ፍርሂ ኣብ ዘይብላ ዓለም ክትነብር ትህንጠዶ፧
ፍርሂ ኣብ ዘይብላ ዓለም ክትነብር ትህንጠዶ፧
“ብሰንኪ እቲ ‘ብዘይ መጠንቀቕታ ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋንን ብዝዀነ ይኹን መልክዕን ኬጋጥም ዚኽእል ብንጹር ዘይተፈልጠ . . . ሓደጋ’ ‘ወትሩ ምስ ዜሻቕል ክትትልን . . . ፍርህን’ ኢና እንነብር ዘሎና።”
እዘን ንስምዒት ኣብዛ ህውከት ዝመልኣ ዓለም ዚነብሩ ሰባት ዜንጸባርቓ ቓላት: ካብ ናይ ዓሚ ሕታም መጽሔት ኒውስዊክ እተወስዳ እየን። የሱስ ክርስቶስ ኣብ መጻኢ ኸምዚ ዝኣመሰለ ስምዒት እናገደደ ኸም ዚኸይድ ተዛሪቡ ነይሩ። ኣብ ምድሪ ጸበባ ኣህዛብ ኪኸውን: ብፍርሃትን ኣብ ዓለም ብዚመጽእ ምጽባይን ድማ ሰባት ዚገብርዎ ኺጠፍኦም ምዃኑ ተነብዩ ነበረ። እንተዀነ ግን: ንሕና ብፍርሂ ኣይንርዕድን ኢና: ምኽንያቱ የሱስ ኣስዕብ ኣቢሉ “እዚ ምዃን ምስ ጀመረ: ምድሓንኩም ቀሪቡ እዩ እሞ: ቅንዕ በሉ ርእስኹምውን ኣልዕሉ” ኢሉና እዩ።—ሉቃስ 21:25-28
የሆዋ ኣምላኽ ንህዝቡ ምስ ኣድሓኖም ብድሕሪኡ እንታይ ዓይነት ናብራ ኸም ዚህልዎም ኪዛረብ ከሎ “ህዝበይ ኣብ ማሕደር ሰላምን ኣብ ኣባይቲ ደሓንን ኣብ ህዱእ ቦታታት ዕረፍትን ኪነብር እዩ” በለ። (ኢሳይያስ 32:18) ብነብዪ ሚክያስ ኣቢሉ ድማ “ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑን ኣብ ትሕቲ ኦም በለሱን ኪቕመጥ እዩ: ዜፍርሆም ከኣ የልቦን” በለ።—ሚክያስ 4:4
እዝስ ምስቲ ሕጂ ዘለናዮ ናብራ ኺወዳደር ከሎ ኣበይ ናበይ! ሰባት ብዘይተፈልጠ ሓደጋ ኣይኪሻቐሉን እዮም። ኣብ ክንዲ ዜሻቕል ክትትልን ፍርህን ድማ መጠረሽታ ዘይብሉ ሰላምን ሓጐስን እዩ ኪኸውን።