እዚ ስነ-ጥንታዊ ርኽበት የሱስ ከም ዝነበረ ዝሕብር መርትዖ ድዩ፧
እዚ ስነ-ጥንታዊ ርኽበት የሱስ ከም ዝነበረ ዝሕብር መርትዖ ድዩ፧
“የሱስ ብሓቂ ከም ዝነበረ ዝሕብር ኣብ እምኒ እተረኽበ መርትዖ።” ገበር ናይታ ቢብሊካል ኣርኪዮሎጂ ረቪው (ሕዳር/ታሕሳስ 2002) ነዚ ተጠቒሱ ዘሎ ኣርእስቲ ሒዛ ነበረት። ኣብቲ ገበር እቲ ስእሊ ናይ ሓደ ኣብ እስራኤል እተረኽበ ብእምኒ ኖራ እተሰርሐ ኣዕጽምቲ ዝቕመጠሉ ሳጹን ወጺኡ ኣሎ። ካብ ቀዳማይ ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. ክሳዕ 70 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ ዝነበረ ሓጺር እዋን ኣዕጽምቲ ዝቕመጠሉ ሳጹን ምስራሕ ኣብ ኣይሁድ ልሙድ ነበረ። ነዛ ሳጹን እዚኣ ፍልይቲ ዝገበራ ግን ብሓደ ወገና ዘሎ ብኣረማይስጢ ተቐሪጹ እተጻሕፈ ጽሕፈት እዩ። እቲ ጽሑፍ “ያእቆብ: ወዲ ዮሴፍ: ሓው የሱስ” ዝብል ምዃኑ ምሁራት ኣፍልጦ ሂቦምሉ ኣለዉ።
ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ: ንየሱስ ብዓል ናዝሬት ያእቆብ ዝበሃል ሓው ነበሮ፣ ንዮሴፍ ሰብኣይ ማርያም ከኣ ወዱ ጌርካ እዩ ዝውሰድ ነይሩ። የሱስ ኣብ ዓዱ ኽምህር ከሎ: እቶም ሰማዕቱ ስለ እተገረሙ: “እዝስ ወዲ እቲ ጸራቢ ደይኰነን፧ ኣዲኡስ ማርያም እትበሀል ደይኰነትን፧ ኣሕዋቱስ ያእቆብ: ዮሴፍ: ስምኦን: ይሁዳ ደይኰኑን፧ ኣሓቱ ዅላተንሲ ምሳናዶ ኣየለዋን፧” በሉ።—ማቴዎስ 13:54-56፣ ሉቃስ 4:22፣ ዮሃንስ 6:42
እወ: እቲ ኣብቲ ኣዕጽምቲ ዝቕመጠሉ ሳጹን ዝርከብ ጽሑፍ ምስቲ ንየሱስ ብዓል ናዝሬት እተዋህቦ መግለጺ ዝሰማማዕ እዩ። እቲ ኣብቲ እተቐርጸ ጽሑፍ ተጠቒሱ ዘሎ ያእቆብ ብሓቂ እቲ ንየሱስ ክርስቶስ በደ ሓዉ ዝነበረ ያእቆብ እንተ ዀይኑ: ከምቲ ናይ ጥንታዊ እተቐርጸ ጽሑፍ ክኢላን ጸሓፊ ናይዛ ኣብ ቢብሊካል ኣርኪዮሎጂ ረቪው ዝወጸት ዓንቀጽን ዝዀነ ኣንድረ ላሜር ዝበሎ: እቲ ሳጹን “ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ወጻኢ ብጥንታውነቱ ቐዳማይ ቦታ ዝወሃቦ ብዛዕባ የሱስ መርትዖ ዝህብ ስነ-ጥንቲ” እዩ ዝኸውን። ኣዳላዊ እታ መጽሔት ሀርሸል ሻንክስ እቲ ሳጹን “ብግዜ እቲ ኣብ ምድሪ ኻብ ዝነበሩ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ሰብ ዝነበረ ዝጭበጥን ዝርአን መርትዖ እዩ” በለ።
እንተዀነ ግን: ኣብቲ ሳጹን ተቐሪጹ እተረኽበ ሰለስቲኡ ኣስማት ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝውቱር እዩ ነይሩ። ስለዚ: ካብታ የሱስ ክርስቶስ ዝዓበየላ ስድራቤት ወጻኢ: ያእቆብ: ዮሴፍ: ከምኡውን የሱስ ዝበሃሉ ሰባት ዝርከቡዋ ኻልእ ስድራቤት እውን ነይራ ኽትከውን ትኽእል እያ። ላሜር ከም ዝገመቶ “ኣብ የሩሳሌም ቀቅድሚ 70 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ ዝነበረ ኽልተ ወለዶ: . . . ምናልባት 20 ዝዀኑ ‘ያእቆብ ወዲ ዮሴፍ ሓው የሱስ’ ተባሂሎም ክጽውዑ ዝኽእሉ ሰባት ነይሮም” በለ። ይኹን እምበር: እቲ ኣብቲ ሳጹን እተጠቕሰ ያእቆብ እቲ ንየሱስ ክርስቶስ በደ ሓዉ ዝነበረ ኸም ዝዀነ 90 ኻብ ሚእቲ እተረጋገጸ እዩ ዝብል ስምዒት እዩ ዘለዎ።
እቲ ኣብቲ ጽሑፍ ዘሎ ያእቆብ: እቲ ንየሱስ ክርስቶስ በደ ሓዉ ዝነበረ ምዃኑ ንገሊኣቶም ዘእመኖም ካልእ ረቛሒ እውን ኣሎ። ኣቦ እቲ ዝሞተ ምጥቃስ ልሙድ እኳ እንተዀነ: ስም ሓው ግን ሳሕቲ እንተ ዘይኰይኑ
ኣይጥቀስን እዩ ነይሩ። ስለዚ: ገሊኣቶም ምሁራት እቲ የሱስ ተባሂሉ ዘሎ ኣዝዩ ፍሉጥ ዝነበረ ሰብ ክኸውን ስለ ዘለዎ: እቲ መስራቲ ክርስትና ዝነበረ የሱስ ክርስቶስ እዩ ክኸውን ዝኽእል ኣብ ዝብል መደምደምታ ኸም ዝበጽሑ ገበሮም።እዚ ሳጹን እዚ ሓቅነቱ እተረጋገጸ ድዩ፧
እዚ ሳጹን እዚ ኣዕጽምቲ ናይ ሓደ ዝሞተ ሰብ ካብቲ ተነቢሩሉ ዝነበረ በዓቲ ምስ ወጸ ዝቕመጠሉ እዩ። ካብቲ ኣብ ከባቢ የሩሳሌም ዝርከብ መቓብራት ሓያሎ ኣዕጽምቲ ዝቕመጠሉ ሳጹናት ተሰሪቑ እዩ። እዚ ስም ያእቆብ እተጻሕፎ ሳጹን ኣብ ወግዓዊ ዅዕታ ዝግበረሉ ቦታ ዘይኰነስ: ቅርስታት ኣብ ዝሽየጠሉ ዕዳጋ እዩ ተረኺቡ። ዋና እቲ ሳጹን ብ1970ታት ብሒደት ኣማእታት ዶላር ከም ዝዓደጎ እዩ ዝንገር። ስለዚ: ምንጪ እቲ ሳጹን ምስጢር ኰይኑ እዩ ተሪፉ። ኣብቲ ኣብ ኒው ዮርክ ዝርከብ ብራድ ኮለጅ ዝዓዪ ፕሮፌሰር ብሩስ ቺልተን: “እቲ ስርሓት ኢደ-ጥበብ ኣበይ ከም እተረኽበን ን2,000 ዝኸውን ዓመታት ኣበይ ከም ዝጸንሐን ክትገልጽ እንተ ዘይክኢልካ: ኣብ መንጎ እቲ ኣቕሓን ኣብኡ ተጠቒሶም ዘለዉ ሰባትን ምትሕሓዝ ኣለዎ ኢልካ ኽዝረብ ኣይከኣልን እዩ” በለ።
ኣንድረ ላሜር ነዚ ሃጓፍ እዚ ንምዕባስ ነቲ ሳጹን ኣብ እስራኤል ናብ ዝርከብ ጂኦሎጂያዊ መጽናዕቲ ዝግበሮ ለኣኾ። እቶም ኣብኡ ዝርከቡ ተመራመርቲ ኸኣ እቲ ሳጹን ኣብ ቀዳማይ ወይ ካልኣይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ብዝነበረ እምኒ ኖራ ኸም እተሰርሐ ኣረጋገጹ። “ንምስርሑ ዘመናዊ ናውቲ ወይ መሳርሒ ኸም እተጠቕመ ዝሕብር ምልክት የብሉን” ዝብል ጸብጻብ እውን ሃቡ። ገና ግን ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ ቃለ-መጠይቕ ዝገበረትሎም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁራት “እቲ ምስ የሱስ ዘተሓሕዝ ኣማቲ መርትዖ ሓያል ክኸውን ዝኽእል እኳ እንተዀነ: እማተ ጥራይ ኰይኑ እዩ ዝተርፍ” ዝብል ሓሳብ ሃቡ።
መጽሔት ታይም “ኣብዚ ግዜና የሱስ ብህይወት ምንባሩ ዝጠራጠር ምሁር ሰብ ዳርጋ የለን” ዝብል ሓሳብ ሃበት። ይኹን እምበር: ገሊኣቶም ሰባት ኣብ ርእሲ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሱስ ዝህቦ መግለጺ: ካልእ መርትዖ ኽህሉ ኣለዎ ኢሎም ይኣምኑ። ሓደ ሰብ ኣብ ስነ-ጥንቲ ተመርኲሱ ድዩ ኣብ የሱስ ክርስቶስ ክኣምን ዘለዎ፧ ታሪኻዊ ሓቅነት ናይቲ “ኣብ ምድሪ ኻብ ዝነበሩ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ሰብ” ዘረጋግጽ እንታይ መርትዖ ኣሎና፧
[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
Left, James Ossuary: AFP PHOTO/J.P. Moczulski; right, inscription: AFP PHOTO/HO