ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ ሕዳር 2013

ነቲ የሆዋ ኣብ ልዕሊ እዚ እኩይ ስርዓት እዚ ስጕምቲ ዚወስደሉ ግዜ እናተጸበና፡ ንትዕግስቲ ኣምላኽ ዘሎና ሞሳ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧ ሎሚ የሆዋን የሱስን ንምድራዊ መጓሰኦም ዚጓስይዎ ብኸመይ እዮም፧

‘ንጸሎት ንቕሑ’

ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣዘውቲሮም ኪጽልዩ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧ ምእንቲ ኻልኦት ክትጽሊ ኸለኻ፡ መን እዩ ዚጥቀም፧

ሓገዝ ንዜድልዮም ሰባት ብኸመይ ክንድግፎም ንኽእል፧

ንዓለምለኻዊ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚግበር ውጽኢት፡ ንኻልኦት ሰባት ብመንፈሳውን ብስጋን መዳይ ዜድልዮም ነገራት ንምምላእ ብኸመይ ኣብ ጥቕሚ ኸም ዚውዕል ፍለጥ።

‘ብተስፋ’ ኽንጽበ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

የሆዋ ነዚ እኩይ ስርዓት እዚ ዜጥፍኣሉ እዋን ከም ዝቐረበ ዚሕብር ፍጻመታት እንታይ እዩ፧ ንትዕግስቲ ኣምላኽ ዘሎና ሞሳ ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ታሪኽ ህይወት

ንኣምላኽ ምግልጋል፡ መድሃኒት ኰኖ

ኦኒሲመስ፡ ኦስትዮጀነሲስ ኢምፐርፈክታ ዚብሃል ንኣዕጽምቲ ተሰባሪ ዚገብር ሕማም ኣለዎ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መብጽዓታት ኣምላኽ ዜተባብዖ ብኸመይ እዩ፧

ሸውዓተ ጓሶትን ሸሞንተ መሳፍንትን—ሎሚ ብኸመይ ይጠቕሙና፧

ህዝቅያስን ኢሳይያስን ሚክያስን መሳፍንቲ የሩሳሌምን ንፉዓት ጓሶት ምዃኖም ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧ ሎሚ ነቶም ሸውዓተ ጓሶትን ሸሞንተ መሳፍንትን ዜመልክቱ መን እዮም፧

ንጓሶት የሆዋ ተኣዘዞም

ሓለውቲ ንጉባኤ ኣምላኽ ንኺጓስዩ ብመንፈስ ቅዱስ ተሸይሞም እዮም። እተን ኣባጊዕ ኪሰምዓኦም ዘለወን ስለምንታይ እዩ፧

ኣቱም ጓሶት፡ ነቶም ዓበይቲ ጓሶት ምሰልዎም

ሓደ ኣባል ጉባኤ መንፈሳዊ ሓገዝ ምስ ዜድልዮ፡ ሽማግለታት እንታይ ሓገዝ እዮም ኪገብሩሉ ዚኽእሉ፧ ሽማግለታት ነቶም ዓበይቲ ጓሶት ዝዀኑ የሆዋን የሱስ ክርስቶስን ብኸመይ እዮም ኪመስልዎም ዚኽእሉ፧

ካብ መዛግብትና

“ኣብ ውሽጢ ድርዑ ኸም ዘሎ ጐብየ እየ ነይረ”

ኣብ መወዳእታ 1929፡ ቍጠባዊ ስርዓት ዓለም ኣብ ቅልውላው ወደቐ። እሞኸ ናይ ምሉእ ግዜ ሰበኽቲ ኣብቲ ጽንኩር እዋን ብኸመይ እዮም ዚናበሩ ነይሮም፧