እቲ “ምዱብ ጊዜ” ቐሪቡ
እቲ “ምዱብ ጊዜ” ቐሪቡ
ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ልክዕ ከም ነብዪ ኣንባቆም መከራ ዜብቅዓሉ ግዜ ኺርእዩ ይህንጠዩ ነበሩ። መንግስቲ ኣምላኽ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ጸገማት ንምፍታሕ እንታይ ከም እትገብር ምስ ፈለጡ፡ ንየሱስ፡ “እዚ መኣዝ ኪኸውን እዩ፧ ትእምርቲ ምምጻእካን [ብሓይሊ መንግስቲ ምህላውካን] መወዳእታ ዓለምንከ እንታይ እዩ፧” ኢሎም ሓተትዎ። (ማቴዎስ 24:3) የሱስ ኪምልሰሎም ከሎ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንምድሪ ምሉእ ብምሉእ እትቈጻጸረሉ እዋን ብልክዕ ዚፈልጦ የሆዋ ኣምላኽ ጥራይ ምዃኑ ገለጸሎም። (ማቴዎስ 24:36፣ ማርቆስ 13:32) ይኹን እምበር፡ የሱስን ካልኦት ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስን እቲ እዋን ከም ዝቐረበ ብዛዕባ ዚሕብር ምልክታት ተነብዮም እዮም።— ብየማን ዘሎ ሳጹን ርአ።
እዚ ነገራት እዚ ሎሚ ልሙድ ምዃኑ ኣይትሰማምዓሉንዶ፧ የሱስ ኣብ መላእ ምድሪ ብዛዕባ ዚግበር ትምህርታዊ ዕዮ እውን ተነብዩ ነይሩ እዩ። “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፡ ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ” ድማ በለ።—ማቴዎስ 24:14።
እዚ ወንጌል መንግስቲ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ይስበኽ ኣሎ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከኣ እዮም ዚሰብክዎ ዘለዉ። ኣብ 236 ሃገራት ዚነብሩ ልዕሊ ሸውዓተ ሚልዮን ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ እቲ መንግስቲ ኣምላኽ እትገብሮ ነገራት ንኻልኦት ይነግርዎም፡ ምስ ጽድቃዊ ብቕዓታት እቲ ንመከራን ስቓይን ዜወግድ ኣምላኽ ተሰማሚዖም ኪነብሩ ኸኣ ይሕግዝዎም ኣለዉ። ስለዚ፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ምምሃርካ እንተ ቐጺልካ፡ ኣብታ መከራ ዘይብላ ዓለም ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ኺህልወካ እዩ።
[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]
ብዛዕባ ዳሕሮት መዓልትታት ዚገልጽ ጥቕስታት
• ተራእዩ ዘይፈልጥ ውግእ
• ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ
• ጥሜት
• ፌራ
• ዓመጻ
• ምዝሓል ፍቕሪ
• ምብልሻው ምድሪ
• ፈተውቲ ገንዘብ
• ንወለዶም ዘይእዘዙ
• ፈተውቲ ርእሶም
• ፍቕሪ ንስድራ ቤት ዘይብሎም
• ተቐየምቲ
• ገዛእ ርእሶም ገቲኦም ዘይክእሉ
• ሰናይ ዘይፈትዉ
• ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ
• ሓያሎ ብግብዝና ክርስትያናት ኢና ኺብሉ ምዃኖም
• ምትንሳእ ብዙሓት ነብያት ሓሶት
• መስጐጕቲ ናይ ሓቂ ክርስትያናት
• ሰባት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መጠንቀቕታ ዘየቕልቡሉ ምዃኖም
[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ብዘላ ምድሪ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ይምህሩ