ንኣምላኽ ሓቂ ምምሳሉ
ንኣምላኽ ሓቂ ምምሳሉ
“ከም ፍቁራት ውሉድ ንኣምላኽ ምሰሉ።”—ኤፌሶን 5:1 ትርጕም 1990
1. ገሊኣቶም ብዛዕባ ሓቂ እንታይ እዮም ዝኣምኑ: ኣተሓሳስባኦም ጌጋ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧
“ሓቂ እንታይ እዩ፧” (ዮሃንስ 18:38) እዛ ሕቶ እዚኣ ኣስታት 2,000 ዓመት ይገብር ጶንጥዮስ ጲላጦስ ብምሕጫጭ እተዛረባ እያ: ሓቂ ኽትርከብ ከም ዘይትኽእል ዝእምት እውን እዩ ነይሩ። ብዙሓት ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ምስዚ ይሰማምዑ እዮም። ንሓቂ ኻብ መሰረታ መጥቃዕቲ ይፍነዋ ኣሎ። ‘ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንዕኡ ሓቂ ዝዀኖ ይውስን:’ ‘ሓቂ ተዛማዲ እያ:’ ወይ ‘ሓቂ ወትሩ ትቀያየር እያ’ ኽበሃል ሰሚዕካ ትኸውን። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣተሓሳስባ ጌጋ እዩ። ምርምርን ትምህርትን ዝሃለወሉ ምኽንያት ብዛዕባ እዛ እንነብረላ ዓለም እቲ ሓቂ ንምፍላጥ እዩ። ሓቂ ከም ብሕታዊ ኣረኣእያ ሰባት እትቀያየር ኣይኰነትን። ንኣብነት: ነፍሲ ሰብ ትመውት እያ: ወይ ኣይትመውትን እያ። ሰይጣን ኣሎ: ወይ ከኣ የለን። ህይወት ዕላማ ኣለዋ: ወይ ከኣ የብላን። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጕዳይ ሓደ ቕኑዕ መልሲ ጥራይ እዩ ኽህሉ ዝኽእል። ሓዲኡ ሓቂ ክኸውን ከሎ እቲ ሓደ ድማ ሓሶት እዩ፣ ክልቲኡ ሓቂ ክኸውን ግን ኣይክእልን እዩ።
2. የሆዋ: ኣምላኽ ሓቂ ዝዀነ ብኸመይ እዩ: እንታይ ሕቶታትከ ኢና ሕጂ ኽንመያየጠሉ፧
2 ኣብታ ቐዳመይቲ ዓንቀጽ: የሆዋ: ኣምላኽ ሓቂ ምዃኑ ርኢና ኢና። ናይ ኵሉ ነገራት ሓቂ ይፈልጥ እዩ። የሆዋ ከምቲ መታለሊ ተጻራሪኡ ሰይጣን ድያብሎስ ዘይኰነስ ወትሩ ሓቀኛ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚውን ነታ ሓቂ ንኻልኦት ክሳዕ ዝኣኽሎም ይገልጸሎም እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት ብጾቱ “ከም ፍቁራት ወሉድ ንኣምላኽ ምሰሉ” ኢሉ ተማሕጸኖም። (ኤፌሶን 5:1 ትርጕም 1990) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ምዃንና መጠን: ሓቂ ኣብ ምዝራብን ብሓቂ ኣብ ምምልላስን ብኸመይ ክንመስሎ ንኽእል፧ ከምዚ ምግባር ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ የሆዋ ነቶም ብሓቂ ዝመላለሱ ኸም ዝሰምሮምከ እንታይ መረጋገጺ ኣሎና፧ መልሲ ናይዚ ቐጺልና እስከ ንርአ።
3, 4. ሃዋርያ ጳውሎስን ሃዋርያ ጴጥሮስን ነቲ ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ዝኸውን ነገር ብኸመይ ገለጽዎ፧
3 ሃይማኖታዊ ሓሶት ኣስፋሕፊሑሉ ኣብ ዝርከብ ዘመን ኢና እንነብር ዘሎና። ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተመሪሑ ኣቐዲሙ እተነበዮ: ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ብዙሓት ሰባት መልክዕ ኣምልኾ ዘለዎም ኰይኖም ነቲ ሓይሉ ግን ዝኽሕድዎ እዮም። ገሊኣቶም “ኣእምሮኦም ዝጠፍኤ” ብምዃኑ ንሓቂ ይጻረሩ እዮም። ኣብ ርእሲ እዚውን ‘እቶም እኩያት ሰባትን ጠበርትን እናኣስሓቱን እናሰሓቱን ናብ ዝገደደ ፍርዲ ይበጽሑ እዮም።’ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ኵሉ ሳዕ ዋላ እንተ ተማህሩ: ናብ “ፍልጠት ሓቂ” ኽበጽሑ ኣይክእሉን እዮም።—2 ጢሞቴዎስ 3:1, 5, 7, 8, 13
4 ሃዋርያ ጴጥሮስ እውን ብመንፈስ ተደሪኹ ብዛዕባ ዳሕሮት መዓልትታት ጽሒፉ እዩ። ከምቲ እተነበዮ ኸኣ ሰባት ንሓቂ ነጺጎም ጥራይ ዘይኰነስ: ንቓል ኣምላኽን ነቶም ኣብኡ ዝርከብ ሓቂ ዝእውጁን የላግጽሎም እዮም። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ መላገጽቲ: እታ ብግዜ ኖህ ዝነበረት ዓለም ብማይ ኣይሂ ኸም ዝጠፍአት: ንመጻኢ መዓልቲ ፍርዲ ኸኣ ኣብነት ከም እትኸውን “ፈትዮም” ዕሽሽ ይብልዎ ኣለዉ። ኣምላኽ ነቶም ንዕኡ ዘይፈርሁ ዘጥፍኣሉ ግዜ ምስ ኣኸለ እቲ ፈትዮም ምርስዖም ጥፍኣት ከምጽኣሎም እዩ።—2 ጴጥሮስ 3:3-7
ኣገልገልቲ የሆዋ ነታ ሓቂ ይፈልጡዋ
5. ብመሰረት ነብዪ ዳንኤል ኣብ “ግዜ መወዳእታ” እንታይ ክኸውን ነበሮ: እዚ ትንቢት እዚኸ ብኸመይ ተፈጸመ፧
5 ነብዪ ዳንኤል ብዛዕባ “ግዜ መወዳእታ” ኣብ እተነበዮ ትንቢት: ህዝቢ ኣምላኽ ንሃይማኖታዊ ሓቂ ኸም ዝርድኡ ብምግላጽ ካብቲ ንኻልኦት ዝምልከት ትንቢት ኣዝዩ ፍልይ ዝበለ ትንቢት ተነብዩሎም ነይሩ። “ብዙሓት ኪምርምርዋ እዮም: ምስትውዓል ድማ እናወሰኸ ኪኸይድ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ዳንኤል 12:4) ህዝቢ የሆዋ በቲ ቐንዲ መታለሊ ኣይደናገሩን እዮም ወይ ሓሳቦም ኣይዖረን። ንመጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዝምርምርዎ: ናይ ሓቂ ፍልጠት ኣጥርዮም እዮም። ኣብ ቀዳማይ ዘመን የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ፍልጠት ሂብዎም ነይሩ። “ነተን ጽሑፋት ኬስተውዕልወን: ኣእምሮኦም ከፈተሎም።” (ሉቃስ 24:45) ኣብዚ ግዜና እውን የሆዋ ተመሳሳሊ ነገር ይገብር ኣሎ። ብቓሉን ብመንፈሱን ብማሕበሩን ኣቢሉ ኣብ መላእ ምድሪ ንዝርከቡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ነቲ ንሱ ዝፈልጦ ሓቂ ኸም ዝርድኡ ገይርዎም ኣሎ።
6. ኣብዚ ግዜና ህዝቢ ኣምላኽ እንታይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቅታት እዮም ተረዲኦምዎ ዘለዉ፧
6 ህዝቢ ኣምላኽ ከም ምዃንና መጠን ባዕልና ኽንርድኦ ዘይንኽእል ዝነበርና ነገራት ኢና ተረዲእና ዘሎና። እቶም ናይ ዓለም ጥበበኛታት ሰባት ነሽሓት ዓመታት መልሲ ኽረኽቡሉ ዝጽዕሩ ሕቶታት መልሱ ንፈልጦ ኢና። ንኣብነት: ስቓይ ስለምንታይ ከም ዘሎ: ሰባት ስለምንታይ ከም ዝሞቱ: ከምኡውን ሰባት ዓለምለኻዊ ሰላምን ሓድነትን ስለምንታይ ከምጽኡ ኸም ዘይከኣሉ ንፈልጥ ኢና። ኣብ መጻኢ ብዛዕባ ዘጋጥም ነገራት ማለት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ: ገነታዊት ምድሪ: ከምኡውን ብዛዕባ ፍጹም ኴንካ ንዘለኣለም ምንባር ብምፍላጥና እውን ተባሪኽና ኢና። ነቲ ኻብ ኵሉ ዝለዓለ የሆዋ ንፈልጦ ኢና። ብዛዕባ እቲ ዝስሕብ ባህርያቱ ከምኡውን በረኸቱ ንምርካብ እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ተማሂርና ኢና። እታ ሓቂ ምፍላጥና ሓቂ ዘይኰነ ነገራት እውን ንኽንፈልጦ የኽእለና። ብሓቂ ብምምልላስና ንኸንቱ ነገራት ካብ ምስዓብ ዕቝባ ይዀነና: ህይወትና ብዝበለጸ ንኽንጥቀመላ የኽእለና: ከምኡውን ብዛዕባ መጻኢ ዘደንቕ ተስፋ ይህበና።
7. ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ ንመን ጥራይ እዩ ዝወሃቦም: ንመንከ እዩ ዘይወሃቦም፧
7 እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ሓቂ ይርድኣካ ድዩ፧ እንተ ተረዲኡካ: ብዙሕ ኢኻ ተባሪኽካ። ሓደ ደራሲ ኽጽሕፍ ከሎ: ንእተወሰኑ ጕጅለ ሰባት ከም ዝስሕብ ገይሩ እዩ ዘዳልዎ። ገሊኡ መጻሕፍቲ ንምሁራት: ገሊኡ ንቘልዑ: ገሊኡ ኸኣ ፍልይ ንዝበለ ዓውድታት እዩ ዝጸሓፍ። መጽሓፍ ቅዱስ ቀሊል ብምዃኑ ዅሉ ሰብ ክርድኦ ዝኽእል እኳ እንተዀነ: እተወሰነ ጕጅለ ሰባት ንኽርድእዎን ንኽፈትዉዎን ተባሂሉ እዩ ተዳልዩ። የሆዋ ንትሑታት ምድሪ ክኸውን ኢሉ እዩ ኣዳልይዎ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ትምህርቶም: ባህሎም: ደረጃኦም: ወይ ዓሌቶም ብዘየገድስ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ መልእኽቲ ይርድእዎ እዮም። (1 ጢሞቴዎስ 2:3, 4) በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን እቶም ቅኑዕ ዝንባለ ዘይብሎም ሰባት በላሕቲ ይኹኑ መስተውዓልቲ ብዘየገድስ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ ኣይወሃቦምን እዩ። ዕቡያት ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝርከብ ዘደንቕ ሓቂ ኽረኽብዎ ኣይክእሉን እዮም። (ማቴዎስ 13:11-15፣ ሉቃስ 10:21፣ ግብሪ ሃዋርያት 13:48 NW) ኣምላኽ ጥራይ እዩ ኸምዚ ዝኣመሰለ መጽሓፍ ከዳሉ ዝኽእል።
ኣገልገልቲ የሆዋ ሓቀኛታት እዮም
8. የሱስ ሓቂ እዩ ዝበሃል ስለምንታይ እዩ፧
8 ከምቲ የሆዋ ሓቀኛ ዝዀነ: እቶም እሙናት መሰኻኽሩ እውን ሓቀኛታት እዮም። እቲ ቐንዲ ምስክር የሆዋ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ: በቲ ዝመሃሮ ነገራትን በነባብራኡን በማውታኡን ንሓቂ መረጋገጺ ሃበ። ንሓቅነት ቃል የሆዋን ንሓቅነት መብጽዓኡን ዝቘመ እዩ ነይሩ። ስለዚ ድማ የሱስ ባዕሉ ኸም ዝጠቐሶ ንሱ ንገዛእ ርእሱ ሓቂ እዩ።—ዮሃንስ 14:6፣ ራእይ 3:14፣ 19:10
9. ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ሓቂ ምዝራብ እንታይ እዩ ዝብል፧
9 የሱስ ‘ጸጋን ሓቅን ዝመልኦን’ ‘ሓሶት ኣብ ኣፉ ዘይተረኽቦን’ እዩ። (ዮሃንስ 1:14፣ ኢሳይያስ 53:9) ናይ ሓቂ ክርስትያናት ነቲ የሱስ ምስ ካልኦት ብሓቂ ብምምልላስ ዝሰርዖ ኣብነት እዮም ዝስዕቡ። ጳውሎስ ንኣመንቲ ብጾቱ “ኣካል ሓድሕድ ኢና እሞ: ነፍሲ ወከፍ ምስ ብጻዩ ሓቂ ተዛረቡ” ኢሉ መዓዶም። (ኤፌሶን 4:25) ኣቐድም ኣቢሉ ነብዪ ዘካርያስ “ነፍሲ ወከፍኩም ነንብጻይኩም ሓቂ ተዛረቡ” ኢሉ ጽሒፉ ነይሩ። (ዘካርያስ 8:16) ክርስትያናት ንኣምላኽ ከሐጕሱ ስለ ዝደልዩ ሓቀኛታት እዮም። የሆዋ ሓቀኛ እዩ: ሓሶት ዘስዕቦ ጕድኣት እውን ይፈልጥ እዩ። ስለዚ: ንኣገልገልቱ ሓቂ ኽዛረቡ ትጽቢት እንተ ገበረሎም ዘገርም ኣይኰነን።
10. ሰባት ስለምንታይ እዮም ዝሕስዉ: እዚኸ እንታይ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ኣለዎ፧
10 ብዙሓት ሰባት ሓሶት እተወሰነ ረብሓ ዝረኽቡሉ ሜላ ገይሮም ይወስድዎ ይዀኑ። ስለዚ: ካብ መቕጻዕቲ ንኸምልጡ: ገለ ረብሓ ንኽረኽቡ: ወይ ብኻልኦት ንኽውደሱ ኢሎም ይሕስዉ። ይኹን እምበር: ሓሶት ምዝራብ ሕማቕ ባህሪ እዩ። ብዘይካዚ ሓሳዊ ሞገስ የሆዋ ኽረክብ ኣይክእልን እዩ። (ራእይ 21:8, 27፣ 22:15) ሓቀኛታት ምዃንና ምስ ዝፍለጥ: ሰባት ንእንብሎ ዘበለ ይኣምኑና። ይኹን እምበር: ሓንሳእ እውን ክንሕሱ እንተ ተረኺብና: ሰባት ነቲ ኣብ መጻኢ እንብሎ ዅሉ ሓቅነቱ ኸጠራጥሮም እዩ። ሓደ ምስላ ኣፍሪቃ “ሓንቲ ሓሶት ነሽሓት ሓቂ ተበላሹ” ይብል። ካልእ ምስላ ኸኣ “ሓሳዊ ሰብ ዋላ እውን ሓቂ ኽዛረብ ከሎ ኣይእመንን እዩ” ይብል።
11. ሓቀኛ ምዃን ሓቂ ኻብ ምዝራብ ንላዕሊ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧
11 ሓቀኛ ምዃን ክበሃል ከሎ ግን ሓቂ ምዝራብ ጥራይ ዘይኰነስ: ንኣነባብራ እውን ዘጠቓልል እዩ። እዚ ባህሪ እዚ መንነትና እውን እዩ ዝገልጽ። ንሰባት በቲ እንብሎ ጥራይ ዘይኰነስ በቲ እንገብሮ እውን ሓቂ ነፍልጦም ኢና። ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ ዝስዕብ ሕቶታት ሓተተ:- “ኣታ ንኻልእ እትምህር: ንርእስኻስ ኣይትምህራን ዲኻ፧ ኣታ: ኣይትስረቑ: ኢልካ እትሰብኽ: ባዕልኻዶ ትሰርቕ፧ ንስኻ፤ ኣይትዘምዉ: እትብል: ባዕልኻዶ ትዝሙ፧” (ሮሜ 2:21, 22) ንኻልኦት ሰባት ሓቂ ኽንነግሮም እንተ ዄንና: ንሕናውን ኣብ ኵሉ መገድና ሓቀኛታት ክንከውን ኣሎና። ሓቀኛታትን ቅኑዓትን ብምዃንና ዘጥረናዮ ስም: ኣብቲ ሰባት ንትምህርትና ዝህልዎም ኣቀባብላ ሓያል ጽልዋ ኣለዎ።
12, 13. ሓንቲ መንእሰይ ብዛዕባ ሓቀኛ ምዃን እንታይ ኢላ ጸሓፈት: ልዑል ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ንኽትስዕብ ምኽንያት ዝዀናኸ እንታይ እዩ፧
12 ኣገልገልቲ የሆዋ ዝዀኑ መንእሰያት እውን ኣገዳስነት ሓቀኛ ምዃን ይርድእዎ እዮም። ጀኒ ጓል 13 ዓመት ከላ ንቤት ትምህርታ ኣብ ዝጸሓፈቶ ቴማ ከምዚ በለት:- “ሓቀኛ ምዃን ኣኽቢረ ዝርእያ ባህሪ እያ። እቲ ዘሕዝን ግን ብዙሓት ሰባት ምሉእ ብምሉእ ሓቀኛታት ኣይኰኑን። ኣብ ምሉእ ህይወተይ ሓቀኛ ዀይነ ንኽመላለስ መብጽዓ እኣቱ። ሓቂ ምዝራብ ንዓይ ኰነ ንፈተውተይ ዋላ እኳ ቅልጡፍ ረብሓ እንተ ዘየምጽኣለይ: ሓቀኛ ክኸውን እየ። እቶም ሓቂ ዝዛረቡን ቅኑዓትን ዘበሉ ጥራይ እየ ፈተውተይ ክገብር።”
13 ንጀኒ መምህራ ብዛዕባ እቲ ቴማ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ “ገና ንእሽቶ ኽነስኺ: ኣዝዩ ጽኑዕ ስነ-ምግባራዊ ስርዓት ሒዝኪ ኣሎኺ። ኣዚኺ ንፍዕቲ ስለ ዝዀንኪ ነዚ ስርዓት እዚ ኸም እትስዕብዮ እፈልጥ እየ” በለታ። እዛ ተማሃሪት እዚኣ ከምዚ ዝኣመሰለ መንፍዓት ካበይ ኣጥረየቶ፧ ኣብ መእተዊ ቴማኣ ሃይማኖታ “ንኣነባብራኣ ስርዓታት ከም ዘውጽኣላ” ገሊጻ ነይራ። ጀኒ ነቲ ቴማ ኻብ እትጽሕፍ ሸውዓት ዓመት ሓሊፉ ኣሎ። ከምቲ መምህራ ዝገመተቶ ኸኣ ጀኒ ናይ የሆዋ ምስክር ከም ምዃና መጠን ኣብ ህይወታ ልዑል ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ካብ ምስዓብ ኣየቋረጸትን።
ኣገልገልቲ ኣምላኽ ነታ ሓቂ ይገልጹዋ
14. ብፍላይ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንሓቂ ዘበለ ንኽድግፉ ዓብዪ ሓላፍነት ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧
14 ልክዕ እዩ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ሰባት እውን ሓቂ ይዛረቡን ብቕንዕና ይመላለሱን ይዀኑ። እንተዀነ ግን: ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ መጠን: ኣብ ሓቂ ንምቛም ዓብዪ ሓላፍነት ኣሎና። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ: ማለት ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ከብጽሕ ዝኽእል ሓቂ ሕድሪ ተዋሂቡና ኣሎ። ስለዚ: ነዚ ፍልጠት እዚ ንኻልኦት ናይ ምክፋል ግዴታ ኣሎና። የሱስ “ብዙሕ ንዝሀብዎ ብዙሕ ይደልይዎ” በለ። (ሉቃስ 12:48) ብርግጽ እምበኣር ካብቶም በቲ ኽቡር ፍልጠት ኣምላኽ እተባረኹ ‘ብዙሕ እዩ ዝድለ።’
15. ንኻልኦት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ ብምክፋል እንታይ ሓጐስ ኢኻ እትረክብ፧
15 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቅታት ንኻልኦት ምክፋል ሓጐስ እዩ ዘምጽእ። ንሕናውን ልክዕ ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ: ነቲ ዘሐጕስ መልእኽቲ ተስፋ ዝዀነ ብስራት ነቶም “ሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ: ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን” ከምኡውን ነቶም ‘ብምህሮ ኣጋንንቲ’ ዝዓወሩ ንነግር ኢና። (ማቴዎስ 9:36፣ 1 ጢሞቴዎስ 4:1) ሃዋርያ ዮሃንስ “ኣነ እቶም ደቀይ ብሓቂ ኸም ዚመላለሱ ኻብ ምስማዕ ዚዐቢ ሓጐስ የብለይን” ኢሉ ጸሓፈ። (3 ዮሃንስ 4) ዮሃንስ እቶም ‘ደቁ’—ምናልባት እቶም ሓቂ መጀመርታ ዝነገሮም እዮም ዝዀኑ—እሙናት ምዃኖም ብዙሕ ሓጐስ እዩ ኣምጺኡሉ። ንዓና እውን ሰባት ብሞሳ ንቓል ኣምላኽ ክቕበልዎ ኽንርኢ ኸለና: ሓጐስ እዩ ዘምጽኣልና።
16, 17. (ሀ) ሓቂ ዝቕበሉ ኵሎም ሰባት ዘይኰኑ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ ብምንጋርካ እንታይ ሓጐስ ክትረክብ ትኽእል፧
16 ልክዕ እዩ: ኵሎም ሰባት ኣይኰኑን ሓቂ ዝቕበሉ። የሱስ ዋላ እውን ብሰባት እንተ ዘይተፈተወሉ ብዛዕባ ኣምላኽ ሓቂ ተዛረበ። ነቶም ዝጻረርዎ ዝነበሩ ኣይሁድ “ስለምንታይ ደኣ ዘይትአምኑኒ፧ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝዀነ ንቓል ኣምላኽ ይሰምዕ እዩ። ንስኻትኩም ግና ካብ ኣምላኽ ኣይኰንኩምን እሞ: ስለዚ ኢኹም ዘይትሰምዑ” በሎም።—ዮሃንስ 8:46, 47
17 ንሕናውን ከም የሱስ ብዛዕባ የሆዋ እቲ ኽቡር ሓቂ ኻብ ምዝራብ ኣይነቋርጽን ኢና። እቶም ዝነገርናዮም ሰባት ብምሉኦም ክቕበሉና ኣይንጽበን ኢና: ከመይሲ ንየሱስ እተቐበልዎ ዅሎም ኣይኰኑን። ይኹን እምበር: ቅኑዕ ነገር ንገብር ከም ዘለና: ብምፍላጥና ሓጐስ ንረክብ ኢና። የሆዋ ብፍቕራዊ ሕያውነቱ ኣቢሉ ንሰባት እቲ ሓቂ ኽገልጸሎም ይደሊ እዩ። ክርስትያናት ሓቂ ዝሓዙ ከም ምዃኖም መጠን ኣብዛ ጸልማት ዝወሓጣ ዓለም ብርሃናት እዮም። ነቲ ናይ ሓቂ ብርሃን ብቓልናን ብግብርናን ከም ዝበርህ ብምግባር: ካልኦት ንሰማያዊ ኣቦና ኽብሪ ንኽህብዎ ኽንሕግዞም ንኽእል ኢና። (ማቴዎስ 5:14, 16) ነቲ ሰይጣን ሓቂ ኣምሲሉ ዝዝርግሖ ምትላል ብምንጻግ: ነቲ ጽሩይን ሕዋስ ዘይብሉን ቃል ኣምላኽ ከም እንድግፍ ብዕሊ ነፍልጥ ኢና። እታ እንፈልጣን ንኻልኦት እነካፍላን ሓቂ ነቶም ዝቕበልዋ ናይ ሓቂ ሓርነት ከተምጽኣሎም ትኽእል እያ።—ዮሃንስ 8:32
ብሓቂ ተመላለስ
18. የሱስ ንናትናኤል ሞገሱ ዘርኣዮ ስለምንታይን ብኸመይን እዩ፧
18 የሱስ ሓቂ የፍቅርን ይዛረብን ነበረ። ኣብ ምድሪ ኣብ ዝፈጸሞ ኣገልግሎቱ: ነቶም ሓቀኛታት ሞገስ ኣርኣዮም። ብዛዕባ ናትናኤል “እንሆ: ጕርሒ ዜብሉ ቕኑዕ እስራኤላዊ” በለ። (ዮሃንስ 1:47) ጸኒሑ እዚ በርተሎሜዎስ እውን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ ናትናኤል: ሓደ ኻብቶም 12 ሃዋርያት ኰይኑ ተመርጸ። (ማቴዎስ 10:2-4) ከመይ ዝበለ ኽብሪ ዀን እዩ ረኺቡ!
19-21. ሓደ ዕዉር ዝነበረ ሰብኣይ ብትብዓት ሓቂ ብምዝራቡ ብኸመይ ተባረኸ፧
19 ኣብታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ወንጌል ዮሃንስ ሓደ ምዕራፍ ምሉእ ብዛዕባ የሱስ ዝባረኾ ኻልእ ሓቀኛ ሰብኣይ ትገልጽ እያ። እዚ ሰብኣይ እዚ ስሙ ኣይንፈልጦን ኢና። እቲ ሰብኣይ ለማኒ ምንባሩን ብዕዉሩ ኸም እተወልደ ግን ንፈልጥ ኢና። የሱስ ከም ዝርኢ ምስ ገበሮ ሰባት በዚ ኣስተንከሩ። ናይዚ ዘደንቕ ተኣምራዊ ምሕዋይ ወረ ኣብ ገሊኣቶም ሓቂ ዝጸልኡ ዝነበሩ ፈሪሳውያን በጽሐ፣ እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብ የሱስ ዝኣምን ዝዀነ ይኹን ሰብ ካብ ቤት ጸሎቶም ክሰጕዎ ወሲኖም ነበሩ። እቶም ፈሪሆም ዝነበሩ ወለዲ እዚ ዕዉር ዝነበረ ሰብኣይ ነዚ ውዲት እዚ ይፈልጡ ብምንባሮም: ወዶም ብኸመይ ክርኢ ኸም ዝጀመረ ወይ መን ከም ዘሕወዮ ኸም ዘይፈልጡ ብምዝራብ ሓሰዉ።—ዮሃንስ 9:1-23
20 እቲ ዝሓወየ ሰብኣይ እንደገና ተጸዊዑ ኣብ ቅድሚ ፈሪሳውያን ቀረበ። ንሱ ግን ዝመጾ ሳዕቤናት ከይዓጀቦ ነቲ ሓቂ ብትብዓት ተዛረበ። ብኸመይ ከም ዝሓወየን የሱስ ከም ዘሕወዮን ገለጸ። እዚ ሰብኣይ እዚ እቶም ምርኡያትን ምሁራትን ዘበሉ የሱስ ካብ ኣምላኽ ምዃኑ ብዘይምእማኖምን ስለ ዝገረሞ: ድምብርጽ ከይበሎ “እዚ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዘይከውንሲ: ገለ ኺገብር እኳ ኣይምተኻእሎን ነይሩ” ብምባል ነዚ ንጹር ነገር ክቕበሉ ተማሕጸኖም። እቶም ፈሪሳውያን ነዚ ዝምልሱሉ ስለ ዝጠፍኦም: ነቲ ሰብኣይ ደረቐኛ እዩ ብምባል ናብ ወጻኢ ኣውጽእዎ።—ዮሃንስ 9:24-34
21 የሱስ ነዚ ምስ ሰምዐ: ብፍቕሪ ተደሪኹ ነዚ ሰብኣይ እዚ ኽደልዮ ጀመረ። ምስ ረኸቦ: ነቲ እቲ ዕዉር ዝነበረ ሰብኣይ ዝነበረቶ እምነት ኣደልደላ። የሱስ ብንጹር መሲህ ምዃኑ ገለጸሉ። እዚ ሰብኣይ እዝስ ሓቂ ብምዝራቡ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ተባሪኹ! እምበኣር እቶም ሓቂ ዝዛረቡ ሞገስ ኣምላኽ ከም ዝረኽቡ ኣየጠራጥርን እዩ።—ዮሃንስ 9:35-37
22. ብሓቂ ኽንመላለስ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
22 ብሓቂ ምምልላስ ኣርዚንና ኽንርእዮ ኣሎና። ከመይሲ: ምስ ሰባትን ምስ ኣምላኽን ጽቡቕ ርክብ ኣብ ምምስራትን ኣብ ምዕቃብን መሰረታዊ ነገር እዩ። ሓቀኛ ምዃን ክበሃል ከሎ: ግልጺ: ተቐራቢ: ከምኡውን እሙን ምዃን ማለት እዩ፣ እዚ ኸኣ ሞገስ የሆዋ ንኽትረክብ የኽእለካ። (መዝሙር 15:1, 2) ሓቀኛ ዘይኰነ ሰብ ግን መታለሊ: ዘይእመን: ከምኡውን ሓሳዊ እዩ። (ምሳሌ 6:16-19) ስለዚ: ብሓቂ ንምምልላስ ቈራጽነት ንግበር። እወ: ንኣምላኽ ሓቂ ምእንቲ ኽንመስሎ: ሓቂ ኽንፈልጥን ሓቂ ኽንዛረብን ብሓቂ ኽንመላለስን ኣሎና።
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
• ነታ ሓቂ ምፍላጥና መማሰውቲ ኽንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
• ሓቀኛ ብምዃን ዝመጸ ንየሆዋ ኽንመስሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
• ንኻልኦት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ ብምንጋር እንታይ ረብሓታት ይርከብ፧
• ብሓቂ ኽንመላለስ ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
[ሕቶታት መጽናዕቲ]
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]
ክርስትያናት እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ ሕድሪ ስለ እተዋህቦም: ብቕንኣት ንኻልኦት የካፍልዎ
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
እቲ የሱስ ዘሕወዮ ዕዉር ሰብኣይ ሓቂ ብምዝራቡ ብዙሕ እዩ ተባሪኹ