ለውጢ ንምግባር ሓይሊ ቅድሚ ምርካባን ድሕሪኡን
“ንኣምላኽ ቅረብዎ: ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ”
ለውጢ ንምግባር ሓይሊ ቅድሚ ምርካባን ድሕሪኡን
ሳንድራ ኣብ መክሲኮ እትነብር ኰይና: ከምቲ ስድራቤታ ኽትኰኖ ዝደልይዋ ዘይኰነትስ ስግንጢር ምንባራ እያ እትገልጽ። ብስድራቤታ ተቐባልነት ብዘይምርካባን ዘይትፍቶ ምዃናን ጐርዞ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ደቘሳ። “ኣብ እዋን ጕርዝውና ወትሩ ባዶነት ይስምዓኒ ነበረ: ንምንታይ ብህይወት ከም ዘለኹን ብዛዕባ ህይወት ብሓፈሻን ድማ ብዙሕ ጥርጣረ ነበረኒ” በለት።
ሳንድራ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ካብቲ ኣቦኣ ኣብ ገዛ ዘቐምጦ ወይኒ ኽትሰቲ ጀመረት። እናሓደረት ድማ መስተ እናገዝአት ክትሰቲ ጀመረት: ናይ መስተ ውልፍቲ ድማ ኰነት። “ህይወተይ ትርጕም ኣይነበሮን” ብምባል ከኣ ትእመን። ካብ ዓቕሊ ጽበት እተላዕለ ድማ ሓሽሽን ዘይሕጋዊ መድሃኒትን ክትወስድ ጀመረት። “ነቲ ጸገማተይ ዘረስዓኒ ዝነበረ እንኮ ነገር እቲ ኣብ ቦርሳይ ዝሕዞ ዝነበርኩ ጥርሙዝ መስተ: ከኒና: ወይ ሒደት ማሪዋና እዩ ነይሩ” በለት።
ካብ ናይ ሕክምና ቤት ትምህርቲ ምስ ተመረቐት: እቲ ናይ መስተ ወልፋ እናገደደ ኸደ። ርእሰ-ቕትለት ክትፍጽም ፈተነት። እንተዀነ ግን: ካብ ሞት ተረፈት።
ሳንድራ መንፈሳውን ስምዒታውን ሓገዝ ንምርካብ ኢላ ኣብ እተፈላለያ ሃይማኖታት እኳ እንተ ኸደት: ጻዕራ ኸንቱ ዀነ። ተስፋ ስለ ዝቘረጸትን እትገብሮ ስለ ዝሓርበታን ብተደጋጋሚ ናብ ኣምላኽ “ኣበይ ኢኻ ዘለኻ፧ ንምንታይ ኢኻ ዘይትሕግዘኒ፧” ኢላ ትጭድር ነበረት። ምስ ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ኣብ እተዘራረበትሉ እዋን: ብዛዕባ ርእሳ ዝነበራ ኣኽብሮት ኣብ ዝተሓተ ደረጃኡ በጺሑ ነበረ። ድሕርዚ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ጀመረት። “እግዚኣብሄር ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም ቀረባኦም” ምዃኑ ምስ ፈለጠት ውሽጣ ተተንከፈት።—መዝሙር 34:18
እታ መጽሓፍ ቅዱስ እትምህራ ዝነበረት ድማ ብሰንኪ እቲ ኻብ ኣዳም ዝወረስናዮ ሓጢኣትን ብሰንኪ ዘይፍጽምናናን ተኣፈፍቲ ምዃንና የሆዋ ኣምላኽ ዝፈልጥ ምዃኑ ኣረድኣታ። ኣምላኽ ነቲ ጽድቃዊ ስርዓታቱ ፍጹም ብዝዀነ መገዲ ኽንሕልዎ ዘይንኽእል ምዃንና ኸም ዝርዳእ ሳንድራ ተገንዘበት። (መዝሙር 51:5፣ ሮሜ 3:23፣ 5:12, 18) የሆዋ ኣብ ድኽመትና ኸም ዘየተኵርን ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ኽንገብር ከም ዘይጽበየናን ምፍላጣ ድማ ኣሐጐሳ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ዎ እግዚኣብሄር: ኣበሳ እንተ ተቘጻጸርካስ: ጐይታየ: መን ደው ኪብል እዩ፧” ኢሉ ሓተተ።—መዝሙር 130:3
ንሳንድራ ልባ ዝተንከፋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ኣገዳሲ ሓቂ ማለት እቲ የሱስ ክርስቶስ ዝኸፈሎ በጃ እዩ ነይሩ። ብእኡ ኣቢሉ የሆዋ ነቶም እዙዛት ደቅሰብ ዘይፍጹማት እኳ እንተዀኑ: ኣብ ቅድሚኡ ቕኑዓት ኰይኖም ንኽረኣዩ ብምሕረቱ ፈቐደሎም። (1 ዮሃንስ 2:2፣ 4:9, 10) እወ: “ሕድገት ሓጢኣት” ክንረክብን በዚ ኣቢልና ንዝዀነ ይኹን ዋጋ ኸም ዘይብልና ዀይኑ ዝስምዓና ስምዒት ከነጥፍኦን ንኽእል ኢና።—ኤፌሶን 1:7
ሳንድራ ካብ ኣብነት ሃዋርያ ጳውሎስ ጠቓሚ ትምህርቲ ወሰደት። ጳውሎስ ነቲ ኣምላኽ ንዝሓለፈ ጌጋታቱ ብኸምኡ ይቕረ ብምባልን ነቲ ብተደጋጋሚ ዘሸግሮ ድኽመቱ ንኽቃለስ ደገፍ ብምሃብ ዘርኣዮ ሕያውነት ኣጸቢቑ የማስወሉ ነበረ። (ሮሜ 7:15-25፣ 1 ቈረንቶስ 15:9, 10) ስለዚ: ኣነባብራኡ ቐየረ: በቲ ኣምላኽ ዝቕበሎ መገዲ ምእንቲ ክቕጽል ድማ ‘ንስጋኡ የሰቅዮን የግዝኦን’ ነበረ። (1 ቈረንቶስ 9:27) ሓጥእ ዝንባለታቱ ባርያ ገይሩ ንኽገዝኦ ኣይሓደጎን።
ሳንድራ ዝነበራ ድኽመት ብዙሕ መዝሙር 55:22፣ ያእቆብ 4:8) ኣምላኽ ብብሕቲ ኸም ዝሓልየላ ስለ እተፈለጣ ኸኣ ኣነባብራኣ ኽትቅይር ከኣለት። “ንኻልኦት ብምሉእ ግዜይ መጽሓፍ ቅዱስ ብምምሃር ሓጐስ እረክብ ኣለኹ” ከኣ በለት። ሳንድራ ንኽልተ ኣሓታ ንየሆዋ ንኽፈልጣ ናይ ምሕጋዝ ዘሐጕስ ኣጋጣሚ ረኺባ እያ። ነቲ ኣብ ዓውዲ ሕክምና ዘለዋ ኽእለት ከኣ ኣብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገብርዎ ዓበይቲ ኣኼባታት ወለንተኛ ዀይና ስለ እትዓየሉ ‘ሰናይ ትገብር’ ኣላ።—ገላትያ 6:10
ኣጥቂዕዋ እኳ እንተ ነበረ: ካብ ምቅላሱ ግን ዓዲ ኣይወዓለትን። ነቲ ጸገማታ ኽትዋጽኣሉ ምእንቲ ኽትክእል የሆዋ ንኽሕግዛን ንኽምሕራን ልባዊ ጸሎት ገበረት። (እቲ ዝነበራ ወልፍታት እንታይ ኰነ፧ ሕጂ ብምትእምማን “ኣእምሮይ ብሩህ እዩ። መስተ ምስታይ: ሽጋራ ምትካኽ: ወይ ሓሽሽ ምውሳድ ገዲፈዮ እየ። እዚ ዅሉ ሕጂ ኣየድልየንን እዩ። እቲ ዝደልዮ ዝነበርኩ ረኺበ እየ” ትብል።
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
“እቲ ዝደልዮ ዝነበርኩ ረኺበ እየ”
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ሳጹን]
ዝዓዪ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ
ገለ ኻብቲ ኻብ ዘርክስ ወልፍታት ሓራ ንምዃን ንብዙሓት ዝሓገዘ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እንሆ:-
“ብፍርሃት ኣምላኽ ቅድስና እናመላእና: ካብቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ዘበለ ዅሉ ርእስና ነንጽህ።” (2 ቈረንቶስ 7:1) ኣምላኽ ነቶም ካብ ዘይንጹህ ተግባራት ብምርሓቕ ገዛእ ርእሶም ካብ ዘርክስ ነገራት ዘንጽሁ እዩ ዝባርኾም።
“ንእግዚኣብሄር ምፍራህ ንኽፍኣት ምጽላእ እዩ።” (ምሳሌ 8:13) ሓደ ሰብ ንኣምላኽ ኣኽብሮታዊ ፍርሃት ምስ ዝህልዎ: ካብ ሕማቕ ወልፍታት: እንተላይ ካብ ወልፊ ሓሽሽ: ሓራ ንኽወጽእ ይሕግዞ። እቲ ለውጢ ዝገብር ሰብ ንየሆዋ ኣብ ርእሲ ምሕጓሱ: ብእተፈላለየ ዘፍርህ ሕማማት ኣይጥቃዕን።
‘ንሓላቑን ንስልጣናትን ተገዝኡ።’ (ቲቶስ 3:1) ኣብ ሓያሎ ሃገራት ሓሽሽ ወይ ገለ ዓይነት መድሃኒት ምሓዝ ብሕጊ ኽልኩል እዩ። ናይ ሓቂ ክርስትያናት ዘይሕጋዊ መድሃኒት ኰነ ሓሽሽ ኣይሕዙን ወይ ኣይጥቀሙን እዮም።