ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኣምላኽ ዜሐጕስ ናይ ሓቂ ትምህርትታት

ንኣምላኽ ዜሐጕስ ናይ ሓቂ ትምህርትታት

ንኣምላኽ ዜሐጕስ ናይ ሓቂ ትምህርትታት

ተቐማጦ ምድሪ ኣየናይ ትምህርትታት ናይ ሓቅን ንኣምላኽ ዜሐጕስን ምዃኑ ኺፈልጡ እንተ ዀይኖም: ኣምላኽ ሓሳባቱ ንደቅሰብ ኪገልጸሎም ኣለዎ። እዚ ፍልጠት እዚ ንዅሉ ኸም ዚባጻሕ እውን ኪገብር ኣለዎ። እንተ ዘይኰይኑ ግን ደቅሰብ ነቲ ኣምላኽ ዚሰምሮ ሰረተ-እምነትን ኣምልኾን ኣካይዳን ብኸመይ ኪፈልጡ ይኽእሉ፧ ኣምላኽ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓበሬታ ሂቡ ድዩ፧ እንተ ሂቡ: ብኸመይ፧

ዕድሚኡ ብሒደት ዓሰርተታት ዓመታት እተደረተ ሰብ: ካብ ኣምላኽ ንዅሎም ደቅሰብ ሓበሬታ ዚመሓላለፈሉ መትረብ ኪኸውን ይኽእል ድዩ፧ ኣይፋሉን። ነባሪ ጽሑፍ ግን ከምኡ ኺገብር ይኽእል እዩ። ስለዚ: እቲ ኣምላኽ ዚህበና ፍልጠት ብመጽሓፍ ኣቢሉ ኪኸውንሲ ግቡእዶ ኸይኰነ፧ ሓደ ኻብቲ ብመንፈስ ኣምላኽ ከም እተጻሕፈ ዚገልጽ ናይ ጥንቲ መጻሕፍቲ: መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቱ “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ: ንተግሳጽ: ንምቕናዕ: ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ” በለ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) ሕጂ እምበኣር ንመጽሓፍ ቅዱስ እስከ ንመርምሮ: ምንጪ ናይ ሓቂ ትምህርትታት እንተ ዀይኑ ኸኣ ንርአ።

መዓስ እዩ ተጻሒፉ፧

ካብቲ ዓበይቲ ናይ ሃይማኖት መጻሕፍቲ: መጽሓፍ ቅዱስ ብጥንታውነቱ ኣብ ቀዳማይ ቦታ እዩ ዚስራዕ። እቲ ቐዳማይ ክፋሉ ኣስታት 3,500 ዓመት ይገብር እዩ ተጻሒፉ። ብ98 ድ.ክ. እዩ ኸኣ ተዛዚሙ። ኣብቲ ዚጸሓፈሉ ዝነበረ 1,600 ዓመት ዚኸውን እዋን 40 ዝዀኑ ሰባት እኳ እንተ ጸሓፍዎ: ስኒት ዘለዎ ጽሑፍ እዩ። ከምዚ ኪኸውን ዝኸኣለ ኸኣ እቲ ናይ ሓቂ ደራሲኡ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ታሪኽ ወድሰብ ልዕሊ ዅሉ ዝርጋሐ ዝረኸበን እተተርጐመን መጽሓፍ እዩ። ኣብ ዓዓመት 60 ሚልዮን ዚኸውን ቅዳሓት ምሉእ ወይ ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ ይዝርጋሕ። ምሉእ ወይ ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ልዕሊ 2,300 ቋንቋታትን ላህጃታትን ተተርጒሙ ኣሎ። ልዕሊ 90 ሚእታዊት ደቅሰብ ንመጽሓፍ ቅዱስ እንተ ወሓደ ብኸፊሉ ብቛንቋ ኣዲኦም ይረኽብዎ እዮም። እዚ መጽሓፍ እዚ ብሃገራዊ ዶባት: ዓሌታዊ ምክፍፋላት: ወይ ብቐቢላዊ ዕንቅፋታት ኣይተዓግተን።

ብኸመይ እዩ ተሰሪዑ ዘሎ፧

መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ኣልዩካ: እቲ ኣብ ውሽጡ ዘሎ መጻሕፍቲ ብኸመይ ተሰሪዑ ኸም ዘሎ ገንጺልካ ንምንታይ ዘይትርኢ፧ a ፈለማ: ናብቲ ዝርዝር ትሕዝቶ ዚገልጽ ሰሌዳ ገንጽል። መብዛሕትኡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መጀመርታኡ ዝርዝር ነፍሲ ወከፍ መጽሓፍን እቲ ዚርከበሉ ገጽን ዚገልጽ ሰሌዳ ኣለዎ። ኣብኡ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ ሓያሎ በበይኑ ዚስሙ መጻሕፍቲ ዝሓዘ ዀይኑ ኽትረኽቦ ኢኻ። እታ ቐዳመይቲ መጽሓፍ ዘፍጥረት ትበሃል: እታ ናይ መወዳእታ ኸኣ ራእይ ትበሃል። እተን መጻሕፍቲ ኣብ ክልተ ጕጅለ ይኽፈላ። እተን ቀዳሞት 39 መጻሕፍቲ መብዛሕትአን ብቛንቋ እብራይስጢ ስለ እተጻሕፋ: ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ይበሃላ። እተን ናይ መወዳእታ 27 መጻሕፍቲ ኸኣ ብቛንቋ ግሪኽ ስለ እተጻሕፋ: ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ይበሃላ። ገሊኦም ሰባት ነዘን ጕጅለታት እዚኣተን ብሉይ ኪዳንን ሓድሽ ኪዳንን ኢሎም ይጽውዕወን።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መጻሕፍቲ ብቐሊሉ ምእንቲ ኽትውከሶ ተባሂሉ ምዕራፋትን ቍጽርታትን ኣለዎ። ኣብዛ መጽሔት እዚኣ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ ዚጥቀሰሉ እዋን: ድሕርቲ ስም እታ መጽሓፍ ዚርከብ ቀዳማይ ቍጽሪ ንምዕራፍ ኬመልክት ከሎ: እታ ቐጺላ ዘላ ድማ ንቝጽሪ ተመልክት። ንኣብነት: “2 ጢሞቴዎስ 3:16” ኪበሃል ከሎ: ካልኣይ ጢሞቴዎስ: ምዕራፍ 3: ቍጽሪ 16 የመልክት። እዛ ጥቕሲ እዚኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ክትረኽባ ትኽእል እንተ ዄንካ እስከ ፈትን።

ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣጸቢቕካ ኽትፈልጦ እትኽእለሉ መገዲ ኣዘውቲርካ ምንባብ ምዃኑስ ኣይትሰማምዓሉንዶ፧ ገሊኦም ፈለማ ኻብ ማቴዎስ ጀሚሮም ንቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ምንባቡ ሓጋዚ ዀይኑ ረኺቦምዎ እዮም። ኣብ መዓልቲ ኻብ ሰለስተ ኽሳዕ ሓሙሽተ ምዕራፋት ብምንባብ: ኣብ ዓመት ንምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢብካ ኽትውድኦ ትኽእል ኢኻ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተንብቦ ብሓቂ ብመንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ምዃኑ ደኣ እሞ ብኸመይ ኢኻ ኸተረጋግጽ እትኽእል፧

ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትኣምኖ ትኽእልዶ፧

ብመንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ መጽሓፍ ንዅሎም ሰባት ዚኸውን ግዜ ዘይሓልፎ ማዕዳ ኺሕዝዶ ኣይግባእን፧ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኵሉ ወለዶታት ንተፈጥሮ ደቅሰብ ከም ዚርድኦ ኣንጸባሪቑ እዩ: ስርዓታቱ ኸኣ ከምቲ ኺጸሓፍ ከሎ ዝነበሮ ሕጂውን ጠቓሚ እዩ። እዚ ኸኣ ካብቲ እቲ መስራቲ ክርስትና ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ዝሃቦ ውሩይ ስብከት ኪርአ ይከኣል እዩ። እዚ ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 5 ክሳዕ 7 ተመዝጊቡ ይርከብ። እዚ የሱስ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት: ናይ ሓቂ ሓጐስ ብኸመይ ከም እንረክብ ጥራይ ዘይኰነስ: ንዜጋጥም ባእሲ ብኸመይ ከም እንፈትሖ: ብኸመይ ከም እንጽሊ: ብዛዕባ እቲ ብስጋ ዜድልየና ነገራት ኪህልወና ዘለዎ ኣረኣእያ: ከምኡውን ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ይገልጽ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዚ ስብከት እዝን ኣብ ዝተረፈ ኽፋሉን ንኣምላኽ ምእንቲ ኸነሐጕሶን ህይወትና ምእንቲ ኸነመሓይሽን እንታይ ክንገብር ከምኡውን ካብ ምንታይ ክንርሕቕ ከም ዘሎና ይነግረና።

ካልእ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትኣምን ዜኽእለካ ምኽንያት: እዚ ጥንታዊ መጽሓፍ እዚ ኣብ ስነ-ፍልጠታዊ መዳያት ዝበሎ ነገር ቅኑዕ ምዃኑ እዩ። ንኣብነት: ብዙሓት ሰባት ምድሪ ጸፋሕ እያ ኢሎም ኣብ ዚኣምኑሉ ዝነበሩ እዋን: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ “እታ ኸባብ ምድሪ” ይዛረብ ነይሩ። (ኢሳይያስ 40:22) እቲ ሰር ኣይዛክ ኒውተን ዚበሃል ውሩይ ሊቅ: ፕላነታት ኣብ ባዶ ህዋ ብሓይሊ ስሕበት ከም ዚንቀሳቐሳ ቕድሚ ምግላጹ 3,000 ዓመት ኣቐዲሙ መጽሓፍ ቅዱስ ‘ምድሪ ኣብ ገለ ዜብሉ ተንጠልጢላ’ ምህላዋ ገለጸ። (እዮብ 26:7) እቲ 3,000 ዓመት ይገብር ብዛዕባ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዑደት ማይ ዚገልጽ ሓሳባት እውን “ውሒዝ ዘበለ ዅሉ ናብ ባሕሪ ይውሕዝ፥ ባሕሪ ግና ኸቶ ኣይመልእን። ከም ብሓድሽ ኪጅምር ከኣ እቲ ማይ ናብቲ እቲ ውሒዝ ዝጀመረሉ ይምለስ” ይብል። (መክብብ 1:7 ትርጕም 1990) እወ: እቲ ፈጣሪ ዩኒቨርስ: ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ።

እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ታሪኻዊ ልክዕነት: ብመንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ምዃኑ ዜራጕድ መርትዖ እዩ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ፍጻመታት ጽውጽዋያት ኣይኰነን። ምስ እተወሰነ ዕለትን ሰባትን ቦታታትን እተተሓሓዘ እዩ። ንኣብነት: ሉቃስ 3:1 “ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ ዓመቱ ንግዝኣት ቄሳር ጢቤርዮስ: ጶንጥዮስ ጲላጦስ ኣብ ይሁዳ ተሸይሙ ኸሎ: ሄሮድስ ብዓል ርባዕ ሽመት ድማ ኣብ ገሊላ” ብምባል ብልክዕ ትጠቅስ።

ጥንቲ ዝነበሩ ጸሓፍቲ ታሪኽ ወትሩ ንዓወትን ጽቡቕ ጐድንን መራሕቶም ጥራይ እኳ ይጽሕፉ እንተ ነበሩ: ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ግን ጌጋታቶም ብግህዶ ዚእመኑ ብምንባሮም ሓቀኛታት እዮም። ንኣብነት: ዳዊት ንጉስ እስራኤል “በዚ ዝገበርክዎ ብዙሕ በዲለ እየ: ብዙሕ ከኣ ዐሽየ እየ” በለ። እዚ ቓላት እዚ ብግህዶ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ይርከብ። (2 ሳሙኤል 24:10) እቲ ሓደ ኻብ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ሙሴ እውን: ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዘለዎ እምነት ዝጐደለሉ እዋን ባዕሉ መዝጊብዎ ኣሎ።—ዘሁልቍ 20:12

መጽሓፍ ቅዱስ ብመንፈስ ኣምላኽ ከም እተጻሕፈ ዜርኢ ኻልእ መርትዖ እውን ኣሎ። እዚ ኸኣ እቲ ፍጻሜኡ ዝረኸበ ትንቢታት: ማለት ኣቐዲሙ ተጻሒፉ ዝነበረ ታሪኽ እዩ። ገለ ኻብዚ ትንቢታት እዚ ብዛዕባ የሱስ እዩ ነይሩ። ንኣብነት: ካብቲ የሱስ እተወልደሉ 700 ዓመት ኣቐዲሙ: ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ እቲ መብጽዓ እተገብረሉ መሲህ ኣብ “ቤት-ልሄም ናይ ይሁዳ” ኸም ዚውለድ ገሊጹ ነይሩ።—ማቴዎስ 2:1-6፣ ሚክያስ 5:2

ካልእ ኣብነት እስከ ንርአ። ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 3:1-5 መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል:- “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ግና ክፉእ ዘመን ከም ዚመጽእ: እዚ ፍለጥ። ሽዑ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ኪዀኑ እዮም እሞ: ፈተውቲ ገንዘብ: ተጀሃርቲ: ዕቡያት: ተጻረፍቲ: ንወለዶም ዘይእዘዙ: ዘየማስዉ: ርኹሳት: ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎም: ተቐየምቲ: ሓመይቲ: ቀለልቲ: ጨካናት: ሰናይ ዘይፈትዉ: ኣሕሊፎም ዚህቡ: ህዉኻት: ተፈኽነንቲ: ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ: እቶም መልክዕ ኣምልኾ ዘለዎም: ነቲ ሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ።” እዝስ ነቲ ሎሚ ሰባት ብሓፈሻ ዘለዎም ጠባይ ዚገልጽ ደይኰነን፧ እዘን ቃላት እዚኣተን 1,900 ዓመት ይገብር ኣብ 65 ድ.ክ. እየን ተጻሒፈን!

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ ዚምህረና፧

መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከለኻ: ምንጪ ዝለዓለ ጥበብ ምዃኑ ኽትግንዘብ ኢኻ። ንኸም እኒ ‘ኣምላኽ መን እዩ፧ ድያብሎስ ብሓቂ ኣሎ ድዩ፧ የሱስ ክርስቶስ መን እዩ፧ መከራ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧ ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧’ ዚብል ሕቶታት ዜዕግብ መልሲ ይህብ እዩ። ካብ ካልኦት እትረኽቦ መልሲ: ከከም እምነትን ልምድን እቶም ሰባት ዚፈላለ እኳ እንተዀነ: መጽሓፍ ቅዱስ ግን ብዛዕባ እዚ ነገራት እዝን ብዛዕባ ሓያሎ ኻልእ ነጥብታትን እቲ ሓቂ እዩ ዚገልጽ። ኣብ ርእሲ እዚውን: ንኻልኦት ሰባትን ላዕለዎት ስልጣናትን ኪህልወና ብዛዕባ ዚግባእ ኣረኣእያ ብምግላጽ ዝመጸ: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መምርሒ ዚበልጾ የለን። b

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንምድርን ደቅሰብን ዘለዎ ዕላማ እንታይ ይገልጽ፧ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ይመባጻዕ:- “ቅሩብ ጸኒሑ እቲ ረሲእ የሎን: . . . ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም: ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ።” (መዝሙር 37:10, 11) “ኣምላኽውን ባዕሉ ምሳታቶምን [ምስ ሰባት] ኣምላኾምን ኪኸውን እዩ። ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ።” (ራእይ 21:3, 4) “ጻድቃን ንሃገር ኪወርስዋ: ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።”—መዝሙር 37:29

መጽሓፍ ቅዱስ ድሕሪ ሓጺር እዋን ውግእን ገበንን ዓመጻን እከይን ከም ዚጠፍእ ይንበ እዩ። ሕማምን እርጋንን ሞትን ኣይኪህሉን እዩ። ሰባት ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም። ከመይ ዝበለ ዜሐጕስ ተስፋ ዀን እዩ! እዚ ዅሉ ድማ ነቲ ኣምላኽ ንደቅሰብ ዘለዎ ዓሚቝ ፍቕሪ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ዚገልጾ!

እንታይ ክትገብር ኢኻ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ፈጣሪ እተዋህበና ዜደንቕ ውህበት እዩ። ነዚ መጽሓፍ እዚ ብኸመይ ክትቅበሎ ኣሎካ፧ ሓደ ሂንዱ ዝነበረ ሰብኣይ: ኣምላኽ ዚህበና ፍልጠት ካብ መጀመርታ ስልጣነ ወድሰብ ኣትሒዙ ዝነበረ ዀይኑ: ንዅሎም ደቅሰብ ዚጠቅም ኪኸውን ኣለዎ ኢሉ ይኣምን ነበረ። እዚ ሰብኣይ እዚ ገለ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ እቲ ኣዝዩ ጥንታዊ ጽሑፋት ሂንዱ ዝዀነ ቬዳ ኸም እተጻሕፈ ምስ ፈለጠ: ንመጽሓፍ ቅዱስ ኬንብብን ትሕዝቶኡ ኺምርምርን ወሰነ። c ሓደ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣብ ዚርከብ ዩኒቨርሲቲ ፕሮፌሰር ኰይኑ ዜገልግል ሰብኣይ: ብዛዕባ እቲ ብዝርጋሐኡ ኣብ ዓለም ቀዳማይ ቦታ ዝሓዘ መጽሓፍ ርእይቶ ቕድሚ ምሃቡ: ኬንብቦ ወሰነ።

መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብካን ነቲ ዚብሎ ኣብ ግብሪ ምውዓልካን ብዙሕ ጥቕሚ ኼምጽኣልካ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል:- “ብሕጊ እግዚኣብሄር . . . ዚፍሳህ: ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትን: ዚመራምሮ ሰብሲ ብጹእ እዩ። ንሱ ኸምታ ፍሬኣ በብጊዜኣ እትህብ: ቈጽላ ኸኣ ዘይረግፍ: ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን። ዚገብሮ ዅሉውን ይሰልጦ።” d (መዝሙር 1:1-3) ንመጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕን ብዛዕባኡ ምስትንታንን ነቲ ብመንፈሳዊ ዜድልየካ ነገራት ስለ ዜማልኣልካ: ሓጐስ ኬምጽኣልካ እዩ። (ማቴዎስ 5:3 NW) መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኣፍራዪ ዄንካ ኸም እትነብርን ንጸገማት ብኸመይ ከም እትፈትሖን ኪሕብረካ እዩ። እወ: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሕግታት “ምሕላዉ ዓብዪ ኻሕሳ አሎ።” (መዝሙር 19:11) ብዘይካዚውን: ኣብ መብጽዓታት ኣምላኽ እምንቶ ምሕዳር: ሕጂ በረኸት የምጽኣልካ: ንመጻኢ ድማ ተስፋ ይህበካ።

መጽሓፍ ቅዱስ “ከምቶም ሕጂ እተወልዱ ሕጻናት ነቲ ሕዋስ ዜብሉ መንፈሳዊ ጸባ ብሀግዎ” ኢሉ ይምሕጸነና። (1 ጴጥሮስ 2:2) ሕጻን ዜዐንግሎ እንተ ዘይረኺቡ ስለ ዚመውት: ነዚ ኺማልኣሉ ይጠልብ እዩ። ንሕናውን ብተመሳሳሊ ኣብቲ ኻብ ኣምላኽ ዚርከብ ፍልጠት ኢና እንምርኰስ። ስለዚ: ንስኻውን ነዚ ቓሉ ‘ብሃጎ።’ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ሓቂ ትምህርትታት ኣምላኽ ዝሓዘ መጽሓፍ እዩ። ኣዘውቲርካ ንኸተጽንዖ ሸቶ ግበር። ኣብ ማሕበረሰብካ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብቲ መጽናዕትኻ ንኽትጥቀም ተሓጒሶም ኪሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። እምበኣር: ምሳታቶም ንኽትራኸብ ብኽብሪ ንዕድመካ። ወይ ከኣ ናብዞም ሓተምቲ እዛ መጽሔት እዚኣ ኽትጽሕፍ ትኽእል ኢኻ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ናይ ብሕቲ ቕዳሕ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ዘይብልካ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኽትረክብ ኪሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።

b እዚ ነጥብታት እዚ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ዘርእስታ መጽሓፍ ተገሊጹ ኣሎ።

c እቲ መጀመርታ እተደርሰ ዜማታት ቬዳ: ዳርጋ 3,000 ዓመት ይገብር ከም እተቐናበረን ብኣፍ ከም እተመሓላለፈን እዩ ዚንገር። ፒ. ከይ. ሳራትኩማር ኣብታ ኤ ሂስትሪ ኦቭ ኢንድያ ዘርእስታ መጽሓፉ “ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ ዘመን ዓ.ም. እዩ ቬዳ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ” በለ።

d የሆዋ: ስም እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣምላኽ እዩ። ኣብ መብዛሕትኡ ናይ እንግሊዝኛ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መዝሙር 83:18 ይርከብ።

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ቓል ኣምላኽ ‘ብሃጎ።’ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣዘውቲርካ ኣጽንዕ

[ምንጪ ስእሊ]

NASA photo