ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ይነብር ምንባሩ ዘረጋግጽ መርትዖ

የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ይነብር ምንባሩ ዘረጋግጽ መርትዖ

የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ይነብር ምንባሩ ዘረጋግጽ መርትዖ

ኣልበርት ኣንስታይን ዝበሃል ሰብኣይ ብህይወት ይነብር ምንባሩ ትኣምነሉዶ፧ ‘ብዓጀባ እምበር’ ኢልካ ትምልስ ትኸውን። ስለምንታይ ግን ኢኻ ኸምኡ ኢልካ እትምልስ፧ መብዛሕትኦም ሰባት ብኣካል ረኺቦምዎ ኣይፈልጡን እዮም። ይኹን እምበር: ብዛዕባ እቲ ዝፈጸሞ ነገራት ዝገልጽ ትውክልቲ ዝግበሮ ጸብጻባት ብሓቂ ብህይወት ምንባሩ የረጋግጸልና። እቲ ንሱ ዘሕደሮ ጽልዋ ኸኣ እቲ ርኽበታቱ ኽዕየየሉ ኸሎ ይርአ ኣሎ። ንኣብነት: ሓያሎ ሰባት ካብ ኑክሌራዊ ጸዓት ይጥቀሙ እዮም: እዚ ኽዕየየሉ እተኻእለ ኸኣ ሳላ እታ E=mc2 (ጸዓት ይኸውን ክብደት ክራባሕ ብፍጥነት ብርሃን ትርብዒት) እትብል ኣንስታይን ዘቘማ ውርይቲ ቐመር እዩ።

እቲ ኣብ ታሪኽ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ጽልዋ ዘለዎ የሱስ ክርስቶስ ብህይወት ምንባሩ ንምርግጋጽ እውን ተመሳሳሊ ሜላ ክንጥቀም ንኽእል ኢና። እቲ ብዛዕባኡ እተጻሕፈ ነገራትን እቲ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ዘሕደሮ ጽልዋን ብሓቂ ብህይወት ምንባሩ ሓያል መርትዖ እዩ። እዚ ኣብታ ቐዳመይቲ ዓንቀጽ እተጠቐሰ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ስም ያእቆብ እተረኽቦ ቕርሲ መሳጢ ክኸውን ዝኽእል እኳ እንተዀነ: ታሪኻዊ ሓቅነት የሱስ ግን ኣብዚ ዀነ ኣብ ካልእ ቕርሲ ኣይኰነን ዝምርኰስ። የሱስ ኣብ ምድሪ ይነብር ምንባሩ ኻብቲ ዓለማውያን ጸሓፍቲ ታሪኽ ብዛዕባኡን ብዛዕባ ሰዓብቱን ዝጸሓፍዎ መርትዖ ኽንረክብ ንኽእል ኢና።

ጸሓፍቲ ታሪኽ ዝሃብዎ መርትዖ

ንኣብነት: እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ፈሪሳዊ ዝነበረ ፍላቪየስ ጆሰፈስ ዝበሃል ኣይሁዳዊ ጸሓፍ ታሪኽ ዝሃቦ ምስክርነት እስከ ንርአ። ንየሱስ ክርስቶስ ኣብታ ጂውሽ ኣንቲኲቲስ እትበሃል መጽሓፉ ጠቒስዎ ኣሎ። ገሊኣቶም ንሓቅነት እቲ ጆሰፈስ ንየሱስ ንመጀመርታ ግዜ መሲህ ኢሉ ዝጠቐሰሉ ጽሑፍ ዝጠራጠሩሉ እኳ እንተዀኑ: ከምቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ የሺቫ ዝዓዪ ፕሮፌሰር ሎአስ ኤች. ፈልድማን ዝበሎ ግን ንሓቅነት እቲ ንኻልኣይ ግዜ ዝጠቐሰሉ ጽሑፍ ዳርጋ ዝጠራጠር የለን። ኣብኡ ጆሰፈስ ከምዚ በለ:- “[ሃና እቲ ሊቀ ኻህናት] ንደያኑ ሳንሄድሪን ኣኪቡ ንሓደ ያእቆብ ዝበሃል ሓው እቲ ክርስቶስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ የሱስ ኣብ ቅድሚኦም ኣቕረቦ።” (ጂውሽ ኣንቲኲቲስ: XX, 200) እወ: ኣባል እቶም ጸላእቲ የሱስ ምዃኖም ብዕሊ ዝፍለጡ ፈሪሳውያን: ‘ያእቆብ: ሓው የሱስ’ ብሓቂ ምንባሩ ኣፍልጦ ሃበ።

የሱስ ብሓቂ ምንባሩ በቲ ሰዓብቱ ዝገብርዎ ንጥፈታት እውን ክረጋገጽ ይኽእል እዩ። ብ59 ከ.ኣ.ዘ. ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ተኣሲሩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: እቶም ኣውራታት ኣይሁድ “ብዛዕባ እዛ ሻራ [“ኣንቈራ” NW ] እዚኣ ግና ኣብ ኵሉ ቦታ ኸም ዚጻረሩ: ንፈልጥ ኢና” በልዎ። (ግብሪ ሃዋርያት 28:17-22) ንደቀ መዛሙርቲ የሱስ “ኣንቈራ” ኢሎም እዮም ጸዊዖምዎም። ኣብ ኵሉ ቦታ ዝጻረርዎም እንተ ነይሮም ከኣ ዓለማውያን ጸሓፍቲ ታሪኽ ብዛዕባኦም ክጽሕፉ ኢና ትጽቢት እንገብረሎም: ኣይኰነን ድዩ፧

ብ55 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ እተወልደን ሓደ ኻብቶም ዓበይቲ ጸሓፍቲ ታሪኽ ዓለም ጌርካ ዝርአን ታሲተስ: ኣብቲ ንሱ ዝጸሓፎ መዝገብ⁠-​ፍጻመታት ንክርስትያናት ጠቒስዎም ኣሎ። ኔሮ ነቲ ብ64 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ ሮማ ዘጋጠመ ባርዕ ኣብ መን ከም ዝጠቀኖ ኣመልኪቱ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኔሮ ኣብቶም ብሓፋሽ ክርስትያናት ተባሂሎም ዝጽውዑ ዝፍንፈኑ ጕጅለ ብምጥቃን እዚ ዘይበሃል ስቓይ ኣውረደሎም። እቲ ምንጪ ስም እዞም ጕጅለ ዝዀነ ክርስቶስ ብዘመነ ጢበርዮስ ብሓደ ኻብቶም ተወከልትና ዝዀነ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ንሞት ተፈርዶ።” ዝርዝር ናይዚ ጸብጻብ እዚ ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሱስ ዝገልጾ ሓበሬታ ዝሰማማዕ እዩ።

ካልእ ብዛዕባ ሰዓብቲ የሱስ ዝጠቐሰ ጸሓፊ እቲ ኣመሓዳሪ ቢቲንያ ዝነበረ ፕሊኒ ንእሽቶ እዩ። ብ111 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ: ፕሊኒ ንሃጸይ ትራጃን ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ ንክርስትያናት እንታይ ክገብሮም ከም ዘለዎ ሓቲቱ ነይሩ። እቶም ብሓሶት ክርስትያናት እዮም ተባሂሎም ዝኽሰሱ ሰባት ክርስትያናት ከም ዘይኰኑ ንምርግጋጽ: ንኣማልኽቲ ኽምህለሉን ንሓወልቲ ትራጃን ከምልኹን ዝቐርበሎም ሕቶ ከም ዝቕበሉ ጸሓፈ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ “ነቶም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ግን ብሓይሊ ኸተለማምጦም ከም ዘይትኽእል እዩ ተነጊሩኒ” በለ። እዚ ክርስቶስ ብሓቂ ኸም ዝነበረ መርትዖ ዝኸውን እዩ: ከመይሲ ሰዓብቱ ነቲ ኣብኡ ዝነበሮም እምነት ህይወቶም እውን ንምስዋእ ድሉዋት እዮም ነይሮም።

ዘ ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ (ናይ 2002 ሕታም) ነቲ ኣብ ቀዳሞት ክልተ ዘመናት ዝነበሩ ጸሓፍቲ ታሪኽ ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስን ሰዓብቱን ዝጸሓፍዎ ጽሙቝ ኣቢሉ ድሕሪ ምጥቃስ እዚ ዝስዕብ መደምደምታ ሃበ:- “እዚ ኻብ ዝዀነ ይኹን ጽልዋታት ናጻ ዝዀነ ጸብጻባት ኣብ ግዜ ጥንቲ እቶም ጸላእቲ ክርስትና እውን ከይተረፉ ብዛዕባ እቲ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ መወዳእታ ናይ መበል 18 ዘመን: ኣብ መበል 19 ዘመን: ከምኡውን ኣብ መጀመርታ መበል 20 ዘመን ግቡእ ብዘይ​ኰነ ምኽንያት ኣብ ጥርጥር ዝኣተወ ታሪኻውነት ናይ የሱስ ፈጺሞም ተጠራጢሮም ከም ዘይፈልጡ የረጋግጽ።”

ሰዓብቲ የሱስ ዝሃብዎ መርትዖ

ዘ ኢንሳይክሎፔድያ ኣመሪካና “ሓድሽ ኪዳን ንታሪኻውነት ህይወት የሱስን ኣብ መወዳእታ ዘጋጠሞ ነገራትን እንደገና ንምስራዕ ዘኽእል ከምኡውን ናይ መጀመርታ ክርስትና ንኣገዳስነት የሱስ ብኸመይ ይርእዮ ምንባሩ ዝገልጽ ምሉእ ዘይጕዱል መርትዖ ኣለዎ ኽበሃል ይከኣል እዩ” በለ። ተጠራጠርቲ ሰባት የሱስ ብሓቂ ምንባሩ መጽሓፍ ቅዱስ መርትዖ ክኸውን ከም ዘይክእል ይሕብሩ ይዀኑ። እንተዀነ ግን: ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተጠቒሱ ኻብ ዝርከብ ተበጊስና ብኽልተ ኣንፈት ርትዓዊ መጎተ ብምቕራብ የሱስ ብሓቂ ኣብ ምድሪ ይነብር ምንባሩ ኸነረጋግጽ ንኽእል ኢና።

ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ: እቲ ኣንስታይን ዝመሃዞ ኣገዳሲ ኽልሰ⁠-​ሓሳባት: ኣንስታይን ብሓቂ ምንባሩ ዘረጋግጽ እዩ። ብተመሳሳሊውን ትምህርትታት የሱስ: ንሱ ብሓቂ ምንባሩ እዩ ዘረጋግጸልና። ንኣብነት: ነቲ የሱስ ኣብ ከረን ዝሃቦ ፍሉጥ ስብከት እስከ ንርአ። (ማቴዎስ ምዕራፍ 5-7) ሃዋርያ ማቴዎስ እቲ ስብከት እቲ ዘሕደሮ ጽልዋ ኽገልጽ ከሎ: “ከም ጸሓፍቶም ዘይኰነስ: ስልጣን ከም ዘለዎ ይምህሮም ነበረ እሞ: እቶም ህዝቢ ብምህሮኡ ተገረሙ” ኢሉ ጸሓፈ። (ማቴዎስ 7:28, 29) ፕሮፌሰር ሃንስ ዲተር በትዝ ብዛዕባ እቲ ስብከት ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ኣብ ሰባት ዘሕደሮ ጽልዋ ኽገልጽ ከሎ “እቲ ኣብ ከረን እተዋህበ ስብከት ዘሕደሮ ጽልዋ ኣብ ኣይሁድነትን ክርስትናን ወይ ኣብ ምዕራባውያን ባህሊ ጥራይ እተሓጽረ ኣይነበረን” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉውን እዚ ስብከት እዚ “ንዅሉ ዝምልከት ምሕጽንታ” ኸም ዝነበሮ ገለጸ።

ነዚ ዝስዕብ የሱስ ኣብ ከረን ኣብ ዝሃቦ ስብከት ዝጠቐሶ ሓጺር ግን ከኣ ጠቓሚ ቓላት እሞ ርአ:- “የማነይቲ መ[ትል]ሕካ ንዚወቕዓካ ግና: እታ ኻልአይቲውን ምለሰሉ።” “ጽድቅኹም: ኣብ ቅድሚ ሰብ ምእንቲ ኽትርአዩ: ከይትገብሩ ተጠንቀቑ።” “ጽባሕ ንርእሳ ትጭነቕ እያ እሞ: ንጽባሕ ኢልኩም ኣይትጨነቑ።” “ዕንቍኹምውን ኣብ ቅድሚ መፋልስ ኣይትደርብዩ።” “ለምኑ: ይውሀበኩም።” “ከምቲ ሰብ ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም።” “በታ ጸባብ ደገ እተዉ።” “ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም።” “እቲ ጽቡቕ ኦም ጽቡቕ ፍረ ይፈሪ።”​—⁠ማቴዎስ 5:39፣ 6:1, 34፣ 7:6, 7, 12, 13, 16, 17

ገለ ኻብዚ መግለጺታት እዚ ወይ ፍረ ነገሩ ጥራይ ሰሚዕካ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ምናልባት እውን ኣብ ቋንቋኻ ኸም ብሂል ኰይኑ ይፍለጥ ይኸውን። እዚ ዅሉ ኻብቲ ኣብ ከረን እተዋህበ ስብከት እዩ ተወሲዱ። እዚ ስብከት እዚ ኣብ ብዙሓት ሰባትን ባህልታትን ዘሕደሮ ጽልዋ: እቲ “ዓብዪ መምህር” ኣብ ምድሪ ይነብር ምንባሩ ብንጹር ዝሕብር መርትዖ እዩ።

ሕጂ ሓደ ሰብ ንየሱስ ክርስቶስ ብሓሳቡ ምሂዝዎ ኢልና እሞ ንሕሰብ። እዚ ሰብ እዚ: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ የሱስ ምሂርዎ ዝበሃል ትምህርትታት ከመንጩ ዝኽእል በሊሕ ሰብ ጌርና እስከ ንውሰዶ። ነዚ ዅሉ ዝምህዝ ሰብ እንተ ዝህሉ ነይሩ: ንየሱስ ኰነ ንትምህርትታቱ ብሰባት ተቐባልነት ዘለዎ ገይሩዶ ኣይመቕረቦን፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ግን “ኣይሁድ ምልክታት ይልምኑ: ጽርኣውያን ድማ ጥበብ ይደልዩ: ንሕና ግና ነቲ ንኣይሁድን መዓንቀፊ: ነህዛብን ዕሽነት ዝዀነ እተሰቕለ ክርስቶስ ንሰብኽ አሎና” እዩ ዝበለ። (1 ቈረንቶስ 1:22, 23) ክርስቶስ ከም እተሰቕለ ዝገልጽ መልእኽቲ ንኣይሁድ ኰነ ነህዛብ ዝስሕብ ኣይነበረን። ይኹን እምበር: ክርስቶስን እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናትን ዝሰብክዎ ዝነበሩ ነዚ እዮም። ስለምንታይ እዩ ክርስቶስ ከም እተሰቕለ ኽግለጽ እተደልየ፧ ጸሓፍቲ ናይ ክርስትያን ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ህይወትን ሞትን የሱስ እቲ ሓቂ ስለ ዝመዝገቡ እዮም ዝብል እንተ ዘይኰይኑ ኻልእ ዘዕግብ መልሲ ኽርከብ ኣይክእልን እዩ።

ብዛዕባ ታሪኻዊ ሓቅነት የሱስ መርትዖ ዝኸውን ካልእ ርትዓዊ መጎተ: እቲ ሰዓብቱ ኸይሰልከዩ ዝፈጸምዎ ናይ ትምህርትታቱ ስብከት እዩ። ካብቲ የሱስ ኣገልግሎቱ ዝጀመረሉ ኣስታት 30 ዓመት ጥራይ ጸኒሑ: ጳውሎስ እቲ ብስራት “ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጡር [ከም] እተሰብከ” ኽዛረብ ከኣለ። (ቈሎሴ 1:23) እወ: እቲ ትምህርትታት ምጽራር እውን እንተ ኣጋጠሞ ኣብ ብምልእታ እታ ጥንታዊት ዓለም ተዘርግሐ። እቲ ኸም ክርስትያን መጠን መስጐጕቲ ዝወረዶ ጳውሎስ “ክርስቶስ ዘይተንስኤ እንተ ዀይኑስ: እምብኣርከ ስብከትና ኸንቱ እዩ: እምነትኩምውን ከንቱ እያ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ቈረንቶስ 15:12-17) ብዛዕባ ዘይተንስአ ክርስቶስ ምስባኽ ከንቱ ኻብ ኰነ: ብዛዕባ ፈጺሙ ዘይነበረ ክርስቶስ ምስባኽ እሞ ኸኣ ዝገደደ ኸንቱ ምዀነ። ፕሊኒ ንእሽቶ ኣብ ዝጸሓፎ ጸብጻብ ከም እነንብቦ: ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ምእንቲ እታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዝነበረቶም እምነት ንሙማት እውን ፍቓደኛታት እዮም ነይሮም። ክርስቶስ ብሓቂ ስለ ዝነበረ እዮም ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእተዉ። እምበኣር ከምቲ ኣብ ወንጌላት ተገሊጹ ዘሎ ክርስቶስ ብሓቂ ኣብ ምድሪ ነይሩ እዩ።

መርትዖ ርኢኻ ኢኻ

ሓደ ኻብቲ ክርስትያናት ቅድሚ ስብከት ምጅማሮም ክኣምንሉ ዘለዎም ነገር ትንሳኤ የሱስ ክርስቶስ እዩ። ንስኻውን ነቲ የሱስ ኣብዚ ግዜና ዝገብሮ ዘሎ ጽልዋ ብምዕዛብ ብናይ ምስትውዓል ዓይንኻ ነቲ ኻብ ምዉታት ዝተንስአ የሱስ ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ።

የሱስ ቅድሚ ሙማቱ: ብዛዕባ ኣብ መጻኢ ኣብ ሓይሊ መንግስቱ ኣብ ዝህልወሉ ግዜ ዝፍጸም ነገራት ሰፊሕ ትንቢት ሃበ። ካብ ሞት ከም ዝትንስእን ንጸላእቱ ስጕምቲ ዝወስደሉ ግዜ ኽሳዕ ዝኣክል ኣብ የማን ኣምላኽ ከም ዝቕመጥን እውን ገለጸ። (መዝሙር 110:1፣ ዮሃንስ 6:62፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:34, 35፣ ሮሜ 8:34) ድሕሪኡ ስጕምቲ ብምውሳድ ንሰይጣንን ኣጋንንቱን ካብ ሰማይ ክሰጎም ነበሮ።​—⁠ራእይ 12:7-9

እዚ ዅሉ መዓስ ክፍጸም ምዃኑ እዩ ተገሊጹ፧ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ‘ምልክት ህላወኡን መወዳእታ ዓለምን’ (NW ) ነገሮም። እቲ ብዓይኒ ንዘይርአ ህላወኡ ዝሕብር ምልክት ዓበይቲ ውግእ: ጥሜት: ምንቅጥቃጥ ምድሪ: ምቕልቃል ናይ ሓሶት ነብያት: ብዝሒ ዓመጻ: ከምኡውን ዘስካሕክሕ ፌራ ዘጠቓለለ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ መዓት ክመጽእ ትጽቢት ክግበረሉ ነበሮ: ከመይሲ ሰይጣን ድያብሎስ ካብ ሰማይ ስለ እተሰጐ ንምድሪ ‘ወይለኺ’ እዩ ተባሂሉላ። ድያብሎስ “ቅሩብ ዘመን ከም ዘለዎ ፈሊጡ: ብብርቱዕ ቍጥዓ” ናብ ምድሪ ወሪዱ ኣሎ። ኣብ ርእሲ እዚ: እቲ ምልክት እቲ ብስራት መንግስቲ “ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም” ምስባኽ እውን ዘጠቓልል እዩ።​—⁠ማቴዎስ 24:3-14፣ ራእይ 12:12፣ ሉቃስ 21:7-19

እቲ የሱስ እተነበዮ ምልክታት ፍጻመኡ ረኺቡ እዩ። ካብቲ ቐዳማይ ውግእ ዓለም እተባርዓሉ 1914 ኣትሒዙ: እቲ ንህላወ ናይቲ ብዓይንና ዘይንርእዮ የሱስ ክርስቶስ ዘረጋግጸልና እተፈላለየ ምልክታት ዝሓቘፈ መርትዖ ርኢና ኢና። ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ብምዃን ነጊሱ ኣሎ: ሓያል ጽልዋኡ እውን ይጥቀመሉ ኣሎ። እዛ መጽሔት እዚኣ ኽትበጽሓካ ምኽኣላ ንገዛእ ርእሱ እቲ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ሕጂውን ይካየድ ከም ዘሎ መርትዖ ዝኸውን እዩ።

የሱስ ብህይወት ከም ዘሎ ምፍላጥ ዘሕድሮ ጽልዋ ብዝያዳ ንምርዳእ: መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ የድልየካ። እምበኣር ብዛዕባ ህላወ የሱስ ዝርዝር ነገራት ክነግሩኻ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምንታይ ዘይትሓቶም፧

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ጆሰፈስ: ታሲተስ: ከምኡውን ፕሊኒ ንእሽቶ ንየሱስ ክርስቶስን ሰዓብቱን ጠቐስዎም

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

All three images: © Bettmann/CORBIS

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ቀዳሞት ክርስትያናት የሱስ ብሓቂ ኸም ዝነበረ ይኣምኑ ነበሩ