ትዝክሮዶ፧
ትዝክሮዶ፧
ነቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝወጸ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ሕታማት ብምንባብ ተሓጒስካዶ ኢኻ፧ እምበኣር እስከ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክትምልሶ ትኽእል እንተ ዄንካ ርአ:-
• ልደት የሱስ ኣብ 25 ታሕሳስ ንኺበዓል እተመርጸሉ ምኽንያት እንታይ እዩ፧
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መዓልቲ ልደት የሱስ ኣይሕብርን እዩ። ኢንሳይክሎፔድያ ኢስፓኒካ “25 ታሕሳስ ብትኽክል ብእተገብረ ቐመር ኣይኰነትን በዓል ልደት ኰይና: የግዳስ ነቲ ኣብ ሮማ ዚበዓል ዝነበረ ምጅማር ሓጋይ ናብ ክርስትና ብምትእትታዉ እዩ” በለት። ሮማውያን ኣብቲ ቘራሪ ወርሓት ጸሓይ ክትወጽእ ከላ: ቀይዲ በተኽ ድግስ ብምግባርን ህያባት ብምውህሃብን እዮም ዜብዕልዎ ነይሮም።—15/12: ገጽ 4-5
• ግብሪ ሃዋርያት 7:59 እስጢፋኖስ ናብ ክርስቶስ ከም ዝጸለየ ድያ እተመልክት፧
ኣይኰነትን። መጽሓፍ ቅዱስ ጸሎት ናብ የሆዋ ኣምላኽ ጥራይ ኪቐርብ ከም ዘለዎ እዩ ዚገልጽ። እስጢፋኖስ ንየሱስ ብራእይ ብምርኣዩ ንዕኡ ብቐጥታ “ጐይታይ የሱስ: መንፈሰይ ተቐበል” ኢሉ ኺልምኖ ኸም ዚኽእል ኰይኑ ተሰምዖ። የሱስ ንምዉታት ኬተንስእ ስልጣን ከም እተዋህቦ እስጢፋኖስ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ዮሃንስ 5:27-29) ስለዚ: ክሳዕ የሱስ ዜተንስኦ ንሓይሊ ህይወቱ ኺሕልወሉ ሓተቶ።—1/1: ገጽ 31
• ናይ ሓደ ሰብ መጻኢ ኣቐዲሙ ኸም ዘይተወሰነ ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧
ኣምላኽ ምስ ጽሕፍቶ ብዚጻረር መልክዕ: ናይ ምምራጽ ናጽነት ሂቡና እዩ። ኵሉ እንገብሮ ነገራት እንተ ዚውስኖ እሞ ብተግባራትና ተሓተትቲ እንተ ዚገብረና: ዘይፍቕራውን ዘይፍትሓውን ተግባር ምዀነ ነይሩ። (ዘዳግም 32:4፣ 1 ዮሃንስ 4:8)—15/1: ገጽ 4-5
• ተኣምራት ዘይመስል እዩ ኢልካ ምዝራብ ድርቅና ዚኸውን ስለምንታይ እዩ፧
ገሊኦም ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ብዛዕባ እቲ ኣብ ፍጥረት ኣምላኽ ዘለዎም ፍልጠት ድሩት ምዃኑ ስለ ዝፈለጡ: ንሓደ ነገር ኣፎም መሊኦም ዘይከውን ምዃኑ ኺዛረቡ ኸም ዘይክእሉ ይእመኑ። እንተ በዝሐ: ዘይመስል እዩ እዮም ኪብሉ ዚኽእሉ።—15/2: ገጽ 5-6
• እቲ ሓደ ኻብቶም መሳፍንቲ ዝነበረ ሲምሶን: ንወለዱ ኻብ ኣዋልድ ፍልስጥኤማውያን ሰበይቲ ኼምጽኡሉ ዝነገሮም ስለምንታይ እዩ፧ (መሳፍንቲ 14:2)
ካብቶም ናይ ሓሶት ኣምለኽቲ ሰበይቲ ምውሳድ ምስ ሕጊ ኣምላኽ ዚጻረር እዩ ነይሩ። (ዘጸኣት 34:11-16) ይኹን እምበር: እዛ ፍልስጥኤማዊት ሰበይቲ እዚኣ ብሲምሶን ‘እትበሃግ’ እያ ነይራ። ሲምሶን “ካብ ፍልስጥኤማውያን ምኽንያት ይደሊ” ነበረ: ነታ ሰበይቲ እቲኣ ዝደለያ እውን በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ነይሩ። ኣምላኽ ንሲምሶን ብመንፈሱ ይድግፎ ነበረ። (መሳፍንቲ 13:25፣ 14:3, 4, 6)—15/3: ገጽ 26
• ሓደ ክርስትያን ንሓደ ሰራሕተኛ መንግስቲ ስለቲ ዝዓየየሉ ዕዮ ሞቕሽሽ ወይ ህያብ ኪህቦ ይኽእል ድዩ፧
ንሓደ ስልጣን ዘለዎ ሰብ: ሕጊ ኺጥምዝዝ: ፍትሒ ኼጥምም ወይ ከኣ ካልእ ሓለፋ ምእንቲ ኺግበረልካ ኢልካ ሓደ ዋጋ ዘለዎ ነገር ምሃብ ጌጋ እዩ። ንሓደ ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛ ኺሰርሖ ዚግባእ ስራሕ ንኺፍጽም: ርትዓውን ሕጋውን ኣገልግሎት ንምርካብ ኢልካ ህያብ ወይ ከኣ ሞቕሽሽ ምሃብ ግን ከም ጉቦ ኣይርአን እዩ።—1/4: ገጽ 29