ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ስነ-ፍልጠትን ሃይማኖትን ኪጋጮ ዝጀመረሉ እዋን

ስነ-ፍልጠትን ሃይማኖትን ኪጋጮ ዝጀመረሉ እዋን

ስነ-ፍልጠትን ሃይማኖትን ኪጋጮ ዝጀመረሉ እዋን

እቲ ወዲ 70 ዓመት ተመራማሪ ስነ-ኰዀብ ዝሞተሉ ግዜ ቐሪቡ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ሓደ ጽሑፍ ኬንብብ ይጽዕር ነበረ። ኣብ ኢዱ ድማ ንሕትመት እተዳለወ ባዕሉ ዝጸሓፎ መርትዖታት ዝሓዘ ሰነድ ሒዙ ነበረ። ኣብቲ ግዜ እቲ ይፍለጦ ኣይፍለጦ ብዘየገድስ: እቲ ጽሑፉ ነቲ ደቅሰብ ንዩኒቨርስ ዘለዎም ኣረኣእያ ዚቕይር እዩ ነይሩ። ኣብ ህዝበ-ክርስትያን እውን ሓያል ክርክር ኣልዒሉ እዩ: ሳዕቤን እዚ ኽርክር እዚውን ክሳዕ ሕጂ ኣሎ።

እቲ ኺመውት ቀሪቡ ዝነበረ ሰብኣይ ኒኮላያስ ኮፐርኒከስ ዚበሃል ሰዓቢ እምነት ካቶሊክ ዝዀነ ፖላንዳዊ እዩ ነይሩ: እዋኑ ድማ 1543 እዩ ነይሩ። ኮፐርኒከስ ዘዳለዎ ኣብ ዑደት እቲ ሰማያዊ ኽቢ ዚብል ኣርእስቲ ዘለዎ ናይ ላቲን ጽሑፉ: ንምድሪ ዘይኰነስ ንጸሓይ እዩ ኣብ ማእከል ስርዓተ-ጸሓይ ዜንብራ። እዚ ኣምር እዚ ነቲ ምድሪ ኣብ ማእከል ትርከብ ዚብል ኣመና እተሓላለኸ ስርዓት: ብሓደ ቐሊል ነገር ተክኦ።

ፈለማ እዚ ግጭት ከም ዜላዕል ዚሕብር ነገር ኣይነበረን። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ከኣ ቅድም ቀዳድም ኮፐርኒከስ ነዚ ሓሳባቱ እዚ ተጠንቂቑ እዩ ንኻልኦት ዜካፍል ነይሩ። ኣብ ርእሲኡውን ነቲ ምድሪ ኣብ ማእከል ኣላ ዚብል ሓሳብ እተቐበለት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ነቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ ስነ-ፍልጠታዊ ግምታት እትጻረሮ ኣይትመስልን እያ ነይራ። እቲ ጳጳስ እውን ከይተረፈ ንኮፐርኒከስ ነቲ ዘዳለዎ ጽሑፍ ኬሕትሞ ኣተባብዖ። ኮፐርኒከስ ነቲ ጽሑፉ ኣብ ዘሕተመሉ እዋን: ሓደ ዝፈርሀ ኣሰናዳዊ ናይ ገዛእ ርእሱ መቕድም ጸሓፈ። ኣብኡ ኸኣ እቲ ጸሓይ ኣብ ማእከል ስርዓተ-ጸሓይ ኣላ ዚብል ኣተሓሳስባ: ካብ ሕሳብ ተበጊስካ እተዋህበ ርእይቶ ደኣ እምበር: ካብ ስነ-ኰዀብ ተበጊስካ እተዋህበ ሓቂ ዘይምዃኑ ገለጸ።

እቲ ግጭት ተጐሃሃረ

ድሕርዚ ጋሊለዮ ጋሊለ (1564-1642) ዚበሃል ኢጣልያዊ ተመራማሪ ስነ-ኰዀብን ናይ ሕሳብ ክኢላን ናይ ፊዚክስ ሊቅን ኣብቲ ግጭት ኣተወ። ንሱውን ሰዓቢ እምነት ካቶሊክ እዩ ነይሩ። በቲ ሓድሽ እተማህዘ መጕልሒ ተጠቒሙ ባዕሉ ብዝሰርሖ ቴለስኮፕ ኣቢሉ: ንሰማያት ቅድሚኡ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መገዲ ብዝርዝር ረኣዮ። ካብቲ እተዓዘቦ ነገራት ከኣ ኮፐርኒከስ ትኽክል ምዃኑ ኣመነ። ጋሊለዮ ኣብ ጸሓይ እውን ነጥብታት ረኣየ: እዚ ድማ ሕጂ ነጥብታት ጸሓይ ተባሂሉ ይጽዋዕ። በዚ ምኽንያት እዚ ነቲ ጸሓይ ፈጺማ ዘይትቕየር ወይ ዘይትጠፍእ እያ ዚብል ኣኽቢርካ ዚርአ ፍልስፍናውን ሃይማኖታውን እምነት ኣብ ሕቶ ኣእተዎ።

ጋሊለዮ ኸም ኮፐርኒከስ ዘይኰነስ: ብትብዓትን ብውዕዉዕ መንፈስን ንሓሳባቱ ዚጣበቕ ሰብ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ብጋህዲ ንኽልሰ-ሓሳብ ኮፐርኒከስ ተጻሪራቶ ስለ ዝነበረት: ሃይማኖት ዝገደደ ምጽባእ ዜምጽኣሉ እዋን እዩ ነይሩ። ስለዚ: እቲ ጸሓይ ኣብ ማእከል እያ ዘላ ዚብል ኣምር ቅኑዕ ጥራይ ዘይኰነስ: ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት እውን ዚሰማማዕ ምዃኑ ምስ ተማጐተ: እታ ቤተ-ክርስትያን መናፍቕነት ይብገስ ዘሎ መሰላ። a

ጋሊለዮ ነቲ ሓሳባቱ ንምጥባቕ ናብ ሮማ እኳ እንተ ኸደ: ኣሳልጦ ግን ኣይረኸበን። ብ1616 እታ ቤተ-ክርስትያን ድሕሪ ደጊም ንኮፐርኒከስ ከይጣበቐሉ ኣዘዘቶ። ጋሊለዮ ንእተወሰነ እዋን ኣጽቀጠ። ድሕሪኡ ብ1632 ንኮፐርኒከስ ዚድግፍ ካልእ ጽሑፍ ኣሕተመ። ንዓመታኣ ኸኣ እቲ ንመናፍቓን ዚፈርድ መጋባእያ ዕድመ ይፍታሕ ኢሉ ፈረዶ። ይኹን እምበር: ንዕድሚኡ ኣብ ግምት ብምእታው: ኣብ ቤቱ ኸም ዚእሰር ብምግባር እቲ ፍርዲ ብቕልጡፍ ተቐየረሉ።

ብዙሓት ሰባት ነቲ ጋሊለዮ ምስ ቤተ-ክርስትያን ዝገበሮ ግጭት: ስነ-ፍልጠት ምስ ሃይማኖት: ብኡኡ ኣቢሉ ድማ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ብምውድዳር ከም እተዓወተ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ከም እንርእዮ ግን እዚ መደምደምታ እዚ ንብዙሕ ሓቅታት ኣብ ግምት ዜእቱ ኣይኰነን።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ጋሊለዮ ብሽምጠጣ ይዛረብ ብምንባሩ ባዕሉ ዓብዪ ተሰማዕነት ዘለዎም ጸላእቲ ኣጥርዩ እዩ። እቲ ጸሓይ ኣብ ማእከል ዑደት ከም ዘላ ዚገልጽ ኣምሩ ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት ከም ዚሰማማዕ ብምምጓቱ እውን ኣብ ሃይማኖት ስልጣን ከም ዘለዎ ዀይኑ ቐረበ: እዚ ድማ ነታ ቤተ-ክርስትያን ዝያዳ ኣቘጥዓ።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ እስሊ]

ኮፐርኒከስ

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ እስሊ]

Taken from Giordano Bruno and Galilei (German edition)

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ እስሊ]

ጋሊለዮ ኣብ ቅድሚ እቲ ቤት ፍርዲ መናፍቓን ሮማ ንርእሱ ተጣበቐላ

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ እስሊ]

From the book The Historian’s History of the World, Vol. IX, 1904

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ እስሊ]

Background: Chart depicting Copernicus’ concept of the solar system