ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንዓኻውን ዚምልከት ጕዳይ

ንዓኻውን ዚምልከት ጕዳይ

ንዓኻውን ዚምልከት ጕዳይ

ኣዚኻ እትቐርቦ ፈታዊ ወይ ኣባል ስድራቤት ኣለካዶ፧ ሓደ ሰብ: ነዚ ርክብ እዚ ዓቂብካ ትቕጽል ዘለኻ ብስስዐ እዩ ኢሉ እንተ ዚኸሰካ እንታይ ምበልካ፧ ኣይምጐሃኻንዶ፧ ምናልባትውን ኣይምተቘጣዕካንዶ፧ ሰይጣን ድያብሎስ ነቶም ምስ የሆዋ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ዘለዎም ሰባት ዝኸሰሶ ኽሲ እውን ልክዕ ከምዚ እዩ።

ሰይጣን: እቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ዝዀኑ ኣዳምን ሄዋንን ንሕጊ ኣምላኽ ንኺጥሕሱን ካብ ኣምላኽ ንኺዓልዉን ኣብ ምግባር ምስ ተዓወተ ዘጋጠመ ነገር እሞ ሕሰቦ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ሰባት ንየሆዋ ዚእዘዝዎ ንጥቕሞም ኪብሉ እዮም ማለት ድዩ፧ (ዘፍጥረት 3:1-6) ኣዳም ካብ ዚሓጥእ ድሕሪ 2,500 ዓመት: ሰይጣን ነዚ ጕዳይ እዚ ምስ ሓደ እዮብ ዝስሙ ሰብኣይ ብምትሕሓዝ መሊሱ ኣልዓሎ። እቲ ድያብሎስ ዘልዓሎ ኽሲ ነቲ ጕዳይ ብግቡእ ንኸነለልዮ ስለ ዚሕግዝ: እስከ ነዚ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ብጥንቃቐ ንመርምሮ።

“ካብታ ብዘይ ጕድለት ምዃነይ ኣየግልስን”

እዮብ “ንኣምላኽ ዚፈርህን ካብ ክፉእ ዚርሕቕን ፍጹምን ቅኑዕን ሰብ” እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: ሰይጣን ንቕንዕና እዮብ ጠውዩ ኣቕረቦ። ንየሆዋ ድማ “እዮብ ንኣምላኽ ዚፈርሆስ ብኸምኡ ድዩ፧” ኢሉ ሓተቶ። ቀጺሉ: እዮብ ንየሆዋ እሙን ኪኸውን ዝኸኣለ ስለ ዜዕቍቦን ስለ ዚባርኾን እዩ ብምባል ንኣምላኽን ንእዮብን ኣካፍኦም። “ኣብታ ገጽካ እንተ ዘይክሒዱካስ: ኢድካ ዘርጊሕካ ደሞ ንዅሉ ጥሪቱ ሃሰስ ኣይትብሎን” ብምባል ድማ ንኣምላኽ ብድሆ ኣቕረበሉ።—እዮብ 1:8-11

የሆዋ ነዚ ሕቶ እዚ ንምምላስ ሰይጣን ንእዮብ ንኺፍትኖ ፈቐደሉ። ድያብሎስ ነዚ እሙን ሰብኣይ እዚ ንኣምላኽ ካብ ምግልጋል ኬላግሶ ኢሉ ኣብ ርእሲ ርእሲ መዓት ኣውረደሉ። ኵለን ማሉ ተሰርቃ ወይ ጠፍኣ: ግዙኣቱ ተቐትሉ: ደቁ ድማ ሞቱ። (እዮብ 1:12-19) ይኹን እምበር: ሰይጣን ተዓዊቱ ድዩ፧ ፈጺሙ ኣይተዓወተን! ዋላኳ እዮብ ምንጪ እቲ ፈተና ሰይጣን ምዃኑ እንተ ዘይፈለጠ: “እግዚኣብሄር ሀበ: እግዚኣብሄር ድማ ወሰደ። ስም እግዚኣብሄር ይባረኽ” በለ።—እዮብ 1:21

ብድሕሪኡ: ሰይጣን ናብ ቅድሚ የሆዋ መጸ፣ የሆዋ ድማ “ብዘይ ምኽንያት [ንእዮብ] ከጥፍኦ ኣላዓዒልካኒ ኽነስኻስ: ክሳዕ ሕጂ ንሱ ፍጹም ኰይኑ ይጸንዕ አሎ” በሎ። (እዮብ 2:1-3) እቲ ኣብዚ ዜገድስ ቀንዲ ጕዳይ ንጽህና እዮብ: ማለት ንኣምላኽ ዘለዎ ተኣማንነት ዘይምልምላሙን ንጽድቂ ብጥብቂ ምስዓቡን እዩ። እምበኣር: ንንጽህና ኣብ ዚምልከት ጕዳይ: እዮብ እዩ ተዓዊቱ። ይኹን እምበር: ድያብሎስ ኣይተሓለለን።

ሰይጣን ካብዚ ቐጺሉ ንዅሎም ደቅሰብ ዚትንክፍ ሰፊሕ ሕቶ ኣቕረበ። ንየሆዋ ድማ “ቈርበት ኣብ ክንዲ ቈርበት። ሰብ ኣብ ክንዲ ህይወቱ ዘለዎ ዅሉ ይህብ እዩ። ግናኸ ኣብ ገጽካ እንተ ዘይክሕዱካስ: ኢድካ ዘርጊሕካ ደሞ ስጋኡን ዓጽሙን ሃሰስ ኣይትብሎን” በሎ። (እዮብ 2:4, 5) ድያብሎስ ኣብ ክንዲ ንስም እዮብ ዚጥቀም ነታ “ሰብ” እትብል ሓፈሻዊት ቃል ብምጥቃም: ንንጽህና ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ሕቶ ኣእተዎ። ብኻልእ ኣዘራርባ: ‘ሰብ ህይወቱ ንኼድሕን ዝዀነ ይኹን ነገር ኪገብር እዩ። ኣጋጣሚ እንተ ረኺበ: ንዅሉ ሰብ ካብ ኣምላኽ ከዕልዎ እየ’ እዩ ዝበለ። ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኵነታትን ግዜን ንኣምላኽ እሙን ዚኸውን ሰብ ይህሉ ደዀን ይኸውን፧

የሆዋ: ድያብሎስ ንእዮብ ብብርቱዕ ሕማም ንኺወቕዖ ፈቐደሉ። እዮብ ኣዝዩ ኻብ ምስቓዩ እተላዕለ ንኺመውት ጸለየ። (እዮብ 2:7፣ 14:13) ኰይኑ ግን “ክሳዕ ሞተይ ካብታ ብዘይ ጕድለት ምዃነይ ኣየግልስን” ብምባል ተዛረበ። (እዮብ 27:5) እዮብ ከምዚ ዝበለ ንኣምላኽ ስለ ዜፍቅሮ እዩ: ነዚ ድማ ዋላ ሓደ ዚቕይሮ የለን። ንጽህናኡ ዚሕሉ ሰብኣይ ምዃኑ ኸኣ ኣመስኪሩ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “እግዚኣብሄር ድማ ንእዮብ ካብቲ ቐዳማዩስ ነቲ ዳሕራዩ ኣብሊጹ ባረኸሉ” ይብል። (እዮብ 42:10-17) ከም እዮብ ዝኣመሰሉ ኻልኦት ሰባትከ ኣለዉዶ፧ ዝሓለፈ ግዜ እንታይ ዚገልጾ ነገር ኣለዎ፧

እቲ ብድሆ ብኸመይ እዩ መልሲ ረኺቡ፧

ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ መጽሓፍ እብራውያን ምዕራፍ 11 ብዙሓት ቅድሚ ክርስትና ዝነበሩ እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ጠቒሱ ኣሎ: እዚኣቶም ድማ ንኖህ: ኣብራሃም: ሳራ: ሙሴ ዜጠቓልሉ እዮም። ብድሕርዚ እቲ ሃዋርያ “ብዛዕባ [ኻልኦት] . . . ከየዘንትወልኩም ጊዜ ይሐጽረኒ እዩ” በለ። (እብራውያን 11:32) እዞም እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ እዚኣቶም ኣዝዮም ብዙሓት ስለ ዝዀኑ: ጳውሎስ ምስቲ ኣብ ሰማይ ዚዝርጋሕ ዓብዪ ደበና ብምምስሳል “ደበና ምስክር” ኢሉ ጸዊዕዎም ኣሎ። (እብራውያን 12:1) እወ: ኣብ ኵሉ ዝሓለፈ ዘመናት ቍጽሮም እዚ ኺበሃል ዘይከኣል ብዙሓት ሰብ ነቲ ናይ ምምራጽ ናጽነቶም ብምጥቃም ንየሆዋ ኣምላኽ እሙናት ንምዃን ሓርዮም እዮም።—እያሱ 24:15

እቲ ሰይጣን ‘ንዅሎም ደቅሰብ ካብ የሆዋ ኸዕልዎም እኽእል እየ’ ብምባል ዘቕረቦ ብድሆ: እቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ዘየዳግም መልሲ ሂቡሉ እዩ። እቲ ኣብ ዕንጨይቲ ዘሕለፎ ዜሳቒ ሞት እውን እንተ ዀነ: ንጽህናኡ ኸም ዜጥፍእ ኣይገበሮን። የሱስ ቀቅድሚ ሞቱ: “ኣቦይ: [“ንመንፈሰይ:” NW] ኣብ ኢድካ ኤማዕቍባ አሎኹ” ኢሉ ጨርሐ።—ሉቃስ 23:46

ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ: ድያብሎስ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ካብ ምግልጋል ኬዕልዎ ኸም ዘይክእል ተራእዩ እዩ። ማእለያ ዘይብሎም ሰባት ንየሆዋ ፈለጥዎ ኸምኡውን ‘ብምሉእ ልቦምን ብዅሉ ነፍሶምን ብዅሉ ሓሳቦምን ኣፍቂሮምዎ እዮም።’ (ማቴዎስ 22:37) እቲ ንየሆዋ ዘለዎም ነቕ ዘይብል ተኣማንነት: ሰይጣን ንጕዳይ ሰብኣዊ ንጽህና ብዚምልከት ግጉይ ምዃኑ ዜረጋግጽ እዩ። ንስኻውን ንጽህናኡ ዚሕሉ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ብምዃን ድያብሎስ ከም እተጋገየ ኸተረጋግጽ ትኽእል ኢኻ።

እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

ፍቓድ ኣምላኽ “ኵሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ” እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 2:4) ንስኻኸ ነዚ ብኸመይ ክትገብሮ ትኽእል፧ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ግዜ ብምምዳብ ከምኡውን ‘ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ነቲ ንሱ ዝለኣኾ የሱስ ክርስቶስ ብምፍላጥ’ እዩ።—ዮሃንስ 17:3

ሰይጣን ነቲ ሰባት ንኣምላኽ ንምግልጋል ዘለዎም ድራኸ ኣብ ሕቶ ብምእታው ንንጽህና ሰባት ፈተኖ። ስለዚ: ፍልጠት ንድራኸኻ ኺጸልዎ እንተ ዀይኑ: ንልብኻ ኺትንክፍ ኣለዎ ማለት እዩ። ከምዚ ንምግባር ድማ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓበሬታ ጥራይ ካብ ምድላይ ንላዕሊ ኽትገብር ኣሎካ። ነቲ እተመሃርካዮ ነገር ናይ ምስትንታን ልማድ ኣማዕብል። (መዝሙር 143:5) ንመጽሓፍ ቅዱስ ይኹን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንእተመስረተ ጽሑፍ ከተንብብ ከለኻ: ግዜ ወሲድካ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሕሰበሉ:- ‘እዚ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ እዩ ዚምህረኒ፧ ኣየናይ ባህርያት ኣምላኽ እዩ ኣብዚ ተገሊጹ ዘሎ፧ ኣበየናይ መዳይ ህይወተይ እየ ኸምዚ ዓይነት ባህርይ ከርኢ ዘሎኒ፧ ኣምላኽ ዚሰምሮ ወይ ዘይሰምሮ እንታይ እዩ፧ እዚኸ ነቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዘሎኒ ስምዒት ብኸመይ እዩ ዚጸልዎ፧’ ከምዚ ዝበለ ምስትንታን ንልብኻ በቲ ንፈጣሪ ዘሎካ ፍቕርን ሞሳን ኪመልኦ እዩ።

ንኣምላኽ ዘሎካ ንጽህና ኣብ ሃይማኖታዊ እምነት ጥራይ እተሓጽረ ኣይኰነን። (1 ነገስት 9:4) ንየሆዋ ኣምላኽ ዘሎካ ንጽህና ንምዕቃብ ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወትካ ብስነ-ምግባር ጥዑይ ምዃን ዚሓትት እዩ። ይኹን እምበር: ንጽህናኻ ምዕቃብ ካብ ካልእ ነገር ኣይጠልየካን እዩ። የሆዋ “ሕጉስ ኣምላኽ” ስለ ዝዀነ: ተሓጕስካ ኽትነብር እዩ ዚደልየካ። (1 ጢሞቴዎስ 1:11 NW) እስከ ቐጺልና ብስነ-ምግባር ንጹህ ንኽትከውን: ብእኡ ኣቢልካ ድማ ሕጉስ ህይወት ንኽትመርሕን ስምረት ኣምላኽ ንኽትረክብን ዚገብር ሓድሓደ ኸተወግዶ ዘሎካ ተግባራት ንርአ።

ካብ ጾታዊ ርኽሰት ርሓቕ

የሆዋ ኣብቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ: “ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሐድግ: ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ። ሓደ ስጋ ድማ ይዀኑ” ብምባል ንሓዳር ዚምልከት መለክዒ ኣውጺኡ ኣሎ። (ዘፍጥረት 2:21-24) እቶም ሰብ ሓዳር “ሓደ ስጋ” ስለ ዝዀኑ: ነቲ ዚገብርዎ ጾታዊ ርክብ ኣብ መንጎኦም ብምድራት ነቲ ኣምላኽ ዚገበሮ ናይ ሓዳር መሰናድዎ የኽብርዎ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ነመንዝራታትን ንዘመውትንሲ ኣምላኽ ኪፈርዶም እዩ እሞ: መውስቦ ኣብ ኵሉ ኽቡር: እቲ መደቀስ ኣሚን ከኣ ዘይረኸሰ ይኹን” በለ። (እብራውያን 13:4) እታ “መደቀስ ኣሚን” እትብል ሓረግ ነቲ ኣብ መንጎ ብሕጊ እተመርዓዉ ሰብኣይን ሰበይትን ዚግበር ጾታዊ ርክብ እያ እተመልክት። ካብ ክልቲኦም ሓዲኦም ካብ ሓዳር ወጻኢ ጾታዊ ርክብ እንተ ፈጺሙ: ዝሙት ይፍጽም ከምኡውን ካብ ኣምላኽ ፍርዲ ይቕበል።—ሚልክያስ 3:5

ብዛዕባ እቲ ቕድሚ ሓዳር ዚግበር ጾታዊ ርክብከ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ እዚውን እንተ ዀነ: ምስቲ የሆዋ ዘውጸኦ ስነ-ምግባራዊ መለክዒ ዚጋጮ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ፍቓድ ኣምላኽ እዚ እዩ: . . . ካብ ምንዝርና ኽትርሕቁ” ይብል። (1 ተሰሎንቄ 4:3) ግብረ-ሶዶም: ኣብ መንጎ ቐረባ ኣዝማድ ዚግበር ጾታዊ ርክብ: ከምኡውን ምስ እንስሳ ዚግበር ጾታዊ ርክብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሓጢኣት እዩ። (ዘሌዋውያን 18:6, 23፣ ሮሜ 1:26, 27) ንኣምላኽ ኬሐጕስ ዚደልን ናይ ብሓቂ ሕጉስ ናብራ ኺነብር ዚደልን ሰብ ካብ ዘይስነ-ምግባራዊ ተግባራት ኪርሕቕ ኣለዎ።

ነቲ ቕድሚ ሓዳር ዚግበር ስምዒት ዜለዓዕል ተግባር ብዚምልከትከ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ እዚ ተግባር እዚ ንየሆዋ የጕህዮ እዩ። (ገላትያ 5:19) ኣእምሮና ኻብ ዘይስነ-ምግባራዊ ሓሳባት እውን ንጹህ ኪኸውን ኣለዎ። የሱስ “ንሰበይቲ ኺብህጋ ዚጥምታ ዅሉ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወ” በለ። (ማቴዎስ 5:28) እዘን ቃላት እዚኣተን ኣብ ጽሑፋት: ኣብ ፊልም: ወይ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ስእለ-ጽዩፍ ምርኣይ: ጾታዊ ንጥፈታት ዚገልጽ ጽሑፍ ምንባብ: ከምኡውን ብዛዕባ እዚ ዚገልጽ ግጥሚ ዘለዎ ሙዚቃ ምስማዕ ኬጠቓልላ ይኽእላ እየን። ካብ ከምዚ ዝበለ ነገራት ምርሓቕ ንኣምላኽ የሐጕሶ: ኣብ ህይወትና ድማ ሃናጺ ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል እዩ።

ብዛዕባ ምኵሻምከ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ ምኵሻም “ናይ ፍቕሪ ጸወታ ወይ ጾታ ዜለዓዕል” ተባሂሉ ተተርጒሙ ኣሎ። እተመርዓዉ ሰብኣይን ሰበይትን ከምዚ ዝዓይነቱ ነገር ምስ ካልእ ሰብ ምግባር: ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚጋጮን ንየሆዋ ንዕቀት ዜርእን እዩ። (ኤፌሶን 5:28-33) ንጽል ሰባት ንመዘናግዒ ጥራይ ኢሎም ከምዚ ኺገብሩ ግቡእ ኣይኰነን! ከምዚ ዝበለ ምኵሻም ከምቲ እትሓስቦ ዘይኰነስ: ብርዝነት እንተ ተወስደኸ፧ ነቲ ኼስዕቦ ዚኽእል ስምዒታዊ ስቓይ እሞ ሕሰቦ። ምኵሻም ናብ ዝሙት ወይ ምንዝር ኪመርሕ ዚኽእል ምዃኑ እውን ዜተሓሳስብ ጕዳይ እዩ ዚገብሮ። ብኣንጻሩ ግን: ንሓደ ኣንጻር ጾታ ብእዱብ መገዲ ምሓዝ ክብርኻ ዚሕሉ እዩ።—1 ጢሞቴዎስ 5:1, 2

ኣብ ካልእ መዳያት ህይወት ንኣምላኽ ምሕጓስ

ኣልኮላዊ መስተ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ብቐሊሉ ኺርከብ ዚኽእል ነገር እዩ። ካብዚ ምስታይ ጌጋ ድዩ፧ ወይኒ: ቢራ: ወይ ካልእ ኣልኮላዊ መስተ መጠኑ ብዝሓለወ መገዲ ምስታይ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተዀነነ ነገር ኣይኰነን። (መዝሙር 104:15፣ 1 ጢሞቴዎስ 5:23) ይኹን እምበር: ስኽራን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጌጋ እዩ። (1 ቈረንቶስ 5:11-13) መቸም ብዙሕ ብምስታይ ንጥዕናኻ ኽትጐድኦን ንናብራ ስድራቤትካ ኸተበላሽዎን ኣይትደልን ኢኻ።—ምሳሌ 23:20, 21, 29-35

የሆዋ: “ኣምላኽ ሓቂ” እዩ። (መዝሙር 31:5) መጽሓፍ ቅዱስ ‘ኣምላኽ ኪሕሱ ኣይክእልን እዩ’ ይብል። (እብራውያን 6:18) ንስኻውን ስምረት ኣምላኽ እንተ ደሊኻ: ክትሕሱ የብልካን። (ምሳሌ 6:16-19፣ ቈሎሴ 3:9, 10) መጽሓፍ ቅዱስ ንክርስትያናት “ነፍሲ ወከፍ ምስ ብጻዩ ሓቂ ተዛረቡ” ብምባል ይምዕድ።—ኤፌሶን 4:25

ብዛዕባ ምጥላዕከ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ ዋላኳ ምጥላዕ ብብዙሓት ሰባት ፍቱው እንተ ዀነ: ሓደ ዓይነት ስስዐ እዩ፣ ከመይሲ: ንኻልኦት ሰባት ስዒርካ ገንዘብ ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ እዩ። የሆዋ ነቶም ‘ርኹስ ረብሓ ዚደልዩ’ ሰባት ስምረቱ ኣይህቦምን እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 3:8) እምበኣር ንየሆዋ ኸተሐጕሶ እንተ ደሊኻ: ካብ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ምጥላዕ: ማለት ካብ ሎተሪን ካብ ቢንጎን ብውድድር ኣፍራስ ካብ ምጥላዕን ክትርሕቕ ኣሎካ። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ንስድራቤትካ ዜድልዮም ነገራት ንምምላእ ዜድልየካ ገንዘብ ይህልወካ።

ስርቂ: ማለት ናትካ ዘይኰነ ነገር ምውሳድ እውን ካልእ ዓይነት ስስዐ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ኣይትስረቕ” ይብል። (ዘጸኣት 20:15) እተሰርቀ ኣቕሓ ምግዛእን ንብረት ካልእ ብዘይ ፍቓድ ምውሳድን ጌጋ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “እቲ ዝሰረቐ: ነቲ ስኡን ዜማቕሎ ምእንቲ ኺህልዎስ: ጽቡቕ እናገበረ ደኣ በእዳዉ ይጽዐር እምበር: ደጊምሲ ኣይስረቕ” ይብል። (ኤፌሶን 4:28) ኣፍቀርቲ የሆዋ ኣብ ክንዲ ኻብ ኣስራሕቶም ግዜ ዚሰርቁ: ብቕንዕና እዮም ዚሰርሑ። ‘ብዅሉ ነገር ሓቀኛታት ኰይኖም እዮም ኪነብሩ ዚደልዩ።’ (እብራውያን 13:18 NW) ጽሩይ ሕልና ናይ ኣእምሮ ሰላም ንኺህልወካ ኣበርክቶ ይገብር እዩ።

ኣምላኽ ንሓደ ሓራቕ ሰብ ብኸመይ እዩ ዚርእዮ፧ መጽሓፍ ቅዱስ “ምስ ኰራዪ ሰብ ኣይትመሐዞ: ምስ ተቘጣዒ ኸኣ ኣይትኺድ” ብምባል የጠንቅቕ። (ምሳሌ 22:24) ክትቈጻጸሮ ዘይትኽእል ሕርቃን መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ዓመጻ እዩ ዚመርሕ። (ዘፍጥረት 4:5-8) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሕነ ምፍዳይ ከምዚ ይብል:- “ነቲ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ሰብ ጽቡቕ ዚኸውን ደኣ ሕሰቡ እምበር: ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ። ዚከአል እንተ ዀይኑስ: ብኣኻትኩም ዝመጸ: ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ። ፍቁራተይ፤ ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ: ኣነ ኽፈድዮ እየ: ይብል እግዚኣብሄር: ጽሑፍ እዩ እሞ: ነቲ መዓትሲ ስፍራ ሕደጉሉ እምበር: ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ።” (ሮሜ 12:17-19) ነዚ ምኽሪ እዚ ምስ እንስዕብ ህይወትና ዝያዳ ሰላማዊ ይኸውን: እዚ ድማ ንሓጐስና ኺውስኾ እዩ።

ክትዕወት ትኽእል ኢኻ

ካብዚ ዝረኣናዮ ብኣንጻሩ ንኽትገብር ጸቕጢ እናወረደካ ኽነሱ ንኣምላኽ ዘሎካ ንጽህና ኽትሕሉ ትኽእልዶ፧ እወ። ቃል ኣምላኽ “ወደየ: ነቲ ዚጸርፈኒ ምላሽ ምሃቡ ክኽእልሲ: ጥበበኛ ኹን: ንልበይውን ኣሐጕሶ” ስለ ዚብል: ሰይጣን ንጕዳይ ንጽህና ብዚምልከት ግጉይ ምዃኑ ኣብ ምርግጋጽ ኣምላኽ ክትዕወት ይደልየካ እዩ።—ምሳሌ 27:11

ኣብ ቅድሚኡ ቕኑዕ ዘበለ ንምግባር ብርታዐ ንኺህበካ ናብ የሆዋ ጸሎት ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ። (ፊልጲ 4:6, 7, 13) ስለዚ: ብዛዕባ እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎካ ፍልጠት ንምውሳኽ ጻዕሪ ግበር። ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመሃርካዮ ብሞሳ እንተ ኣስተንቲንካሉ ድማ: ንኣምላኽ ዘላትካ ፍቕሪ ኽትዓምቝ ኸምኡውን ንዕኡ ንኸተሐጕሶ ኽትድርኸካ እያ። ኣብ 1 ዮሃንስ 5:3 “ፍቕሪ ንኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ እሞ: ትእዛዛቱውን ኣይከቢድን እዩ” ዚብል ነንብብ። ኣብ ማሕበረሰብካ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትገብር ተሓጒሶም ኪሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። ምስቶም ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ንኽትራኸብ ወይ ናብ ሓተምቲ እዛ መጽሔት ንኽትጽሕፍ ዕድመ ነቕርበልካ።

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

እዮብ ኣብ ትሕቲ ፈተና እሙን ነበረ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎካ ፍልጠት ምውሳኽ: ነቲ ቕኑዕ ንምግባር ዝወሰድካዮ ቘራጽነት ኬደልድሎ እዩ