ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ

ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ

ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ

ወድሰብ ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ንዘለኣለም ምንባር ዚምነዮ ነገር እዩ። ይኹን እምበር: ንሞት ዚስዕሮ ስለ ዘይተረኽበ: እዚ ትምኒት እዚ ኽሳዕ ሕጂ ኣይተፈጸመን። ኣብዚ ቐረባ እዋን ዚግበር ዘሎ ሕክምናዊ ምርምር ግን ነቲ ዕምሪ ደቅሰብ ኪነውሕ ይኽእል እዩ ዚብል ተስፋ ኣሐዲስዎ ኣሎ። እስከ ቐጺልና ኣብ እተፈላለየ ዓውድታት ስነ-ፍልጠታዊ መጽናዕቲ ዚግበር ዘሎ ንርአ።

ተመራመርቲ ስነ-ህይወት ንሓደ ተሎመረዝ ዚበሃል ኤንዛይም ተጠቒሞም ነቲ ዋህዮታት ንርእሶም ዜሐድሱሉ ግዜያት ኬናውሕዎ ይጽዕሩ ኣለዉ። እዞም ተመራመርቲ እዚኣቶም እቶም ዝኣረጉን ዝደኸሙን ዋህዮታት ብኻልኦት ሓደስቲ ኸም ዚትክኡ ይፈልጡ እዮም። ከም ሓቂ እኳ: ኣብ ምሉእ ህይወት ሓደ ሰብ መብዛሕትኡ ኣካላቱ ብተደጋጋሚ ይሕደስ እዩ። ብመሰረት ክልሰ-ሓሳብ ተመራመርቲ: እዚ ምሕዳስ እዚ እንተ ተናዊሑ: “ኣካላት ሰብ ንኣዝዩ ነዊሕ እዋን: አረ ንዘለኣለም እውን ከይተረፈ እናተሓደሰ ኺነብር ይኽእል እዩ።”

እቲ ኣከራኻሪ ዝዀነ ብሕክምና ዚግበር ክሎኒን ዚበሃል ዓውዲ ምርምር እውን ነቲ ዝሓመመ ኣካል ሰብ ዚትክእ ሓድሽ ጸላም ከብድን ኵሊትን ልብን ብደረጃ ኽልሰ-ሓሳብ ኬዳሉ ይኽእል እዩ። እዚ ኽፍሊ ኣካላት እዚ ናይቲ ሕሙም ሱር ዋህዮ ተጠቒምካ እዩ ዚስራሕ።

ነቲ ናኖተክኖሎጂ ወይ ብዛዕባ ኣዝዩ ደቂቕ ነገራት ዚመራመር ተክኖሎጂ ዜጽንዑ ተመራመርቲ: ሓካይም ክንዲ ዋህዮ ዚኸውን ሮቦት ብምስራሕ ናብ ደም ኣትዩ ነቶም መንሽሮ ዜስዕቡ ዋህዮታትን ጐዳእቲ ባክተርያን ዜጥፍኣሉ እዋን ከም ዚመጽእ ይኣምኑ። ገሊኦም እውን እዚ ዓውዲ ስነ-ፍልጠት እዝን ሕክምና ጂንን ብሓደ ብምዃን: ኣካላት ወድሰብ ንባዕሉ እናሓደሰ ንዘለኣለም ከም ዚቕጽል ኪገብሮ እዩ ኢሎም ይኣምኑ።

ንሬሳ ኣዝሒልካ ምዕቃብ ከም ዚግባእ ዚማጐቱ ሰባት እውን ኣለዉ። እዚ ዚገብሩሉ ምኽንያት ድማ ክሳዕ ሕክምናዊ ዕቤት ተራእዩ ሓካይም ንሕማም ዜወግዱሉ: እርጋን ንዜምጽኦ ሳዕቤን ዜልግሱሉ: ከምኡውን ክሳዕ ህይወትን ጥዕናን እቶም ዝሞቱ ሰባት ዚምለሰሉ ነቶም ሬሳታት ንምዕቃብ ተባሂሉ እዩ። ብመሰረት ኣመሪካን ጆርናል ኦቭ ጀርያትሪክ ሳይካትሪ: እዚ ሓሳብ እዚ “ምስቲ ጥንታዎት ግብጻውያን ዚገብርዎ ዝነበሩ ሙምያ [ወይ ምዕቃብ ሬሳ] ዚመሳሰል እዩ።”

እዚ ደቅሰብ ንዘለኣለም ንምንባር ብዘይምሕላል ዚገብርዎ ዘለዉ ጻዕሪ: ነቲ ህላወ ሰብ ከም ዜቋርጽ ዚገልጽ ሓሳብ ኪቕበልዎ ኸም ዝኸበዶም ዜርኢ እዩ። ደቅሰብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኸቡ ይኽእሉ ድዮም፧ መጽሓፍ ቅዱስከ ብዛዕባ እዚ እንታይ ይብል፧ እዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ ነዚ ኽትምልሶ እያ።