ንደቅኻ ምሃሮም
ረሃብ ብዛዕባ እስራኤላውያን ሰምዐት
ቅድሚ 3,500 ዓመት ንነብር ከም ዘለና ጌርና እሞ ንሕሰብ። ኣብታ ኣብ ምድሪ ከነኣን እትርከብ ከተማ ያሪኮ ኢና ዘለና። ረሃብ ዝስማ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ እትነብር ጓል ኣላ። ሙሴ ንእስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጺ መሪሑ ድሕሪ ምውጻኡን ኣብ ከባቢ ቐይሕ ባሕሪ ኣብ ደረቕ ምድሪ ኺጐዓዙ ኸለዉን እያ ተወሊዳ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ረድዮ፡ ተለቪዥን፡ ወይ ኢንተርነት እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ረሃብ ግን ብዛዕባ እቲ ኣብ ርሑቕ ቦታ እተፈጸመ ተኣምር ትፈልጥ ነበረት። ብዛዕባ እዚ ብኸመይ ከም ዝሰምዐት ትፈልጥዶ፧— *
ገሊኦም ተጐዓዝቲ ብዛዕባ እቲ ተኣምራት ኪዛረቡ ኸለዉ ሰሚዓ ኽትከውን ትኽእል እያ። እናዓበየት ኣብ ዝኸደትሉ እዋን፡ ነቲ የሆዋ ንህዝቡ ዝገበረሎም ኣይረስዓቶን። ጸኒሓ ድማ ብዛዕባ እስራኤላውያን ዚገልጽ ካልእ ዜደንቕ ነገራት ሰምዐት። እስራኤላውያን ን40 ዓመት ኣብ በረኻ ድሕሪ ምጕዓዞም፡ ናብ ከነኣን ኣተዉ፣ ኣምላኽ ድማ ነቶም ዚጻረርዎም ኣህዛብ ንኺስዕርዎም ይሕግዞም ነበረ። ረሃብ፡ እስራኤላውያን ኣብ ስግር ሩባ ዮርዳኖስ ሰፊሮም ምህላዎም ሰምዐት።
ሓደ ምሸት፡ ረሃብ ኣብ ሓደ ኣጋይሽ ኪዓርፉሉ ዚኽእሉ ቦታ ኸም እትሰርሕ ዝፈለጡ ኽልተ ኣጋይሽ ናብ ቤታ መጹ። ንሳ ድማ ተቐበለቶም። ኣብታ ምሸት እቲኣ፡ ንጉስ ያሪኮ፡ እስራኤላውያን ነታ ዓዲ ኺስልይዋ ኸም ዝመጹን ኣብቲ ረሃብ እትሰርሓሉ ቦታ ኸም ዘለዉን ሰምዐ። ነቶም ናብኣ ዝመጹ ሰብኡት ኣሕሊፋ ምእንቲ ኽትህቦም ከኣ ልኡኻት ለኣኸላ። ኰይኑ ግን፡ ረሃብ ኣቐዲማ እንታይ ትፈልጥ ከም ዝነበረትን እንታይ ከም ዝገበረትን ትፈልጥዶ፧—
ቅድሚ እቶም ልኡኻት ንጉስ ምምጻኦም እውን ከይተረፈ፡ እቶም ናብኣ ዝመጹ በጻሕቲ፡ እስራኤላውያን ሰለይቲ ምዃኖም ፈሊጣ ነበረት። ኣብ ናሕሲ ድማ ሓብኣቶም፣ ነቶም ልኡኻት ከኣ፡ “እወ፡ ሰባትሲ አትዮምኒ ነይሮም፡ . . . ኰነ ኸኣ እቶም ሰባት እቲኦም ደገ እትዕጸወላ ጊዜ ብጸልማት ወጹ” በለቶም። “ቀልጢፍኩም ደድሕሪኦም ስዐቡ” ኢላ ድማ ደፋፍኣቶም።
ረሃብ ነቶም ሰለይቲ ዘዕቈበቶም ስለምንታይ ይመስለካ፧— ብዛዕባ እዚ ኽትገልጽ ከላ፡ “እግዚኣብሄር እዛ ሃገር እዚኣ ኸም ዝሀበኩም . . . እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ኽትወጹ ኸሎኹም፡ እግዚኣብሄር ንባሕሪ ኤርትራ ኣብ ቅድሜኹም ከም ዘንቀጾ፡ . . . ሰሚዕና ኢና” በለት። ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ጸላእቶም ዝሃቦም ካልእ ዓወታት እውን ሰሚዓ ነበረት።
እብራውያን 11:31 ተገሊጹ ዘሎ፡ ረሃብ ነቶም ሰለይቲ ስለ ዘዕቈበቶም፡ የሆዋ ብርግጽ ተሓጒሱ ኪኸውን ኣለዎ። ነቶም ሰለይቲ፡ ‘ኣነ ምሕረት ገይረልኩም እየ፣ ንስኻትኩም ድማ ንያሪኮ ኽትሕዝዋ ኸለኹም፡ ንኣቦይን ንኣደይን ንኣሕዋተይን ንኣሓተይን ከተድሕኑና፡ ምሓሉለይ’ ኢላ ኽትልምኖም ከላ እውን ባህ ኢልዎ ኪኸውን ኣለዎ። እቶም ሰለይቲ ነቲ ዚነግርዋ መምርሒ እንተ ስዒባ ኸም ዜድሕንዋ መብጽዓ ኣተዉላ። እዚ መምርሒ እዚ እንታይ ከም ዝነበረ ትፈልጥዶ፧—
ከምቲ ኣብእቶም ሰለይቲ፡ ‘ነዚ ቐይሕ ገመድ እዚ ኣብቲ መስኰት ኣንጠልጥልዮ። ንዅሎም ኣዝማድኪ ድማ ናብ ቤትኪ ኣክብዮም። ከምኡ እንተ ጌርኪ፡ ጕድኣት ኣይኪወርዶምን እዩ’ በልዋ። ረሃብ ልክዕ ከምቲ እቶም ሰለይቲ ዝነገርዋ ገበረት። ካብኡ ቐጺሉ እንታይ ከም ዝዀነ ትፈልጥዶ፧—
እስራኤላውያን ኣብ መካበብያ ያሪኮ በጽሑ። ንሽዱሽተ መዓልቲ ድማ ብዘይ ገለ ድምጺ ነታ ኸተማ ሓንሳእ ኣብ መዓልቲ ይዞርዋ ነበሩ። ኣብታ ሻብዐይቲ መዓልቲ ግን፡ ሾብዓተ ሳዕ ዞርዋ፣ ዓው ኢሎም ከኣ ጨደሩ። ብጀካ እታ ቐይሕ ገመድ ተንጠልጢሉላ ዝነበረ መንደቕ ድማ ብምሉኡ ፈረሰ። ረሃብን ስድራ ቤታን ግን ደሓኑ።—እያሱ 2:1-24፣ 6:1-5, 14, 15, 20-25።
ካብቲ ረሃብ ዝገበረቶ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧— ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንህዝቡ ንምዕቋብ ዝገበሮ ነገራት ሰሚዓ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣጋጣሚ ምስ ረኸበት እውን ሓጊዛቶም እያ። እወ፡ ረሃብ ንየሆዋ ምስ ህዝቡ ዀይና ኸተገልግሎ መረጸት። ንስኻኸ ኸምኡ ኽትገብር ዲኻ፧— ከምኡ ኽትገብር ጸሎትና እዩ።
^ ሕ.ጽ. 3 ነዚ ጽሑፍ እዚ እተንብቦ ዘለኻ ምስ ቈልዑ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ እዚ ፈላዪ ሕንጻጽ እዚ ሓንሳእ ብምዕራፍ፡ ነቶም ቈልዑ ኽትሓቶም ከም ዘሎካ ዜዘኻኽር እዩ።