ድያብሎስ ብሓቂ ኸም ዘሎ ትኣምን ዲኻ፧
ድያብሎስ ብሓቂ ኸም ዘሎ ትኣምን ዲኻ፧
ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት: ድያብሎስ ከም ሓደ ናይ ሓቂ ኣካል ዘለዎ ፍጡር ጌርካ እዩ ተገሊጹ ዘሎ። ከምቲ ሰባት ንኣምላኽ ኪርእይዎ ዘይክእሉ ንድያብሎስ እውን ኪርእይዎ ኣይክእሉን እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ “ኣምላኽ መንፈስ እዩ” ይብል። (ዮሃንስ 4:24) ድያብሎስ እውን መንፈሳዊ ፍጡር እዩ። እንተዀነ ግን: ልክዕ ከም ፈጣሪ ዘይኰነስ: መጀመርታ ኣለዎ።
የሆዋ ኣምላኽ: ሰባት ቅድሚ ምፍጣሩ ኣዝዮም ብዙሓት መንፈሳውያን ፍጡራት ፈጠረ። (እዮብ 38:4, 7) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ መላእኽቲ ተባሂሎም ተጸዊዖም ኣለዉ። (እብራውያን 1:13, 14) ኣምላኽ ንዅሎም ፍጹማት ገይሩ እዩ ፈጢርዎም፣ ሓደ ኻባታቶም እውን እንተዀነ ድያብሎስ ወይ ድማ እኩይ ዚገብር ኣይነበረን። ድያብሎስ ደኣ እሞ ኻበይ መጺኡ፧ እታ “ድያብሎስ” እትብል ቃል “መካፍኢ” ማለት እያ፣ እዚ ኸኣ ብዛዕባ ኻልኦት ጽልኢ ዝመልኦ ሓሶት ዚዛረብ ማለት እዩ። “ሰይጣን” ማለት ድማ “ተጻራሪ” ወይ ከኣ ተቓዋሚ ማለት እያ። ልክዕ ከምቲ ቐደም ሓቀኛ ዝነበረ ሰብ: ሕጂ ግን ዘይናቱ ነገር ብምውሳዱ ሰራቒ ዚኸውን: ሓደ ኻብቶም ፍጹማት መንፈሳውያን ደቂ ኣምላኽ ድማ እኩይ ባህጊ ብምሕዳሩ ሰይጣን ድያብሎስ ኰነ። መጽሓፍ ቅዱስ ባዕልኻ ንእተምጽኦ ትምኒት ኪገልጾ ኸሎ: “ነፍሲ ወከፍ ግና ብገዛእ ትምኒቱ ተስሒቡን ተሐቢሉን እዩ ዚፍተን። ደሓር: ትምኒት ምስ ጠነሰት: ንሓጢኣት ትወልዶ: ሓጢኣት ምስ ተፈጸመ ድማ: ንሞት ይወልዶ” ይብል።—ያእቆብ 1:14, 15
ልክዕ ምስዚ ጥቕሲ ዚመሳሰል ነገራት ብግህዶ ተፈጸመ። የሆዋ ኣምላኽ ንኣዳምን ሄዋንን ኪፈጥሮም ከሎ: እቲ ደሓር ኣንጻር ኣምላኽ ዝዓለወ መልኣኽ ነዚ ይርኢ ነበረ። ንኣዳምን ሄዋንን ንብዘላ ምድሪ ንኣምላኽ ብዜምልኹ ጻድቃን ሰባት ንኺመልእዋ ትእዛዝ ከም ዝሃቦም እውን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ዘፍጥረት 1:28) እዚ መልኣኽ እዚ ኽብርን ተፈላጥነትን ናይ ምርካብ ኣጋጣሚ ኸም እተኸፍተሉ ዀይኑ ተሰምዖ። ብስስዐ ተደሪኹ ድማ ነቲ ንኣምላኽ ዚግባእ ኣምልኾ ንርእሱ ንኪኸውን ትምኒት ኣሕደረ። እዚ ኻብቶም ደቂ ኣምላኽ ዝነበረ መንፈሳዊ ፍጡር ኣብ ክንዲ ነዚ እኩይ ባህጊ ኻብ ሓሳቡ ዜርሕቖ: ክሳዕ እቲ ትምኒቱ ንሓሶት ዚወልድ ካብኡ ቐጺሉ ድማ ክሳዕ ንዕልወት ዜብጽሖ ኣስተንተነሉ። ቀጺሉ እንታይ ከም ዝገበረ እስከ ንርአ።
ዘፍጥረት 3:1-5) ብመሰረት እቲ ዝሃቦ ምላሽ: ኣምላኽ ንኣዳምን ሄዋንን ሓስዩ ኸም ዝነገሮም ገይሩ እዩ ኣቕሪብዎ። ሄዋን ካብ ፍረ እታ ኦም ብምብላዕ: ከም ኣምላኽ ኰይና ጽቡቕን ክፉእን ናይ ምፍላይ መሰል ኪህልዋ እዩ ማለት እዩ። እዚ ድማ እቲ ንመጀመርታ ግዜ እተነግረ ሓሶት ነበረ። እቲ መልኣኽ ነዚ ሓሶት እዚ ብምዝራቡ መካፍኢ ዀነ። ተቓዋሚ ኣምላኽ እውን ኰይኑ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ጸላኢ ኣምላኽ እዚ “ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሀል . . . እቲ ናይ ጥንቲ ተመን” ብምባል ይጽውዖ።—ራእይ 12:9
እዚ ዓለወኛ መልኣኽ እዚ ነታ ቐዳመይቲ ሰበይቲ ዝዀነት ሄዋን ንምዝርራብ ተመን ተጠቕመ። እቲ ተመን: “ኣምላኽሲ፤ ካብ ኵሉ ኦም ገነት ኣይትብልዑ: ኢሉዶ አዚዙ እዩ፧” ኢሉ ሓተታ። ሄዋን ድማ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ትእዛዝን ንዕኡ ብዘይ ምእዛዝ ንዚስዕብ መቕጻዕትን ነገረቶ: እቲ ተመን ድማ “ኣይፋልኩም: ኣምላኽ ደኣ [ካብታ ኣብ ማእከል እቲ ገነት እትርከብ ኦም] ምስ እትበልዑ መዓልቲ ኣዒንትኹም ከም ዚኽፈታ: ከም ኣምላኽውን ከም እትዀኑ: ጽቡቕን ክፉእን ከኣ ከም እትፈልጡ: ስለ ዝፈለጠ እዩ እምበር: ከቶ ኣይትሞቱን ኢኹም” በላ። (“ንቕሑ”
እቲ ድያብሎስ ንሄዋን ዝነገራ ሓሶት ከምቲ ዝወጠኖ ዀነሉ። መጽሓፍ ቅዱስ: “እታ ሰበይቲ ድማ: እታ ኦም ምብልዓ ጥዕምቲ: ነዒንቲ ኸኣ ጽብቕቲ: ጥበብ ብምሃባውን እተብህግ ኦም ምዃና ርእያ: ካብ ፍሪኣ ወሲዳ በልዔት: ምስኣ ኸኣ ንሰብኣያ ሀበቶ: ንሱውን በልዔ” ይብል። (ዘፍጥረት 3:6) ሄዋን ንዘረባ ሰይጣን ኣሚና ኻብ ኣምላኽ ዓለወት። ንኣዳም እውን ሕጊ ኣምላኽ ከም ዚጥሕስ ገበረቶ። በዚ ኸምዚ ድያብሎስ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ካብ ኣምላኽ ከም ዚዓልዉ ገበሮም። ሰይጣን ካብቲ ግዜ እቲ ጀሚሩ ኣብ ሰብኣዊ ጕዳያት: ጽልዋ ኼሕድር ጀመረ። ሸቶኡ ድማ ሰባት ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንኸየምልኹ: ኣብ ክንዳኡስ እቲ ኣምልኾ ንዕኡ ንኪኸውን እዩ። (ማቴዎስ 4:8, 9) በዚ ኸምዚ ድማ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ “ድያብሎስ: እቲ መጻርርትኹም: ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዚጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር አሎ እሞ: ተጠንቀቑ: ንቕሑ” ኢሉ ዜጠንቅቕ።—1 ጴጥሮስ 5:8
መጽሓፍ ቅዱስ ንድያብሎስ: ሓደ ግዜ ጥዑይ መልኣኽ ዝነበረ: ደሓር ግን ብልሹውን ሓደገኛን ዝዀነ ናይ ሓቂ መንፈሳዊ ኣካል ገይሩ እዩ ዚገልጾ። ስለዚ: ንቑሓት ንኽንከውን: ብመጀመርታ ናይ ብሓቂ ኸም ዘሎ ኽንኣምን ኣሎና። ጥንቁቓትን ንቑሓት ምዃን ግን ካልእ ነገር እውን ዜጠቓልል እዩ። ነቲ ንሰባት ዜታልለሉ “ውዲቱ” እውን ክንስሕቶ የብልናን። (2 ቈረንቶስ 2:11) ውዲቱ እንታይ እዩ፧ ነዚኸ ብኸመይ ክንዋጽኣሉ ንኽእል፧
ድያብሎስ ንድሌት ሰባት ይምዝምዝ
ድያብሎስ ንደቅሰብ ካብ ዚፍጠሩ ኣትሒዙ እዩ ዚዕዘቦም ነይሩ። ኣፈጣጥራ ሰባት: ማለት ድሌቶምን ዝንባለኦምን ባህጎምን እንታይ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። መንፈሳዊ ድሌት ሒዞም ከም እተፈጥሩ ስለ ዚፈልጥ እውን: ነዚ ድሌት እዚ ይምዝምዞ እዩ። ብኸመይ፧ ሓደ ኻብቲ ነዚ ዚገብረሉ መገዲ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ብምጥቃም እዩ። (ዮሃንስ 8:44) መብዛሕትኡ ብዛዕባ ኣምላኽ ዚወሃብ ሃይማኖታዊ ትምህርትታት ነንሓድሕዱ ዚጋጮን ዜደናግርን እዩ። እዚ ትምህርትታት እዚ ንመን ዚጥዕሞ ይመስለካ፧ መሸም ነንሓድሕዱ ዚጋጮ ትምህርቲ: ኵሉ ሓቂ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። እምበኣር: መብዛሕትኡ ሃይማኖታዊ ትምህርትታት: ሰይጣን ንሰባት ንኼስሕቶም ዚጥቀመሉ ውዲት ምዃኑ ዜገርም ኣይኰነን። አረ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ነቲ ንሓሳብ ሰባት ዜዕውር: “ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ” ብምባል እዩ ዚጽውዖ።—2 ቈረንቶስ 4:4
ካብ ኣምላኽ ዚመጽእ ሓቂ ግን ንሓደ ሰብ ካብ ሃይማኖታዊ ምትላል ኬዕቍቦ ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓቂ: ምስቲ ሓደ ኣብ ግዜ ጥንቲ ዚነብር ወተሃደር ሕቜኡ ንምክልኻል ዚገብሮ ዕጣቕ እዩ ዜመሳስሎ። (ኤፌሶን 6:14) ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ፍልጠት ተማሂርካን መልእኽቱ ወትሩ ጥቓኻ ዀይኑ ኸም ዚመርሓካ እንተ ጌርካን: ብኻልእ ኣበሃህላ እንተ ተዓጢቕካዮ: ቃል ኣምላኽ ብሃይማኖታዊ ሓሶትን ጌጋታትን ምእንቲ ኸይትታለል ኬዕቍበካ እዩ።
ደቅሰብ ንሓደ ነገር ንኼምልኹ ዘለዎም ባህጊ: ቅድሚ ሕጂ ንዘይፈልጥዎ ነገራት ንኺድህስሱ ይደፋፍኦም እዩ። እዚ ግን ናብ ካልእ ናይ ሰይጣን ውዲት እዩ ዚመርሖም። ሰይጣን ነቲ ሰብ ንሓደ ሓድሽን ምስጢራውን ነገር ንምፍላጥ ዘለዎ ህንጡይነት: ብሓተታ መናፍስቲ ተጠቒሙ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሩ ንኼእትዎ የኽእሎ። ልክዕ ከምቲ ሓደ ሃዳናይ ነቲ ግዳዩ ኣብ መጻወድያ ንምእታው ዚስሕብ ነገር ዚጥቀም: ሰይጣን ድማ ንሰባት ንምስሓብ ከም እኒ ጥንቈላ: ቈጸራ ኸዋኽብቲ: ምዕዛም: ስራይ: ንባብ ኢድ: ሽሕር ዝኣመሰለ ነገራት ይጥቀም።—ዘሌዋውያን 19:31፣ መዝሙር 119:110
ኣብ መጻወድያ ሓተታ መናፍስቲ ምእንቲ ኸይትኣቱ ብኸመይ ንርእስኻ ኸተዕቍባ ትኽእል፧ ዘዳግም 18:10-12 ከምዚ ትብል:- “ወዱ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዜሕልፍ ወይ መውደቒ ዛዕጐል ወይ ብደበናን ብተመንን ዚፈልጥ ወይ አስማተኛ ወይ ተራጋሚ: መናፍስቲ ዚጥይቕ: ወይ ጠንቋሊ ወይ ንምውታት ዚጥይቕ: ኣባኻ ኣይረኸብ። እዚ ነገር እዚ ዚገብር ኵሉ ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ እሞ: ብሰሪ እዚ ጽያፍ እዚ ድማ እዩ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜኻ ዚሰጎም።”
እቲ ኣብዚ ተዋሂቡ ዘሎ ቕዱስ ጽሑፋዊ ምዕዶ: ምስ ሓተታ መናፍስቲ ዋላ ሓንቲ ርክብ ኪህልወካ የብሉን ዚብል እዩ። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሓተታ መናፍስቲ ትካፈል ዝነበርካ እንተ ዄንካ እሞ: ሕጂ ግን ሓራ ኽትከውን እንተ ደሊኻኸ፧ ኣብነት እቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ቐዳሞት ክርስትያናት ክትስዕብ ትኽእል ኢኻ። መጽሓፍ ቅዱስ: ነቲ “ቓል ጐይታ” ምስ ተቐበሉ “ብዙሓት ጠንቈልቲ ድማ መጻሕፍቶም ኣኪቦም ኣብ ቅድሚ ዅሉ ኣንደድዎ” ይብል። እዚ መጻሕፍቲ እዚ ኽቡር እዩ ነይሩ። ዋጋኡ 50,000 ድሪም ወይ ሳንቲም ብሩር ነበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 19:19, 20) ይኹን እምበር: እዞም ኣብ ኤፌሶን ዚነብሩ ዝነበሩ ክርስትያናት ነዚ ጽሑፍ እዚ ንምጥፋእ ድሕር ኣይበሉን።
ሰይጣን ንሰብኣዊ ድኽመታት ይምዝምዝ
ሓደ ፍጹም መልኣኽ: ነቲ ርእሱ ኽብ ኬብል ዝሓደሮ ባህጊ ኢዱ ብምሃቡ ሰይጣን ድያብሎስ ኰነ። ንሄዋን እውን ልክዕ ከም ኣምላኽ ክትከውን ከም እትኽእል ብምንጋር ትዕቢትን ስስዐን ከም እተሕድር ገበራ። ሰይጣን ሎሚውን እንተዀነ: ሰባት ሓበን ከም ዚስምዖም ብምግባር ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሩ ይገብሮም ኣሎ። ንኣብነት: ሓድሓደ ሰባት ዓሌቶም: ቀቢላኦም ወይ ድማ ሃገሮም ካብ ናይ ካልኦት ከም ዚበልጽ ኰይኑ ይስምዖም። እዝስ ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ኽሳዕ ክንደይ ዚጋጮ ዀን እዩ! (ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35) መጽሓፍ ቅዱስ “[ኣምላኽ] ካብ ሓደ ሰብ ኣብ ርእሲ ዅላ ምድሪ ኺነብሩ ዅሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ” ብምባል እዩ ዚምህር።—ግብሪ ሃዋርያት 17:26
ነቲ ሰይጣን ሓበን ንኺስምዓና ዚገብሮ ጻዕሪ ንምፍሻል: ትሕትና ኣዝያ ኣገዳሲት እያ። መጽሓፍ ቅዱስ ‘ብዛዕባ ርእስና ብልክዕ ክንሓስብ እምበር: ካብቲ ዚግብኣና ኣዕዚዝና ኸይንሓስብ’ ይምዕደና። (ሮሜ 12:3) ወሲኹ እውን: “ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮም: ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም” ይብል። (ያእቆብ 4:6) እምበኣር: ካብቲ ንሰይጣን ኣብ ብሕታዊ ህይወትካ እትቃወመሉ ሓደ መገዲ: ትሑት ምዃንን ካልኦት ብኣምላኽ ተቐባልነት ዘለዎም ባህርያት ምንጽብራቕን እዩ።
ድያብሎስ ነቲ ደቅሰብ ዘለዎም ንስጋዊ ባህግታት ኢድካ ናይ ምሃብ ድኽመት ንምምዝማዝ ሃንቀው ኢሉ እዩ ዚጽበ። የሆዋ ኣምላኽ: ሰባት ብህይወቶም ኪሕጐሱ እዩ ዚደሊ። ፍቓድ ኣምላኽ ከይጠሓስካ ነዚ ባህግታት እዚ ምፍጻሙ: ኣብ መወዳእታ ናይ ሓቂ ሓጐስ እዩ ዜምጽእ። ሰይጣን ግን ነዚ ባህግታት እዚ ብዘይስነ-ምግባራዊ መገዲ ንኽንፍጽሞ ይፍትነና። (1 ቈረንቶስ 6:9, 10) ስለዚ: ኣእምሮና ኣብ ንጹህን ውርዝና ዘለዎን ዘበለ ኸም ዜተኵር ምግባር ኣጸቢቑ ዝሓሸ እዩ። (ፊልጲ 4:8) እዚ ድማ ኣተሓሳስባኻን ስምዒትካን ንኽትቈጻጸር ኪሕግዘካ እዩ።
ንድያብሎስ ምጽራርካ ቐጽል
ንድያብሎስ ንምጽራር ኣብ እትገብሮ ጻዕሪ ኽትዕወት እትኽእልዶ ይመስለካ፧ ከመይ ደኣ! መጽሓፍ ቅዱስ “ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ: ንሱ ኻባኻትኩም ኪሀድም እዩ” ብምባል መረጋገጺ ይህበና። (ያእቆብ 4:7) ዋላኳ ንሰይጣን እንተ ተጻረርካዮ: ብኡንብኡ ኣይኪሓድገካን እዩ: ብዛዕባ ኣምላኽ ፍልጠት እናጥረኻ ብዝኸድካ መጠን ንኺዓናቕፈካ ዚከኣሎ ኺገብር እዩ። “ንጊዜኡ” ደኣ እዩ ዚሓድገካ እምበር: ካልእ ግዜ ምፍታኑ ኣይተርፎን እዩ። (ሉቃስ 4:13) ይኹን እምበር: ክትፈርሆ የብልካን። ንድያብሎስ ምቅዋምካ እንተደኣ ቐጺልካ: ካብቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኪፈልየካ ኣይክእልን እዩ።
ንድያብሎስ ምጽራር ኪበሃል ከሎ ግን ናይ ሓቂ መንነቱን ንሰባት ብኸመይ ከም ዜስሕትን ካብ ውዲቱ ንምምላጥ ክትገብሮ ዘሎካ ነገራትን ምፍላጥ ዜጠቓልል እዩ። እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ንምግባር እቲ እንኮ ምንጪ ርጡብ ፍልጠት እዩ። ስለዚ: ነቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቕዱስ ጽሑፍ ንምጽናዕ ዝገበርካዮ ውሳነ ኣጽኒዕካ ሓዞ: ነቲ እተመሃርካዮ ድማ ኣብ ህይወትካ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ። ኣብ ከባቢኻ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ኣብ ዚጥዕመካ እዋን ብዘይ ክፍሊት ከምዚ ዝኣመሰለ መጽናዕቲ ንኽትገብር ተሓጕሶም ኪሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። ምስኦም ንምርኻብ ወይ ከኣ ናብዞም ሓተምቲ እዛ መጽሔት እዚኣ ንምጽሓፍ ድሕር ኣይትበል።
ሰይጣን ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓቂ ኸተጽንዕ ከለኻ ምጽራር ወይ ከኣ ስደት ተጠቒሙ ደው ንኼብለካ ኸም ዚጽዕር ክትርስዕ የብልካን። ኣዝማድካ ብሰንኪ እቲ እተገብሮ ዘለኻ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪሓርቁ ይኽእሉ እዮም። እዚ ድማ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ድንቂ ዝዀነ ሓቂ ሰኣን ምፍላጦም እዩ። ገሊኦም ድማ ኬላግጹልካ ይጅምሩ ይዀኑ። ንኸምዚ ዝኣመሰለ ጸቕጢ ኢድካ ምሃብ ንኣምላኽ ዜሐጕሶዶ ይመስለካ፧ ድያብሎስ ተስፋ ኸም እትቘርጽ ገይሩ ብዛዕባ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ክትመሃሮ ዝጀመርካ ነገር ንኸተቋርጽ እዩ ዚደሊ። ከምዚ ብምግባር ስለምንታይ ሰይጣን ከም ዚዕወት እትገብር፧ (ማቴዎስ 10:34-39) ሰይጣን ንዓኻ ዋላ ሓንቲ ጽቡቕ ኣይገበረልካን። ሳላ የሆዋ ህይወት ከም ዝረኸብካ ግን ክትርስዕ የብልካን። እምበኣር: ንሰይጣን ንምቅዋም ‘ንልቢ የሆዋ ድማ ንምሕጓስ’ ቈራጽነት ይሃሉኻ።—ምሳሌ 27:11
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]
እቶም ሰባት ክርስትያናት ምስ ኰኑ: ነቲ ናይ ጥንቍልና መጻሕፍቶም ኣንደድዎ
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ቈራጽ ውሳነ ግበር