ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጽውጽዋይ 5፦ ማርያም ወላዲት ኣምላኽ እያ

ጽውጽዋይ 5፦ ማርያም ወላዲት ኣምላኽ እያ

መበቈል እዚ ጽውጽዋይ እንታይ እዩ፧

“ኣረማውያን ናብ ቤተ-ክርስትያን ምስ ወሓዙ፡ ኣምልኾ ወላዲት ኣምላኽ ሓይሊ ረኸበ። . . . [እቶም እምነቶም ናብ ክርስትና ዝቐየሩ ኣረማውያን] ንኣሽሓት ዓመታት፡ ነታ ‘ዓባይ ኣደ’ እትበሃል ኣምላኽ ኰነ ነታ ‘ድንግል ኣምላኽ’ ውፉያትን ሃይማኖተኛታትን ኰይኖም ጸኒሖም እዮም።”—ዘ ኒው ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ (1988)፡ መበል 16 ጥራዝ፡ ገጽ 326, 327።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

“ክትጠንሲ ወዲውን ክትወልዲ፡ ስሙ ኸኣ የሱስ ክትሰምይዮ ኢኺ። ንሱ ዓብዪ ኪኸውን፡ ወዲ ልዑልውን ኪብሀል እዩ፡ . . . ስለዚ ኸኣ እቲ ዚውለድ ቅዱስ፡ ወዲ ኣምላኽ ኪብሀል እዩ።”—ሉቃስ 1:31-35

እዚ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ጥቕሲ፡ ማርያም ኣደ “ወዲ ኣምላኽ” ደኣ እምበር፡ ኣደ ኣምላኽ ከም ዘይኰነት ብንጹር ይገልጽ እዩ። ነቲ ‘ሰማያት ኪሕዝዎ ዘይክእሉ’ ኣምላኽ፡ ማርያም ኣብ ማሕጸና ኽትስከሞ ምኸኣለትዶ፧ (1 ነገስት 8:27) ንሳ ባዕላ እውን ወላዲት ኣምላኽ ከም ዝዀነት ገይራ ፈጺማ ኣይገለጸትን። ኣብ መንነት ማርያም ምድንጋራት ዝዘርአ፡ ትምህርቲ ስላሴ እዩ። ኣብቲ ብ431 ድ.ክ. እተገብረ ዋዕላ ኤፌሶን፡ ንማርያም ቴኦቶኮስ (“ወላዲት ኣምላኽ” ዝትርጕሙ ናይ ግሪኽኛ ቓል) ኢሎም ብምስማይ፡ ንኣምልኾ ማርያም መገዲ ጸረጉ። እታ ነቲ ሽዑ እተገብረ ዋዕላ ቤተ-ክርስትያን ዘአንገደት ኸተማ ኤፌሶን፡ ንሓያሎ ዘመናት እታ ኣርጤምስ እትበሃል ኣምላኽ ፍርያምነት እትበዓለላ ማእከል ኣምልኾ ጣኦት እያ ነይራ።

ኣብ ኣምልኾ እታ “ኻብ ሰማይ ዝወረደ” ምስሊ ኸም ዝነበራ ዚንገረላ ኣርጤምስ ዚዝውተር ዝነበረ ልምድታት፡ ናብ ኣምልኾ ማርያም ተኣታተወ፣ ሓደ ኻብኡ ነቲ ምስላ ዓጂብካ ዚግበር ጕዕዞ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 19:35) ካልእ ናብ ትምህርቲ ክርስትና ልሒኹ ዝኣተወ ልምዲ፡ ምስሊ ማርያምን ምስሊ ኻልኦትን ኣብ ኣምልኾ ናይ ምጥቃም ልምዲ እዩ።

ነዚ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣረኣእዮ፦ ማቴዎስ 13:53-56፣ ማርቆስ 3:31-35፣ ሉቃስ 11:27, 28

ሓቂ፦

ማርያም ኣደ ወዲ ኣምላኽ ደኣ እምበር፡ ኣደ ኣምላኽ ኣይኰነትን። ጽውጽዋይ ስላሴ ናብ ኣምልኾ እታ ወላዲት ኣምላኽ እትበሃል ማርያም መሪሑ