ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቅኑዕ መልስታት ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ

ቅኑዕ መልስታት ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ

ቅኑዕ መልስታት ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ

ጥዕናይ ክከናኸን ዝኽእል ብኸመይ እየ፧

ኣብ ናብራ ስድራቤተይ ዝያዳ ሕጉስ ንክኸውን እንታይ እንተ ገበርኩ ይሓይሽ፧

ነቲ ዘሎኒ ስራሕ ሒዘ ክቕጽል ዝኽእል ብኸመይ እየ፧

ከምዚ ዓይነት ሕቶታት ሓቲትካዶ ትፈልጥ፧ ግብራዊ ዝዀነ መልሲኸ ረኺብካዶ፧ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብዛዕባ እዝን ካልእ ኣገዳሲ ርእሰ ነገርን ዚገልጽ ገለ 2,000 ኣቢሉ ዚኸውን እተፈላለየ መጻሕፍቲ ይሕተም። ኣብ ብሪጣንያ ጥራይ: ሰባት ነቲ ኣብ ህይወት ዜጋጥመካ ጸገማት ብኸመይ ከም እትዋጽኣሉ ዚገልጽ መጻሕፍቲ ንምዕዳግ 80 ሚልዮን ፓውንድ (ዳርጋ 150 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ) የውጽኡ። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ: መሸጣ እቲ ሰባት ብኸመይ ንርእሶም ኪሕግዙ ኸም ዚኽእሉ ዚገልጽ መጽሓፍ: ኣብ ዓመት ልዕሊ 600 ሚልዮን ዶላር በጺሑ ኣሎ። ብርግጽ እምበኣር: ንዕለታዊ ህይወት ብኸመይ ከም እትዋጽኣሉ ዚገልጽ ጽቡቕ ምኽሪ ዚደልዩ ብዙሓት እዮም።

ሓደ ደራሲ ብዛዕባ እቲ ኣብዚ ማእለያ ዘይብሉ መጻሕፍቲ ዚርከብ ምኽሪ ኺገልጽ ከሎ: “መብዛሕትኡ ሓድሽ መጻሕፍቲ ነቲ ኣቐዲሙ እተጻሕፈ ነገራት እዩ ዚደጋግም” በለ። መብዛሕትኡ ኣብዚ መጻሕፍቲ ዚርከብ ምኽሪ: ነቲ ኣብ ሓደ ጥንታዊ መጽሓፍ ዚርከብ ጥበብ እዩ ዜቃልሕ። እዚ መጽሓፍ እዚ ኻብቲ ኣብዛ ዓለም ዚርከብ መጻሕፍቲ ብሰፊሑ እተዘርግሐ መጽሓፍ እዩ። ብምሉእ ይኹን ብኸፊል ብ2,400 ቋንቋታት ተተርጒሙ እዩ። ኣብ መላእ ዓለም ብጠቕላላ ልዕሊ 4.6 ቢልዮን ቅዳሕ ተሓቲሙ ኣሎ። እዚ መጽሓፍ እዚ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓሊፉ ኻልእ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ: “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ: ንተግሳጽ: ንምቕናዕ: ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ” ይብል። (2 ጢሞቴዎስ 3:16-17) ሓቂ እዩ: መጽሓፍ ቅዱስ ሰባት ርእሶም ንኺሕግዙ ተባሂሉ እተጻሕፈ መጽሓፍ ኣይኰነን። እቲ ቐንዲ ዕላማኡ ኣምላኽ ንደቅሰብ ዘለዎ ፍቓድ ንምግላጽ እዩ። ኰይኑ ግን ነቲ ዅሉ ሳዕ ዜጋጥመና ጸገማት ብኸመይ ከም እንዋጽኣሉ ዚገልጽ ብዙሕ ሓበሬታ ሒዙ ኣሎ፣ እቶም ነቲ ዚህቦ መምርሒ ዚስዕቡ ሰባት ድማ ጥቕሚ ዜምጽኣሎም ነገራት ከም ዚፈልጡ ይመባጻዕ። (ኢሳይያስ 48:17, 18) ሓደ ሰብ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ግብራዊ ምኽሪ ኣብ ግብሪ እንተ ኣውዒልዎ: ዓሌቱ: ባህሉ: ወይ ደረጃ ትምህርቱ ብዘየገድስ: ኵሉ ሳዕ ይሰልጦ እዩ። ስለምንታይ እሞ ነዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ ብምምርማር: ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጥዕና: ስድራቤት: ከምኡውን ብዛዕባ ስራሕ ዚብሎ ነገር ግብራዊ እንተ ዀይኑ ዘይትርእዮ፧