ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ ክንደይ እዩ ልክዕ፧
ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ ክንደይ እዩ ልክዕ፧
ፕረዚደንት ሃገረ እስራኤል ነበር ኻይም ሀርጾግ ምስቲ ኣብ ዩኒቨርስቲ ቴል ኣቪቭ ፕሮፌሰር ስነ-ጥንቲ ዀይኑ ዜገልግል ዝነበረ ሞርደካይ ጊኾን ብሓባር ኰይኖም ኣብ ዘሕተምዋ ባትልስ ኦቭ ዘ ባይብል ዘርእስታ መጽሓፍ ነዚ ዚስዕብ ሓሳባት ጠቒሶም ኣለዉ:-
“እቲ ብዛዕባ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዚርከብ እተፈላለየ ዂናት ዚገልጽ ስልትታት . . . ብምህዞ ዝመጸ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። ንኣብነት: እቲ ኣብ መሳፍንቲ 6-8 ተመዝጊቡ ዚርከብ ጊዴዎን ምስ ሚድያናውያንን ደገፍቶምን ዝገበሮ ውግእ: ምስቲ ሆመር ኣብ ኢላድ ዚበሃል ጽሑፉ ዝገለጾ ዂናት ትሮይ ምውድዳር ጥራይ እኹል መርትዖ ይኸውን እዩ። እቲ ዳሕረዋይ ኲናት እተተረኸሉ ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ ምስ ዝዀነ ይኹን ገምገም ባሕርን ኣብ ቀረባኡ እትርከብ እተዓርደት ከተማን ኪገጥም ይኽእል እዩ። . . . እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጊዴዎን ዝመዝገቦ ጸብጻብ ግን ከምኡ ኣይኰነን። እቲ 60 ኪሎ ሜተር ኣቢሉ ዚሽፍን ብንጹር ኣብ እተገልጸ ቦታታት ኰነ ፈታዊ ወይ ጸላኢ ኣብ ዝገበሮ ተግባራት ተመርኲሱ እተተረኸ ስልታዊ ምንቅስቓሳትን ዘጓነፈ ነገራትን: ምስ ዝዀነ ይኹን ካልእ ቦታ ኺገጥም ኣይክእልን እዩ። . . . ስለዚ እምበኣር ንሓቅነት እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ስልታዊ ኣተራርኻ ንኽንቅበሎ ንግደድ ኢና።”
ነቲ ጊዴዎን ዝገበሮ ዂናት በቲ ኣብታ “ሲ ዘ ጉድ ላንድ” ዘርእስታ ኸም ኣትላስ ዝኣመሰለት ብሮሹር: ኣብ ገጽ 18ን 19ን ዚርከብ ካርታ ጌርካ ኸተጽንዖ ትኽእል ኢኻ። a እቲ ታሪኽ “ዅሎም ሚድያናውያንን ኣማሌቃውያንን ደቂ ምብራቕን ብሓደ ተአከቡ: ተሳጊሮም ድማ ኣብ ለሰ ይዝርኤል ሰፈሩ” ብምባል ይጅምር። ጊዴዎን ነቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ነገዳት ኪሕግዝዎ ጻውዒት ኣቕረበሎም። ድሕሪኡ እቲ ታሪኽ ካብ ዓይኒ ማይ ሓሮድ ኣትሒዙ ኽሳዕ እቲ ኣብ ስንጭሮ ዮርዳኖስ እተፈጸመ ነገራት ይዝርዝር። ጊዴዎን ንጸላእቱ ኽሳዕ ስግር ዮርዳኖስ ስዒቡ ሰዓሮም።—መሳፍንቲ 6:33-8:12
እቲ ኣብታ “ሲ ዘ ጉድ ላንድ” ዘርእስታ ብሮሹር ዚርከብ ካርታ: ነቲ ኣብዚ ተጠቒሱ ዚርከብ ቀንዲ ቦታታት ይሕብር። ካልእ ካርታ ኸኣ (ገጽ 15) ነገዳት እስራኤል ዝነበሮም ዞባታት ይሕብር። ክልቲኡ ካርታታት: እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ታሪኽ ክሳዕ ክንደይ ልክዕ ምዃኑ ንኽትግንዘብ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።
እዚ ኸኣ ነቲ ሕጂ ብህይወት ዘየሎ ፕሮፌሰር ዮሃናን ኣሃሮኒ ኸምዚ ዚስዕብ ብምባል እተዛረቦ ሓሳባት ዜነጽር እዩ:- “ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ቦታታት: ጂኦግራፍን ታሪኽን ኣመና እተኣሳሰረ ብምዃኑ: ሓደ በቲ ኻልእ እናደገፍካ እንተ ዘይኰይኑ: ናይ ብሓቂ ኽትርድኦ ኣይከኣልን እዩ።”
[እግረ-ጽሑፍ]
a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።
[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
Background map: Based on maps copyrighted by Pictorial Archive (Near Eastern History) Est. and Survey of Israel