ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ 60 ዓመት ዝገበረት ናይ ሚስዮናውያን መሰልጠኒት

ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ 60 ዓመት ዝገበረት ናይ ሚስዮናውያን መሰልጠኒት

ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ 60 ዓመት ዝገበረት ናይ ሚስዮናውያን መሰልጠኒት

ሓንቲ ኻብ ቀዳመይቲ ኽፍሊ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ እተመረቐት ሓብቲ ብዛዕባ እቲ ኣብ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ዝረኸበቶ ትምህርቲ “ጽዑቕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ስለ እንገብር: ናብ የሆዋ ብዝያዳ ቐረብና: ብዛዕባ ማሕበሩ ድማ ዝያዳ ፈለጥና። እዚ ኸኣ ኣብ ወጻኢ ሃገር ንኸነገልግል ኣዳለወና” በለት። ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ቅድሚ 60 ዓመት ካብ እትምረቕ ኣትሒዛ ሚስዮናውያን ክትልእኽ ጸኒሓ እያ። ብ8 መጋቢት 2003 ምረቓ ናይ መበል 114 ክፍሊ ኣብቲ ኣብ ፓተርሰን: ኒው ዮርክ ዝርከብ ትምህርታዊ ማእከል ግምቢ ዘብዐኛ ተኻየደ። እቶም ኣብቲ ኣደራሽን ኣብቲ ብተለቭዥን እዚ ኣኼባ ዝመሓላለፈሉ ዝነበረ ቦታታትን እተኣከቡ 6,404 ነቲ ዝርርባትን ቃለ⁠-​መጠይቓትን ምይይጥን ዘጠቓለለ ኣኼባ ጽን ኢሎም ሰሚዖምዎ እዮም።

ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ቴዶር ጃራዝ ኣቦ መንበር ነበረ። እቲ መኽፈቲ ዝርርቡ እቶም ተኣከብቲ ኻብ እተፈላለየ ቦታታት ከም ዝመጹ ዝሕብር ነበረ። ኣብቲ ኣኼባ ካብ እስያ: ካብ ካሪብያን: ካብ ማእከላይን ደቡብን ኣመሪካ: ከምኡውን ካብ ኣውሮጳ ዝመጹ በጻሕቲ ነይሮም። ሓው ጃራዝ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 4:5 ብምትኳር ቀንዲ ዕዮ እቶም ኣብ ጊልዓድ ዝስልጥኑ ሚስዮናውያን ‘ግብሪ ወንጌላዊ ኽገብሩ’ ምዃኑ ኣጕልሐ። እቶም ሚስዮናውያን ንሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ብምምሃር ንሓቂ ዝምስክሩ እዮም።

ተማሃሮ ናይ መወዳእታ ትምህርቲ ይወሃቦም

ኣብ መጀመርታ እቲ ተኸታታሊ ሓጸርቲ ዝርርባት: ኣባል ጨንፈር ኮሚተ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጆን ላርሰን “ኣምላኽ ምሳና ኻብ ኰነኸ: መን እዩ ዚቃወመና፧” ዘርእስቱ እምነት ዘደልድል ዝርርብ ኣቕረበ። (ሮሜ 8:31) እቲ ተዛራባይ ነቶም ተማሃሮ ኣብ እተመደቡሉ ዘበለ ንዘጋጥሞም ዝዀነ ይኹን ጸገማት ብሓይሊ የሆዋ ዝዋጽኡሉ ምዃኖም ምሉእ ብምሉእ ከም ዝተኣማመኑ ዝገብሮም ቅዱስ ጽሑፋዊ መሰረት ገለጸ። ሓው ላርሰን ነቲ ኣብ ሮሜ 8:38, 39 ዘሎ ሓሳባት ብምውሳድ “ሓንሳእ ህድእ ኢልኩም ነቲ ኣምላኽ ምእንታኹም ዝጥቀመሉ ዘሎ ሓይሊ ሕሰቡሉ: ነቲ የሆዋ ንዓኻትኩም ዘለዎ ተገዳስነት ዋላ ሓደ ኸበላሽዎ ኸም ዘይክእል ዘክሩ” በለ።

ቀጺሉ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ጋይ ፒርስ ዝርርብ ኣቕረበ። ኣርእስቲ ዝርርቡ ድማ “ኣዒንትኹም ወትሩ ሕጉሳት ከም ዝዀና ግበሩ!” ዝብል ነበረ። (ሉቃስ 10:23) ናይ ሓቂ ሓጐስ ክበሃል ከሎ ንየሆዋ ምፍላጥን ዘለኣለማዊ ዕላማታቱ ምርዳእን ፍጻመ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ምርኣይን ዘጠቓልል ምዃኑ ገለጸ። እቶም ተማሃሮ ኣብ ዝኸድዎ ዘበለ ነዒንቶም ሕጉሳት ከም ዝዀና ብምግባር ናይ ሓቂ ሓጐሶም ክዕቅቡ ይኽእሉ እዮም። ሓው ፒርስ ነቶም ተመረቕቲ ነቲ የሆዋ ዝገበረሎም ሰናይ ኣጸቢቖም ከስተንትኑሉ: ኣእምሮኦምን ልቦምን ድማ ፍቓዱ ኣብ ምግባር ከተኵሩ ኸም ዘለዎም ኣተባብዖም። (መዝሙር 77:12) እቶም ተመረቕቲ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ብምሓዝ ንዝዀነ ይኹን ዘጋጥሞም ጸገማት ክዋጽእሉ ይኽእሉ እዮም።

ድሕሪኡ እቶም ተመረቕቲ ኻብቶም መዓልታዊ ዝምህርዎም ዝነበሩ ኽልተ መምህራኖም ናይ ስንብታ ዝርርብ ሰምዑ። ሎረንስ ቦወን “ክብሪ ዲኹም ትደልዩ ዘለኹም፧” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ዝርርብ ኣቕረበ። መብዛሕትኦም ሰባት ክብሪ ኽበሃል ከሎ ምስ ውዳሰን ፍልይ ዝበለ ነገርን ምርካብ እዮም ዘተሓሕዝዎ። ኣሳፍ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ግን እቲ ናይ ሓቂ ኽብሪ ተረዲእዎ እዩ፣ እዚ ከኣ እቲ ብዋጋ ዘይሽነን ምስ የሆዋ ዘሎና ኽቡር ርክብ እዩ። (መዝሙር 73:24-25) እቶም ተመረቕቲ ኣዘውቲሮም ዓሚቝ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምግባር ምስ የሆዋ ዘለዎም ጥብቂ ርክብ ክቕጽልዎ ምትብባዕ ተዋሂብዎም እዩ። መላእኽቲ እኳ ናብቲ የሆዋ ብክርስቶስ ኣቢሉ ዝፍጽሞ ዕላማኡ “ኺጥምቱ ይብህጉ እዮም።” (1 ጴጥሮስ 1:12) ክብሪ ኣቦኦም ምእንቲ ኸንጸባርቑ ብዛዕባኡ ብእተኻእሎም መጠን ክፈልጡ ይጽዕሩ እዮም። ድሕርዚ እቲ ተዛራባይ ነቶም ተማሃሮ ኣብቲ ሚስዮናውያን ኰይኖም ዘገልግልሉ ቦታታት ንኻልኦት ሰባት እቲ ብዋጋ ዘይሽነን መዝገብ ንኽረኽቡ ብምሕጋዝ ንየሆዋ ከኽብርዎ ተማሕጸኖም።

እቲ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ተሓዝ መዝገብ ዋለስ ሊቨራንስ “ኣብ ቅዱስ ምስጢር ዘሎ ጥበብ ኣምላኽ ተዛረቡ” ብዝብል ኣርእስቲ ነቲ ተኸታታሊ ዝርርብ ዛዘሞ። (1 ቈረንቶስ 2:7) እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ሚስዮናዊ ዀይኑ ኣብ ዘገልገለሉ እዋን ዝጠቐሶ ጥበብ ኣምላኽ እንታይ እዩ፧ ነቲ የሆዋ ኣብ መላእ ኣድማስ ሰላምን ሓድነትን ንኸምጽእ ዝጥቀመሉ ጥበቡን ሜላኡን እዩ። እዛ ጥበብ እዚኣ ኣብ የሱስ ዘተኰረት እያ። ጳውሎስ ንማሕበራዊ ጸገማት ግዜያዊ ፍታሕ ዘምጽእ ነገራት ኣብ ክንዲ ዝሰብኽ: ኣምላኽ ንሳዕቤን ሓጢኣት ኣዳም ብኸመይ ከም ዘወግዶ ንሰባት ክግንዘቡ ሓገዞም። (ኤፌሶን 3:8, 9) እቲ ተዛራባይ ንሰማዕቱ ኸምዚ ኢሉ ተማሕጸኖም:- “ነቲ ናይ ኣገልግሎት ፍሉይ መሰልኩም ከምቲ ጳውሎስ እተጠቕመሉ ጌርኩም ተጠቐሙሉ፣ ንሱ ነቲ ሚስዮናዊ ብምዃን ዝፍጽሞ ዝነበረ ኣገልግሎቱ: ንሰባት ነቲ የሆዋ ዕላማኡ ዝፍጽመሉ መገዲ ንኸረድኦም እተኸፍተሉ ኣጋጣሚ ገይሩ እዩ ርእይዎ።”

ድሕርዚ ማርክ ኑማር ዝበሃል ካልእ ናይ ጊልዓድ መምህር ምስ እተወሰኑ ኻብቶም ተማሃሮ ውዕዉዕ ምይይጥ ገበረ። ኣርእስቲ እቲ ምይይጥ “ኣብ ቃል ኣምላኽ መጽናዕቲ ምግባር ቀናኣት ኣገልገልቲ የፍሪ” ዝብል ኰይኑ ነተን ኣብ ሮሜ 10:10 ዝርከባ ቓላት ጳውሎስ ዘጕልሕ እዩ ነይሩ። እቶም ተማሃሮ ኣብታ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዝጸንሑሉ እዋን ኣብ ግራት ኣገልግሎት ዝረኸብዎ ሓያሎ ተመክሮታት ኣዘንተዉ። እቲ ተመክሮኦም ከኣ ቃል ኣምላኽ ከነጽንዕን ከነስተንትነሉን ከለና: እቲ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽን መንግስቱን እነንብቦ ሰናይ ነገራት ንልብና ኸም ዝመልኦን ንኻልኦት ከም እንዛረበሉን እዩ ዘርኢ። እቶም ተማሃሮ ኣብ ትምህርታዊ ማእከል ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ዝጸንሑለን ሓሙሽተ ኣዋርሕ: ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዝርከባ ብጽቡቕ እተዓየ ዞባ ዘለወን ጉባኤታት ካብ 30 ዝበዝሑ ናይ ቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክጅምሩ ኽኢሎም እዮም።

ተመክሮ ዘለዎም ዝሃብዎ ማዕዳ

እቶም ተማሃሮ ኣብታ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዝጸንሑሉ እዋን ምስ ኣባላት ስድራ ቤትኤል ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኻብ ዝነበሮም ርክብ ተጠቒሞም እዮም። ሮበርት ሲራንኮን ሮበርት ፒ. ጆንሰንን ዝበሃሉ ኣባላት ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ንነዊሕ ዓመታት ንየሆዋ ንዘገልገሉ ኣሕዋት ቃለ⁠-​መጠይቕ ገበሩሎም። ገለ ኻብዚኣቶም ኣብቲ ትምህርታዊ ማእከል ግምቢ ዘብዐኛ ፍሉይ ስልጠና ዝወሃቦም ዝነበረ ገየሽቲ ተዓዘብቲ እዮም። ኵሎም እቶም ቃለ⁠-​መጠይቕ እተገበረሎም ካብ ጊልዓድ እተመረቑ ዀይኖም ሚስዮናውያን ኰይኖም ዘገልገሉ እዮም። ካብዞም ተመክሮ ዘለዎም መንፈሳውያን ሰባት ጥበብ ዝመልኦ ቓላት ምስማዕ ነቶም ተማሃሮን ንስድራ​ቤቶምን ንፈተውቶምን ዘተባብዕ እዩ ነይሩ።

ገለ ኻብቲ እቶም ተመክሮ ዘለዎም ዝሃብዎ ማዕዳ እንሆ:- “ብእተኻእለኩም መጠን ኣብ ኣገልግሎትን ኣብ ጉባኤን ትሑዛት ኩኑ።” “ብዛዕባ ርእስኹም ብዙሕ ኣይትጨነቑ። ሚስዮናውያን ከም ምዃንኩም መጠን ኣብ ዕላማኹም ኣተኵሩ: ነታ እተመደብኩምላ ዓዲ ድማ ዓድኹም ግበርዋ።” ካልእ እተዋህበ ጠቓሚ ሓሳባት እውን እቶም ተመረቕቲ ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ እኳ እንተ ተመደቡ ኣብ ጊልዓድ ዝወሃብ ስልጠና ብኸመይ ንሰናይ ነገራት ከም ዘዕጥቖም ዝገልጽ ነበረ። ገለ ኻብቲ ነዚ ብዝምልከት እተዋህበ ሓሳባት እውን እንሆ:- “ንኽንተሓባበርን ብሓባር ንኽንዓዪን ኢና ተማሂርና።” “እዛ ቤት ትምህርቲ ሓድሽ ባህልታት ንኽንቅበል ሓጊዛትና እያ።” “ንጥቕስታት ብሓድሽ መልክዕ ንኽንጥቀመሉ ኢና ተማሂርና።”

ንነዊሕ ዓመታት ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኑ ዘገልገለ ጆን ኢ. ባር ቀንዲ ዝርርብ ናይቲ ፕሮግራም ሃበ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ኣርእስቲ ዝርርቡ “ደሃዮም ናብ ኵሉ ምድሪ ወጸ” ዝብል ነበረ። (ሮሜ 10:18) ሓው ባር ‘ኣብዚ ግዜና ህዝቢ ኣምላኽ ነዚ በዳሂ ዕዮ ኽፍጽሙ ኽኢሎምዶ፧’ ዝብል ሕቶ ሓተተ። እወ: ብዓጀባ እምበር! ካብ 1881 ኣትሒዙ ኣንበብቲ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ “ትሰብኩዶ ኣለኹም፧” ዝብል ሕቶ ተሓቲቶም እዮም። ድሕሪኡ እዚ ተዛራባይ ነቲ ብ1922 ኣብ ሰዳር ፖይንት: ኦሃዮ: ሕ.መ.ኣ. ኣብ እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ ዝቐረበ “ብዛዕባ እቲ ንጉስን መንግስቱን ኣውጁ!” ዝብል ጻውዒት ኣዘኻኸረ። ግዜ እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዘለዎም ቅንኣት ነቲ ዘደንቕ ሓቅታት መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሎም ሰባት ንኽእውጁ ደረኾም። እቲ ብስራት ብጽሑፋትን ብቓልን ኣቢሉ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ በጺሑ እዩ: እዚ ዅሉ ኸኣ ንኽብርን ውዳሰን የሆዋ እዩ ተገይሩ። ኣብቲ ሓው ባር ዘቕረቦ ዘነቓቕሕ መደምደምታ: ነቶም ተመረቕቲ ኸምዚ ዝስዕብ ብምባል እቲ ዝረኸብዎ በረኸታት ንኸስተውዕሉሉ ተማሕጸኖም:- “መዓልቲ መዓልቲ ኣብቲ እተመደብኩምሉ ዄንኩም ናብ የሆዋ ኽትጽልዩ ኸለኹም: ነተን ‘ደሃዮም ናብ ኵሉ ምድሪ ወጸ’ ዝብላ ቓላት ኣብ ምፍጻም እጃም ስለ ዘለኩም ካብ መዓሙቝ ልብኹም ዝመነጨ ምስጋና ኣቕርቡሉ።”

ድሕርዚ ዝርርብ እዚ ሰላምታታት ተነበ: እቲ ኣቦ መንበር ከኣ ንነፍሲ ወከፍ ምሩቕ ዲፕሎማ ዓደለ። ድሕሪኡ ናይታ ኽፍሊ ተወካሊ ኻብታ ቤት ትምህርቲ ብምስንባቱ ሓጐስን ሓዘንን ተሓዋዊስዎ ኸሎ: ንኣመሓዳሪ ኣካልን ንስድራ ቤትኤልን ካብ ልቢ ዝመነጨ ናይ ኣቕዋም መግለጺ ኣንበበ: እቶም ተመረቕቲ ንየሆዋ “ካብ ሕጂ ኽሳዕ ዘለኣለም” ከመስግንዎ ኸም ዝቘረጹ ኸኣ ገለጸ።​—⁠መዝሙር 115:18

እዞም ተመረቕቲ እዚኣቶም ከምቶም ቅድሚኦም እተላእኩ ሚስዮናውያን ን60 ዓመት ዝገበርዎ: ነቲ ሓድሽ ዓዶም ክለምዱን ንዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት ጽቡቕ ኣበርክቶ ኽገብሩን ጸሎትና እዩ።

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ሳጹን]

ናይቲ ኽፍሊ ስታቲስቲክስ

ቍጽሪ ዝመጹለን ሃገራት:- 12

ቍጽሪ እተመደቡለን ሃገራት:- 16

ቍጽሪ ተማሃሮ:- 48

ገምጋም ዕድመ:- 34.4

ኣብ ሓቂ ዝጸንሑሉ ገምጋም ዓመታት:- 17.6

ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዝጸንሑሉ ገምጋም ዓመታት:- 13.5

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ናይ መበል 114 ክፍሊ ተመረቕቲ

ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ዝርዝር ኣስማት: ነቲ መስርዕ ተዋሂብዎ ዘሎ ቝጽሪ ካብ ቅድሚት ንድሕሪት ክኸውን ከሎ: ኣስማት ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መስርዕ ካብ ጸጋም ናብ የማን እዩ።

(1) ዶራ ሮዛ፣ ጆናሊን ጋሪጎላስ፣ ሪበካ ሊንድስቶርም፣ ፓውላ ፓቫኔሎ፣ ኒኮል ታያት (2) ማርቲን ቫን ሃውት፣ ክላውድያ ዶናባወር፣ ሉዊስ ማርቲነስ፣ ዴብራ ሚለር፣ ያሚና ፈስትረ፣ ሱዛና ኑተር (3) ፓትሪስያ ማርቲነስ፣ ላ ቶንያ ክላርክ፣ ቢርጊታ ሞውን፣ ሊሳ ፊሸር፣ ግሪሰል ሮሞ (4) ሪካርዶ ሮሞ፣ ሾን ኢዲ፣ ክሪስታል ታይማን፣ ፔትራ ካምፕበል፣ ዴቪድ ሚለር፣ ዊልያም ሮዛ (5) ካርል ዮሃን ሊንድስቶርም፣ ሆሴ ጋሪጎላስ፣ ናንሲ ማርክቪች፣ ኪምበርሊ ሊንዳላ፣ ያን ቫን ደር ሆቨል፣ ስተፈን ታያት፣ ፊሊፕ ኑተር (6) ፖል ሞውን፣ ቪንሰንት ፓቫኔሎ፣ ናታሻ ኢዲ፣ ኣነት ዌስት፣ ዴል ክላርክ፣ ጆናታን ማርክቪች (7) ድዌን ፊሸር፣ ሮናልድ ዶናባወር፣ ፒየር ካሪ፣ ይቮን ካሪ፣ ዊሎው ካርፋኖ፣ ማቲያስ ዌስት፣ ኣርሊን ታይማን (8) ማርክ ቫን ሃውት፣ ኮሊን ካምፕበል፣ ይቫን ፈስትረ፣ ካርል ካርፋኖ፣ ኩወን ቫን ደር ሆቨል፣ ድዌን ሊንዳላ