ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ብመርከብ ናብ ቆጵሮስ ከዱ”

“ብመርከብ ናብ ቆጵሮስ ከዱ”

“ብመርከብ ናብ ቆጵሮስ ከዱ”

መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ነቲ ብ47 ከ.ኣ.ዘ. እቶም ክርስትያን ሚስዮናውያን ዝነበሩ ጳውሎስን በርናባስን እቲ ማርቆስ ዚበሃል ዮሃንስን ናብ ቆጵሮስ ብምኻድ ዘሕለፍዎ ተመክሮ ኸተዘንቱ ኸላ በዘን ኣብ ላዕሊ ዚርከባ ቓላት እያ እትጅምር። (ግብሪ ሃዋርያት 13:4) ቆጵሮስ ኣብቲ ግዜ እቲውን ልክዕ ከም ሎሚ ኣብ ምብራቓዊ መዲተራነያን ስትራተጅያዊት ቦታ እያ ነይራ።

በዚ ድማ ሮማውያን ነታ ደሴት ይምነይዋ ነበሩ: ብ58 ቅ.ኣ.ዘ. ኸኣ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሮም ኣእተዉዋ። ቅድሚኡ ግን ቆጵሮስ ዚምስጥ ታሪኽ እዩ ነይርዋ። ፊንቄኣውያን: ግሪኻውያን: ኣሶራውያን: ፋርሳውያን: ከምኡውን ግብጻውያን ገዚኦምዋ እዮም። ኣብ ማእከላይ ዘመን ከኣ መስቀላውያን: ፍራንካውያን: ቨኒስያውያን በብተራ ኺገዝእዋ ኸለዉ: ድሕሪኦም ከኣ ኦቶማናውያን (ቱርካውያን) ገዝእዋ። ብ1914 ብሪጣንያ ነታ ደሴት ተቘጻጸረታ: ብ1960 ናጽነታ ኽሳዕ እትእውጅ ድማ ገዝኣታ።

ኣብዚ እዋን እዚ ቱሪዝም ቀንዲ ምንጪ ኣታዊኣ እዩ። ብግዜ ጳውሎስ ግን ብዙሕ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ነበራ: ሮማውያን ከኣ ነዚ ብምምዝማዝ ካዝናኦም መልኡ። ነሓሲ ኣብ ታሪኽ እታ ደሴት ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ እዩ ተረኺቡ: ሮማውያን ካብኣ ኽሳዕ ዚወጹሉ እዋን ከኣ 250,000 ቶን ነሓሲ ኸም እተዓደነ እዩ ዚግመት። ይኹን እምበር: ነቲ ነሓሲ ኣምኪኽካ ንምጽራይ ተባሂሉ መብዛሕትኡ ጽዑቕ ጫካ በሪሱ እዩ። ጳውሎስ ናብታ ደሴት ኣብ ዝኸደሉ እዋን መብዛሕትኡ ኽፋል እቲ ጫካ በሪሱ እዩ ነይሩ።

ቆጵሮስ ኣብ ትሕቲ ሮማውያን

ብመሰረት ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ ፈለማ ቄሳር ጁልየስ ጸኒሑ ኸኣ ማርክ ኣንቶኒ ንቆጵሮስ ንግብጺ ኣሕሊፎም ሃብዋ። ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኣውጉስጦስ ግን ናብ ሮሜ ተመልሰት ከምቲ ንግብሪ ሃዋርያት ዝጸሓፈ ሉቃስ ብትኽክል መዝጊብዎ ዘሎ ድማ ኣብ ትሕቲ ሮሜ ዀይኑ ብዚገዝእ ምስለኔ ትመሓደር ነበረት። ጳውሎስ ኣብታ ደሴት ኪሰብኽ ከሎ ሰርግዮስ ጳውሎስ ዚበሃል ምስለኔ የመሓድር ነበረ።—ግብሪ ሃዋርያት 13:7

እቲ ብሮማውያን እተኣታተወ ፓክስ ሮማና ዚበሃል ኣህጉራዊ ሰላም: ንመዐደኒን ኢንዱስትሪታትን ቆጵሮስ ኪሰፍሕ ኣተባብዐ: እዚ ድማ ብንግዲ ኸም እትትኰስ ገበራ። ሰራዊት ሮሜ ኣብታ ደሴት ብምስፋሮም ከምኡውን ብዙሓት ሰባት ንንግደት እታ ኣፍሮዳይቲ እትበሃል ነታ ደሴት እተጽልላ ተባሂሉ ዚእመነላ ኣምላኽ ኢሎም ይመጹ ብምንባሮም ተወሳኺ ምንጪ ኣታዊኣ ነበሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ሓደስቲ መገድታትን መርሳታትን ሰፊሕ ህዝባዊ ህንጻታትን ተሰርሐ። ግሪኽኛ ኸም ወግዓዊ ቛንቋ ዀይኑ ቐጸለ: ኣብ ልዕሊ እቲ ንሃጸይ ሮሜ ዚቐርብ ኣምልኾ ድማ ኣፍሮዳይቲን ኣፖሎን ዘዩስን ይምለኹ ነበሩ። እቲ ህዝቢ ሃብታም ነበረ: እተፈላለየ ማሕበራውን ባህላውን ህይወት ድማ ነበሮ።

ጳውሎስ ናብ ቆጵሮስ ከይዱ ብዛዕባ ክርስቶስ ኣብ ዝመሃረሉ እዋን ከምዚ ዝኣመሰለ ሃዋሁ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: ክርስትና ናብ ቆጵሮስ እተኣታተወ ጳውሎስ ቅድሚ ምኻዱ እዩ። ድሕሪ ሞት እቲ መጀመርታ ክርስትያን ሰማእት ዝዀነ እስጢፋኖስ: ገሊኣቶም ክርስትያናት ናብ ቆጵሮስ ሃዲሞም እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 11:19) እቲ መገላግልቲ ጳውሎስ ዝነበረ በርናባስ: ወዲ ቆጵሮስ እዩ ነይሩ። ነታ ደሴት ኣጸቢቑ ይፈልጣ ብምንባሩ ኸኣ ጳውሎስ እናዞረ ኺሰብኽ ከሎ ጽቡቕ ገይሩ ኸም ዝመርሖ ዜጠራጥር ኣይኰነን።—ግብሪ ሃዋርያት 4:36፣ 13:2

ነቲ ጳውሎስ እተጓዕዘሉ መገድታት ምርካቡ

ጳውሎስ ኣብ ቆጵሮስ እተጓዕዘሉ መገድታት ምፍላጡ ቐሊል ኣይኰነን። ይኹን እምበር: ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲ ብዛዕባ እቲ ብግዜ ሮማውያን ዝነበረ መገድታት ንጹር ምርዳእ እዩ ዘለዎም። ብምኽንያት ጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ እታ ደሴት: ሎሚውን እንተዀነ ዘመናዊ ጽርግያታት ነቲ ሚስዮናውያን ብግዜ ጥንቲ እተጓዕዙሉ መገዲ እዩ ዚስዕብ።

ጳውሎስን በርናባስን እቲ ማርቆስ ዚበሃል ዮሃንስን ብመርከብ ካብ ሴሌውቅያ ናብ ወደብ ሰላሚስ ከዱ። እታ ርእሲ ኸተማን ቀንዲ ወደብን ጳፎስ ክነሳ: ስለምንታይ እዮም ናብ ሰላሚስ ዝኸዱ፧ ሰላሚስ ካብ ሴሌውቅያ 200 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ ምብራቓዊ ገማግም እታ ደሴት እያ እትርከብ። ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ሮማውያን ጳፎስ ኣብ ክንዲ ሰላሚስ ርእሲ ኸተማ እኳ እንተዀነት: ሰላሚስ ግን ባህላውን ትምህርታውን ንግዳውን ማእከል እታ ደሴት ካብ ምዃን ኣየቋረጸትን። ብዙሓት ኣይሁድ ነበርዋ: እቶም ሚስዮናውያን ከኣ “ኣብ ኣባይቲ ጸሎት ኣይሁድ ቃል ኣምላኽ ነገሩ።”—ግብሪ ሃዋርያት 13:5

ኣብዚ ግዜና ንሰላሚስ ዑናኣ ጥራይ እዩ ተሪፉ ዘሎ። ኰይኑ ግን: ርኽበታት ስነ-ጥንቲ እታ ኸተማ ቐደም ክብርን ሃብትን ከም ዝነበራ እዩ ዚምስክር። እቲ ማእከል ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ንጥፈታት ዝነበረ ዕዳጋኣ: ካብቲ ኣብ ከባቢ መዲተራነያን ዚርከብ ብዅዕታ እተረኽበ ቦታታት እቲ ዝዓበየ መአከቢ ቦታ እዩ ኪኸውን ዘለዎ። እዚ ኻብቲ ቄሳር ኣጉስጦስ ዝገዝኣሉ እዋን ኣትሒዙ ዝነበረ ዑናታት: ብእተፈላለየ ዝሕብርታቱ ንኣሽቱ ኣእማን እተሰርሐ ንድፍታት ዘለዎ ባይታ: ጂምናዝዩም: ዜደንቕ መሕጸብ ነብሲ: ስታድዩምን ኣምፊትያትርን: ብሉጽ መቓብራት: ከምኡውን ን15,000 ሰባት ዜቐምጥ ዓብዪ ኣደራሽ ቲያትር ይርከቦ! ኣብ ጥቓኡ ድማ ዑናታት እቲ ዓብዪ ቤተ መቕደስ ዘዩስ ኣሎ።

ዘዩስ ግን ነታ ኸተማ ብሰንኪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዑና ኻብ ምዃን ኣየድሓናን። እቲ ብ15 ቅ.ኣ.ዘ. ዘጋጠመ ኸቢድ ምንቅጥቃጥ ምድሪ: ንመብዛሕትኡ ኽፋል ሰላሚስ ዑና እዩ ገይርዎ። ድሕርዚ ብዘመን ኣውጉስጦስ ተሃንጸት። ብ77 ከ.ኣ.ዘ. እንደገና ብምንቅጥቃጥ ምድሪ ድሕሪ ምዕናዋ ድማ ከም ብሓድሽ ተሃንጸት። ኣብ ራብዓይ ዘመን ሰላሚስ ብተደጋጋሚ ብዘጋጠማ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዓነወት: ድሕርዚ ኸኣ ከምቲ ቐደም ዚነበራ ኽብሪ ኸቶ ኣይረኸበትን። ኣብ ማእከላይ ዘመን እቲ ወደባ ስለ እተረስዐ ብድበት መልአ።

እቶም ኣብ ሰላሚስ ዚነብሩ ዝነበሩ ሰባት ንስብከት ጳውሎስ ብኸመይ ከም እተቐበልዎ ኣይተሓበረን። እንተዀነ ግን: ጳውሎስ ንኻልኦት እውን ኪሰብኽ ነበሮ። እቶም ሚስዮናውያን ካብ ሰላሚስ ነቒሎም ብሰለስተ መገድታት ኪጐዓዙ ይኽእሉ ነይሮም። እቲ ቐዳማይ በኽራን ኪሪንያ ኣቢሎም ብሰሜናዊ ገማግም፣ እቲ ኻልኣይ ብጐላጉል መሳኦርያ ኣቢሎም ብማእከል እታ ደሴት ንምዕራብ ገጹ ዚወስድ መገዲ፣ እቲ ሳልሳይ ከኣ ብደቡባዊ ገማግም ምጕዓዝ እዩ ነይሩ።

ብያታ ኸም ዚንገር ጳውሎስ በቲ ሳልሳይ መገዲ እዩ ተጓዒዙ። እዚ መገዲ እዚ ፍልይ ዝበለ ቐዪሕ ሓመድ ብዘለዎ ቦታ ሕርሻ ኣቢሉ እዩ ዚሓልፍ። እዚ መገዲ እዚ ብደቡባዊ ምዕራብ 50 ኪሎ ሜተር ኣቢሉ ናብ ከተማ ላርናካ ኣቢሉ ይጽጋዕ: ድሕሪኡ ናብ ሰሜን ተጠውዩ ናብ ውሽጢ እታ ደሴት ገጹ ይኣቱ።

“ነታ ደሴት ብዘላ”

እቲ መገዲ ነዊሕ ከይጸንሐ ናብታ ጥንታዊት ከተማ ሊድረ ይበጽሕ። ኣብዚ ቦታ እዚ እታ ኒቀስያ እትበሃል ዘመናዊት ርእሲ ኸተማ ተሃኒጻ ኣላ። ኣሰር እታ ጥንታዊት ከተማ ጠፊኡ እዩ። እንተዀነ ግን: ኣብ ውሽጢ እቲ ኣብ መበል 16 ዘመን ቨኒስያውያን ኣብ ማእከል ኒቀስያ ዝሃነጽዎ መካበብያ: ጐደና ሊድረ እትበሃል ሰብ ዚበዝሓ ቐጣን መገዲ ትርከብ። ጳውሎስ ናብ ሊድረ ምኻዱ ወይ ዘይምኻዱ: እንፈልጦ ነገር የልቦን። መጽሓፍ ቅዱስ “ነታ ደሴት ብዘላ” ኸም ዚዞርዋ ጥራይ እዩ ዚገልጸልና። (ግብሪ ሃዋርያት 13:6) እታ ዘ ዊክሊፍ ሂስቶሪካል ጂኦግራፊ ኦቭ ባይብል ላንድስ ዘርእስታ ጽሕፍቲ: “ከምዚ ኺበሃል ከሎ ምናልባት ዳርጋ ንዅሎም ኣብ ቆጵሮስ ዝነበሩ ማሕበረሰብ ኣይሁድ በጺሕዎም ማለት ከይኰነ ኣይተርፍን” ትብል።

ጳውሎስ ኣብ ቆጵሮስ ንብዙሓት ሰባት ንምርካብ ድሌት ከም ዝነበሮ እተረጋገጸ እዩ። ስለዚ ድማ ካብ ሊድረ ብኣመዘስን ኩርየንን ዚበሃላ እተፈላለዩ ህዝቢ ዝነበሩለንን እናሰሰና ዚኸዳ ዝነበራን ክልተ ዓበይቲ ኸተማታት ኣቢሉ ንደቡብ ገጹ ብዚወስድ መገዲ ተጓዒዙ ኪኸውን ኣለዎ።

ኩርየን ልዕሊ እቲ ገምገም ባሕሪ ኣብ ዚርከብ ኣጻድፍ እያ ተደኲና። እዛ ግሪኻውያንን ሮማውያንን ዝሃነጽዋ ኸተማ በቲ ብ77 ከ.ኣ.ዘ. ንሰላሚስ ዜዕነዋ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ተሃስያ እያ። ዑናታት እቲ ብ100 ከ.ኣ.ዘ. እተሃንጸ ንኣፖሎ እተወፈየ ቤተ መቕደስ ኣብኡ ይርከብ እዩ። እቲ ስታድዩም 6,000 ተዓዘብቲ ኺሕዝ ዚኽእል ነበረ። ተቐማጦ ኩርየን ምሹእ ናብራ የሕልፉ ምንባሮም: ኣብቲ ኣብ ባይታ ናይ ውልቀ-ሰባት ቪላታት እተፈላለየ ሕብርታት ዘለዎ እምኒ ብምግጥጣም እተሰርሐ ውቁብ ስእሊ ኺርአ ይከኣል እዩ።

ናብ ጳፎስ ምኻድ

ድሕርዚ እቲ መገዲ ኻብ ኩርየን በቲ ወይኒ ዚፈርየሉ ቦታ ኣቢሉ ንምዕራብ ገጹ በብቕሩብ እናበረኸ ድሕሪ ምኻድ: ሃንደበት ናብቲ ጸጸር ዝመልኦ ገማግም ገጹ ንቝልቍል ይንቈት። ብመሰረት ጽውጽዋይ ግሪኽ: እታ ኣፍሮዳይቲ እትበሃል ኣምላኽ ኣብዚ ቦታ እዚ እያ ንመጀመርታ ግዜ ኻብ ባሕሪ ወጺኣ ዝመጸት።

ኣፍሮዳይቲ ኻብቶም ኣብ ቆጵሮስ ዚምለኹ ኣማልኽቲ እታ ልዕሊ ዅሉ እትፍቶን ክሳዕ ካልኣይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ብቕንኣት እትምለኽን ኣምላኽ ነበረት። ጳፎስ ከኣ ማእከል ኣምልኾ ኣፍሮዳይቲ ነበረት። ኣብ እዋን ጽድያ ንኽብራ ተባሂሉ ዓብዪ ድግስ ይግበር ነበረ። ንንግደት ኢሎም ካብ ንእሽቶ እስያ: ግብጺ: ግሪኽ: ከምኡውን ካብ ፋርስ እውን ከይተረፈ ናብቲ ኣብ ጳፎስ ዚግበር በዓል ይመጹ ነበሩ። ቆጵሮስ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት እንዳ ቶሎሚ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን: ቆጵሮሳውያን ምስ ኣምልኾ ፈርኦን ተላለዩ።

ሮማውያን ንጳፎስ ርእሲ ኸተማ ቆጵሮስን መንበሪ ምስለኔን ገበርዋ: ናይ ነሓሲ ሰልዲ ናይ ምስራሕ ስልጣን ከኣ ተዋሂብዋ ነበረ። እዛ ኸተማ እዚኣውን በቲ ብ15 ቅ.ኣ.ዘ. ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዓንያ እያ: ኣውጉስጦስ ድማ ልክዕ ከምቲ ንሰላሚስ ዝሃነጻ: ነዛ ኸተማ ምእንቲ ኽትህነጽ እውን ገንዘብ ሃበ። ብዅዕታ ኸም እተረኽበ: እቶም ኣብ ጳፎስ ዝነበሩ ሃብታማት ምሹእ ናብራ ኸም ዝነበሮም ተፈሊጡ እዩ። እታ ኸተማ ሰፊሕ ጐደናታት: ስሉም ቪላታት: ኣብያተ-ትምህርቲ ሙዚቃ: ጂምናዝዩም: ከምኡውን ኣምፊቲያትር ነበራ።

እምበኣር ጳውሎስን በርናባስን እቲ ማርቆስ ዚበሃል ዮሃንስን ንጳፎስ ኪበጽሕዋ ኸለዉ ኸምዚ ትመስል ነበረት። እቲ “ኣስተውዓሊ ሰብኣይ” እተባህለ ሰርግዮስ ጳውሎስ ዚስሙ ምስለኔ: ካብቲ ኤልማስ ዚበሃል ጠንቋሊ ኸቢድ ምጽራር እናኣጋጠሞ ‘ቓል ኣምላኽ ኪሰምዕ ዝደለየ’ እውን ኣብዚ እዩ። እቲ ምስለኔ “ብምህሮ ጐይታ ተገሪሙ” እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 13:6-12

እቶም ሚስዮናውያን ነቲ ዕዮ ስብከቶም ኣብ ቆጵሮስ ብዓወት ምስ ፈጸሙ: ናብ ንእሽቶ እስያ ብምኻድ ዕዮኦም ቀጸሉ። እዚ ቀዳማይ ሚስዮናዊ ጕዕዞ ጳውሎስ: ናይ ሓቂ ክርስትና ኣብ ምስፋሕ ዓብዪ ኣገዳስነት ነበሮ። እታ ሰይንት ፖልስ ጆርኒስ ኢን ዘ ግሪክ ኦርየንት ዘርእስታ መጽሓፍ: ነዚ ጕዕዞ እዚ “ክርስትያናዊ ሚስዮን ከምኡውን ሚስዮናዊ ህይወት . . . ጳውሎስ ናይ ብሓቂ እተጀመረሉ እዋን” ብምባል ጸዊዓቶ ኣላ። ኣስዕብ ኣቢላውን “ቆጵሮስ ኣብቲ ሶርያን ንእሽቶ እስያን ግሪኽን ብባሕሪ ዚራኸባሉ ቦታ ስለ እትርከብ: ኣብቲ ናይ መጀመርታ ጕዕዞ ሚስዮናውነት ናይ ግድን ክትብጻሕ ነይርዋ” በለት። እዚ ግን ፈላሚ ስጕምቲ ጥራይ እዩ ነይሩ። ሕጂ ድሕሪ ኣስታት 20 ዘመን እውን እንተዀነ ክርስትያናዊ ሚስዮናውነት ኣየቋረጸን: እቲ ብስራት መንግስቲ የሆዋ ኸኣ ቃል ብቓሉ “ክሳዕ ወሰን ምድሪ” በጺሑ ኺበሃል ይከኣል እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 1:8

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ካርታ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ቆጵሮስ

ኒቀስያ (ሊድረ)

ሰላሚስ

ጳፎስ

ኩርየን

ኣመዘስ

ላርናካ

ኣኽራን ኪሪንያ

ጐላጉል መሳኦርያ

ኣኽራን ትሩዶስ

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ጳውሎስ ኣብ ጳፎስ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: መንፈስ ቅዱስ መሊእዎ ንኤልማስ እቲ ጠንቋሊ ኣዖሮ