‘ካብ ፍቕሪ ኣምላኽ ኪፈልየና’ ዚኽእል ነገር ኣሎዶ፧
ንኣምላኽ ቅረቦ
‘ካብ ፍቕሪ ኣምላኽ ኪፈልየና’ ዚኽእል ነገር ኣሎዶ፧
መን ካባና እዩ እሞ ኺፍቀር ዘይደሊ፧ ብርግጽ: ስድራናን ኣዕሩኽትናን ኬፍቅሩና ኸለዉ ባህ እዩ ዚብለና። እቲ ዜሕዝን ግን: ሰብኣዊ ርክባት ተኣፋፍን ብቐሊሉ ኺብተኽ ዚኽእልን እዩ። እነፍቅሮም ሰባት ይጐድኡና: ይጥንጥኑና: ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ይጠልሙና ይዀኑ። እንተዀነ ግን: ፍቕሩ ኸቶ ዘየቋርጽ ሓደ ኣካል ኣሎ። እታ የሆዋ ኣምላኽ ንኣምለኽቱ ዘላቶ ፍቕሪ: ኣብ ሮሜ 8:38, 39 ብጽቡቕ ተገሊጻ ኣላ።
ሃዋርያ ጳውሎስ: “ኣርጊጸ አሎኹ” በለ። ብዛዕባ እንታይ እዩ ርግጸኛ ዀይኑ፧ ‘ካብ ፍቕሪ ኣምላኽ ኪፈልየና’ ዚኽእል ነገር ከም ዘየለ እዩ ርግጸኛ ዀይኑ። ንርእሱ ጥራይ ዘይኰነስ: ንዓና ማለት ነቶም ንኣምላኽ ብተኣማንነት እነገልግል ዘበልና ዅላትና እውን እዩ ዚዛረብ ዘሎ። ጳውሎስ ነዚ ንምጕላሕ: የሆዋ ነቶም ውፉያት ኣገልገልቱ ኻብ ምፍቃር ኪኽልክሎ ዘይክእል ብዙሕ ነገራት ዘርዘረ።
“ሞት ኰነ ወይ ህይወት።” እታ የሆዋ ንህዝቡ ዘላቶ ፍቕሪ: ምስ ሞቱ እውን ኣይተቋርጽን እያ። ኣምላኽ ፍቕሩ ንምርግጋጽ: ነዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ኪዝክሮምን ኣብታ ጽድቂ ዝሰፍነላ ሓዳስ ዓለም እንደገና ህያዋን ኪገብሮምን እዩ። (ዮሃንስ 5:28, 29፣ ራእይ 21:3, 4) እዚ ኽሳዕ ዚኸውን ግን: ኣብዚ ስርዓት እዚ ዘሕልፍዎ ህይወት ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ: ኣምላኽ ነቶም እሙናት ኣገልገልቱ ዘላቶ ፍቕሪ ኣይተቋርጽን እያ።
“መላእኽቲ ዀኑ ወይ ገዛእቲ።” ሰባት በቶም ተሰማዕነት ዘለዎም ውልቀ-ሰባት ወይ ሰበ-ስልጣን ብቐሊሉ ይጽለዉ እኳ እንተ ዀኑ: የሆዋ ግን ከምኡ ኣይኰነን። ከምቲ ደሓር ሰይጣን ዝዀነ መልኣኽ ዝኣመሰሉ ሓያላት መንፈሳውያን ፍጡራት: ኣምላኽ ንኣምለኽቱ ንኸየፍቅር ኬስድዕዎ ኣይክእሉን። (ራእይ 12:10) እቶም ንናይ ሓቂ ክርስትያናት ዚቃወሙ ገዛእቲ እውን እንተ ዀኑ: ነቲ ኣምላኽ ንኣገልገልቱ ዘለዎ ኣረኣእያ ኪቕይርዎ ኣይክእሉን።—1 ቈረንቶስ 4:13
“ዘሎ ዀነ ወይ ዚመጽእ።” ፍቕሪ ኣምላኽ ምስ ግዜ ኣይሃስስን እዩ። ዘሎ ዀነ ወይ ንመጻኢ ኣብ ልዕሊ ኣገልገልቱ ዚወርድ ዝዀነ ይኹን ነገር: ነቲ ኣምላኽ ንዕኦም ዘለዎ ፍቕሪ ኣይበትኮን።
“ወይ ሓይልታት።” ጳውሎስ ነቶም ሰማያውያንን ምድራውያንን ሓይልታት ዝዀኑ “መላእኽቲ” ከምኡውን “ገዛእቲ” ጠቒሱ እኳ እንተ ነበረ: ሕጂ ግን “ሓይልታት” ጠቒሱ ኣሎ። እታ ኣብዚ ተጠቒሳ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል ሰፊሕ ትርጕም እዩ ዘለዋ። እቲ ቕኑዕ ትርጕሙ እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ: ሓደ ርግጽ ዝዀነ ነገር ኣሎ፣ እዚ ኸኣ: ኣብ ሰማይ ኰነ ኣብ ምድሪ ዘሎ ሓይሊ: ነታ የሆዋ ንህዝቡ ዘላቶ ፍቕሪ ኺዓግታ ኣይክእልን እዩ።
“ልዕል ዝበለ ዀነ ወይ ትሕት ዝበለ።” ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ይሃልዉ ብዘየገድስ: የሆዋ ንህዝቡ የፍቅሮም እዩ።
“ካልእ ፍጥረትውን።” ጳውሎስ በዘን ንዅሉ ፍጥረት ዘጠቓልላ ቓላት ገይሩ: እሙናት ኣምለኽቲ ኻብ ፍቕሪ የሆዋ ኺፈልዮም ዚኽእል ነገር ፈጺሙ ኸም ዘየለ እዩ ዚገልጽ ዘሎ።
ኣምላኽ ነቶም ብእምነት ኣብኡ ዚውከሉ ሰባት ዜርእያ ፍቕሪ: ከምታ ሰባት ዜርእይዋ እትልወጥ ወይ እትሃስስ ዘይኰነትስ ዘለኣለማዊት እያ። እዚ ምፍላጥና ናብ የሆዋ ንኽንቀርብን ዚከኣለና ዘበለ ዅሉ ብምግባር ንዕኡ ዘላትና ፍቕሪ ኸነርእን ኪድርኸና ይኽእል እዩ።