ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቃል ኣምላኽ ንስጕምትታትካ ይምርሓዮ

ቃል ኣምላኽ ንስጕምትታትካ ይምርሓዮ

ቃል ኣምላኽ ንስጕምትታትካ ይምርሓዮ

“ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ: ንመገደይ ብርሃን እዩ።”—መዝሙር 119:105

1, 2. መብዛሕትኦም ሰባት ናይ ሓቂ ሰላምን ሓጐስን ኪረኽቡ ዘይከኣሉ ስለምንታይ እዮም፧

 ንሰብ መገዲ ኺሕብረካ ዝሓተትካሉ እዋን ትዝዶ ይብለካ፧ ምናልባት ናብቲ ዝደለኻዮ ቦታ ቐሪብካ እኳ እንተ ነበርካ: በየነይቲ ዅርናዕ ከም እትጥወ ግን ተጠራጢርካ ትኸውን። ወይ ከኣ ምሉእ ብምሉእ ስለ ዝጠፋእካ: መገድኻ ኸተዐሪ ኣድልዩካ ይኸውን። ዝዀነ ዀይኑ: ነቲ ቦታ ዚፈልጦ ሰብ ዚህበካ መምርሒ ምስዓብዶ ዝሓሸ ኣይኰነን፧ ከምዚ ዓይነት ሰብ ኣብቲ እትደልዮ ቦታ ንኽትበጽሕ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

2 ደቅሰብ ብሓፈሻ ንኣሽሓት ዓመታት ብዘይ ሓገዝ ኣምላኽ ንህይወቶም ኪመርሑ ፈቲኖም እዮም። ይኹን እምበር: ዘይፍጹማት ሰባት ንበይኖም ተስፋ የብሎምን። ነታ ናብ ናይ ሓቂ ሰላምን ሓጐስን እትመርሕ መገዲ ኺረኽብዋ ኣይክእሉን እዮም። ኣብቲ ዝደለይዎ ኺበጽሑ ዘይከኣሉ ስለምንታይ እዮም፧ ኣስታት 2,500 ዓመት ይገብር ነብዪ ኤርምያስ “መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ: እቲ ዚመላለስውን ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዜብሉ: እፈልጥ አሎኹ” በለ። (ኤርምያስ 10:23) ዝዀነ ይኹን ብዘይ ብቑዕ ሓገዝ ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዚፍትን ሰብ: ኣብ መወዳእታኡ ኻብ ብስጭት ኣየምልጥን እዩ። ደቅሰብ ብሓቂ መምርሒ የድልዮም እዩ!

3. የሆዋ ኣምላኽ ንደቅሰብ መምርሒ ንኺህብ ዜኽእሎ ብሉጽ ብቕዓት ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧ እንታይ መብጽዓኸ እዩ ኣትዩልና፧

3 የሆዋ ኣምላኽ ከምዚ ዝኣመሰለ መምርሒ ንኺህበና ዜኽእሎ ብሉጽ ብቕዓት ኣለዎ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ኣፈጣጥራ ሰባት ካብ ዝዀነ ይኹን ንላዕሊ ይርድኦ እዩ። ሰባት መገዶም ብኸመይ ከም ዝሰሓቱን ብኸመይ ከም ዝጠፍኡን ኣጸቢቑ ይግንዘብ እዩ። ናብ መገዶም ንኺምለሱ እንታይ ከም ዜድልዮም እውን ይፈልጥ እዩ። ብዘይካዚ: ፈጣሪ ስለ ዝዀነ: ንዓና ልዕሊ ዅሉ ዚጠቅም ነገር ወትሩ ይፈልጥ እዩ። (ኢሳይያስ 48:17) ስለዚ: ነቲ ኣብ መዝሙር 32:8 ተመዝጊቡ ዘሎ: “ኣነ ኽምህረካ: ነታ እትኸደላ መገዲ ድማ ከርእየካ እየ: ዓይነይ ናባኻ ኣቢለውን ክመኽረካ እየ” ዚብል መብጽዓ ምሉእ ብምሉእ ክንተኣማመነሉ ንኽእል ኢና። እወ: የሆዋ እቲ ዝበለጸ መምርሒ ኸም ዚህበና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ኰይኑ ግን: ብኸመይ እዩ ዚመርሓና፧

4, 5. ቃል ኣምላኽ ብኸመይ ኪመርሓና ይኽእል፧

4 ሓደ ጸሓፍ መዝሙር ብጸሎት ኣቢሉ ንየሆዋ: “ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ: ንመገደይ ብርሃን እዩ” በሎ። (መዝሙር 119:105) ኣምላኽ እተዛረቦ ዘረባታትን መዘኻኸሪታትን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ይርከብ እዩ: ኣብ መገድና ኼጋጥመና ዚኽእል ዕንቅፋታት ንኽንሰግር እውን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። እወ: መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብን ኪመርሓና ኽንፈቕደሉን ከለና: ነቲ ኣብ ኢሳይያስ 30:21 ዚርከብ “ኣእዛንካ: እዚኣ እያ እታ መገዲ: ብእኣ ተመላለሱ: ዚብል ቃል ኣብ ድሕሬኻ ኺሰምዓ እየን” ዚብል ቃላት ኢና ባዕልና እንምከሮ።

5 ኣብ መዝሙር 119:105 ግን ካብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ክልተ ዚዛመድ ጥቕምታት እዩ ተሓቢሩ ዘሎ። ቀዳማይ: ንእግርና መብራህቲ ዀይኑ የገልግለና። መዓልታዊ ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ: በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መሰረታዊ ስርዓታት ተመሪሕና ጥበባዊ ውሳነታት ንገብር: ካብቲ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘሎ መጻወድያታትን መፈንጠራታትን ከኣ ነምልጥ። ካልኣይ: መዘኻኸሪታት ኣምላኽ ንመገድና ብርሃን እዩ። ከምዚ ኺበሃል ከሎ ድማ ነቲ ንዘለኣለም ኣብታ ኣምላኽ እተመባጽዓ ገነት ንምንባር ዘሎና ተስፋ ኣብ ግምት ብምእታው ምርጫታት ንገብር ማለት እዩ። ኣብቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ መገዲ እኹል ብርሃን ስለ ዘሎ: እተወሰነ ዓይነት ኣካይዳ ዜስዕቦ ጽቡቕ ኰነ ሕማቕ ሳዕቤናት ከነስተውዕል ንኽእል ኢና። (ሮሜ 14:21፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:9፣ ራእይ 22:12) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ቃል ኣምላኽ ከመይ ገይሩ ንእግርና መብራህቲ: ንመገድና ብርሃን ከም ዚኸውን ብዝርዝር እስከ ንርአ።

“ንእግረይ መብራህቲ”

6. ቃል ኣምላኽ ንእግርና መብራህቲ ዚኸውን ኣብ ትሕቲ ኸመይ ዝበለ ዅነታት እዩ፧

6 መዓልታዊ ውሳነታት ንገብር ኢና። ገሊኡ ውሳነታት ምስ ካልእ ኪነጻጸር ከሎ ብዙሕ ኣገዳስነት ዘይብሉ ኺመስል ይኽእል እዩ። ሓድሓደ ግዜ ግን ንስነ-ምግባራዊ መትከልና: ንሓቀኛነትና: ወይ ንገለልትነትና ዚፍትን ኵነታት ኬጋጥመና ይኽእል እዩ። ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ብዓወት ንምስጋሩ: ‘ንልቦናና ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ ከነላምዶ’ ኣሎና። (እብራውያን 5:14) ርጡብ ፍልጠት ቃል ኣምላኽ ብምጥራይን ብዛዕባ መሰረታዊ ስርዓታቱ ዘሎና ምርዳእ ብምስፋሕን: ንሕልናና ኣሰልጢንና ንየሆዋ ዜሐጕሶ ውሳነታት ክንገብር ንኽእል።—ምሳሌ 3:21

7. ሓደ ክርስትያን ምስ ዘይኣማኒ መሳርሕቱ ኺቀራረብ መገዲ ዚኸፍተሉ ዅነታት ግለጽ።

7 ሓደ ኣብነት እስከ ንውሰድ። ልቢ የሆዋ ኸተሐጕስ ብሓቂ እትጽዕር ዘለኻ በጽሒ ዲኻ፧ (ምሳሌ 27:11) ከምኡ እንተ ዄንካ: ክትነኣድ ይግብኣካ። ኰይኑ ግን: ገሊኦም መሳርሕትኻ ናብ ሓደ ስፖርታዊ ምርኢት ምስኦም ሓቢርካ ንኽትከይድ ትኬት ዓዲጎምልካ ንበል። ኣብ ስራሕ ብሓባር እተሕልፍዎ ግዜ ባህ ይብሎም: ድሕሪ ስራሕ ከኣ ምሳኻ ግዜ ኼሕልፉ ይደልዩ። እዞም ውልቀ-ሰባት እዚኣቶም ክፉኣት ሰባት ከም ዘይኰኑ ይስምዓካ ይኸውን። ገለ ጽቡቕ ባህርያት እውን ይህልዎም ይኸውን። እንታይ ኢኻ እትገብር፧ ዘቕረቡልካ ዕድመ ምቕባልካ ገለ ሓደጋ ኣለዎዶ፧ ኣብዚ መዳይ እዚ ጽቡቕ ውሳነ ንኽትገብር ቃል ኣምላኽ ብኸመይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

8. ንዕርክነት ብዚምልከት እንታይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት እዩ ንኸነመዛዝን ዚሕግዘና፧

8 ብዛዕባ እተወሰነ ቕዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት እሞ ሕሰብ። እቲ ናብ ኣእምሮኻ ዚመጽእ ቀዳማይ ስርዓት ኣብ 1 ቈረንቶስ 15:33 ዚርከብ “ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የጥፍኦ እዩ” ዚብል ኪኸውን ይኽእል እዩ። ነዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ ንኽንሕሉ: ካብ ዘይኣመንቲ ምሉእ ብምሉእ ክንርሕቕ የድሊ ድዩ፧ ቅዱስ ጽሑፋዊ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ‘ኣይፋልን’ ዚብል እዩ። ከመይሲ: ሃዋርያ ጳውሎስ ንባዕሉ “ንዅላቶም” ሰባት: እንተላይ ንዘይኣመንቲ: ፍቕራዊ ሓልዮቱ ኣርእዩ እዩ። (1 ቈረንቶስ 9:22) ክርስትና ንባዕሉ ንኻልኦት ሰባት: እንተላይ ነቶም ከም ናትና ዓይነት እምነት ዘይብሎም ሰባት: ክንግደሰሎም ይሓተና እዩ። (ሮሜ 10:13-15) ካብቶም ሓገዝና ኼድልዮም ዚኽእል ሰባት እንተ ተፈሊና: ከመይ ጌርና ኢና ነቲ “ንዅሉ ሰብ . . . ሰናይ ንግበር” ዚብል ምኽሪ ኽንዓየሉ እንኽእል፧—ገላትያ 6:10

9. ምስ መሳርሕትና ኣብ ዘሎና ርክብ ሚዛናውያን ንኽንከውን ዚሕግዘና እንታይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምኽሪ እዩ፧

9 ንመሳርሕቲ ምቕሉል ምዃን ኪበሃል ከሎ ግን: ምስቲ ሰብ እቲ ጥብቂ ምሕዝነት ካብ ምምስራት ኣጸቢቑ ይፍለ እዩ። ኣብዚ ኸኣ ሓደ ኻልእ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓት ከነእቱ ኣሎና። ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት: “ምስቶም ዘይአምኑ ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ” ኢሉ ኣጠንቀቖም። (2 ቈረንቶስ 6:14) እታ “ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ” እትብል ሓረግ እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዋ፧ ገሊኡ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ነዘን ቃላት እዚኣተን: “ኣይትሕበሩ:” “ማዕሪኦም ብሓባር ኣይትዕየዩ:” ወይ “ዘይግቡእ ርክብ ካብ ምግባር ተቘጠቡ” ኢሉ ተርጒምወን ኣሎ። ምስ ሓደ መሳርሕቲ ዚህሉ ርክብ: ዘይግቡእ ዚኸውን ኣበይ ደረጃ ምስ በጽሐ እዩ፧ መስመር ሰጊሩ ኣብ ሓደ ኣርዑት ከም እትጽመድ ዚገብረካ መዓስ እዩ፧ እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዚ ዅነታት እዚ ንስጓሜና ኬቕንዓልና ይኽእል እዩ።

10. (ሀ) የሱስ ናይ ቀረባ ብጾቱ ብኸመይ ይመርጽ ነበረ፧ (ለ) ሓደ ሰብ ብዛዕባ ዕርክነቱ ጽቡቕ ውሳነታት ንኺገብር ዚሕግዞ ሕቶታት እንታይ እዩ፧

10 የሱስ ዝገደፎ ኣብነት ንርአ። የሱስ ካብ መጀመርታ ፍጥረት ኣትሒዙ ንደቅሰብ የፍቅሮም ነበረ። (ምሳሌ 8:31) ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እውን ምስ ሰዓብቱ ጥብቂ ርክብ ነበሮ። (ዮሃንስ 13:1) ንሓደ ብሃይማኖታዊ መገዲ እተጋገየ ሰብ እኳ: ከም ‘ዝፈተዎ’ ተገሊጹ ኣሎ። (ማርቆስ 10:17-22) ኰይኑ ግን: የሱስ ብዛዕባ እቶም ናይ ቀረባ ብጾቱ ኪዀኑ ዚደልዮም ሰባት ንጹር ደረት ነበሮ። ምስቶም ብሓቂ ፍቓድ ኣቦኡ ኺገብሩ ዘይደልዩ ሰባት ጥብቂ ርክብ ኣይነበሮን። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ: “ንስኻትኩም እዚ ዝአዘዝኩኹም ዘበለ ዅሉ እንተ ገበርኩም: ኣዕሩኸይ ኢኹም” በለ። (ዮሃንስ 15:14) ሓቂ እዩ: ምስ ሓደ መሳርሕትኻ ትሳነዩ ትዀኑ። ኰይኑ ግን: ንርእስኻ ነዘን ሕቶታት እዚኣተን ሕተት:- ‘እዚ ሰብ እዚ ነቲ የሱስ ዝኣዘዞ ኺገብር ፍቓደኛ ድዩ፧ ብዛዕባ እቲ የሱስ ከነምልኾ ኸም ዘሎና ዝኣዘዘና የሆዋ ኺመሃር ይደሊ ድዩ፧ ከምቲ ኣነ ኸም ክርስትያን መጠን ዘሎኒ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ድዩ ዘለዎ፧’ (ማቴዎስ 4:10) ምስ መሳርሕትኻ ኽትዘራረብን ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትዓየሉ ኽትጽዕርን ከለኻ: መልሲ እዘን ሕቶታት እዚኣተን ንጹር እዩ ዚዀነልካ።

11. ቃል ኣምላኽ ንስጕምትታትና ኺመርሓና ዚግብኣሉ ዅነታት ጥቐስ።

11 ቃል ኣምላኽ ንእግርና መብራህቲ ዚዀነልና ብዙሕ ካልእ ኵነታት ኣሎ። ንኣብነት: ሓደ ስራሕ ዘይብሉ ክርስትያን ብህጹጽ ዜድልዮ ስራሕ ይረክብ ይኸውን። ይኹን እምበር: እቲ ሰዓታት ስራሕ እምብዛ ነዊሕ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብቲ ስራሕ እቲ እንተ ኣትዩ ኸኣ: ካብ ሓያሎ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ይበኵር: ምስ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዚተሓሓዝ ካልእ ንጥፈታት እውን የምልጦ። (መዝሙር 37:25) ሓደ ኻልእ ክርስትያን ከኣ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ዚጥሕስ መዘናግዒ ኺርኢ ኣመና ይፍተን ይኸውን። (ኤፌሶን 4:17-19) ካልእ ክርስትያን እውን ብዘይፍጽምና ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ ብቐሊሉ ይቕየም ይኸውን። (ቈሎሴ 3:13) ኣብ ኵሉ እዚ ዅነታት እዚ: ቃል ኣምላኽ ንእግርና መብራህቲ ኪኸውን ክንፈቕደሉ ኣሎና። ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምስዓብ: ዝዀነ ይኹን ኣብ ህይወትና ዜጋጥመና ፈተናታት ብዓወት ክንሰግሮ ንኽእል ኢና። ቃል ኣምላኽ “ንትምህርቲ: ንተግሳጽ: ንምቕናዕ: ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።”—2 ጢሞቴዎስ 3:16

“ንመገደይ ብርሃን”

12. ቃል ኣምላኽ ንመገድና ብርሃን ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

12 መዝሙር 119:105 ቃል ኣምላኽ ነቲ እንጐዓዘሉ መገዲ ብምብራህ: ንመገድና ብርሃን ከም ዚኸውን እውን ትገልጽ እያ። እዚ ዜጨንቕ ኵነታት ዓለም እንታይ ትርጕም ከም ዘለዎን ኣብ መወዳእታ እንታይ ኪኸውን ምዃኑን መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዚገልጽ: ብዛዕባ መጻኢ ብዚምልከት ኣብ ጸልማት ኣይኰንናን ተሓዲግና። እወ: “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት” እዚ እኩይ ስርዓት እዚ ንነብር ከም ዘለና ንርዳእ ኢና። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) ኣብ መጻኢ እንታይ ከም ዚኸውን ምፍላጥና: ሕጂ ኣብ ህይወትና ዓብዪ ጽልዋ ኺህልዎ ኣለዎ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ደጊም እዚ ዅሉ ዚፈላለ ኻብ ኰነ: ስሊኡ ሰማያት ብሓዊ መኺኹ ዚፈላለየሉ: ፍጥረት ሰማይ ከኣ ብረስኒ ዚመከሉ: ነቲ ምጽኣት መዓልቲ ኣምላኽ እናተጸቤኹምዎን እናኣቐልጠፍኩምዎን ብቕዱስ ንብረትን ብፍርሃት እግዚኣብሄርን ከመይ ዝበሉ ኽትኰኑ እዩ ዚግብኣኩም።”—2 ጴጥሮስ 3:11, 12

13. ህጹጽነት እዚ ግዜና ንኣተሓሳስባናን ንኣነባብራናን ዚጸልዎ ብኸመይ እዩ፧

13 ኣተሓሳስባናን ኣነባብራናን ነቲ “ዓለም ትሐልፍ እያ: ፍትወታ ኸኣ” ዚብል ቃላት ብጽኑዕ ከም እንኣምነሉ ዜንጸባርቕ ኪኸውን ኣለዎ። (1 ዮሃንስ 2:17) መምርሒታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ምውዓል: ብዛዕባ መጻኢ ሸቶታትና ጥበባዊ ውሳነ ንኽንገብር ይሕግዘና። ንኣብነት: የሱስ “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ: እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም” በለ። (ማቴዎስ 6:33) ሓያሎ መንእሰያት ንቓላት የሱስ ብምእማን ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኪጽመዱስ ክሳዕ ክንደይ ዚነኣድ ኰን እዩ! ካልኦት ኣስፋሕትን ምሉኣት ስድራቤታትን ከኣ ዝያዳ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ናብ ዜድልዩሉ ቦታታት ግዒዞም እዮም።

14. ሓንቲ ክርስትያን ስድራቤት ብኸመይ እያ ኣገልግሎታ ዘስፍሐት፧

14 ሓንቲ ኣርባዕተ ዝኣባላታ ክርስትያን ስድራቤት ከም ኣብነት እስከ ንውሰድ። እዛ ስድራቤት እዚኣ ኻብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ናብ ሓንቲ ኣብ ዶመኒካዊት ሪፓብሊክ 50,000 ተቐማጦ ኣብ ዘለዉዋ ኸተማ እትርከብ ጉባኤ ገዓዘት። እታ ጉባኤ ብ130 ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዝቘመት እያ። ኰይኑ ግን ብ12 ሚያዝያ 2006: ዳርጋ 1,300 ሰባት ኣብቲ ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ተኣከቡ! እታ ኣብቲ ሃገር እትርከብ ምድሪ ኣመና ‘ንዓጺድ ስለ ዝጻዕደወት:’ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ወርሒ እዞም ኣቦን ኣደን ወድን ጓልን ብድምር 30 መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሑ ነበሩ። (ዮሃንስ 4:35) እቲ ኣቦ ኸምዚ በለ:- “እታ ጉባኤ ንኺሕግዙ ኻብ ካልእ ቦታታት ዝገዓዙ 30 ኣሕዋትን ኣሓትን ኣለዉዋ። ዳርጋ 20 ዚዀኑ ኻብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝመጹ ኪዀኑ ኸለዉ: እቶም ዝተረፉ ኸኣ ካብ ስጳኛ: ባሃማስ: ኒው ዚላንድ: ኢጣልያ: ከምኡውን ካናዳ ዝመጹ እዮም። ኣብ ኣገልግሎት ንኺጽመዱ ተሃንጥዮም እዮም ዚመጹ: ኣብቶም ኣብዚ ዘለዉ ኣሕዋት ውዕዉዕ ስምዒት ብምሕዳር ዝመጸ ድማ ዓብዪ ጽልዋ ኣለዎም።”

15. ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወትካ ቐዳምነት ብምሃብካ: እንታይ በረኸት ረኺብካ፧

15 ብዙሓት ኣስፋሕቲ ኣብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ቦታታት ንኼገልግሉ ኢሎም ኪግዕዙ ኸም ዘይክእሉ ርዱእ እዩ። እቶም ከምኡ ዝገበሩ ወይ ኵነታቶም ኬዐርዩ ዚኽእሉ ግን: ኣብዚ መዳይ ኣገልግሎት እዚ ብምክፋል ብዙሕ በረኸት ኪረኽቡ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ኣገልግል ብዘየገድስ ከኣ: ንየሆዋ ብምሉእ ሓይልኻ ብምግልጋል ዚርከብ ሓጐስ ኬምልጠካ ኣይተፍቅድ። ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወትካ ቐዳምነት እንተ ሂብካ: የሆዋ ‘በረኸት ብዘይ ልክዕ ከም ዜፍስሰልካ’ ተመባጺዑ ኣሎ።—ሚልክያስ 3:10

ካብ መሪሕነት የሆዋ ጥቕሚ ምርካብ

16. ቃል ኣምላኽ ኪመርሓና ብምፍቃድ ብኸመይ ንጥቀም፧

16 ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ: ቃል ኣምላኽ ብኽልተ ዚዛመድ መገድታት መምርሒ ይዀነና። ብቕኑዕ ኣንፈት ንቕድሚት ንኽንስጕም ብምሕጋዝን ውሳነታት ክንገብር ከለና ብምምራሕን ንእግርና መብራህቲ ይዀነና። ኣብ ቅድሜና እንታይ ከም ዘሎ ብንጹር ንኽንርኢ ብምሕጋዝ ንመገድና ብርሃን ይኸውን። እዚ ብግዲኡ ኸኣ ነቲ “ሓቛቝ ልብኹም ተዐጢቕኩም እናተጠንቀቕኩም: ነቲ ብምግሃድ የሱስ ክርስቶስ እትረኽብዎ ጸጋ ምሉእ ተስፋ ግበሩ” ዚብል ጴጥሮስ ዝሃቦ ማዕዳ ንኽንስዕብ ይሕግዘና።—1 ጴጥሮስ 1:13

17. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ መምርሒ ኣምላኽ ንኽንስዕብ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

17 የሆዋ መምርሒ ኸም ዚህብ ዜጠራጥር ኣይኰነን። እቲ ዜተሓታትት ነገር ግን: ‘ንሕና ንሰምዖ ዲና፧’ ዚብል እዩ። ነቲ የሆዋ ዚህበና መምርሒ ምእንቲ ኽትርድኦ: መዓልታዊ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተንብብ ቈራጽነት ግበር። ነቲ ዘንበብካዮ ኣስተንትነሉ: ኣብቲ ጕዳይ እቲ ፍቓድ የሆዋ እንታይ ምዃኑ ኽትርዳእ ጽዓር: ሓደ ጽሑፍ ኣብ ህይወትካ ኸተውዕሎ እትኽእለሉ እተፈላለየ መገድታት እውን ሕሰብ። (1 ጢሞቴዎስ 4:15) ድሕሪኡ: ብሕታዊ ውሳነታት ክትገብር ከለኻ ‘ንኣእምሮኻ’ ተጠቐመሉ።—ሮሜ 12:1

18. ቃል ኣምላኽ ኪመርሓና ኽንፈቅድ ከለና: እንታይ በረኸት ኢና እንረክብ፧

18 ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ስርዓታት ኣብ ህይወትና ኺዓዪ እንተ ፈቒድናሉ: ብዛዕባ እቲ ኽንስዕቦ ዚግባእ ግቡእ መገዲ ውሳነታት ክንገብር ከለና ብርሃን ይዀነና: ዜድሊ መምርሒ እውን ይህበና። እቲ ተመዝጊቡ ዘሎ ቓል ‘ንገርሂ ኸም ዜጥብቦ’ ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና። (መዝሙር 19:7) መጽሓፍ ቅዱስ ንኺመርሓና እንተ ፈቒድናሉ: ንጹህ ሕልናን ንየሆዋ ብምሕጓስ ዚርከብ ዕግበትን ንረክብ። (1 ጢሞቴዎስ 1:18, 19) ቃል ኣምላኽ መዓልታዊ ንስጕምትና ኺመርሖ እንተ ፈቒድና: የሆዋ ነቲ ኻብ ኵሉ ዚበልጽ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህበና እዩ።—ዮሃንስ 17:3

ትዝክሮዶ፧

• የሆዋ ኣምላኽ ንስጕምትታትና ኺመርሖ ምፍቃድ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

• ቃል ኣምላኽ ንእግርና መብራህቲ ኪኸውን ዚኽእል በየናይ መገድታት እዩ፧

• ቃል ኣምላኽ ንመገድና ብርሃን ኪኸውን ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

• መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ መምርሒ ኣምላኽ ንኽንስዕብ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ምስ ዘይኣማኒ ዚምስረት ዕርክነት ዘይጥበባዊ ዚኸውን መዓስ እዩ፧

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ቀረባ ብጾት የሱስ: እቶም ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ እዮም ነይሮም

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ኣነባብራና ንመንግስቲ ኣምላኽ ቀዳምነት ከም እንህብ ዜርኢ ድዩ፧