ኢብላ ተረሲዓ ዝነበረት ጥንታዊት ከተማ
ኢብላ ተረሲዓ ዝነበረት ጥንታዊት ከተማ
ኣብ ክረምቲ 1962 ሓደ ፓውሎ ማቲየ ዝስሙ ኢጣልያዊ ተመራማሪ ስነ-ጥንቲ: ገለ ኽረክብ ኢሉ ተስፋ ኸይገበረ ንጐላጕል ሰሜናዊ ምዕራብ ሶርያ መጽናዕቲ ገበረሉ። ውሽጣዊ ኽፋል ሶርያ ብመዳይ ስነ-ጥንቲ ኺርአ ኸሎ ሒደት ርኽበት ከም ዘለዎ እዩ ዚግመት ነይሩ። ይኹን እምበር: ድሕሪ ኽልተ ዓመት ካብ ኣሌፖ ብሸነኽ ደቡብ 60 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ተል ማርዲኽ እትበሃል ቦታ እተገብረ ዅዕታ መሬት: እቲ ብዙሓት ሰባት ‘ኣብ መበል 20 ዘመን እቲ ዝበለጸ ስነ-ጥንታዊ ርኽበት’ ዝበልዎ ነገር ተረኽበ።
ጥንታዊ ጽሑፋት ሓንቲ ኢብላ እትበሃል ከተማ ኸም ዝነበረት የረጋግጽ እዩ። ይኹን እምበር: ካብቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ተበታቲኑ ዚርከብ ብዙሕ ኵጀት ኣበየናይ ከም ዝነበረት ዚፈልጥ ኣይነበረን። ብዛዕባ እቲ ንጉስ ኣካድ ዝነበረ ሳርጎን ኣብ ልዕሊ “ማሪ: ያርሙቲ: ከምኡውን ኢብላ” ዝረኸቦ ዓወት ዚገልጽ ጽሑፍ ተረኺቡ ነበረ። ካልእ ጽሑፍ ድማ ንጉስ ሱመርያውያን ዝነበረ ጉዲ ኻብ “ኣኽራን ኢብላ” ዝመጸ ኽቡር ዕንጨይቲ ኸም እተቐበለ ይሕብር። እታ ኢብላ እትብል ስም ኣብቲ ኣብ ካርናክ: ግብጺ ዚርከብ ብዛዕባ እተን ፈርኦን ቱትሞስ ሳልሳይ ዝሰዓረን ጥንታዎት ከተማታት ዚሕብር ዝርዝር እውን ትርከብ እያ። እምበኣር: ስለምንታይ ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲ ንኢብላ ኺረኽብዋ ኸም ዝደለዩ ኽትርድኦ ትኽእል ኢኻ።
እቲ ብቐጻሊ እተገብረ ዅዕታ መሬት ውጽኢታዊ ነበረ። ብ1968 ክፋል ሓወልቲ እቲ ኢቢት-ሊም ዝስሙ ንጉስ ኢብላ ተረኽበ። ብኣካድኛ እተጻሕፈ ማሕላ ዝሓዘ ጽሑፍ ድማ ነበሮ፣ እዚ ጽሑፍ እዚ ነታ ኢሽታር እትበሃል “ኣብ ኢብላ ውርይቲ” ዝነበረት ኣምላኽ እተወፈየ ኸም ዝዀነ ዚገልጽ ነበረ። እወ: ስነ-ጥንታዊ ርኽበታት: “ሓድሽ ቋንቋ: ሓድሽ ታሪኽ: ከምኡውን ሓድሽ ባህሊ” ኺረክብ ጀመረ።
ብ1974/75 ነዛ ጥንታዊት ከተማ እዚኣ ብተደጋጋሚ ዚጠቅስ ጽላት ምስ ተረኽበ: ጥንታዊት ኢብላ ኣብዚ ሕጂ ተል ማርዲኽ ዚበሃል ቦታ ኸም ዝነበረት ርጉጽ ኰነ። እተገብረ ዅዕታ መሬት ድማ እዛ ኸተማ እዚኣ እንተ ወሓደ ኣብ ክልተ እተፈላለየ እዋናት ከም ዝነበረት ዚሕብር እዩ ነይሩ። ንእተወሰነ እዋን ጸብለልታ ድሕሪ ምርካብ ዓነወት። ከም ብሓድሽ ተሃንጸት: ብድሕርዚ ድማ እንደገና ዓነወት፣ ንዘመናት ከኣ ተረስዐት።
ሓንቲ ኸተማ: ብዙሕ ታሪኽ
መብዛሕትአን ጥንታውያን ከተማታት ኣብ ድበት ዘለዎ ለሰታት: ማለት ኣብ መንጎ ፈለግ ጢግሪስን ኤፍራጥስን ዝኣመሰለ ጽቡቕ ሕርሻ ኸተካይደሉ እትኽእለሉ ቦታታት እየን ዚህነጻ ነይረን። እተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሳ ናይ መጀመርታ ኸተማታት ኣብ መሶጶታምያ እየን ነይረን። (ዘፍጥረት 10:10) እታ ኢብላ እትብል ስም “ጻዕዳ ኸውሒ” ማለት ክትከውን ትኽእል እያ: እዚ ድማ ነቲ እታ ኸተማ ተሰሪታትሉ ዝነበረት እምኒ ኖራ ንምጥቃስ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ቦታ እዚ እተመርጸሉ ምኽንያት: ኣብኡ ዘሎ ቐጸላ እምኒ ኖራ: ፈልፋሊ ማይ ከም ዚህሉ ዚገብር ብምንባሩ ኪኸውን ኣለዎ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ኻብ ዓበይቲ ሩባታት ርሒቑ ዚርከብ ቦታታት ኣገዳሲ እዩ ነይሩ።
እቲ ኣብ ኢብላ ዚወቅዕ ዝነበረ ዝናብ ኣብቲ ኸባቢ እኽልን ወይንን ኣውሊዕን ብሰፊሑ ንኺፈሪ ዚገብር ነበረ። እቲ ቦታ ንምርባሕ ማል: ብፍላይ ከኣ ንምርባሕ ኣባጊዕ ዚምሽው ነበረ። ኢብላ ኣብ መንጎ ጐላጕል መሶጶታምያን ገማግም መዲተራነያን ብምንባራ ስትራተጅያዊ ኣቀማምጣ እዩ ነይርዋ: እዚ ኸኣ ናይ ዕንጨይትን ኣእማንን ብረትን ንግዲ ኸም ዚህልዋ ገበረ። እታ ኸተማ 200,000 ዝዀኑ ሰባት ዚነብሩሉ ኣውራጃ ትቈጻጸር ነበረት: ዓሰርተ ሚእታዊት ካብዚኣቶም ድማ ኣብታ ርእሲ ኸተማ ይነብሩ ነበሩ።
ፍርስራስ እቲ ዓብዪ ቤተ-መንግስቲ: ዕቤት ስልጣነ ኢብላ ዜርኢ ሓደ መርትዖ እዩ። ናብቲ ቤተ-መንግስቲ ኽትኣቱ እንተ ደሊኻ: በቲ ኻብ 12-15 ሜተር ዝንውሓቱ ዓብዪ
ማዕጾ ኽትሓልፍ ኣሎካ። እቲ ቤተ-መንግስቲ ኻብ ግዜ ናብ ግዜ እናሰፍሐ እዩ ዚኸይድ ነይሩ: እዚ ኸኣ ነቲ እናዓበየ ዚኸይድ ዝነበረ ሓያል ምምሕዳር ውሕስነት ንምሃብ ተባሂሉ እዩ። ሰበ-ስልጣን ኣብ ትሕቲ እቲ ንጉሳዊ ስልጣን ይዓዩ ነበሩ: እቲ ንጉስን እታ ንግስትን ድማ ካብቶም “ጐይቶት” ከምኡውን ካብቶም “ሽማግለታት” ሓገዝ ይረኽቡ ነበሩ።ልዕሊ 17,000 ዚኸውን ጽላት ካይላን ቍርጽራጽን ተረኺቡ እዩ። ብዕንጨይቲ ኣብ እተሰርሐ ኸብሒ ብጥንቃቐ እተቐመጠ ልዕሊ 4,000 ዚኸውን ምሉእ ጽላት ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ሰነዳት እዚ ኢብላ ኣዝዩ ሰፊሕ ንግድ ተካይድ ከም ዝነበረት ዚሕብር መርትዖ ዝሓዘ እዩ። ንኣብነት: ከምቲ ንጉሳዊ ኣርማ ኽልተ ፈርኦናት ዚሕብሮ: እታ ኸተማ ምስ ግብጺ ንግዲ ተካይድ ነበረት። እቲ ጽላት ብቐንዱ ብቛንቋ ሱመርኛ እዩ ተጻሒፉ። ገሊኡ ግን ብቛንቋ ኢብላኛ: ማለት በቲ ጥንታዊ ቛንቋ ሴማዊ እዩ ተጻሒፉ፣ ከምዚ ዓይነት ቋንቋ ኸም ዝነበረ ኺፍለጥ ዝኸኣለ ድማ ሳላ እዚ ሰነድ እዚ እዩ። ምብራቓውያን እውን ከይተረፉ ኸምዚ ዝዓይነቱ ጥንታዊ ሴማዊ ቛንቋ ብምንባሩ ተገሪሞም እዮም። ገሊኡ ጽላት: ዝርዝር ቋንቋታት ሱመርኛን ኢብላኛን ብድርብ ዝሓዘ ምዃኑ ምፍላጥካ የገርመካ ይኸውን። እታ ኢብላ—ኣለ ኦርጂኒ ደላ ቺቪልታ ኡርባና (ኢብላ—መበቈል ከተማዊ ምዕባለ) ዘርእስታ መጽሓፍ: ነዚ ጽላት እዚ “ኻብ እንፈልጦም መዝገበ-ቓላት እቲ ዝነውሐ ዕድመ ዘለዎ” ብምባል ጸውዓቶ።
ኢብላ ወተሃደራዊ ሓይሊ እውን ነይርዋ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ከመይሲ: ሓደ ወተሃደር ኢብላ ንጸላኢኡ ኪቐትል ከሎ ወይ ከኣ ነቲ እተቘርጸ ርእሲ ጸላኢ ናብ ኣምላኹ ኬቕርቦ ኸሎ ዜርኢ ተዃዒቱ ዝወጸ ቕርጾ ተረኺቡ እዩ። ይኹን እምበር: ሓይልታት ኣሶርን ባቢሎንን ምስ ተንስኡ: ዝና ኢብላ ኣብቅዐ። ነዚ ፍጻመታት እዚ ንድሕሪት ተመሊስካ ምርካብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ: ኰይኑ ግን ሳርጎን ቀዳማይ (እቲ ኣብ ኢሳይያስ 20:1 እተጠቕሰ ሳርጎን ኣይኰነን) ከምኡውን ወዲ ወዱ ናራም-ሲን ኣንጻር ኢብላ ዝዘመቱ እዩ ዚመስል። እቲ ስነ-ጥንታዊ መርትዖ ኸም ዚሕብሮ: እቲ ውግእ ኣዝዩ ብርቱዕ እዩ ነይሩ፣ እቲ መጥቃዕቲ እውን ጭካነ ዝመልኦ ነበረ።
ከምቲ እተጠቕሰ ግን ድሕሪ እተወሰነ ግዜ እታ ኸተማ እንደገና ተሃንጸት: ኣብቲ ኸባቢ እውን ከም ብሓድሽ ኣገዳስነት ረኸበት። እዛ ሓዳስ ከተማ እዚኣ ጥንቃቐ ብዝመልኦ ንድፊ እያ ተሃኒጻ: እዚ ድማ ካብ ቅድሚኡ ንላዕሊ ምዕርግቲ ኸም እትኸውን ገበራ። ኣብቲ ታሕተዋይ ክፋል እታ ኸተማ ነታ ኢሽታር ዝስማ ብባቢሎናውያን እውን ኣምላኽ ምርባሕ ከም ዝዀነት ጌርካ እትርአ ዝነበረት እተወፈየ ቕዱስ ቦታ ነበረ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ፍርስራስ ባቢሎን እተረኽበ
ውሩይ ደገ ኢሽታር ሰሚዕካ ትኸውን ኢኻ። ካብቲ ኣብ ኢብላ ዝነበረ እቲ ዝበለጸ ህንጻ: መንበሪ እቶም በታ እትምለኽ ኢሽታር ቅዱሳት ጌርካ ዚረኣዩ ዝነበሩ ኣናብስ እዩ ነይሩ። እዚ ኸኣ ናብቲ ኣብ ኢብላ ዝነበረ ሃይማኖት ይወስደና።ሃይማኖት ኣብ ኢብላ
ከምቲ ኣብ ካልኦት ቦታታት ጥንታዊ ምብራቕ ዝነበረ: ኣብ ኢብላ እውን ናይ ኣማልኽቲ ቤት ጣኦት ነይሩ እዩ። ካብዞም ኣማልኽቲ እዚኣቶም ድማ በዓል: ሃዳድ (ክፋል ስም ገሊኦም ነገስታት ሶርያ): ከምኡውን ዳጋን ይርከብዎም። (1 ነገስት 11:23፣ 15:18፣ 2 ነገስት 17:16) ኢብላናውያን ንዅሎም ይፈርህዎም ነበሩ። ንኣማልኽቲ ኻልኦት ህዝብታት እውን የኽብሩ ነበሩ። ስነ-ጥንታዊ ርኽበታት ከም ዚሕብሮ: ብፍላይ ኣብ ካልኣይ መዋእል ቅ.ክ. ነቶም ከም ኣምላኽ ጌርካ ዚረኣዩ ንጉሳውያን ኣባሓጎታት ኣምልኾ ይግበረሎም ነበረ።
ኢብላናውያን ንኣማልኽቶም ምሉእ ብምሉእ ኣይኣምኑሎም እዮም ነይሮም። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እያ እታ ኸም ብሓድሽ እተሃንጸት ኢብላ ኣዝዩ ዚምስጥ ድርብ መንደቕ ዝነበራ: እዚ ኸኣ ንዝዀነ ይኹን ጸላኢ ዜደንቕ እዩ ነይሩ። ዙርያ እቲ ብሸነኽ ደገ ዝነበረ መንደቕ: ዳርጋ ሰለስተ ኪሎ ሜተር ዚኸውን እዩ ነይሩ። ኣብዚ እዋን እዚ እውን እንተ ዀነ ኣበይ ከም ዝነበረ ኽትፈልጦ ይከኣል እዩ።
ይኹን እምበር: እታ ኸም ብሓድሽ እተሃንጸት ኢብላ እውን እንተ ዀነት ዓንያ እያ። ምናልባት ሔታውያን ብ1600 ቅ.ክ. ነታ ኣብ ሓደ እዋን ዓብዪ ሓይሊ ኸም ዘለዋ ጌርካ እትርአ ዝነበረት ኢብላ ንመወዳእታ ግዜ ስዒሮምዋ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ብመሰረት ሓደ ጥንታዊ ግጥሚ: ኢብላ “ኸም ሳርማ ካይላ እያ ተሓማሺሻ።” ድሕሪ ሓጺር እዋን ከኣ ካብ ታሪኽ ጠፍአት። እቶም ብ1098 ናብ የሩሳሌም ዝመረሹ መስቀላውያን ተዋጋእቲ ብዛዕባ እታ ኢብላ ዝነበረትላ ቦታ ሓደ ሰነድ ጽሒፎም ነበሩ፣ ነታ ቦታ ድማ ካብ የሩሳሌም ርሕቕ ኢሉ ኣብ ዝነበረ ቦታ እትርከብ ማርዲኽ እትበሃል ቦታ ኢሎም ጠቒሶምዋ ነበሩ። ኢብላ ቐስ ብቐስ ተረስዐት: ድሕሪ ነዊሕ ዘመናት ድማ ከም ብሓድሽ ተረኽበት።
[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ እስሊ]
ኢብላን መጽሓፍ ቅዱስን
ብ1976 ኣብታ ቢብሊካል ኣርኪኦሎጂስት ዘርእስታ መጽሔት እተሓትመ ዓንቀጽ: ንህንጡይነት ምሁራን መጽሓፍ ቅዱስ ኣለዓዒልዎ ነበረ። እቲ ኣብ ኢብላ ጽላት ዝረኸበ ሰብ: ገለ ኻብቲ ኣብኡ እተጠቕሰ ነገራት: እቲ ድሕሪ ዘመናት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሰ ስማት ሰባትን ቦታታትን ዚሕብር ኪኸውን ከም ዚኽእል ገለጸ። ገሊኦም ምሁራን ክንዮ እታ ዓንቀጽ እትገልጾ ብምኻድ: ኢብላ ንሓቅነት ጸብጻብ ዘፍጥረት ዚገልጽ ስነ-ጥንታዊ መርትዖ ኺህልዋ ኸም ዚኽእል ኪጽሕፉ ጀመሩ። a ሚቸል ዳሁድ ዚበሃል ጀስዊት: “እቲ [ኣብ ኢብላ] እተረኽበ ጽላት ካይላ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሕቡእ ነገራት ዜብርህ እዩ“ በለ። ከም ኣብነት እኳ “ንጥንታውነት ስም ኣምላኽ እስራኤል ብዚምልከት ንዚለዓል ጸገም” ኣብ ምፍታሕ ኪሕግዝ ይኽእል እዩ ኢሉ ይኣምን ነበረ።
ኣብዚ እዋን እዚ: እቲ ጽሑፋት ብዓብዪ ጥንቃቐ እዩ ዚምርመር ዘሎ። ቋንቋ እብራይስጥን ኢብላን ሴማዊ ቛንቋታት ብምዃኑ: ገሊኡ ስማት ከተማታትን ሰባትን ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ተመሳሳሊ ኪኸውን ከም ዚኽእል ዚከሓድ ኣይኰነን። እዚ ግን ብልክዕ ንሕደ ቦታታትን ሰባትን የመልክት ማለት ኣይኰነን። እቲ ኣብ ኢብላ ዚርከብ ርኽበት ክሳዕ ክንደይ ንመጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚጸልዎ ኣብ መጻኢ ዚርአ ነገር እዩ። እቲ ነታ ኣብ ቢብሊካል ኣርኪኦሎጂስት ዝወጸት ዓንቀጽ ዝጸሓፈ ሰብ: ንስም ኣምላኽ ብዚምልከት: ኣብቲ ኣብ ኢብላ እተረኽበ ጽሑፍ “ያህወህ” ዚብል ኣሎ ኸም ዘይበለ ገሊጹ እዩ። ገሊኦም ምሁራን: እቲ ጃ ብምባል እተተርጐመ ምልክት ንቤት ኣምልኾ ሓደ ኻብቶም ኣማልኽቲ ኢብላ እዩ ዜመልክት ይብሉ፣ ካልኦት ብዙሓት ክኢላታት ድማ ካብ ስዋስዋዊ ምልክት ንላዕሊ ትርጕም ከም ዘይብሉ ይገልጹ። ዝዀነ ዀይኑ ግን ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ኣየመልክትን እዩ።—ዘዳግም 4:35፣ ኢሳይያስ 45:5
[እግረ-ጽሑፍ]
a ስነ-ጥንቲ ንጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚድግፎ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ: ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ—ቃል ኣምላኽ ድዩ ወይስ ቃል ሰብ፧ (እንግሊዝኛ) ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ምዕራፍ 4 ተወከስ።
[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ካርታ/ስእሊ]
(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)
ዓብዪ ባሕሪ
ከነኣን
ሶርያ
ኣሌፖ
ኢብላ (ተል ማርዲኽ)
ፈለግ ኤፍራጥስ
[ምንጪ ስእሊ]
Archaeologist: Missione Archeologica Italiana a Ebla - Università degli Studi di Roma ‘La Sapienza’
[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]
ፍርስራስ እቲ ዓብዪ ቤተ-መንግስቲ
[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ከባቢ 1750 ቅ.ክ. ዝነበረ ብወርቂ እተሰርሐ ስልማት ክሳድ
[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]
ጽላት ካይላ ኣብ መዝገብ ዚቕመጠሉ ዝነበረ ኣገባብ ዜርኢ ስእሊ
[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]
ጽላት
[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]
ብ1759-1700 ቅ.ክ. ዝነበረ ንጉሳዊ በትሪ ግብጺ
[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]
ወተሃደር ኢብላ: ርእሲ ሓደ ጸላኢ ሒዙ ኸሎ
[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]
ነታ ኢሽታር እትበሃል ኣምላኽ እተወፈየ ሓወልቲ
[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
Missione Archeologica Italiana a Ebla - Università degli Studi di Roma ‘La Sapienza’
[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
All images (except palace remains): Missione Archeologica Italiana a Ebla - Università degli Studi di Roma ‘La Sapienza’