ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ሰባት ይቕይር

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ሰባት ይቕይር

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ሰባት ይቕይር

ሓንቲ ብኮንትሮባንድ ኣልማዝ እትነግድን ካብ ኣስራሒኣ እትሰርቕን ዝነበረት ሰበይቲ፡ ሓቀኛ ሰራሕተኛ ንኽትከውን ዝደረኻ እንታይ እዩ፧ ሓንቲ ኽልተ ሳዕ ርእሳ ኽትቀትል ዝሓሰበት ሰበይቲ፡ ኣብ ህይወታ ዕላማ ንኺህልዋ ዝሓገዛ እንታይ እዩ፧ ሓደ ወልፊ መስተን ሓሽሽን ዝነበሮ ሰብኣይ፡ ካብዚ ጐዳኢ ወልፍታት ሓራ ኪኸውን ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ እንታይ ከም ዝበሉ እስከ ንርአ።

ሓጺር ታሪኽ ህይወት

ስም፦ ማርጋሬት ደቤርን

ዕድመ፦ 45

ሃገር፦ ቦትስዋና

ታሪኽ፦ ኣብ ኮንትሮባንድን ስርቅን እተዋፈረት

ሕሉፍ ህይወተይ፦ ኣቦይ መበቈሉ ጀርመናዊ እኳ እንተ ዀነ፡ ደሓር ግን ዜጋ ደቡባዊ ምዕራብ ኣፍሪቃ (ሕጂ ናሚብያ) ዀነ። ኣደይ ካብ ዓሌት ማንጎሎጋ ዝዀነት ቦትስዋናዊት እያ። ኣነ ኸኣ ኣብ ጎባቢስ፡ ናሚብያ እየ ተወሊደ።

ብ1970ታት መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ንናሚብያ ተቘጻጸራ፡ ኣብ ኵለን ከተማታትን ኣቝሻትን እታ ሃገር ድማ ሕግታት ኣፓርታይድ ብጥብቂ ኸም ዚኽበር ገበረ። ወለደይ በበይኑ ዓሌት ስለ ዝነበሮም፡ ተፈላለዩ። ኣደይ ንዓይን ንኣሕዋተይን ኣሓተይን ሒዛ ናብ ጋንሲ፡ ቦትስዋና ተመልሰት።

ብ1979፡ ክሳዕ ትምህርቲ ዚውድእ ምስቶም ኬዕብዩኒ ዝወሰዱኒ ስድራ ቤት ክነብር ናብ ሎባትሴ፡ ቦትስዋና ኸድኩ። ድሕርዚ፡ ኣብ ሓደ ጋራዥ ጸሓፊት ኰይነ ኽሰርሕ ጀመርኩ። ኣምላኽ ንሰባት ምንም ከም ዘይገብረሎም፡ ኣብ ክንዳኡስ፡ ንገዛእ ርእስኻ ይኹን ንስድራ ቤትካ ዜድሊ ንኸተማልእ፡ ቅኑዕ ይኹን ጌጋ ብዘየገድስ፡ ክትገብሮ እትኽእል ዘበለ ኽትገብር ከም ዘሎካ እየ ዝኣምን ነይረ።

ኣብ ስራሕ ሓላፍነት ስለ ዝነበረኒ፡ ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቒመ ኻብ ኣስራሕየይ ቅያር ኣቕሑ እሰርቕ ነበርኩ። ለይቲ ባቡር ብኸተማ ክትሓልፍ ከላ፡ ምስ ብጾተይ ኴንና ንስቀል እሞ ዝረኸብናዮ ዘበለ ንሰርቕ ነበርና። ኣልማዝን ወርቅን ብሮንዞን ብኮንትሮባንድ እነግድ ነበርኩ። ሓሽሽ ክወስድ ጀመርኩ፡ ኣዝየ ዓመጸኛ ዀንኩ፡ ብዙሓት ኣወዳት ኣዕሩኽ ከኣ ነበሩኒ።

ድሕርዚ ብ1993 ክሰርቕ ተረኸብኩ እሞ ኻብ ስራሕ ተባረርኩ። እቶም ኣዕሩኸይ ኢለ ዝሓስቦም ዝነበርኩ ሰባት፡ ንሳቶም እውን ከይተሓዙ ስለ ዝፈርሁ፡ ጠንጠኑኒ። በዚ ስለ እተጐዳእኩ፡ ካብ ሽዑ ንንየው ንዋላ ሓደ ኽኣምን ከም ዘይብለይ ወሰንኩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦ ብ1994 ምስ ክልተ ሚስዮናውያን ዝዀኑ ቲምን ቨርጂንያን ዝበሃሉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸብኩ። ናብቲ ዝሰርሓሉ ዝነበርኩ ቦታ እናመጹ፡ ኣብ ናይ ምሳሕ ሰዓት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ይምህሩኒ ነበሩ። ድሕሪኡ፡ ክኣምኖም ከም ዝኽእል ምስ ተሰምዓኒ፡ ናብ ቤተይ መጺኦም መጽናዕቲ ኺመርሑለይ ፈቐድኩሎም።

ንኣምላኽ ከሐጕሶ እንተ ዀይነ፡ ኣብ ናብራ ህይወተይ ገለ ለውጥታት ክገብር ከም ዘሎኒ ቐልጢፈ ተገንዘብኩ። ንኣብነት፡ ካብ 1 ቈረንቶስ 6:9, 10፡ “ኣመንዝራታት፡ . . . ሰረቕቲ፡ ወይ ስሱዓት፡ ወይ ሰካራት፡ ወይ ተጻረፍቲ፡ ወይ ዘረፍቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም” ዚብል ተመሃርኩ። በብሓደ ነቲ ሕማቕ ወልፍታተይ ኣቋረጽክዎ። ስርቂ ሓደግኩ። ካብቶም መተዓብይተይ ዝነበሩ ዓዋሉ ተፈለኹ። ሳላ እቲ የሆዋ ዝሃበኒ ሓይሊ ድማ ካብቶም ኣወዳት ኣዕሩኸይ ረሓቕኩ።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦ ድሕሪ ብዙሕ ጻዕሪ፡ ስምዒተይ ክቈጻጸር ከኣልኩ፡ ደቀይ ኪጋገዩ ኸለዉ ድማ ከም ቀደመይ ምጭዳር ገደፍክዎ። (ኤፌሶን 4:31) ህድእ ኢለ ብሰላማዊ መገዲ ኽዘራረብ እየ ዝጽዕር። ከምዚ ዓይነት ምዝርራብ፡ ከም ስድራ ቤት መጠን ንሓድሕድና ንኽንረዳዳእን ንኽንቀራረብን ኣኽኣለና።

እቶም ናይ ቀደም ፈተውተይ፡ ጐረባብተይ እውን ከይተረፉ ኺኣምኑኒ ጀመሩ። ኣቝሑን ገንዘብን ብዘይ ምጥፍፋእ ክሕዝ ዝኽእል ሓቀኛን እምንትን ሰራሕተኛ ዀንኩ። በዚ ኸምዚ መብዛሕትኡ ግዜይ ካልኦት ሰባት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ኪመሃሩ ኣብ ምሕጋዝ እናሕለፍኩ፡ ርእሰይ ክድግፍ ከኣልኩ። ምስቲ ኣብ ምሳሌ 10:22 ዚርከብ፡ “በረኸት እግዚኣብሄር የሀብትም፡ ሽጋርውን ገለ ኣይውስኸሉን” ዚብል ቃላት ምሉእ ብምሉእ እሰማማዕ እየ።

ሓጺር ታሪኽ ህይወት

ስም፦ ግሎርያ ኤለሳራራስ ደ ቾፐሬና

ዕድመ፦ 37

ሃገር፦ መክሲኮ

ታሪኽ፦ ርእሰ-ቕትለት ዝፈተነት

ሕሉፍ ህይወተይ፦ ኣብ ሓደ ኣብ መክሲኮ ዚርከብ ናካልፓን ዚበሃል ሰፈር ሃብታማት እየ ዓብየ። ካብ ንእስነተይ ጀሚረ፡ ዓለወኛን ናብ ፓርቲታት ምኻድ ዝፈቱን እየ ነይረ። ጓል 12 ዓመት ከለኹ ሽጋራ ኸትክኽ፡ ጓል 14 ዓመት ምስ ኰንኩ መስተ ኽሰቲ፡ ጓል 16 ዓመት ምስ ኰንኩ ኸኣ ሓሽሽ ክወስድ ጀመርኩ። ድሕሪ ሒደት ዓመታት ካብ ቤት ወጻእኩ። መብዛሕትአን መሓዙተይ ካብ ዘይጥዑያት ስድራ ቤታት ዝመጻ፡ ብኣካል ይኹን ብቓል ድማ ማህሰይቲ ዝወረደን እየን ነይረን። ህይወተይ ጽልምት ስለ ዝበለኒ፡ ክልተ ግዜ ርእሰይ ክቐትል ፈተንኩ።

ጓል 19 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ከም ሞደል ኰይነ እሰርሕ ነበርኩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ምስ ፖለቲከኛታትን ምስ ኣዘናጋዕትን ግዜ አሕልፍ ነበርኩ። ኣብ መወዳእታ ተመርዕየ ውሉዳት ወለድኩ፡ ንዅሉ እቲ ናይ ስድራ ቤት ጕዳያት ግን ባዕለይ እየ ዚውስኖ ነይረ። ሽጋራ ምትካኽን መስተ ምስታይን እውን ኣየቋረጽኩን፡ ሃለኽለኽ ዝመልኦ ናብራ ኸኣ እነብር ነበርኩ። ብዕሉግ ዘረባ እዛረብ፡ ጽዩፍ ዋዛ ድማ እዋዘ ነበርኩ። ቍጥዕቲ ኸኣ እየ ነይረ።

መብዛሕትኦም እቶም ዝሓብሮም ዝነበርኩ ሰባት ከም ናተይ ዓይነት ኣነባብራ እዩ ነይርዎም። ኵሉ ነገር እተማልኣለይ ኰይኑ ይስምዖም ነበረ። ኰይኑ ግን፡ ህይወተይ ባዶን ዕላማ ዘይብላን እያ ነይራ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦ ብ1998 ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ጀመርኩ። ህይወት ዕላማ ኸም ዘለዋ ድማ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመሃርኩ። የሆዋ ኣምላኽ ንምድሪ ገነት ከም ዚገብራ፡ ንምዉታት ከም ዜተንስኦም፡ ኣነ ኸኣ ኣብቲ ግዜ እቲ ኽህሉ ኸም ዝኽእል ተመሃርኩ።

ንኣምላኽ ዘፍቅሮ እንተ ዀይነ፡ ክእዘዞ ኸም ዘሎኒ እውን ፈለጥኩ። (1 ዮሃንስ 5:3) ካብ ማንም ሰብ መምርሒ ተቐቢለ ስለ ዘይፈልጥ፡ እዚ ኣብ መጀመርታ ኣጸገመኒ። ኣብ መወዳእታ ግን ንህይወተይ ባዕለይ ክመርሓ ኸም ዘይክእል ተኣመንኩ። (ኤርምያስ 10:23) ንኺመርሓኒ ድማ ናብ የሆዋ ጸለኹ። ንህይወተይ ምስ መለክዒታቱ ንኸሰማምዓ፡ ንውሉዳተይ ከኣ ካብቲ ቐደም ዝነብሮ ዝነበርኩ እተፈልየ ናብራ ህይወት ኪነብሩ ንኽምህሮም ኪሕግዘኒ ለመንክዎ።

ነዚ ኣገዳሲ ለውጥታት እዚ ኽገብር ኣዝዩ ኣጸጊሙኒ እኳ እንተ ነበረ፡ ነቲ ኣብ ኤፌሶን 4:22-24 ዚርከብ፡ “ነቲ ቐደም እተመላለስኩምሉ . . . ኣረጊት ሰብ ቀንጢጥኩም . . . እቲ ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ልበሱ” ዚብል ምኽሪ ኣብ ግብሪ ኸውዕሎ ጀመርኩ። ሓድሽ ሰብ ንኽለብስ ነቲ ኸም ሽጋራ ምትካኽ ዝኣመሰለ ርኹስ ወልፍታት ከቋርጾ፡ ጽዩፍ ቃላት ዘይብሉ ሓድሽ ዘረባ ከኣ ክዛረብ ነበረኒ። ናይ የሆዋ ምስክር ኰይነ ምእንቲ ኽጥመቕ፡ እቲ ዜድሊ ለውጥታት ንኽገብር ዳርጋ ሰለስተ ዓመት እዩ ወሲዱለይ።

ነቲ ኸም ብዓልቲ ቤትን ከም ኣደን መጠን ዝነበረኒ ሓላፍነት ከኣ ኣርዚነ ኽርእዮ ጀመርኩ። ነቲ ኣብ 1 ጴጥሮስ 3:1, 2 ዚርከብ፡ “ኣትን ኣንስቲ፡ ገለ ነቲ ቓል ዘይእዘዙ እንተ አለዉ፡ ነቲ ፍርሃት ዘለዎ ንጹህ ኣኻይዳኽን ምስ ረአዩ፡ በኻይዳ ኣንስቶም ብዘይ ቃል ከም ረብሓ ዀይኖም ምእንቲ ኺርከቡስ፡ ከምኡ ንሰብኡትክን ተአዘዛኦም” ዚብል ምኽሪ ኣብ ግብሪ ኸውዕሎ ጀመርኩ።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦ ህይወት ትርጕም ከም ዘለዋ ስለ ዝፈለጥኩ፡ ንየሆዋ ኣዝየ እየ ዘመስግኖ። ዝሓሽኩ ሰብ ከም ዝዀንኩን ንደቀይ ብጽቡቕ ከዕቢ ኸም ዝኸኣልኩን ኰይኑ እዩ ዚስምዓኒ። ሓድሓደ ግዜ ልበይ ብሰንኪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝገበርክዎ ተግባራት ይዅንነኒ እዩ፣ እንተዀነ ግን የሆዋ ንልበይ ይፈልጦ እዩ። (1 ዮሃንስ 3:19, 20) ብመለክዒታት መጽሓፍ ቅዱስ ምምልላሰይ፡ ካብ ጐዳኢ ነገራት ከም ዘዕቈበንን ውሽጣዊ ሰላም ከም ዘምጸኣለይን ዜጠራጥር ኣይኰነን።

ሓጺር ታሪኽ ህይወት

ስም፦ ጄልሰን ኮሪ ዲ ኦሊቬራ

ዕድመ፦ 33

ሃገር፦ ብራዚል

ታሪኽ፦ ውሉፍ መስተን ሓሽሽን

ሕሉፍ ህይወተይ፦ ኣብ ሓንቲ 100,000 ነበርቲ ዘለዉዋ ኣብ ዶብ ብራዚልን ኡራጓይን እትርከብ ባዤ እትበሃል ከተማ እየ ተወሊደ። መነባብሮ እቲ ህዝቢ ኣብ ሕርሻን ምርባሕ ከብትን ዘተኰረ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ዓመጽ ዝበዝሖ ዓዋሉ ዚነብሩሉ ሰፈር ድኻታት እየ ዓብየ፣ መንእሰያት ብወልፊ መስተን ሓሽሽን ኪተሓዙ ኸኣ ልሙድ ነበረ።

ትምህርቲ ምስ ወዳእኩ፡ መስተ ኽሰትን ማሪዋና ኸትክኽን ሄቪ ሜታል ዚበሃል ዓይነት ሙዚቃ ኽሰምዕን ጀመርኩ። ኣብ ኣምላኽ ኣይኣምንን እየ ነይረ። ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ መከራን ሕንፍሽፍሽን፡ ኣምላኽ ከም ዘየለ ዜርኢ መረጋገጺ ዀይኑ ይስምዓኒ ነበረ።

ጊታር እጻወትን ሙዚቃ እደርስን ነበርኩ፡ ነቲ ሓሳብ ከኣ መብዛሕትኡ ግዜ ኻብታ ኽፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት ራእይ ዮሃንስ እወስዶ ነበርኩ። እታ ናይ ሙዚቃ ጕጅለና ኸምቲ ዝሓሰብክዎ ዕውትቲ ስለ ዘይነበረት፡ ሓደገኛ ዓይነት ሓሽሽ ብብዝሒ ኽወስድ ጀመርኩ። ካብ ዓቐን ንላዕሊ ብምውሳድ ከይመውት ኣይፈርህን እየ ነይረ። ብዙሓት ዘምልኾም ዝነበርኩ ደረፍቲ በዚ ኸምዚ እዮም ሞይቶም።

ነቲ ሓሽሽ ካብታ ዘዕበየትኒ ዓባየይ ተለቂሐ እየ ዝዕድጎ ነይረ። ነቲ ገንዘብ እንታይ ከም ዝገበርክዎ ኽትሓተኒ ኸላ ኸኣ እሕሱ ነበርኩ። ሕሉፍ ሓሊፈ እውን ኣብ ሓተታ መናፍስቲ ኽካፈል ጀመርኩ። ብፍላይ እቲ ንሰብ ምስ ምጕዳእ ዚተሓሓዝ ስራይ፡ ነቲ ናይ ሙዚቃ ድርሰተይ ዜማዕብሎ ዀይኑ ይስምዓኒ ስለ ዝነበረ፡ ማረኸኒ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክገብርን ኣብ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክካፈልን ምስ ጀመርኩ፡ ኣረኣእያይ ተቐየረ። ብህይወት ንኽነብርን ንኽሕጐስን ድሌት ክሓድረኒ ጀመረ። በዚ ሓድሽ ኣተሓሳስባይ ተደሪኸ ኸኣ፡ ነቲ ነዊሕ ጸጕረይ ክቘርጾ ወሰንኩ። እቲ ነዊሕ ጸጕረይ፡ ባዶነት ይስምዓኒ ኸም ዝነበረን ዓለወኛ ምዃነይን ዜርኢ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ክረክብ እንተ ደኣ ዀይነ፡ ካብ ወልፊ መስተ ኽርሕቕ፡ ሓሽሽን ሽጋራን ከኣ ከቋርጽ ከም ዘሎኒ ተገንዘብኩ። ኣብቲ ዝሰምዖ ዓይነት ሙዚቃ ለውጢ ኽገብር ከም ዘሎኒ እውን ፈለጥኩ።

ኣብ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ እተኣከብኩላ ናይ መጀመርታ መዓልቲ፡ ሓንቲ ጥቕሲ ኣብ መንደቕ ርኤኹ። ካብ ምሳሌ 3:5, 6 እተወስደት ኰይና፡ “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ፡ ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ” ትብል። ብዛዕባ እታ ጥቕሲ እቲኣ ብምሕሳበይ፡ ንየሆዋ እንተ ደኣ ኣፍቂደሉ ንህይወተይ ክቕይራ ኺሕግዘኒ ኸም ዚኽእል ርግጸኛ ዀንኩ።

ኰይኑ ግን፡ ነቲ ሱር ሰዲዱ ዝነበረ ኣነባብራይ ክቕይርን ነቲ እተፈላለየ ወልፍታተይ ከቋርጽን፡ ልክዕ ኢድካ ኸም ምቝራጽ ከቢዱኒ ነበረ። (ማቴዎስ 18:8, 9) በብቝሩብ ከምዚ ዓይነት ለውጥታት ክገብር ከም ዘይክእል ስለ ዝፈለጥኩ ግን፡ ነቲ ሕማቕ ወልፍታተይ ብሓንሳእ ከቋርጾ በተኽኩ። ናብቲ ናይ ቀደም ጐዳኢ ኣነባብራይ ኪመልሱኒ ኻብ ዚኽእሉ ቦታታትን ሰባትን ድማ ምሉእ ብምሉእ ረሓቕኩ።

ኣብቲ ሓሓሊፉ ዜጋጥመኒ ዝነበረ ተስፋ ምቝራጽ ኣብ ክንዲ ዘተኵር፡ በቲ መዓልታዊ ዝዓሞ ዕማማት ክዀርዕ ከም ዘሎኒ ፈለጥኩ። ኣብ ቅድሚ የሆዋ ብኣካላውን ብስነ-ምግባራውን ብመንፈሳውን ንጹህ ምዃን ክብሪ ዀይኑ ተሰምዓኒ። ናብቲ ናይ ቀደም ኣካይዳይ ዘይኰነስ ንቕድሚት ክርኢ ንኺሕግዘኒ ናብ የሆዋ ጸለኹ፡ ንሱ ድማ ሰሚዑኒ እዩ። ሓድሓደ ግዜ ወልፈይ ይደግሰንን ከቢድ ሕማም ርእሲ የስዕበለይን እኳ እንተ ነበረ፡ ምስቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚመርሓለይ ዝነበረ ሰብ፡ መጽናዕተይ ክቕጽል ቈረጽኩ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ብዛዕባ ኣምላኽ ዚገልጽ ሓቂ ምስ ተመሃርኩ፡ ማለት ኣምላኽ ብደረጃ ውልቀ-ሰብ ከም ዚሓልየልና፡ ንናይ ሓሶት ሃይማኖት ከም ዜጥፍኣ፡ ነዚ ሎሚ ዚግበር ዘሎ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት ከኣ ከም ዚድግፎ ምስ ፈለጥኩ፡ ተዋሒጡለይ እዩ። (ማቴዎስ 7:21-23፣ 24:14፣ 1 ጴጥሮስ 5:6, 7) እዚ ዅሉ ሓቅታት ተደማሚሩ ስለ ዝነጸረለይ ከኣ፡ ርእሰይ ንኣምላኽ ክውፊ ወሰንኩ። ስለቲ ዅሉ ዝገበረለይ፡ ሞሳይ ክገልጸሉ ደለኹ።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦ ሕጂ ህይወተይ ዕላማን ትርጕምን ዘለዋ ዀይኑ ይስምዓኒ። (መክብብ 12:13) ካብ ስድራ ቤተይ ኣብ ክንዲ ዝወስድ ከኣ ኣነ ኽህቦም ከኣልኩ። ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመሃርክዎ ሰናይ ነገራት ንዓባየይ ነገርክዋ፡ ንሳ ኣብዚ እዋን እዚ ርእሳ ንየሆዋ ዝወፈየት እያ። ሓያሎ ኻልኦት ኣባላት ስድራ ቤተይን ሓደ ካብቶም ቀደም ኣባላት ጕጅለ ሙዚቃ ዝነበሩን እውን ርእሶም ንየሆዋ ወፍዮም እዮም።

ሕጂ ተመርዕየ እየ፣ ኣነን ብዓልቲ ቤተይን ከኣ ዝበዝሕ ግዜና ንሰባት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምምሃር ኢና እነሕልፎ። ‘ብምሉእ ልበይ ብየሆዋ ኽእመን’ ከም ዘሎኒ ስለ እተመሃርኩ፡ ብሓቂ ተባሪኸ እየ።

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ብህይወት ንኽነብርን ንኽሕጐስን ድሌት ክሓድረኒ ጀመረ”