ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣምላኽ ብሓቂዶ ይሓልየልካ እዩ፧

ኣምላኽ ብሓቂዶ ይሓልየልካ እዩ፧

ኣምላኽ ብሓቂዶ ይሓልየልካ እዩ፧

ከም እትፍቶ ዀይኑዶ ይስምዓካ፧ ወይስ ዋላ ሓደ ኸም ዘይሓልየልካ፧ ኣብዛ ሃታሃታ ዝመልኣን ኣብ ጥቕሚ ርእሳ እተተኵርን ዓለም፡ ኣገዳስነት ዘይብልካን ዘይትረብሕን ከም ዝዀንካ ጌርካ፡ ብቐሊሉ ኽትኣምን ትኽእል ኢኻ። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ግዜና ዚገልጾ፡ ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ኣብ ርእሶም ጥራይ ስለ ዜተኵሩ፡ ብዛዕባ ኻልኦት ግዲ የብሎምን።—2 ጢሞቴዎስ 3:1, 2

ደቂ ሰብ ዘለዎም ዕድመ፡ ባህሊ፡ ቋንቋ፡ ወይ ዓሌት ብዘየገድስ፡ ኵላቶም ኬፍቅሩን ኪፍቀሩን ሓያል ድሌት ኣለዎም። ብመሰረት ገሊኡ ጸብጻባት፡ ስርዓተ መትንና፡ ፍቕርን ለውሃትን ከም ዜለሊ ዀይኑ እዩ ብፍሉይ መገዲ ተፈጢሩ። እቲ ዝፈጠረና የሆዋ ኣምላኽ፡ ፍቕርን ሞሳን ከም ዜድልየና፡ ካብ ዝዀነ ይኹን ንላዕሊ ይፈልጥ እዩ። ኣኽቢሩ ኸም ዚርእየካ እንተ ዜረጋግጸልካስ ከመይ ምተሰምዓካ፧ ዓብዪ ኽብሪ ኸም ዚስምዓካ ኣየጠራጥርን እዩ። የሆዋ ኣምላኽ ንዘይፍጹማት ሰባት ከም ዚግደሰሎም ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ዲና፧ ብውልቂ ይሓልየልና ድዩ፧ ዚሓልየልና እንተ ዀይኑኸ፡ ኣብ ቅድሚኡ ተፈተውቲ ኺገብረና ዚኽእል እንታይ እዩ፧

የሆዋ ይሓልየልካ እዩ

ኣስታት 3,000 ዓመት ይገብር፡ ሓደ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮ ጸሓፍ መዝሙር ነቲ ብኸዋኽብቲ ዝመልአ ሰማይ ምስ ረኣየ ኣስተንከረ። ብዛዕባ እቲ ቘጺርካ ዘይውዳእ ኸዋኽብቲ ዝፈጠረ ፈጣሪ ኺሓስብ ከሎ፡ ግርማኡ ኽሳዕ ክንደይ ዓብዪ ምዃኑ ኣስተውዒሉ ነይሩ እዩ። ብዛዕባ ዕቤት የሆዋን ንኡስነት ወዲ ሰብን ኬስተንትን ከሎ ድማ፡ ፍቕራዊ ሓልዮት የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዜስደምሞ በዚ ዚስዕብ ቃላት ገለጸ፦ “ንሰማያትካ፡ ነቲ ስራሕ ኣጻብዕካ፡ ንስኻ ዘቘምካዮም፡ ወርሕን ከዋኽብትን እንተ ጠመትኩ፡ እቲ ንስኻ እትዝክሮ ሰብ፡ እቲ እትሐልየሉ ወዲ ሰብሲ እንታይ እዩ፧” (መዝሙር 8:3, 4) እቲ ልዑል ኣምላኽ ንዘይፍጹማት ሰባት ከም ዘይግደሰሎም ጌርካ ብቐሊሉ ኽትድምድም ትኽእል ኢኻ። ኰይኑ ግን፡ ሰብ ብተዛማዲ ዘይረብሕን ዕድሚኡ እውን በሪሩ ዚሓልፍን እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ግን ዋጋ ኸም ዘለዎ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ይፈልጥ ነበረ።

ካልእ ጸሓፍ መዝሙር እውን፡ “እግዚኣብሄር በቶም ዚፈርህዎ፡ ንጸጋኡውን ዚጽበዩ ይሕጐስ” በለ። (መዝሙር 147:11) ኣብ ክልቲአን እዘን መዝሙራት እተገልጸ ሓሳባት፡ ልቢ ዚትንክፍ እዩ። የሆዋ ልዑል እኳ እንተ ዀነ፡ ደቂ ሰብ ከም ዘለዉ ጥራይ ኣይኰነን ዚፈልጥ። የግዳስ፡ ‘ይሓልየሎምን’ ‘ይሕጐሰሎምን’ እዩ።

እዚ ሓቂ እዚ ኣብቲ ብዛዕባ ግዜና ዚገልጽ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ጐሊሑ ኣሎ። የሆዋ ብነብዪ ሃጌ ኣቢሉ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ብዘላ ዓለም ከም ዚስበኽ ሓቢሩ እዩ። ውጽኢቱኸ እንታይ እዩ ኪኸውን፧ ሓደ ኻብቲ ውጽኢት፡ “ናይ ኵላቶም ኣህዛብ ክቡር ነገር ኪመጽእ እዩ፡ ኣነውን ነዛ ቤት እዚኣ ብኽብሪ ኽመልኣ እየ” ብዚብል ቃላት ተገሊጹ ኣሎ።—ሃጌ 2:7

እቲ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ እተዋጽአ “ኽቡር ነገር” እንታይ እዩ፧ እዚ ነገር እዚ፡ ግኡዝ ሃብቲ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። (ሃጌ 2:8) ብሩር ኰነ ወርቂ ንልቢ የሆዋ ኼሐጕሶ ኣይክእልን እዩ። የግዳስ፡ በቶም ዘይፍጽምና እናሃለዎም ክነሱ ብፍቕሪ ዜምልኽዎ ሰባት እዩ ዚሕጐስ። (ምሳሌ 27:11) ንዕኡ ኽብሪ ዜምጽኡሉ “ኽቡር ነገር” ተባሂሎም ዘለዉ ንሳቶም እዮም፣ ንልባዊ ተወፋይነቶምን ብቕንኣት ንዚፍጽምዎ ኣገልግሎቶምን እውን ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ። ንስኻኸ ሓደ ኻባታቶም ዲኻ፧

ዘይፍጹማት ደቂ ሰብ ኣብ ቅድሚ ፈጣሪ ዅሉ ፍጥረት ክቡራት ወይ ፍቱዋት ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ ጌርካ ምሕሳብ ዘይእመን እዩ ዚመስል። እንተዀነ ግን፡ እዚ ሓቂ እዚ፡ ነቲ ንኣምላኽ ንኽንቀርቦ ዝቐረበልና ምዉቕ ዕድመ ንኽንቅበል ኪድርኸና ኣለዎ።—ኢሳይያስ 55:6፣ ያእቆብ 4:8

“ንስኻ ኣዚኻ ፍትዊ ኢኻ”

ነብዪ ዳንኤል ብግዜ እርጋኑ፡ ሓደ ኣጋ ምሸት ዜደንቕ ነገር ኣጋጠሞ። እናጸለየ ኸሎ፡ ሓደ ዓብዪ ጋሻ ብሃንደበት መጾ። እቲ ጋሻ፡ ገብርኤል ይበሃል። ዳንኤል ምስቲ ጋሻ ኣቐዲሙ ተራኺቡ ስለ ዚፈልጥ፡ መልኣኽ የሆዋ ምዃኑ ኣለለዮ። ገብርኤል ድማ ብሃንደበት ዝመጸሉ ምኽንያት ኪገልጽ ከሎ፡ “ዳንኤለየ፡ ኣነ ምስትውዓል ክምህረካ ኢለ ሕጂ ወጻእኩ። . . . ንስኻ ኣዚኻ ፍትዊ ኢኻ” በሎ።—ዳንኤል 9:21-23

ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ፡ ሓደ መልኣኽ የሆዋ ንዳንኤል፡ “ኣታ ዳንኤል፡ ኣዚኻ እተፈቶኻ ሰብ” ኢሉ ጸዊዕዎ እዩ። ኣስዕብ ኣቢሉ፡ ንኼበራትዖ ኢሉ፡ “ኣታ ኣዚኻ እተፈቶኻ ሰብ፡ ኣይትሸበር፡ ሰላም ንኣኻ ይኹን” በሎ። (ዳንኤል 10:11, 19) ዳንኤል ‘ኣዝዩ ዚፍቶ’ ምዃኑ፡ ሰለስተ ሳዕ ተገሊጹሉ እዩ። እዛ መግለጺት እዚኣ፡ “ልዑል ኣኽብሮት ዚወሃቦ” ወይ “ምሩጽ” ዚብል ትርጕም ኪህልዋ ይኽእል እዩ።

ዳንኤል ምስ ኣምላኽ ይቀራረብ ከም ዝነበረ፡ ብተወፋይነት ዜቕርቦ ኣገልግሎት እውን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ቕቡል ከም ዝነበረ ብርግጽ የስተውዕል ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ኣምላኽ ብመላእኽቱ ገይሩ ኣዝዩ ኸም ዚፈትዎ ምስ ገለጸሉ ግን፡ ብዙሕ ተበራቲዑ ኪኸውን ኣለዎ። ስለዚ፡ “ኣበርቲዕካኒ ኢኻ” ኢሉ ምምላሱ ኣየገርምን እዩ።—ዳንኤል 10:19

እቲ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንእሙን ነብዪኡ ዝነበሮ ስምዒት ዚገልጽ ልቢ ዚትንክፍ ጸብጻብ፡ ንጥቕምና ተባሂሉ እዩ ኣብ ቃል ኣምላኽ ተመዝጊቡ ዚርከብ። (ሮሜ 15:4) ብዛዕባ እቲ ዳንኤል ዝሓደጎ ኣብነት ምስትንታንና፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና እተፈቶና ዚገብረና እንታይ ምዃኑ ንኽንርዳእ ይሕግዘና እዩ።

ኣዘውቲርካ ቓል ኣምላኽ ኣጽንዕ

ዳንኤል ትጉህ ተመሃራይ ቅዱሳት ጽሑፋት እዩ ነይሩ። ከምኡ ኽንብል ዝኸኣልና፡ ንሱ ባዕሉ፡ “ነቲ . . . ቝጽሪ ዘመናት ብመጻሕፍቲ ኣስተውዐልክዎ፡ ማለት ምዕናው የሩሳሌም ብሰብዓ ዓመት ከም ዚፍጸም እዩ” ስለ ዝበለ እዩ። (ዳንኤል 9:2) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሙሴን ዳዊትን ሰሎሞንን ኢሳይያስን ኤርምያስን ህዝቅኤልን ካልኦት ነብያትን ብመንፈስ ተደሪኾም ዝጸሓፍዎ ጽሑፋት ኪረክብ ይኽእል ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ብሓያሎ ጥቕላላት መጻሕፍቲ ተኸቢቡ፡ ብዛዕባ እቲ ንጹህ ኣምልኾ ኣብ የሩሳሌም ከም ብሓድሽ ዝቘመሉ እዋን ዚገልጽ ትንቢታት ኬንብብን ኬረኣእን ከሎ፡ ኣብ ኣእምሮና ኽንስእሎ ንኽእል ኢና። ምናልባት ኣብታ ጸጥታ ዚረኽበላ ኣብ ደርቢ ዝነበረት ቤቱ፡ ብዛዕባ ትርጕም እቲ ዘንበቦ ጽሑፋት ብዕምቈት ኣስተንቲኑ ኪኸውን ኣለዎ። እቲ ብዕላማ ዚገብሮ ዝነበረ መጽናዕቱ፡ ንእምነቱ ኣደልዲልዋን ናብ የሆዋ ዝያዳ ኣቕሪብዎን እዩ።

ዳንኤል በቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝገበሮ መጽናዕቲ፡ ባህርያቱን መገዲ ህይወቱን ተቐሪጹ እዩ። ብግዜ ንእስነቱ እተማህሮ ቕዱስ ጽሑፋዊ መምርሒ፡ ነቲ ኣብ ሕጊ ኣምላኽ ዚርከብ ብዛዕባ እቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ ኣመጋግባ እተዋህበ ስርዓት ንኺሕሉ ደሪኽዎ እዩ። (ዳንኤል 1:8) ጸኒሑ፡ ድምብርጽ ከይበሎ፡ ንገዛእቲ ባቢሎን መልእኽቲ ኣምላኽ ነጊርዎም እዩ። (ምሳሌ 29:25፣ ዳንኤል 4:19-25፣ 5:22-28) ብትግሃቱን ብሓቀኛነቱን ብተኣማንነቱን ፍሉጥ እዩ ነይሩ። (ዳንኤል 6:4) ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ህይወቱ ንኼድሕን ኢሉ ኣብ ክንዲ ዚለማለም፡ ኣብ የሆዋ ምሉእ እምንቶ ነበሮ። (ምሳሌ 3:5, 6፣ ዳንኤል 6:23) እምበኣር፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ‘ኣዝዩ እተፈትወ’ ምንባሩ ዜገርም ኣይኰነን!

መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ገሊኡ መዳያት ካብ ንዳንኤል፡ ንዓና ይቐልል። ኣጸጋሚ ዝነበረ ጥቕላላት፡ ብምሹእ መጻሕፍቲ ተተኪኡ ኣሎ። ሕጂ እተማልአ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎና፣ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ እውን፡ ገሊኡ ዳንኤል ዝጸሓፎ ትንቢታት ብኸመይ ከም እተፈጸመ ዚገልጽ ጽሑፋት ኣሎ። ብዘይካዚ፡ ኣኺሉ ዚተርፍ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚሕግዝ ጽሑፋትን ምርምር ንምግባር ዜኽእል ናውትን ኣሎና። * በዚ ናውቲ እዚ ትጥቀም ዲኻ፧ ኣዘውቲርካ መጽሓፍ ቅዱስ ንምንባብን ብዛዕባኡ ንምስትንታንን ግዜ ትምድብ ዲኻ፧ ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ከም ናይ ዳንኤል ዓይነት ውጽኢት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ሓያል እምነት ከተጥርን ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ ከተደልድልን ኢኻ። ቃል ኣምላኽ ንህይወትካ ዜተኣማምን መምርሒ ኪዀነልካ እዩ፣ ኣምላኽ እውን ፍቕራዊ ሓልዮቱ ኼረጋግጸልካ እዩ።

ጸሎት ኣዘውትር

ዳንኤል ናይ ጸሎት ሰብ እዩ ነይሩ። ናብ ኣምላኽ ግቡእ ልመና የቕርብ ነበረ። ብግዜ ንእስነቱ፡ ንነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ሕልሙ ኺፈትሓሉ እንተ ዘይክእል ነይሩ፡ ምተቐትለ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ከይተደናጐየ ኻብ የሆዋ ሓገዝን ዕቝባን ለመነ። (ዳንኤል 2:17, 18) ዘይፍጽምናኡ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡ ዓመታት ጸኒሑ፡ ሓጢኣቱን ሓጢኣት ህዝቡን ተናዘዘ፡ ካብ የሆዋ እውን ምሕረት ለመነ። (ዳንኤል 9:3-6, 20) ነቲ ብመንፈስ ኣምላኽ እተዋህቦ መልእኽቲ ምስትውዓሉ ምስ ሰኣነ፡ ሓገዝ ኣምላኽ ለመነ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ እቲ ተወሳኺ ኣስተውዕሎ ኺህቦ እተላእከ መልኣኽ፡ “ቃላትካ ተሰሚዔን እየን” በሎ።—ዳንኤል 10:12

እቲ እሙን ዝነበረ ዳንኤል፡ ንኣምላኽ ይልምኖ ጥራይ ኣይኰነን ነይሩ። ዳንኤል 6:10፡ “ከምቲ ቐደም ዚገብሮ ዝነበረ ሰለስተ ሳዕ ኣብ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኹ . . . ጸለየን አመስገነን” ትብል። ዳንኤል ንየሆዋ ዜመስግነሉን ዚውድሰሉን ብዙሕ ምኽንያታት ነበሮ። ኣዘውቲሩ እውን ከምኡ ይገብር ነበረ። ጸሎት ዘይንጸል ክፍሊ ኣምልኾኡ ኻብ ምዃኑ እተላዕለ፡ ንህይወቱ ኣብ ሓደጋ ዜእቱ እኳ እንተ ዀነ፡ ጸሎቱ ኺሓድግ ፍቓደኛ ኣይነበረን። ብርግጽ እምበኣር፡ እዚ ጽንዓቱ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተፈታዊ ገይርዎ እዩ።

ጸሎት ከመይ ዝበለ ዜደንቕ ውህበት ኰን እዩ! ንሰማያዊ ኣቦኻ ኸይተዛረብካዮ እትሓልፍ ዋላ ሓንቲ መዓልቲ ኽትህሉ የብላን። ስለቲ ዅሉ ሰናዩ፡ ኣመስግኖን ወድሶን። ጭንቀትካን ሻቕሎትካን ከይተሰከፍካ ግለጸሉ። ልመናኻ ወይ ምህለላኻ ብኸመይ ከም እተመለሰልካ ሕሰበሉ፡ ምስጋናኻ ኸኣ ግለጽ። ግዜ ወሲድካ ንውሕ ዝበለ ጸሎት ጸሊ። በዚ ኸምዚ ልብና ንየሆዋ እንተ ኸፊትናሉ፡ ብብሕቲ ኸም ዜፍቅረና ኺስምዓና እዩ። እዝስ ነቲ፡ “ጸሎት ኣዘውትሩ” ዚብል ምኽሪ ንኽንዓየሉ ዜለዓዕለና፡ ከመይ ዝበለ መተባብዒ ዀን እዩ!—ሮሜ 12:12

ንስም የሆዋ ኣኽብሮ

ጥቕሚ ርእስና ጥራይ እንሓስብ እንተ ዄንና፡ ጽቡቕ ምሕዝነት ኪህልወና ኣይክእልን እዩ። ምስ የሆዋ ኣብ ዘሎና ርክብ እውን፡ እዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ ይዓዪ እዩ። ዳንኤል ነዚ ይፈልጦ ነይሩ እዩ። ስም የሆዋ ብዛዕባ ምኽባር ክሳዕ ክንደይ የተሓሳስቦ ምንባሩ እስከ ንርአ።

ዳንኤል ብዛዕባ ሕልሚ ነቡካድነጻርን ትርጓሜኡን ጸልዩ ኻብ ኣምላኽ መልሲ ምስ ረኸበ፡ “ጥበብን ስልጣንን ናቱ እዩ እሞ፡ ስም ኣምላኽ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ይባረኽ” በለ። ጸኒሑ፡ ንነቡካድነጻር ሕልሙን ትርጓሜኡን ኬፍልጦ ኸሎ፡ የሆዋ ጥራይ “ምስጢራት ዚገልጽ” ምዃኑ ብተደጋጋሚ ኣጕልሐ። ካብ ኣምላኽ ይቕረታን ድሕነትን ንምርካብ ኪልምን ከሎ እውን፡ “ከተማኻን ህዝብኻን ብስምካ ተሰምዮም እዮም” ኢሉ ጸለየ።—ዳንኤል 2:20, 28፣ 9:19

ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ንዳንኤል ንኽንመስሎ ዜኽእለና ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኣሎና። ክንጽሊ ኸለና፡ ‘ስም ኣምላኽ ኪቕደስ’ ከም እንደሊ ኽንገልጽ ንኽእል ኢና። (ማቴዎስ 6:9, 10) ኣካይዳና ኣብቲ ቕዱስ ስም የሆዋ ጸርፊ ኼምጽእ ከቶ ኣይንደልን ኢና። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ እተመሃርናዮ ዘበለ ንኻልኦት ብምንጋር፡ ወትሩ ንየሆዋ ነኽብሮ።

ኣብዛ እንነብረላ ዘለና ዓለም፡ ፍቕርን ሓልዮትን ኣይርከብን እዩ። ኰይኑ ግን፡ የሆዋ ንኣምለኽቱ ብደረጃ ውልቀ-ሰብ ብሓቂ ኸም ዚሓልየሎም ምፍላጥና፡ ብዙሕ ኬጸናንዓና ይኽእል እዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ከም ዝበሎ፡ “እግዚኣብሄር ንህዝቡ ብሂግዎም እዩ እሞ፡ ንትሑታት ብምድሓን ይስልሞም።”—መዝሙር 149:4

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 18 ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ካብ ንባብን መጽናዕትን መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ጥቕሚ ንምርካብ ዚሕግዝ ሓያሎ ንምርምርን ንመጽናዕትን ዚሕግዝ ናውቲ የዳልዉ እዮም። ነዚ ናውቲ እዚ ኽትረክብ ትደሊ እንተ ዄንካ፡ ከይተሰከፍካ ንሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ሕተት።

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ኣምላኽ ንዳንኤል ከም ዚፈትዎ ንምግላጽ፡ ንገብርኤል መልኣኽ ብምልኣኽ ኣበራትዖ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ዳንኤል ብትግሃት ዜጽንዕን ዚጽልን ብምንባሩ፡ ባህርያቱ ተመሓየሸ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ተፈታዊ ዀነ