የሆዋ ዝኣምላኹ ሰብ ሕጉስ እዩ
ታሪኽ ህይወት
የሆዋ ዝኣምላኹ ሰብ ሕጉስ እዩ
ቶም ዲደር ዘዘንተዎ
ነቲ ኣብቲ ኸባቢ ዝርከብ ህዝባዊ ኣደራሽ ድሮ ተኻሪናዮ ኔርና። ኣብቲ ኣብ ፖርኪፓይን ፕለይን: ሳስካትቸዋን: ካናዳ ዝግበር ናይ ወረዳ ኣኼባ 300 ዝዀኑ ሰባት ክመጹ ትጽቢት ተገይሩ ነይሩ። ረቡዕ ውርጪ ኽወርድ ጀመረ: ዓርቢ ኸኣ ህቦብላ ውርጪ ስለ ዝመጸ ማዕዶ ዘሎ ፈጺምካ ኣይርአን ነበረ። እቲ ዛሕሊ ኽሳዕ ትሕቲ ዜሮ 40 ዲግሪ ሰንቲ ግሬድ ወረደ። ኣብቲ ኣኼባ ገለ ቘልዑ እውን ሓዊስካ 28 ሰባት መጹ። ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ኻብ ዝኸውን እዚ ናይ መጀመርታ ናይ ወረዳ ኣኼባይ እዩ ነይሩ: ኣብቲ ግዜ እቲ ወዲ 25 ዓመት ብምንባረይ ከኣ ተጨኒቐ ነይረ። ድሕርዚ ዘጋጠመ ነገራት ቅድሚ ምንጋረይ: ነዚ ፍሉይ ናይ ኣገልግሎት መሰል ብኸመይ ከም ዝረኸብኩዎ ኸዘንትወልኩም።
ካብቶም ሸሞንተ ውሉዳት ዝነበርዋ ስድራቤትና ሻውዓይ እየ: ኵላትና እውን ኣወዳት ነበርና። እቲ በዅሪ ቢል: ብድሕሪኡ ሜትሮ: ጆን: ፍሬድ: ማይክ: ኣሌክስ ነበሩ። ኣነ ብ1925 እየ ተወሊደ: ዋሊ ድማ ሕሳስ ልደ ገዛና እዩ። ኣብ ጥቓ እታ ኣብ ኣውራጃ ማኒቶባ ኣብ እትርከብ ከተማ ዩክሪና ዝነበረት ማይክል ዲደርን ኣና ዲደርን ዝበሃሉ ወለደይ ዝነብሩላ ዝነበሩ ንእሽቶ ሕርሻ ንቕመጥ ነበርና። ስራሕ ኣቦይ እተወሰነ ኽፋል መገዲ ባቡር ምጽጋን እዩ ነይሩ። እቲ ኸምዚ ዝኣመሰሉ ሰራሕተኛታት ዝነብሩሉ ቤት ንብዙሓት ኣባላት ዘለዉዋ ስድራቤት ዘይከውን ስለ ዝነበረ: ንሕና ኣብቲ ሕርሻ ንነብር ነበርና። ኣቦይ መብዛሕትኡ ግዜ ምሳና ኣይነብርን እዩ ነይሩ: ስለዚ ኣደይ እያ ተዕብየና ነይራ። ሓሓሊፋ ንሓደ ሰሙን ወይ ካብኡ ዝዛይድ ግዜ ናብ ኣቦይ ትኸይድ ስለ ዝነበረት: ምኽሻንን ምስንካትን ዕዮ ገዛ ምዕያይን ኣሰልጠነትና። ኣባላት ናይ ግሪኽ ካቶሊክ ቤተ-ክርስትያን
ስለ ዝነበርና ኸኣ ኣደይ ካብ ንእስነትና ኣትሒዛ ጸሎት ንኽንደግምን ኣብ ሃይማኖታዊ ጽምብል ንኽንካፈልን ኣለማመደትና።ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ምርካብ
መጽሓፍ ቅዱስ ንኽርድኣኒ ባህጊ ዘሕደርኩ ኻብ ንእስነተይ ኣትሒዘ እየ። ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ጐረቤትና ወትሩ ናብ ስድራቤትና ብምምጻእ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ: ኣርማጌዶን: ከምኡውን ኣብ ሓዳስ ዓለም ብዛዕባ ዝርከብ በረኸታት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ የንብበልና ነበረ። ኣደይ ነቲ ዝብሎ ዝነበረ ብዙሕ ተገዳስነት ኣይነበራን: እቲ መልእኽቲ ግን ንማይክን ኣሌክስን ሰሓቦም። አረ እቲ እተማህርዎስ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ሕልናኦም ከም ዘየፍቅደሎም ብምግላጽ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ንኽኣብዩ ደሪኽዎም እዩ። ማይክ ንሓጺር እዋን ክእሰር ክፍረዶ ኸሎ: ኣሌክስ ግን ናብቲ ኣብ ኦንታርዮ ዝነበረ ናይ ሸቕሊ ደምበ ተላእከ። ድሕሪ ግዜ ፍሬድን ዋሊን እውን ሓቂ ተቐበሉ። ይኹን እምበር: እቶም ሰለስተ ምዕባየይ ኣሕዋተይ ሓቂ ኣይተቐበሉን። ኣደይ እውን ንሓያሎ ዓመታት ንሓቂ ትጻረር ነበረት: ጸኒሓ ግን ኣቕዋማ ኣብ ጐድኒ የሆዋ ብምግባር ንዅላትና ኣስደመመትና። ጓል 83 ዓመት ምስ ኰነት እያ ተጠሚቓ። ክትመውት ከላ ጓል 96 ዓመት ነበረት። ኣቦይ እውን ቅድሚ ሙማቱ ንሓቂ ጽቡቕ ኣረኣእያ ነበሮ።
ወዲ 17 ዓመት ምስ ኰንኩ: ስራሕ ደልየ ከምኡውን ምስቶም መጽሓፍ ቅዱስ ንኸጽንዕ ክሕግዙኒ ዝኽእሉ ንምሕባር ናብ ዊኒፐግ ከድኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ትሕቲ እገዳ እኳ እንተ ነበሩ: ኣኼባታት ግን ብቐጻሊ ይግበር ነበረ። እቲ መጀመርታ እተኻፈልክዎ ኣኼባ ኣብ መንበሪ ቤት እዩ ነይሩ። ሰዓቢ እምነት ናይ ግሪኽ ካቶሊክ ኰይነ ስለ ዝዓበኹ: ፈለማ እቲ ዝሰማዕክዎ እተፈልየ ዀነኒ። ቀስ ብቐስ ግን ኣቕሽሽትን ምእመናንን ኢልካ ምፍልላይ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ዝዀነ ስለምንታይ ምዃኑ ከምኡውን ኣምላኽ እቶም ኣቕሽሽቲ ንውግእ ክባርኹ ኸለዉ ስለምንታይ ከም ዘይሰምሮም ተረድኣኒ። (ኢሳይያስ 2:4፣ ማቴዎስ 23:8-10፣ ሮሜ 12:17, 18) ኣብ ገነታዊት ምድሪ ምንባር ዝብል ሓሳብ: ካብቲ ንዘለኣለም ናብ ዘይፍለጥ ቦታ ምኻድ ካብ ዝብል ሓሳብ ንላዕሊ ብቐሊሉ እዩ ተዋሒጡለይ።
እዚ ሓቂ ምዃኑ ስለ ዝኣመንኩ: ንየሆዋ ህይወተይ ወፈኹ: ብ1942 ከኣ ኣብ ዊኒፐግ ተጠመቕኩ። ብ1943 ኣብቶም ኣብ ካናዳ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተገይሩ ዝነበረ እገዳ ተላዕለ: እቲ ዕዮ ስብከት ከኣ ሓድሽ ሓይሊ ረኸበ። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንልበይ ኣጸቢቑ ይትንክፈኒ ነበረ። ኣገልጋሊ [በዚ ናይ ሕጂ ሽማግለ] ዀይነ ናይ ምግልጋል: ኣብቲ ንጉባኤና እተመደበ ዞባ እናኸድኩ ዝርርባት ናይ ምሃብ: ከምኡውን ኣብ ዘይተዓየ ዞባታት ናይ ምግልጋል ፍሉይ መሰላት ረኺበ ነይረ። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ እተገብረ ዓበይቲ ኣኼባታት ምክፋለይ ንመንፈሳዊ ዕቤተይ ብዙሕ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ።
ንየሆዋ ዘቕርቦ ኣገልግሎት ምስፋሕ
ብ1950 ፓይነር ኰንኩ: ኣብታ ዓመት እቲኣ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ከኣ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዀይነ ኸገልግል ጻውዒት ቀረበለይ። ጃርሊ ሄፕዎርዝ ዝበሃል ተመክሮ ዘለዎ እሙን ሓው ኣብ ጥቓ ቶሮንቶ ግቡእ ስልጠና ሃበኒ። እታ ኣብ ስልጠና ዘሕለፍክዋ ናይ መወዳእታ ሰሙን ምስቲ ድሮ ኣብ ዊኒፐግ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዀይኑ ዘገልግል ዝነበረ ኣሌክስ ሓወይ ስለ ዘሕለፍክዎ እውን ተሓጒሰ እየ።
ከምቲ ኣብ መእተዊ ተጠቒሱ ዘሎ እዚ ሓላፍነት እዚ ምስ ተዋህበኒ ንመጀመርታ ግዜ ዝገበርክዎ ናይ ወረዳ ኣኼባ: ክሳዕ ሕጂ ኻብ ኣእምሮይ ኣይተሓከን። መወዳእታኡ እንታይ ከም ዝኸውን ተጨኒቐ ነይረ። ሓው ጃክ ናታን ዝበሃል ናይ ኣውራጃ ተዓዛቢ ግን ንዅላትና ብስራሕ ትሑዛትን ሕጉሳትን ከም እንኸውን ገበረና። ምስቶም ኣብኡ እተረኽቡ ተሳተፍቲ ብሓባር ኴንና ነቲ ናይቲ ኣኼባ ትምህርቲ ጽሙቝ ኣቢልና ኣቕረብናዮ። በብተራ ተመክሮ ነዘንቱ: ካብ ቤት ናብ ቤት እንጥቀመሉ ኣቀራርባ ንለማመድ: ተመላሊስካ ምብጻሕ ንገብር: ከምኡውን ናይ ቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም እንመርሕ ነርኢ ነበርና። መዝሙራት መንግስቲ ኣምላኽ ዘመርና። እኹል መግቢ እውን ነበረና። ኣብ ከክልተ ሰዓት ቡንን ምቁር ሕብስትን ይቐርበልና ነበረ። ገሊኣቶም ኣብቲ ኣብ መድረኽ ዝነበረ ርቦ ኽድቅሱ ኸለዉ: ገሊኣቶም ከኣ ኣብ ባይታ ደቀሱ። ሰንበት ምስ ኰነ እቲ ህቦብላ ስለ ዝቐለለ: ኣብ ህዝባዊ ዝርርብ 96 ተኣከብቲ ነበሩ።
እዚ ተመክሮ እዚ ንኣጸጋሚ ዅነታት ንኽዋጽኣሉ ትምህርቲ ዀነኒ።ቀጺለ ኣብ ሰሜናዊ ኣልበርታ: ኣብ ብሪትሽ ኮሎምብያ: ከምኡውን ኣብታ ፍርቂ ለይቲ ጸሓይ ዝረኣየላ ዩኮን ተመደብኩ። ኣብቲ ሓባጥ ጎባጥ ዝመልኦ ኻብቲ ኣብ ብሪትሽ ኮሎምብያ እትርከብ ከተማ ዶሰን ክሪክ ክሳዕ እታ ኣብ ዩኮን እትርከብ ከተማ ዋይትሆርስ ዝዝርጋሕ መገዲ ኣላስካ (1,477 ኪሎ ሜተር) ጕዕዞ ንምግባርን ኣብ መገዲ ንምስባኽን: ጽንዓትን ጥንቃቐን ይሓትት ነበረ። ናይ ውርጪ መደራጋሕ: ሸታሕታሕ ዘብል ጎቦታት: ከምኡውን ብሰንኪ ህቦብላ ውርጪ ማዕዶ ኽትርኢ ዘይምኽኣል ናይ ብሓቂ ጸገም ይፈጥር ነበረ።
ሓቂ ኽሳዕ ክንደይ ናብ ሰሜናዊ ጫፍ ከም ዝተኣታተወት ምስ ፈለጥኩ ተገሪመ እየ። ሓደ እዋን ኣነን ዋልተር ሉኮዊትስን ኣብ ብሪትሽ ኮሎምብያ ኣብ እትርከብ ሓንቲ ለወር ፖስት እትበሃል ቍሸት ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ጎጆ ኳሕኳሕና: እዚ ድማ ኣብ ደረት መገዲ ኣላስካ ዀይኑ ጥቓ ዶብ ዩኮን ዝርከብ ቦታ እዩ። በቲ ንእሽቶ መስኮት መብራህቲ ጭልምልም ክትብል ስለ ዝረኣና: ኣብታ ጎጆ ሰብ ከም ዘሎ ፈለጥና። ሰዓት ትሽዓተ ናይ ምሸት እዩ ነይሩ: ማዕጾ ድማ ኳሕኳሕና። ሓደ ሰብኣይ ዓው ኢሉ እተዉ በለና: ኣተና ድማ። እቲ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ ኣብ ዓራት በጥ ኢሉ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ከንብብ ምስ ረኣና ኣዚና ኢና ተደኒቕና! አረ ከምቲ ንሕና እነበርክቶ ዝነበርና ሕታም ዘይኰነስ ናይ ቀረባ ግዜ ሕታም መጽሔት እዩ ሒዙ ነይሩ። እቲ መጽሔት ብኣየር ከም ዝለኣኸሉ ገለጸልና። ካብ ጉባኤና ንሸሞንተ መዓልቲ ተፈሊና ስለ ዝነበርና: እቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝወጸ መጽሔት ኣይነበረናን። እቲ ሰብኣይ ፍሬድ በርግ ከም ዝበሃል ነገረና: ንእተወሰነ ዓመታት መጽሔታት ብዅንትራት ይመጾ እኳ እንተ ነበረ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክበጽሕዎ ኽመጹ ግን ንመጀመርታ ግዜኡ እዩ ነይሩ። ፍሬድ በታ ለይቲ እቲኣ ምስኡ ኣሕደረና። ብዙሕ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓቅታት ኣካፈልናዮ: ካልእ ኣብቲ ኸባቢ ኣዘውቲሩ ዝመላለስ ናይ የሆዋ ምስክር ንኽበጽሖ ድማ ምድላው ገበርናሉ።
ንእተወሰነ ዓመታት ኣብ ሰለስተ ንኣሽቱ ወረዳታት ኣገልገልኩ። እዚ ድማ ካብታ ብሸነኽ ምብራቕ ኣብ ኣውራጃ ኣልበርታ እትርከብ ከተማ ግራንድ ፕራሪ: ክሳዕ እታ ብወገን ምዕራብ ኣብ ኣላስካ እትርከብ ደሴት ኮዲያክ: ብጠቕላላ 3,500 ኪሎ ሜተር ዝሽፍን ነበረ።
ኣብ ምሕድግ ዝበለ ቦታታት ልክዕ ከም ኣብ ካልእ ቦታታት የሆዋ ነቲ ዘይንበቕዖ ሕያውነቱ ንዅሎም ሰባት ከም ዘርእዮም ከምኡውን መንፈስ ኣምላኽ ንኣእምሮን
ኣልባብን እቶም ንህይወት ዘለኣለም ቅኑዕ ዝንባለ ዘለዎም ከም ዝድርኾም ብምርኣየይ ተሓጐስኩ። ሓደ ኻብዞም ቅኑዕ ዝንባለ ዘለዎም ሰባት ኣብ ከተማ ዶሰን: ዩከርን ዝነብር ዝነበረ ሄንሪ ለፒን ዝበሃል እዩ። ሄንሪ ኣብ ሓንቲ ምሕድግ ዝበለት ቦታ ይነብር ነበረ። አረ ኻብቲ ዝነብረሉ ዝነበረ ወርቂ ዝዕደነሉ ኸባቢ ንልዕሊ 60 ዓመት ወጺኡ ኣይፈልጥን እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: እዚ ወዲ 84 ዓመት ሰብኣይ እዚ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ተኻፊሉ ዘይፈልጥ እኳ እንተ ነበረ: ኣብ ኣንከሪጅ ናይ ወረዳ ኣኼባ ንኽካፈል ኢሉ ልዕሊ 1,600 ኪሎ ሜተር ተጓዒዙ ንኽመጽእ መንፈስ የሆዋ ደረኾ። በቲ ኣኼባን ኣብኡ ዝነበረ ሕብረትን ኣዝዩ ተሓጐሰ። ናብ ከተማ ዶሰን ድሕሪ ምምላሱ: ክሳዕ ዕለተ-ሞቱ እሙን ነበረ። ብዙሓት ንሄንሪ ዝፈልጥዎ ሰባት ነዚ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ ክንድዚ ዝኣክል ነዊሕ ጕዕዞ ኽገብር ዝደረኾ እንታይ ምዃኑ ይግረሙ ነበሩ። ነዚ ንኽፈልጡ ዝሓደሮም ሃንቀውታ ኸኣ ንገሊኣቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ሓቂ ንክቕበሉ ኣኽኣሎም። ስለዚ: ሄንሪ ብተዘዋዋሪ ጽቡቕ ምስክርነት ሂቡ እዩ።የሆዋ ዘይበቕዖ ሕያውነት ገይሩለይ
ብ1955 ኣብ መበል 26 ክፍሊ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ንኽካፈል ጻውዒት ስለ ዝቐረበለይ ተሓጐስኩ። እዚ ስልጠና እዚ ንእምነተይ ኣደልደላ: ናብ የሆዋ ብዝያዳ ንክቐርብ ድማ ኣኽኣለኒ። ድሕሪ ምረቓ ኣብ ካናዳ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዀይነ ኣገልግሎተይ ክቕጽል ተመደብኩ።
ንሓደ ዓመት ዝኸውን ኣብ ኣውራጃ ኦንታርዮ ኣገልገልኩ። ድሕሪኡ ናብቲ ባህ ዘብል ትርኢት ዘለዎ ኣላስካ ተመደብኩ። እቲ ኣብ ጐድኑ ዘንጸባርቕ ቀላያት ዘለዎ መገዲ ከምኡውን ናብቲ ጫፉ ብበረድ እተሸፈነ ኣኽራን ብማኪና ክድይብ ከለኹ ዝረኣኽዎ ትርኢት ክሳዕ ሕጂ ኻብ ኣእምሮይ ኣይተሓከን። ኣብ ሓጋይ እቲ ስንጭሮታትን ሸኻታትን ብኣዝዩ ደስ ዘብል ዕንባባታት መሮር ይሽፈን ነበረ። ኣየሩን ማዩን ድማ ጽሩይ ነበረ። ድብታት: ተዃሉ: ሙስ: ካሪቡ: [ሙስን ካሪቡን ዓይነት ዓጋዘን እዮም] ከምኡውን ካልኦት እንስሳታት መሮር ኣብቲ ተፈጥሮኣዊ መንበሪኦም ከም ልቦም ይንቀሳቐሱ ነበሩ።
ኣላስካ ግን ናይ ርእሱ ጸገማት ነይርዎ: ክሊማ እታ ዓዲ ወትሩ ዝቀያየር ኣብ ርእሲ ምዃኑ ኣዝዩ ሰፊሕ ዞባ እውን እዩ። ኣነ ዘገልግለሉ ወረዳ ኻብ ምብራቕ ክሳዕ ምዕራብ 3,200 ኪሎ ሜተር ኣቢሉ ዝኸውን ነበረ። ኣብቲ ግዜ እቲ ንናይ ወረዳ ተዓዛቢ ማኪና ኣይወሃቦን እዩ ነይሩ። እቶም ኣብተን ዝበጽሐን ጉባኤታት ዝነበሩ ኣሕዋት ናብታ እትቕጽል ጉባኤ ብፍታዎም ብማኪና የብጽሑኒ ነበሩ። ሓድሓደ ግዜ ግን መራሕቲ ዓበይቲ ማካይን ወይ በጻሕቲ ሃገር ንኽማልኡኒ እሓትት ነበርኩ።
ሓደ እዋን ካብቲ ኣብ ኣላስካ ዝርከብ ክልተ መገድታት ዝራኸበሉ ቶክ ዝበሃል ቦታ ኽሳዕ ማይል 1202 ወይ ስኮቲ ክሪክ ዝበሃል ቦታ ኣብ ዘሎ መገዲ ሓደ ሽግር ኣጋጠመኒ። እቲ ኣብ መንጎ ኽልቲኡ ቦታ ዘሎ ናይ ጉምሩክ መፈተሺ ነቝጣ 160 ኪሎ ሜተር ኣቢሉ ይረሓሓቕ ነበረ። ነቲ ኣብ ቶክ ዝርከብ ናይ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ነቝጣ ሓሊፈ ን50 ኪሎ ሜተር ዝኸውን ዝማልኣኒ ረኸብኩ። ድሕሪኡ እትማልኣኒ ማኪና ኣይረኸብኩን: ስለዚ ድማ ንዓሰርተ ሰዓት ዝኸውን ብእግረይ ብምኻድ 40 ኪሎ ሜተር ኣቢለ ተጓዓዝኩ። ካብቲ ናይ ጉምሩክ መፈተሺ ነቝጣ ምስ ሓለፍኩ ነዊሕ ከይጸንሐ: ኣብ ጥቓ እቲ መፈተሺ ነቝጣ መደራጋሕ ውርጪ ነቲ መገዲ ኸም ዝዓገቶን ነተን ማካይን ደው ከም ዘበለንን ደሓር እየ ፈሊጠ። ፍርቂ ለይቲ ኣቢሉ ምስ ኰነ እቲ ዛሕሊ ትሕቲ ዜሮ ኽሳዕ 23 ዲግሪ ሰንቲ ግሬድ ወረደ: መጽለሊ ንምርካብ ከኣ እንተ ወሓደ 80 ኪሎ ሜተር ይተርፈኒ ነበረ። ከዕርፈሉ ዝኽእል መጽለሊ ኣጸቢቑ ኣድልዩኒ ነበረ።
ገፈፍ እናበልኩ ክኸይድ ከለኹ: ሓንቲ እተወሰነ ኽፋላ ብውርጪ እተሸፈነ ሰብ ዘይብላ ማኪና ኣብ መገዲ ረኣኹ። ኣብ ውሽጣ ኣትየ ኣብቲ መንበራ እንተ ደቂሰ: ነቲ ቘራሪ
ለይቲ ኸሕልፎ ከም ዝኽእል ሓሰብኩ። ነቲ ውርጪ ኣልጊሰ ነቲ ማዕጾ ምስ ከፈትክዎ ግን እታ ማኪና ብዘይካ ሓጺን ካልእ ኣይነበራን። እቲ ዘሐጕስ ግን ካብቲ ዝነበርክዎ ብዙሕ ከይረሓቕኩ ሰብ ዘይብላ ጎጆ ረኸብኩ። ኣብታ ጎጆ ንምእታውን ኣብ ውሽጢ ሓዊ ንምእጓድን እኳ እንተ ተሸገርኩ: ዳሕራይ ግን ንሒደት ሰዓታት ከዕርፍ ከኣልኩ። ንንግሆኡ ናብቲ ዝቕጽል መንበሪ ኣባይቲ ዘለዎ ቦታ እትወስደኒ ማኪና ረኸብኩ: ኣብኡውን እቲ ሃሪፈዮ ዝነበርኩ መግቢ ረኸብኩ: ነተን እተጀልዓ ኣጻብዕተይ እውን ብፋሻ ጀነንክወን።የሆዋ ኣብ ኣላስካ ከም ዝበቍል ገበረ
ንመጀመርታ ግዜ ናብ ፈይርባንክስ ዝገበርክዎ ምብጻሕ ዘተባብዕ እዩ ነይሩ። ኣብ ኣገልግሎት ጽቡቕ ፍረ ረኸብና: በታ ሰንበት እቲኣ ኣብ እተገብረ ህዝባዊ ዝርርብ ከኣ 50 ዝዀኑ ተኣከብቲ ነበሩ። ኣብታ ቨርኖር ዴቪስን ሎሬን ዴቪስን ዝነብሩላ ዝነበሩ ንእሽቶ ቤት ሚስዮናውያን ተኣከብና። ኣብ ክሽነ: መደቀሲ: ከምኡውን ኮሪዶር ዝነበሩ ሰባት ነቲ ዝርርብ ንምስማዕ ይጽዕሩ ነበሩ። ነዚ ጽቡቕ ኣቀባብላ እዚ ምስ ረኣና: ኣብ ፈይርባንክስ ሓንቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምስራሕ ነቲ ዕዮ ስብከት ሱር ከም ዝሰድድ ከም ዝገብሮ ፈለጥና። ስለዚ: ብሓገዝ የሆዋ ሓደ ኣቐዲሙ ናይ ትልሂት ኣደራሽ ዝነበረ ስፍሕ ዝበለ መአከቢ ዓዲግና ንኣኼባ ምሹእ ናብ ዝዀነ ቦታ ኣግዓዝናዮ። ዒላ ዀዓትና: ሽቓቕን መሞቒ ገዛን ድማ ገበርናሉ። ኣብ ውሽጢ ዓመት ኣብ ፈይርባንክስ እታ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣገልግሎት ክትህብ ጀመረት። ነታ ኣደራሽ ክሽነ ምስ ሰራሕናላ ኸኣ ብ1958 ኣውራጃዊ ኣኼባ ንምግባር ተጠቐምናላ: 330 ተኣከብቲ ድማ ነበሩ።
ኣብ ሓጋይ 1960 ንዅሎም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካናዳን ዝነበሩ ገየሽቲ ተዓዘብቲ እተዳለወ ኽእለትና ዘመሓይሽ ኮርስ ንምውሳድ ብማኪና ገይረ ናብ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዊሕ ጕዕዞ ገበርኩ። ኣብኡ ኸለኹ ድማ ሓው ናታን ኖርን ካልኦት ሓላፍነት ዘለዎም ኣሕዋትን ኣብ ኣላስካ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ብዛዕባ ምኽፋት ኣዘራረቡኒ። ድሕሪ እተወሰነ ኣዋርሕ: ካብ 1 መስከረም 1961 ኣትሒዙ ኣላስካ ናይ ርእሳ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ከም ዝህልዋ ምስ ተነግረና ተሓጐስና። ሓው ኣንድሪው ከይ. ዋግነር ነቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ብሓላፍነት ተዋህቦ። ንሱን ቬራ ሰበይቱን ኣብ ብሩክሊን ን20 ዓመት ኣገልጊሎም ነይሮም: ገያሺ ተዓዛቢ ዀይኑ ብምግልጋሉ እውን ተመክሮ ነይርዎ። ኣላስካ ናይ ርእሳ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ምህላዋ ነቲ ገያሺ ተዓዛቢ ዝገብሮ መገሻታት ስለ ዝንክዮን ኣብቲ ንጉባኤታትን ምሕዱግ ዞባታትን ብፍላይ ዘድሊ ነገራት ንኸተኵር ስለ ዘኽእሎን ብዙሕ ጥቕሚ እዩ ኣምጺኡ።
ኣብ ሓጋይ 1962 ኣብ ኣላስካ ዘሐጕስ እዋን እዩ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ናይ ኣላስካ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ንየሆዋ ተወፈየ: ኣብታ ግዝኣት ኣብ እትርከብ ጁኖ እትበሃል ከተማ ኸኣ ኣውራጃዊ ኣኼባ ተገብረ። ኣብ ጁኖ ከምኡውን ኣብታ ኣብ ዩኮን እትርከብ ዋይትሆርስ እትበሃል ከተማ ሓደስቲ ኣደራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ተሃንጸ: ኣብ ርሑቕ ቦታ ዝርከባ እተወሰና ሓደስቲ ጕጅለታት ከኣ ቈማ።
ናብ ካናዳ ምምላስ
ንሓያሎ ዓመታት ምስ ማርጋሪታ ፔትራስ እትበሃል ኣብ ካናዳ እትርከብ ሓብቲ እጸሓሓፍ ነበርኩ። እዛ ሪታ ተባሂላ እትጽዋዕ ሓብቲ ብ1947 ፓይነር ኰይና ኸተገልግል ጀመረት: ብ1955 ካብ ጊልዓድ ተመረቐት: ኣብ ምብራቓዊ ካናዳ ድማ ፓይነር ኰይና ተገልግል ነበረት። ክትምርዓወኒ ምስ ሓተትክዋ ፍቓደኛ ዀነት። ኣብ ለካቲት 1963 ኣብ ዋይትሆርስ ተመርዓና። ኣብ ቀውዒ እታ ዓመት እቲኣ: ኣብ ምዕራባዊ ካናዳ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዀይነ ኸገልግል ተመደብኩ: ኣብቲ ዝቐጸለ 25 ዓመት ድማ ኣብኡ ተሓጒስና ኣገልገልና።
ብ1988 ብሰንኪ ናይ ጥዕና ጸገማት ኣብታ ኣብ ኣውራጃ ማኒቶባ እትርከብ ከተማ ዊኒፐግ ፍሉያት ፓይነራት ኴንና ኸነገልግል ተመደብና። እዚ ኸኣ ንሓደ ዓብዪ ኣኼባ ዝግበረሉ መአከቢ ንሓሙሽተ ዓመት ምክንኻን ዘጠቓልል ዕዮ ነበረ። ክሳዕ ሕጂ ዓቕምና ብዝፈቕደልና መጠን ኣብቲ ዘሐጕስ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ንሳተፍ ኢና። ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ንሓያሎ ሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጀሚርና ኻልኦት ክቕጽልሎም ንገድፈሎም ነበርና። ሕጂ ግን ሳላ እቲ ዘይንበቕዖ ሕያውነት የሆዋ ባዕልና ኣጀሚርና ህይወቶም ናብ ምውፋይን ናብ ጥምቀትን ዕቤት ክገብሩ ኸለዉ ናይ ምርኣይ ተወሳኺ ሓጐስ ንረክብ ኣለና።
ንየሆዋ ምግልጋል እቲ ዝበለጸ መገዲ ህይወት ምዃኑ እኣምነሉ እየ። ትርጕም ዘለዎን ዘዕግብን ህይወት ኢኻ እተሕልፍ: መዓልታዊ ድማ ንየሆዋ ዘሎና ፍቕሪ ይዓሙቝ። እዚ ኸኣ እዩ ናይ ሓቂ ሓጐስ ዘምጽእ። እቲ ዘሎና ቲኦክራሲያዊ ዕዮ ወይ ዘለናሉ ቦታ ብዘየገድስ: ምስቲ “የሆዋ ዝኣምላኹ ህዝቢ ሕጉስ እዩ” ዝበለ ጸሓፍ መዝሙር ንሰማማዕ ኢና።—መዝሙር 144:15 NW
[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]
ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ኸለኹ
[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ከተማ ዶሰን ንሄንሪ ለፒን ክበጽሖ ኸለኹ። ኣነ ብጸጋም ኣለኹ
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ኣንከሪጅ ዝነበረት ናይ መጀመርታ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]
ኣነን ሪታን ብ1998 እተሰኣልናዮ