ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብዛዕባ መወዳእታ ንዚለዓል ኣርባዕተ ሕቶታት ዚኸውን መልሲ

ብዛዕባ መወዳእታ ንዚለዓል ኣርባዕተ ሕቶታት ዚኸውን መልሲ

ብዛዕባ መወዳእታ ንዚለዓል ኣርባዕተ ሕቶታት ዚኸውን መልሲ

የሱስ ክርስቶስ፡ ‘መወዳእታ ኸም ዚመጽእ’ ተነብዩ ነይሩ እዩ። ነቲ ግዜ እቲ ኺገልጾ ኸሎ ኸኣ፡ “ሽዑ መከራ ኪኸውን እዩ፡ ከምኡ ዝበለ ኻብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሎሚ ዘይኰነ፡ ከቶ ድማ ዘይከውን እዩ” ኢሉ እዩ።—ማቴዎስ 24:14, 21

እቲ የሱስ ብዛዕባ መወዳእታ ዝሃቦ ሓሳብ ምስ ካልእ ብዛዕባ እዚ ርእሰ ነገር እዚ ዚገልጽ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ተደሚሩ፡ ኣገዳሲ ሕቶታት ከም እንሓትት እዩ ዚገብረና። ንምንታይ መጽሓፍ ቅዱስካ ገንጺልካ ንመልሲ እቲ ሕቶታት ኣብኡ ዘይተንብቦ፧

1 ናይ ምንታይ መወዳእታ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምድሪ ቓል ብቓሉ ኸም እትጠፍእ ኣይምህርን እዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር፡ “ንዘለኣለም ከይትናወጽሲ፡ [ኣምላኽ] ንምድሪ ኣብ መሰረታ ኣጽንዓ” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝሙር 104:5) መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ዘለዎ ዘበለ ብሓዊ ተሃሚኹ ኸም ዚጠፍእ እውን ኣይምህርን እዩ። (ኢሳይያስ 45:18) የሱስ፡ ካብ ጥፍኣት ዚድሕኑ ሰባት ከም ዚህልዉ ሓቢሩ ነበረ። (ማቴዎስ 24:21, 22) እሞኸ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ናይ ምንታይ መወዳእታ እዩ፧

መወዳእታ ሰብኣውያን መንግስትታት እዩ። ነብዪ ዳንኤል ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእን፡ ግዝኣታ ኸኣ ንኻልእ ህዝቢ ዘይውሀብን መንግስቲ ኼተንስእ እዩ። ንዅለን እዘን መንግስትታት እዚኣተን ክትጭፍልቐንን ከተጥፍኤንን እያ፡ ንሳ ግና ንዘለኣለም ክትቀውም እያ።”—ዳንኤል 2:44

ውግእን ብከላን መወዳእታ ኺግበረሉ እዩ። መዝሙር 46:9፡ ኣምላኽ እንታይ ከም ዚገብር ክትገልጽ ከላ፡ “ንውግእ ክሳዕ ወሰን ምድሪ መወዳእታ ይገብረሉ፡ ንቐስቲ ይሰብሮ፡ ንዂናት ይቐራስሞ፡ ንሰረገላታት ብሓዊ የንድዶ” ትብል። ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ‘ነቶም መጥፋእቲ ምድሪ ኸም ዜጥፍኦም’ ይምህር እዩ።—ራእይ 11:18

ገበንን ግፍዕን መወዳእታ ኺግበረሉ እዩ። ቃል ኣምላኽ፡ “እቶም ቅኑዓት ኣብ ምድሪ እዮም ዚነብሩ፡ እቶም ፍጹማት ከኣ ኣብኣ እዮም ዚተርፉ፡ . . . ረሲኣን ግና ካብ ምድሪ ኺጸንቱ፡ እቶም ጠለምቲ ኸኣ ካብኣ ኺምንቈሱ እዮም” ኢሉ ይመባጻዕ እዩ። aምሳሌ 2:21, 22

2 መዓስ እዩ መወዳእታ ዚመጽእ፧

የሆዋ ኣምላኽ ኣብ “ጊዜኡ” ንእከይ ኬወግድን ብመንግስቱ ንምልእቲ ምድሪ ኺገዝኣን እዩ። (ማርቆስ 13:33) ኰይኑ ግን፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነታ መዓልቲ እቲኣ ኽንፈልጣ ኸም ዘይንኽእል ብንጹር ይገልጽ እዩ። የሱስ፡ “ስለ እታ መዓልቲ እቲኣን ስለ እታ ሰዓት እቲኣን ግና ብዘይ ኣቦ በይኑ፡ መላእኽቲ ሰማይ እንተ ዀኑ እኳ ወይስ ወዲ፡ ዚፈልጣ የልቦን” በለ። (ማቴዎስ 24:36) ይኹን እምበር፡ የሱስን ደቀ መዛሙርቱን፡ መወዳእታ ቕድሚ ምምጻኡ ኣብ ምድሪ ብዛዕባ ዚህሉ ዅነታት ተነብዮም ነይሮም እዮም። እዚ ቐጺሉ ዘሎ ፍጻመታት ብምሉኡ፡ ኣብ ብዘላ ምድሪ ብሓንሳእ ኬጋጥም ከሎ፡ መወዳእታ ኸም ዝቐረበ ኽንፈልጥ ንኽእል ኢና።

ኣብ ታሪኽ ተራእዩ ዘይፈልጥ ፖለቲካውን ከባብያውን ማሕበራውን ነውጺ የጋጥም ኣሎ። ደቀ መዛሙርቲ ንየሱስ ብዛዕባ መወዳእታ ምስ ሓተትዎ፡ “ህዝቢ ናብ ህዝቢ፡ መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኺለዐል እዩ እሞ፡ በብቦታኡ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኪኸውን፡ ጥሜት ኪኸውን እዩ። እዚ መጀመርታ ቕልውላው እዩ” ኢሉ መለሰሎም። (ማርቆስ 13:8) ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ግና ክፉእ ዘመን ከም ዚመጽእ፡ እዚ ፍለጥ። ሽዑ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ኪዀኑ እዮም እሞ፡ ፈተውቲ ገንዘብ፡ ተጀሃርቲ፡ ዕቡያት፡ ተጻረፍቲ፡ ንወለዶም ዘይእዘዙ፡ ዘየማስዉ፡ ርኹሳት፡ ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎም፡ ተቐየምቲ፡ ሓመይቲ፡ ቀለልቲ፡ ጨካናት፡ ሰናይ ዘይፈትዉ፡ ኣሕሊፎም ዚህቡ፡ ህዉኻት፡ ተፈኽነንቲ፡ ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ።”—2 ጢሞቴዎስ 3:1-5

ኣብ መላእ ዓለም ብሓያሎ ቛንቋታት ወፍሪ ስብከት ይካየድ ኣሎ። የሱስ፡ “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፡ ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ” በለ።—ማቴዎስ 24:14

3 ድሕሪ እቲ መወዳእታ እንታይ ኬጋጥም እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኵሎም ጻድቃን ኣብ ሰማይ ንዘለኣለም ምእንቲ ኺነብሩ፡ ካብ ምድሪ ኸም ዚውሰዱ ኣይምህርን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ የሱስ፡ እቲ ኣምላኽ ብመጀመርታ ንደቂ ሰብ ዝነበሮ ዕላማ ኸም ዚፍጸም እዩ ምሂሩ። እወ፡ “ዓቃላት፡ ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም” ኢሉ እዩ። (ማቴዎስ 5:5፣ 6:9, 10) መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቶም መወዳእታ ቕድሚ ምምጻኡ ዚሞቱ ሰባት፡ ካብ ሞት ከም ዚትንስኡ መብጽዓ ኣትዩ ኣሎ። (እዮብ 14:14, 15፣ ዮሃንስ 5:28, 29) ድሕሪ እቲ መወዳእታ ደኣ እሞ እንታይ እዩ ኼጋጥም፧

የሱስ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ኻብ ሰማይ ኪገዝእ እዩ። ነብዪ ዳንኤል ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ብራእያት ለይቲ እጥምት ነበርኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ወዲ ሰብ ዚመስል [እቲ ኻብ ሞት ዝተንስአ የሱስ] ብደበና ሰማይ ይመጽእ ነበረ፡ ናብቲ ጥንታዊ ዝመዓልቱ [የሆዋ ኣምላኽ] ድማ በጽሔ፡ ናብ ቅድሚኡውን ኣቕረብዎ። ኵላቶም ኣህዛብን ወገናትን ቋንቋታትን ኬገልግልዎስ፡ ግዝኣትን ክብርን መንግስትን ንእኡ [ንየሱስ] ተዋህቦ። ግዝአቱ ዘይሐልፍ ዘለኣለማዊ ግዝኣት እዩ፡ መንግስቱውን ከቶ ኣይክትጠፍእን እያ።”—ዳንኤል 7:13, 14፣ ሉቃስ 1:31, 32፣ ዮሃንስ 3:13-16

ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ጽቡቕ ጥዕናን ነባሪ ድሕንነትን ዘለኣለማዊ ህይወትን ኪረኽቡ እዮም። ነብዪ ኢሳይያስ፡ “ኣባይቲ ኺሰርሑን ኪነብሩለንን እዮም፡ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉ፡ ፍሬኡውን ኪበልዑ እዮም። . . . ካልኦት ዚነብሩሉ ኣባይቲ ኣይኪሰርሑን፡ ካልኦት ፍሬኡ ዚበልዕዎ ኸኣ ኣይኪተኽሉን እዮም” ኢሉ ጸሓፈ። (ኢሳይያስ 65:21-23) ሃዋርያ ዮሃንስ እውን ብዛዕባ እቲ ግዜ እቲ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “እንሆ ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ፡ ንሱውን ምሳታቶም ኪነብር እዩ፡ ንሳቶም ከኣ ህዝቡ ኪዀኑ እዮም፡ ኣምላኽውን ባዕሉ ምሳታቶምን ኣምላኾምን ኪኸውን እዩ። ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን፡ ወይ ጫውጫው፡ ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ።”—ራእይ 21:3, 4

4 ካብቲ ኣብ መወዳእታ ዜጋጥም ጥፍኣት ንኽትድሕን እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ ገሊኦም ኣብ ግዜ መወዳእታ ዚህልዉ ሰባት፡ ኣምላኽ ኣብ ጕዳያት ደቂ ሰብ ኢዱ ብምእታው ንእከይ ካብ ምድሪ ዜጥፍኦ ስለ ዘይመስሎም፡ ከም ዜላግጹ ሓቢሩ ነይሩ እዩ። (2 ጴጥሮስ 3:3, 4) ይኹን እምበር፡ ጴጥሮስ ነቶም ኣብዚ ግዜና ዚነብሩ ሰባት፡ ከምዚ ዚስዕብ ኪገብሩ ተማሕጸኖም።

ካብ ታሪኽ ተምሃር። ጴጥሮስ፡ ኣምላኽ “ነታ ቐዳመይቲ ዓለም ድማ ካብ ዘይነሐፋስ፡ ናብታ ናይ ሓጥኣን ዓለም ማይ ኣይሂ ምስ ኣውረደ ኸኣ፡ ንኖህ ሰባኽ ጽድቂ ሳምናይ ርእሱ ሐለዎ” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ጴጥሮስ 2:5) ብዛዕባ እቶም መላገጽቲ ኸኣ ከምዚ በለ፦ “ሰማያት ካብ ጥንቲ ብቓል ኣምላኽ ከም ዝነበረ፡ ምድሪውን ካብ ማይን ብማይን ምዃና፡ ነዚ ፈትዮም ይርስዕዎ አለዉ። እታ ሽዑ ዝነበረት ዓለም ብእኡ፡ በቲ ማይ፡ ተሰጢማ ጠፍኤት። እቲ ሕጂ ዘሎ ሰማያትን ምድርን b ግና ብቓሉ ተዐቝሩ አሎ፡ ክሳዕ መዓልቲ ፍርድን ክሳዕ ጥፍኣት እቶም ንእግዚኣብሄር ዘይፈርሁ ሰባትን ንሓዊ ይሕሎ አሎ።”—2 ጴጥሮስ 3:5-7

ብስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ኣምላኽ ተመላለስ። ጴጥሮስ፡ እቶም ካብቲ ኣብ መወዳእታ ዜጋጥም ጥፍኣት ኪድሕኑ ዚደልዩ፡ “ብቕዱስ ንብረትን [ወይ ናብራን] ብፍርሃት እግዚኣብሄርን” ኪመላለሱ ኸም ዘለዎም ጸሓፈ። (2 ጴጥሮስ 3:11) እዚ ኸኣ ተግባር ከም ዜድሊ ዚእምት እዩ። ስለዚ፡ እምነት ከም ዘሎካ ጥራይ ካብ ምግላጽ ወይ ከኣ ኣብ ኣፉን ዕርበቱን ምስ ኣምላኽ ርክብ ክትምስርት ካብ ምፍታን ንላዕሊ ዜጠቓልል እዩ።

ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ዘለዎ ተግባር እንታይ እዩ፧ ንምንታይ ነቲ ንስኻ እትፈልጦ ነገራት፡ ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ዚምህሮ ዘይተነጻጽሮ፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ባህ ኢልዎም ኪሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። ንመልስታቶም ካብ መጽሓፍ ቅዱስካ ኼርእዩኻ ሕተቶም። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ብዜፍርህ ነገራት እኳ እንተ ተኸበብካ፡ ንመጻኢ ብትብዓትን ብምትእምማንን ንኽትገጥመሉ ኺሕግዘካ እዩ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ነታ ኣብዛ ሕታም እዚኣ፡ ኣብ ገጽ 22 እትርከብ፡ “ኵሎም ሰባት ንኣምላኽ ንኺፈልጥዎ ማዕረ ኣጋጣሚ ኣለዎም ድዩ፧” እትብል ዓንቀጽ እውን ርአ።

b ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ጴጥሮስ ንምድሪ ብምሳልያዊ መገዲ እዩ ዚጠቕሳ ነይሩ። እቲ ጸሓፍ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ሙሴ እውን እንተ ዀነ፡ ብምሳልያዊ መገዲ ጠቒስዋ ነይሩ እዩ። “ምድሪ ብዘላ ብሓደ ቛንቋ . . . ነበረት” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (ዘፍጥረት 11:1) ከምቲ ምድሪ ቓል ብቓሉ “ብሓደ ቛንቋ” ኽትዛረብ ዘይትኽእል፡ ቃል ብቓሉ እውን ኣይክትጠፍእን እያ። የግዳስ፡ ከምቲ ጴጥሮስ ዝገለጾ፡ እቶም ንኣምላኽ ዘይፈርሁ ሰባት እዮም ዚጠፍኡ።

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ምድሪ ዘይኰነትስ፡ እቶም ንምድሪ ዜበላሽውዋ እዮም ዚጠፍኡ