ኣቦ ዘኽታማት
ንኣምላኽ ቅረቦ
ኣቦ ዘኽታማት
“ኣምላኽ ኣብ ቅድስቲ ማሕደሩ ዀይኑ፡ ኣቦ ዘኽታማት . . . እዩ።” (መዝሙር 68:5) እዘን ብመንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፋ ቓላት ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽ ልቢ ዚትንክፍ ትምህርቲ ይህባና፣ ንሱ ነቶም ጽጉማት ዜድልዮም ነገራት የማልኣሎም እዩ። ነቶም ወላዲኦም ዝሞቶም ውሉዳት ዘለዎ ሓልዮት፡ ኣብቲ ንእስራኤል ዝሃቦ ሕጊ ንጹር ኰይኑ ኣሎ። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ዘኽታማት” ንፈለማ ግዜ እተጠቕሱሉ ኣብ ዘጸኣት 22:22-24 ዚርከብ ሓሳባት እስከ ንመርምሮ።
ኣምላኽ፡ “ንዘኽታማት . . . ዘበሉ ኣይትግፍዕዎም” ኢሉ ኣጠንቀቐ። (ቍጽሪ 22) እዚ ሰብኣውነት ንኼርእዩ ዚቐርብ ጻውዒት ጥራይ ኣይነበረን፣ የግዳስ፡ ኣምላኽ ዝሃቦ ትእዛዝ እዩ ነይሩ። ወላዲኡ ዝሞቶ እሞ፡ በዚ ኸምዚ መዕቈቢኡን ሓብሓቢኡን ዝሰኣነ ውላድ፡ ተነቃፊ እዩ ዚኸውን። ዋላ ሓደ ሰብ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ውላድ ‘ከይገፍዖ’ ትእዛዝ ተዋህበ። እታ “ኣይትግፍዕዎም” እትብል ቃል፡ ኣብ ካልእ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣይትወጽዕዎም፡” “ኣይትህሰይዎም፡” ከምኡውን “ኣይትበለጹሎም” ተባሂላ ተተርጒማ ኣላ። ንዘኽታም ምብዳል ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣፍኲስካ ዚርአ ጕዳይ ኣይነበረን። ክሳዕ ክንደይ ግን እዩ ኣኽቢዱ ዚርእዮ ነይሩ፧
እቲ ሕጊ ቐጺሉ፡ “እንተ ገፋዕካዮም፡ እሞ ኣባይ እንተ ጠርዑ፡ ጥርዓኖም ኣጸቢቐ ኽሰምዕ እየ” ይብል። (ቍጽሪ 23) እቲ ጸብጻብ፡ ኣብ ቍጽሪ 22፡ “ኣይትግፍዕዎም” ኢሉ ንብዙሓት ኪእዝዝ ድሕሪ ምጽናሑ፡ ኣብ ቍጽሪ 23፡ “እንተ ገፋዕካዮም” ኢሉ ንንጽል ምዝራቡ ኣስተብህለሉ። እቲ ሕጊ ኣምላኽ፡ ብደረጃ ውልቀ-ሰብ ኰነ ብደረጃ ህዝቢ ብማዕረ ኪኽበር ነበሮ። የሆዋ ይምልከቶም እዩ ነይሩ፣ ኣእዛኑ ናብቶም ዘኽታማት ኣቕኒዑ ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ረዳኢ ደልዮም እንተ ጠሪዖም ኪሰምዖም ተዳልዩ ነበረ።—መዝሙር 10:14፣ ምሳሌ 23:10, 11።
ሓደ ሰብ ንዘኽታም እንተ በዲሉ እሞ፡ ናብ ኣምላኽ ከም ዚጠርዕ እንተ ገይርዎ፡ እንታይ እዩ ዚኸውን ነይሩ፧ የሆዋ፡ “ኵራይ ይነድድ እሞ፡ ብሴፍ እቐትለኩም” በለ። (ቍጽሪ 24) ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መወከሲ ጽሑፍ፡ ነቲ “ዅራይ ይነድድ” ዚብል መግለጺ፡ “ቃል ብቓሉ ‘ኣፍንጫይ ይቃጸል’ ዚብል ኪኸውን ከሎ፡ ንሓያል ቍጥዓ ዜመልክት ቍንቍኛ እዩ” በለ። ኣብዚ የሆዋ ነቲ ሕጊ ኸም ዚፍጸም ንምግባር፡ ንሰብኣውያን ፈራዶ እስራኤል ከም ዘይሓደጎ ኣስተብህል። ንሓደ መስኪን ውሉድ ንእተበለጸሉ ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ኣምላኽ ባዕሉ ነቲ ፍርዱ ኸም ዚፍጽሞ እዩ ዚገልጽ ነይሩ።—ዘዳግም 10:17, 18።
የሆዋ ኣይተለወጠን። (ሚልክያስ 3:6) ሕጂ እውን ነቶም ሓደ ወላዲኦም ወይ ክልቲኦም ወለዶም ዝሞትዎም ውሉዳት ይድንግጸሎም እዩ። (ያእቆብ 1:27) ንጹሃት ቈልዑ እንተ ተበዲሎም፡ እቲ ኣቦ ዘኽታማት ከም ዚቝጣዕ ኣየጠራጥርን እዩ። እቶም ንመስኪን ቈልዓ ኺምዝምዙ ዚደልዩ፡ ካብቲ “ርሱን ቍጥዓ” የሆዋ ኣይኬምልጡን እዮም። (ጸፎንያስ 2:2) ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ እኩያት፡ “ኣብ ኢድ ህያው ኣምላኽ ምውዳቕ ዜሰክሕ እዩ” ዚብል ቃላት ብተመክሮ ኺርእይዎ እዮም።—እብራውያን 10:31።