ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትዝክሮዶ፧

ትዝክሮዶ፧

ትዝክሮዶ፧

ነቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝወጸ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ሕታማት ብምንባብ ተሓጒስካዶ ኢኻ፧ እምበኣር እስከ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክትምልሶ ትኽእል እንተ ዄንካ ርአ:-

ኣብዚ ግዜና እከይ ዝበዝሓሉ ገለ ምኽንያታት እንታይ እዩ፧

ሓደ ኻብቲ እከይ ዝሃለወሉ ምኽንያት: እቲ ሰብ ዘለዎ እከይ ናይ ምግባር ዝንባለ እዩ። (ዘፍጥረት 8:21) ካልእ ምኽንያት ድማ: ሓያሎ ሰባት ብዛዕባ ፍቓድ ኣምላኽ ርጡብ ፍልጠት ስለ ዘይብሎም እዩ። ብተወሳኺውን: እቲ ምንጪ እከይ ዝዀነ ሰይጣን ኣብ ጕዳያት ደቅሰብ ኢዱ የእቱ ስለ ዘሎ እዩ።—1/1: ገጽ 4-6

• ካብቲ ብግዜኡ ዚዝረብ ሰናይ ቃል እንታይ ጽቡቕ ፍረ ኺርከብ ይከኣል፧ (ምሳሌ 12:25)

ንሰማዒ ርእሰ-ምትእምማን ከም ዜማዕብል ኪገብሮ: ኪድርኾን ኬተባብዖን: ከምኡውን ተደላዪ ኸም ዝዀነ ኸም ዚስምዖ ኺገብር ይኽእል እዩ። ብተወሳኺውን: ክንንእድ ከለና: ነቲ ኻልኦት ዘለዎም ጽቡቕ ጐድኒ ንኽንርኢ ይሕግዘና።—1/1: ገጽ 16-17

እቲ ታቦት ኪዳን እንታይ እዩ ሒዙ ነይሩ፧

ነተን ክልተ ጽላት እምንን ማናን እዩ ሒዙ ነይሩ። ቆራሕ ድሕሪ ምዕላዉ: በትሪ ኣሮን ነቲ ወለዶ ኸም ምስክር ንኽትከውን ኣብቲ ታቦት ከም እትቕመጥ ተገብረት። (እብራውያን 9:4) እምበኣር: እታ ናይ ኣሮን በትርን እቲ ማናን ካብቲ ታቦት ዘልገሰ: ሰሎሞን ነታ ቤተ መቕደስ ቅድሚ ምውፋዩ እዩ።—15/1: ገጽ 31

እቶም ብግዜ ነህምያ ዝነበሩ ኣይሁድ: ናብቲ ቤተ መቕደስ ዕንጨይቲ ኼምጽኡ ዝነበሮም ስለምንታይ እዩ፧

ሕጊ ሙሴ ብዛዕባ ምውፋይ ዕንጨይቲ ዋላ ሓንቲ ዝሓቶ ነገር የለን። ብግዜ ነህምያ ግን ነቲ መስዋእትታት ኣብቲ መሰውኢ ንምንዳድ ቀጻሊ ዝዀነ ቐረብ ዕንጨይቲ የድሊ ነበረ።—1/2: ገጽ 11

• ቍርጽራጽ ሙራቶሪ እንታይ እዩ፧

ሓደ ኽፋል እቲ ናይ ላቲን ኢደ-ጽሑፍ እዩ። እዚ ጽሑፍ እዚ መጀመርታ ኣብ ካልኣይ ዘመን ድ.ክ. ብቛንቋ ግሪኽ እዩ ተጻሒፉ። ዝርዝር እቲ ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ኪጠቓለል ዘለዎ መጻሕፍቲ ዝሓዘ ወግዓዊ ጽሑፍ ኪኸውን ከሎ: ብዛዕባ እቲ መጻሕፍትን ጸሓፍቱን እውን ሓሳባት ይህብ እዩ።—15/2: ገጽ 13-14

እታ ፋርሳዊት ንግስቲ ዋሽቲ ናብ ንጉስ ምምጻእ ዝኣበየት ስለምንታይ እያ፧ (ኣስቴር 1:10-12)

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ዓይነት ውሽጣዊ ድራኸ ኸም ዝነበራ ኣይነግረናን እዩ። ገሊኦም ምሁራት: ንግስቲ ዋሽቲ ምእዛዝ ዝኣበየት ኣብ ቅድሚ እቶም ዝሰተዩ ኣጋይሽ ንጉስ ርእሳ ኸይተዋርድ ኢላ ኸም ዝዀነት ርእይቶ ይህቡ። ወይ ከኣ ምናልባት እዛ ብደጊኣ ምልክዕቲ ዝነበረት ንግስቲ ተገዛኢት ኣይነበረትን ክትከውን ትኽእል እያ: እዚ ድማ ነተን ኣብ ግዝኣት ፋርስ ዝነበራ ኣንስቲ ሕማቕ ኣብነት እዩ ነይሩ።—1/3: ገጽ 9

እቲ በጃ ኸመይ ገይሩ እዩ ዜድሕነና፧

መስዋእቲ የሱስ ካብቲ ዝወረስናዮ ሓጢኣት ኬድሕነና ኸምኡውን ካብቲ ሞት ዜስዕብ ሳዕቤን ሓጢኣት ነጻ ኺገብረና ይኽእል እዩ። (ሮሜ 6:23) እዚ መስዋእቲ እዚ ኻብቲ ኣብ ሕልናና ዚስምዓና ዝነበረ ወቐሳ እውን ሓራ የውጽኣና እዩ። ብተወሳኺውን: ኣብቲ በጃ እምነት ምግባርና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እንታይ ኣቕዋም ይህልወኒ ይኸውን ካብ ዚብል ፍርሂ የድሕነና። (1 ዮሃንስ 2:1)—15/3: ገጽ 8

• ካብቲ ንማሕስእ ብጸባ ኣዲኡ ንኸይበስል ዚእዝዝ ሕጊ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ (ዘጸኣት 23:19)

ንሓደ ማሕስእ ብጸባ ኣዲኡ ምብሳል: ዝናም ንምምጻእ ተባሂሉ ዚግበር ዝነበረ ኣረማዊ ልምዲ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ዘሌዋውያን 20:23) ኣምላኽ ንጸባ ኣደ እቲ ማሕስእ ዝፈጠረሉ ምኽንያት: ንኺምገቦን ዕቤት ንኺገብር ንኺሕግዞን ኢሉ እዩ። ስለዚ: ነቲ ማሕስእ በዚ ጸባ እዚ ምብሳል: ነቲ ብኣምላኽ እተመስረተን እተቐደሰን ኣብ መንጎ ኣደን ውላድን ዘሎ ርክብ ከም ምንዓቕ ጌርካ እዩ ዚርአ። እዚ ሕጊ እዚ ነቲ የሆዋ ዘለዎ ናይ ድንጋጽ ስምዒት እውን ዜርኢ እዩ።—1/4: ገጽ 31