ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

በዓል ልደት ናበይ ገጹ እዩ ዚኸይድ ዘሎ፧

በዓል ልደት ናበይ ገጹ እዩ ዚኸይድ ዘሎ፧

በዓል ልደት ናበይ ገጹ እዩ ዚኸይድ ዘሎ፧

ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት: እታ ዩ.ኤስ. ኒውስ ኤንድ ዎርልድ ሪፖርት ዘርእስታ መጽሔት: “በዓል ልደት ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ” ዚብል ናይ ገበር ኣርእስቲ ሒዛ ወጺኣ ነበረት። እታ ዓንቀጽ: በዓል ልደት “ዝነጽሀን ንግዲ ዘይበዝሖን” ይኸውን እንተ ኣልዩ እያ ኣትኵሮ ገይራትሉ ነይራ። ብርግጽዶ ነገራት በዚ መገዲ እዚ እዩ ዚኸይድ ዘሎ፧

እታ ዓንቀጽ ነገራት ከምዚ ንኪኸውን ዘይንጽበየሉ ምኽንያት ገሊጻ ነበረት። “ክሳዕ እቲ ሮማዊ ሃጸይ ዝነበረ . . . ቆስጣንጢኖስ ዝነበረሉ ራብዓይ ዘመን ንምብዓል ልደት ክርስቶስ ዚገልጽ ዋላ ሓንቲ ወግዓዊ ጸብጻብ የለን” ብምባል ድማ ገለጸት። እዚ ኸኣ “የሱስ መዓስ ከም እተወልደ ዚፈልጥ ዋላ ሓደ ሰብ ከም ዘይነበረ ዚሕብር መርትዖ እዩ።” እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኸምዚ ብምባል ትእመን:- “ይትረፍዶ ወንጌላት ብዛዕባ የሱስ እተወልደሉ ወርሕን መዓልትን ኪገልጽሲ: ብዛዕባ እታ እተወልደላ ዓመት እውን ዚሕብሮ ነገር የለን።” ሓንቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቴክሳስ ጸሓፊት ታሪኽ ኰይና እትዓዪ ሰበይቲ እውን: “ቀዳሞት ክርስትያናት ንውልደት የሱስ ናይ ምብዓል ድሌት ኣይነበሮምን” በለት።

እታ ዓንቀጽ ኣብ ትሕቲ “ናይ ግምት ጕዳይ” ዚብል ንኡስ ኣርእስቲ: “ቤተ-ክርስትያን ንታሕሳስ 25 ዝመረጸታ ብኸመይ ምዃና” ገለጸት። ከምዚ ድማ በለት:- “እዚ በዓል እዚ ደይ መደይ ኢልካ ‘ክርስትና’ ዝለበሰ ሳቱርናልያ ወይ ካልእ ኣረማዊ በዓላት ምዃኑ ብሰፊሑ ተቐባልነት ረኺቡ ዘሎ ኣረኣእያ እዩ።” “መራሕቲ ኣብያተ-ክርስትያን ንበዓል ልደት ናብቲ ሰባት ቅድሚኡ እውን በዓል ዜብዕሉሉ ዝነበሩ መወዳእታ ታሕሳስ ብምውሳድ: ንምውላድ መድሓኒና ኣብ ኵሉ ቦታታት ከም ዚበዓል ገበሩ።” ኣብ መፋርቕ መበል 19 ዘመን ኣትኵሮ ሰባት ኣቕሑ ናብ ምዕዳግን ህያብ ናብ ምውህሃብን ተቐየረ። “እዚ ሓድሽ ልምዲ በዓል ልደት: ማለት ህያብ ናይ ምውህሃብ ልምዲ: ብቕልጡፍ ምንጪ ሃብቲ ዀነ፣ ብዙሕ ከይጸንሐ ድማ ነጋዶን ሰራሕቲ ረክላማትን ነዚ ወቕቲ እዚ ኼወዓውዕዎ ጀመሩ።”

ስለዚ: በዓል ልደት ካብቲ ንጹህ ክርስትና ኪርሕቕ እንተ ዘይኰይኑ: ብኻልእ መገዲ ንኪኸይድ ኣይንጽበዮን ኢና። ዋላኳ እዚ ዘመናዊ በዓል ልደት “እምብዛ ብልጭልጭ ብዝበዝሖ ንግዲ” ዝመልአ እንተ ዀነ: ናይ ሓቂ ክርስትያናት ግን ንውልደት የሱስ ከብዕሉ ፈጺሞም ኣይሓስብዎን እዮም። ካብዚ ፍልይ ብዝበለ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ: ነቲ የሱስ ብሞቱ ኸምኡውን ናብ ሰማይ ብምትንሳእ ዘቕረቦ በጃ ኣጕልሕ ኣቢሉ እዩ ዚገልጾ። (ማቴዎስ 20:28) እዚ ኸኣ ኣብ መጻኢ እውን እንተ ዀነ ኣገዳሲ ዀይኑ ኺነብር እዩ።