ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መላእኽቲ መን እዮም፧

መላእኽቲ መን እዮም፧

መላእኽቲ መን እዮም፧

ሓደ ንጉስ ሓያል ሃጸያዊት ግዝኣት ነቲ ዝረኣዮ ነገር ኪኣምን ኣይከኣለን። ተፈሪድዎም ናብ ሓዊ እተደርበዩ ሰለስተ ሰብኡት ካብ ኣፍ ሞት ደሓኑ። መን እዩ ኣድሒንዎም፧ እቲ ንጉስ ባዕሉ ነቶም ዝደሓኑ ሰባት: “እቲ ነቶም ባሮቱ መልኣኹ ሰዲዱ ዘናገፎም [ኣምላኽኩም] ይባረኽ” በሎም። (ዳንኤል 3:​28) እዚ ቕድሚ ኽልተ ሽሕ ዓመት ኣቢሉ ዝነበረ ባቢሎናዊ ገዛኢ: መላእኽቲ ኼድሕኑ ኸለዉ ብዓይኑ ርእዩ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ኣብ መላእኽቲ ይኣምኑ ነበሩ። ሎሚ ድማ ብዙሓት ሰባት መላእኽቲ ኸም ዘለዉ ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብ ህይወቶም ገለ ጽልዋ ኸም ዘለዎም ይኣምኑ እዮም። መላእኽቲ ግን መን እዮም፧ መበቈሎምከ ኻበይ እዩ፧

ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ: መላእኽቲ ልክዕ ከም ኣምላኽ መንፈስ እዮም። (መዝሙር 104:4 NWዮሃንስ 4:24) ብሚልዮናት ዚቝጸሩ መላእኽቲ ኣለዉ። (ራእይ 5:11) ኵላቶም ድማ “ሓያላት” እዮም። (መዝሙር 103:20) መላእኽቲ ባህርያትን ናይ ምምራጽ ናጽነትን ስለ ዘለዎም: በዚ መዳይ እዚ ኸም ደቅሰብ እዮም። ኰይኑ ግን: ኣጀማምራ ህይወቶም ካብ ደቅሰብ እተፈልየ እዩ። ኣምላኽ ካብቲ ደቅሰብ እተፈጥሩሉ ኣቐዲሙ: አረ ምድሪ ቕድሚ ምፍጣራ እውን እዩ ንመላእኽቲ ፈጢርዎም። መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ ‘ንምድሪ ኺስርታ ኸሎ: ከዋኽብቲ ጽባሕ [መላእኽቲ] ሐቢሮም የመስግኑ: ኵሎም ደቂ ኣምላኽ እልል ይብሉ’ ኸም ዝነበሩ ይገልጽ። (እዮብ 38:4, 7) መላእኽቲ ብኣምላኽ እተፈጥሩ ስለ ዝዀኑ: ደቂ ኣምላኽ ተባሂሎም ይጽውዑ።

ኣምላኽ ንምንታይ ዕላማ እዩ ንመላእኽቲ ፈጢርዎም፧ ኣብ ታሪኽ ወድሰብ ተራ ነይርዎምዶ፧ እንታይ ተራ እዩ ነይርዎም፧ ሎሚ ንህይወትና ይጸልውዎ ድዮም፧ ናይ ምምራጽ ናጽነት ስለ ዘለዎም: በዚ ተጠቒሞም ንሰይጣን ድያብሎስ ብምስዓብ ጸላእቲ ኣምላኽ ዝዀኑ መላእኽቲ ኣለዉዶ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ሕቶታት እዚ ቕኑዕ መልሲ ይህብ።