ የሱስ ባዕሉ ዝበሎ ኣቦኡ ‘በይኑ ኣምላኽ ሓቂ’ ምዃኑ ዝገልጽ ትምህርቲ ኸይትቕበሎ ዕንቅፋት ኰና። (ዮሃንስ 17:1, 3) የሱስ ማዕረ ኣቦኡ ምዃኑን እዚ “ምስጢር” እዚ ኽትሓተሉ ኸም ዘይብላን ትምሃር ነይራ። ዓቕላ ስለ ዝጸበባ: ስም የሆዋ ብምጥቃስ ብቕንዕና ናብኡ ጸለየት: መንነት የሱስ ከነጽረላ ድማ ለመነቶ። ድሕርዚ ነቲ ምስዚ ዝተሓሓዝ ጥቕስታት ተጠንቂቓ መርመረት። (ዮሃንስ 14:28፣ 17:21፣ 1 ቈረንቶስ 8:5, 6) ልክዕ ከምቲ ንዓይና ሸፊንዎ ዝነበረ ቕራፍ ዘልገሰላ ዀነት እሞ እቲ ፈጣሪ ሰማይን ምድርን ኣቦ የሱስ ክርስቶስን ዝዀነ የሆዋ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምዃኑ ብንጹር ኣስተውዓለት።—ኢሳይያስ 42:8፣ ኤርምያስ 10:10-12
መከራ ዝወርደና ስለምንታይ እዩ፧
እዮብ ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኣሕሊፉ እዩ። ኵሎም ደቁ ብህቦብላ ንፋስ ሞቱ: ብሓንሳእ ከኣ ደኸየ። ከቢድ ሕማም ኣሕለፈ: ካብ ናይ ሓሶት ፈተውቱ ድማ ጸቕጢ ወረዶ። ኣብ መንጎ እዚ ዅሉ ጸገማት ከሎ: ብሃወኽ ተዛሪቡ ነይሩ። (እዮብ 6:3) ኣምላኽ ግን ነቲ ዅነታቱ ኣብ ግምት ኣእተወ። (እዮብ 35:15) ኣብ ልቢ እዮብ እንታይ ከም ዘሎ ይፈልጥ ነበረ: እቲ ዘድልዮ ተግሳጽ ድማ ሃቦ። ኣብዚ ግዜና ንዘለዉ ሰባት እውን ከምኡ ይገብር እዩ።
ኣብ ሞዛምቢክ ዝነብር ካስትሮ ኣዲኡ ኽትመውት ከላ ገና ወዲ ዓሰርተ ዓመት ነበረ። በዚ ኸኣ ኣዝዩ ሓዘነ። “ስለምንታይ እያ ሞይታ: ስለምንታይከ ገዲፋትና ኸይዳ፧” ኢሉ ሓተተ። ወለዱ ፍርሃት ኣምላኽ እኳ እንተ ነበሮም: ዋላ ሓደ ነገር ክወሓጠሉ ኣይከኣለን። ንኣእምሮኡን ልቡን ዘዕግብ መልሲ ደኣ እሞ ኻበይ እዩ ኽረክብ፧ ሓንቲ ብቛንቋ ቺቸዋ እተዳለወት ንእሽቶ መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብን ምስ ዓበይቲ ኣሕዋቱ ኽመያየጥን ምስ ጀመረ ተጸናንዐ።
በብቝሩብ ኣዲኡ ዝሞተትሉ ምኽንያት ኣምላኽ ፍትሒ ስለ ዝጠወየሉ ዘይኰነስ: ዝወረሰቶ ዘይፍጽምና ስለ ዘሎ ምዃኑ ኽርዳእ ጀመረ። (ሮሜ 5:12፣ 6:23) ብዛዕባቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ተስፋ ትንሳኤ ምስ ፈለጠ ኣዲኡ እንደገና ኸም ዝርእያ ምትእምማን ክሓድሮ ስለ ዝኸኣለ: ልዕሊ ዅሉ ምጽንናዕ ኰኖ። (ዮሃንስ 5:28, 29፣ ግብሪ ሃዋርያት 24:15) እቲ ዘሕዝን: ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ኣቢሉ ኣቦኡውን ሞተ። ኣብቲ ግዜ እቲ ግን ካስትሮ ነቲ ሓዘን ክጾሮ ኸኣለ። እዚ ሰብ እዚ ሕጂ ንየሆዋ የፍቅሮ: ብተኣማንነት ድማ የገልግሎ ኣሎ። ዝፈልጥዎ ዘበሉ ዅሎም ነቲ ሕጂ ረኺብዎ ዘሎ ሓጐስ ከስተውዕሉሉ ይኽእሉ እዮም።
ብዙሓት ዝፈትዉዎ ሰብ ዝሞቶም ሰባት በቲ ንካስትሮ ዘጸናንዖ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቅታት ይጸናንዑ እዮም። ብሰንኪ እኩያት ሰባት ብዙሕ ጸገማት ዘሕለፉ ገሊኣቶም ሰባት: ልክዕ ከም እዮብ “ረሲኣን ብህይወት ዚነብሩ: . . . ስለምንታይ ኰን እዩ፧” ኢሎም ይሓቱ እዮም። (እዮብ 21:7) ሰባት ነቲ ኣምላኽ ብቓሉ ኣቢሉ ዝህቦም መልሲ ብሓቂ እንተ ሰሚዖምዎ: ኣምላኽ ንነገራት ዘለዎ ኣተሓሕዛ ንጽቡቖም ምዃኑ ይፈልጡ እዮም።—2 ጴጥሮስ 3:9
ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝዓበየት ባርብራ: ውግእ ዘስዕቦ ዘስካሕክሕ ነገራት ብኣካል ኣይረኣየትን። እንተዀነ ግን: ኣብዛ ውግእ ዘለዋ ዓለም እያ ዓብያ። ውግእ ዘስዕቦ ግፍዒ ኣብ መዓልታዊ ጋዜጣ ተሓቲሙ ኽወጽእ ርእያ እያ። ተምሃሪት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን: እቲ ኣብ ታሪኽ እተማህረቶ ፍጻመታት ኣዝዩ ደንጸዋ። በዚ ተሓታቲ መን እዩ፧ ኣምላኽ ብዛዕባ እዚ ዅሉ ዘጋጥም ዘሎ ይግደስ ድዩ፧ ኣምላኽ ከም ዘሎ ትኣምን እኳ እንተ ነበረት: ብዛዕባኡ ዘለዋ ስምዒት ግን ተቐያያሪ ነበረ።
ይኹን እምበር: ባርብራ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትሓብር ምስ ጀመረት ብዛዕባ ህይወት ዝነበራ ኣረኣእያ በብቝሩብ ተቐየረ። ነቲ ዝብልዋ ሰምዓቶም: ምሳታቶም ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽንዐት። ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታቶም ክትካፈል ጀመረት። ኣብ ሓደ ዓብዪ ኣኼባኦም እውን ተኣኪባ ነበረት። ኣብ ርእሲ እዚውን ሕቶታት ክትሓትት ከላ: ካብ እተፈላለዩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እትረኽቦ መልስታት እተፈላለየ ዘይምዃኑ: የግዳስ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዝምርኰሱ ሕደ ዓይነት ዘረባ ኸም ዝዛረቡ ኣስተውዓለት።
እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ጠቒሶም ዓለም ኣብ ትሕቲ እቲ ገዛኢኣ ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ ከም ዘላን መንፈሱ ኸም እተንጸባርቕን መለሱላ። (ዮሃንስ 14:30፣ 2 ቈረንቶስ 4:4፣ ኤፌሶን 2:1-3፣ 1 ዮሃንስ 5:19) እዚ ንባርብራ ዘጨንቓ ዘሎ ፍጻመታት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብትንቢት ተገሊጹ ምንባሩ ሓበርዋ። (ዳንኤል ምዕራፍ 2, 7, 8) ኣምላኽ እንተ ደልዩ ብዛዕባ መጻኢ ኣቐዲሙ ኽፈልጥ ስለ ዝኽእል: ነዚ ብትንቢት ገለጾ። ገለ ኻብዚ ፍጻመታት ኣምላኽ ዘምጽኦ ክኸውን ከሎ: ገሊኡ ግን ንኽህሉ ዘፍቀዶ ጥራይ ምዃኑ ፈለጠት። እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንባርብራ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ኣብዚ ግዜና ዘጋጥም ጽቡቕን ሕማቕን ፍጻመታት ከም እተነበየን: ትርጕሙ እውን ከም ዝገለጾን ኣርኣይዋ። (ማቴዎስ 24:3-14) ጽድቂ ዝሰፍነላን መከራ ዘይህልወላን ሓዳስ ዓለም ክትመጽእ ምዃና መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝመባጻዕ ኣርኣይዋ።—2 ጴጥሮስ 3:13፣ ራእይ 21:3, 4
የሆዋ ኣምላኽ በቲ ኣብ ደቅሰብ ዝወርድ መከራ ተሓታቲ እኳ እንተ ዘይኰነ: ንሰባት ትእዛዛቱ ኽሕልዉ ብምግዳድ ነዚ መከራ ኸወግዶ ኸም ዘይጽዕር ባርብራ በብቝሩብ ክርድኣ ጀመረ። (ዘዳግም 30:19, 20) ኣምላኽ ንዘለኣለም ተሓጒስና ኽንነብረሉ እንኽእል ምድላዋት ገይሩ እዩ: ምስቲ ጻድቕ መገድታቱ ተሰማሚዕና ንነብር እንተ ዄንና ድማ ሕጂ ኸነርኢ ዕድል ሂቡና ኣሎ። (ራእይ 14:6, 7) ባርብራ ኣምላኽ ከነማልኦ ዝደልየና ብቕዓታት ፈለጠት: ምስዚ ተሰማሚዓ ኽትነብር ከኣ ጀመረት። ኣብ መንጎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን እታ የሱስ መለለዪ ናይ ሓቂ ሰዓብቱ ዝበላ ዓይነት ፍቕሪ ረኸበት።—ዮሃንስ 13:34, 35
ንስኻውን ካብቲ ንሳ እተሓገዘትሉ ምድላዋት ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ።
ትርጕም ዘለዎ ህይወት
ሓድሓደ ግዜ እቶም ዘዕግብ ህይወት ዘለዎም ዝመስሉ ሰባት እውን ከይተረፉ ነቲ ዘደንጽዎም ሕቶታት መልሲ የናድዩ እዮም። ንኣብነት: ማቲው ዝበሃል ኣብ ብሪጣንያ ዝነብር ሰብኣይ: ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ዕላማ ህይወትን ክፈልጥ ሃረር ይብል ነበረ። ወዲ 17 ዓመት ከሎ ኣቦኡ ሞተ። ድሕርዚ ማቲው ብሙዚቃ ካብ ዩኒቨርሲቲ ዲግሪ ረኸበ። ካብኡ እቲ ኣብ ፍቕረ-ንዋይ እተመስረተ ናብራኡ ኸንቱ ምዃኑ ኽርድኦ ጀመረ። ነቲ ዝዓበየሉ ኸባቢ ሓዲጉ ኣብ ለንደን ክነብር ጀመረ: ኣብኡ ኸኣ ዘዕግቦ ህይወት እንተ ረኸበ ኢሉ ሓሽሽ: ናይ ለይቲ ክለባት: ቈጸራ ከዋኽብቲ: ሓተታ መናፍስቲ: ዘን ቡድሂዝም ዝበሃል ዓይነት ሃይማኖት: ከምኡውን ካልእ ፍልስፍናታት ፈተነ። ዓቕሉ ስለ ዝጸበቦ: ኣምላኽ ነታ ሓቂ ኽረኽባ ኽሕግዞ ለመነ።
ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ ማቲው ምስ ሓደ ናይ ቀደም ዓርኩ ተራኸበ እሞ ብዛዕባ እቲ ዘለዎ ሕማቕ ኵነታት ገለጸሉ። እዚ ሰብኣይ እዚ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘጽንዐ እዩ። ካልኣይ ጢሞቴዎስ 3:1-5 ምስ ኣርኣዮ: መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ኣብ ዓለም ዘሎ ዅነታት ክሳዕ ክንደይ ብትኽክል ከም ዝገለጾ ገረሞ። ነቲ ኣብ ከረን ዝቐረበ ስብከት ምስ ኣንበበ: ልቡ ተንከፎ። (ማቴዎስ ምዕራፍ 5-7) ፈለማ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነቅፍ ጽሑፍ ኣንቢቡ ብምንባሩ ተወላወለ: ኣብ መወዳእታ ግን ኣብቲ ኣብ ጥቕኡ ዝርከብ መአከቢ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከይዱ ኣብ ኣኼባ ኽካፈል ወሰነ።
በቲ ኣብኡ ዝሰምዖ ስለ እተሓጐሰ ምስ ሓደ ኻብቶም ናይታ ጉባኤ ሽማግለታት መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ጀመረ። ነዊሕ ከይጸንሐ እቲ ዝወሃቦ ዝነበረ ትምህርቲ: መልሲ ናይቲ ኣቐዲሙ ናብ ኣምላኽ ዝጸለዮ ጸሎት ምዃኑ ኣስተውዓለ። ንየሆዋ ዘየሐጕስዎ ተግባራት ምስ ሓደገ: በረኸታት ረኸበ። ንኣምላኽ ጥዑይ ፍርሃት ምስ ኣማዕበለ: ምስ ትእዛዛት ኣምላኽ ተሰማሚዑ ንኽመላለስ ድራኸ ሓደሮ። እዚ ዓይነት ህይወት እዚ ናይ ሓቂ ትርጕም ዘለዎ ምዃኑ ኸኣ ፈለጠ።—መክብብ 12:13
ማቲው ወይውን ካልኦት ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እተጠቕሱ ሰባት ዘዕግብ መገዲ ህይወት ንኽረኽቡ ኣቐዲሙ ኣይኰነን ተወሲንሎም። ኣብ ክንድኡስ የሆዋ ኣምላኽ ንዅሎም እቶም ትእዛዛቱ ኽሕልዉ ዝደልዩ ዘጠቓልል ፍቕሪ ዝመልኦ ዕላማ ኸም ዘለዎ እዮም ተማሂሮም። (ግብሪ ) ውግእ ኣብ ዘይብላ ዓለም ንዘለኣለም ምንባር ከምኡውን ካብ ሕማምን ጥሜትን አረ ኻብ ሞትውን ሓራ ምዃን ገለ ኻብቲ ኣምላኽ ዓሊምዎ ዘሎ ነገራት እዩ። ( ሃዋርያት 10:34, 35ኢሳይያስ 2:4፣ 25:6-8፣ 33:24 ትርጕም 1990 ፣ ዮሃንስ 3:16) ንስኻኸ ከምዚ ክኸውን ትደሊ ዲኻ፧ ትደሊ እንተ ዄንካ: ኣብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመርኲሶም ዝገብርዎ ኣኼባታት ብምኻድ ብዛዕባ ዘዕግብ ህይወት ዝያዳ ኽትመሃር ትኽእል ኢኻ። ከምዚ ንኽትገብር ብኽብሪ ንዕድመካ።
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ናይ ብሕቲ ስሙ ጠቒስካ ናብ ኣምላኽ ልባዊ ጸሎት ኣቕርብ
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ምስቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ዝምህሩ ሓቢርካ መጽናዕቲ ግበር
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ኣብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገብርዎ ኣኼባታት ተኻፈል
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
Hiker: Chad Ehlers/Index Stock Photography