ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትንቢት 6. ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት

ትንቢት 6. ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት

ትንቢት 6. ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት

“እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ።”—ማቴዎስ 24:14

● ቫቲያ ኣብ ፓስፊክ ኣብ ዚርከባ እኩባት ደሴታት ቱኣሞቱ እያ እትነብር። ቱኣሞቱ ነተን ልዕሊ 802,900 ትርብዒት ኪሎ ሜተር ኣብ ዝስፍሓቱ ቦታ ዚርከባ ዳርጋ 80 ዚዀና ናይ ኮራል ደሴታት ዘጠቓለለት ክትከውን ከላ፡ 16,000 ተቐማጦ ጥራይ እዮም ዘለዉዋ። ይኹን እምበር፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ቫቲያን ምስ ጐረባብታን ተራኺቦም እዮም። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ንዚርከቡ ሰባት፡ ወንጌል ወይ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኬካፍልዎም እዮም ዚጽዕሩ።

መርትዖታት እንታይ ይሕብር፧ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ኵሉ ኵርናዓት ዓለም ይዝርጋሕ ኣሎ። ኣብ 2010 ጥራይ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ነቶም ኣብ 236 ሃገራት ዚርከቡ ሰባት ንምክፋል፡ ልዕሊ 1.6 ቢልዮን ሰዓት ኣሕለፉ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ነፍሲ ወከፍ ናይ የሆዋ ምስክር፡ ኣብ መዓልቲ ብገምጋም ን30 ደቒቕ ዚኣክል ኣብ ዕዮ ስብከት ተኻፊሉ ኣሎ ማለት እዩ። ብዘይካዚ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት፡ ልዕሊ 20 ቢልዮን ዚኸውን መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትመሃር ዚሕግዝ ጽሑፋት ሓቲሞምን ዘርጊሖምን እዮም።

ብተደጋጋሚ ዚስማዕ ተቓውሞ እንታይ እዩ፧ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኣሽሓት ዓመታት ተሰቢኹ እዩ።

እዚ ተቓውሞ እዚ ርትዓዊ ድዩ፧ ሓቂ እዩ፡ ብዙሓት ብዛዕባ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሰቢኾም እዮም። ይኹን እምበር፡ ንሓጺር እዋንን ኣብ እተወሰነ ቦታን እዮም ሰቢኾም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግን፡ ብእተወደበ መልክዕ ዓለምለኻዊ ወፈራ ስብከት ብምክያድ፡ ንኣማእታት ሚልዮናት ሰባት ኪሰብኩሎም ክኢሎም እዮም። ዋላ እኳ ኣብ ምድሪ ኻብ ዝነበሩ ሓያላትን ጨካናትን ውድባት ብርቱዕ ምጽራር እንተ ኣጋጠሞም፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ምስባኽ ኣየቋረጹን። * (ማርቆስ 13:13) ብዘይካዚ፡ ብዘይ ክፍሊት እዮም ዚሰብኩ። እኳ ደኣስ፡ ንግዜኦም ብፍቓዶም ይውፍዩ፡ ንጽሑፋቶም ከኣ ብናጻ ይዕድሉ እዮም። ዕዮኦም ምሉእ ብምሉእ በቲ ብፍታው ዚግበር ውጽኢት እዩ ዚድገፍ።

ንስኻኸ እንታይ ይመስለካ፧ “ወንጌል መንግስቲ” ኣብ መላእ ዓለም ይስበኽዶ ኣሎ፧ እዚ ትንቢት እዚ ፍጻሜኡ ምርካቡ፡ ድሕሪ ሓጺር እዋን ዝሓሸ ግዜ ኸም ዚመጽእ ዜርኢ ደዀን ይኸውን፧

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 6 ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ነተን “ጂሆቫስ ዊትነስስ ስታንድ ፈርም ኣገይንስት ናዚ ኣሶልት፡” “ፈይዝፉል ኣንደር ትራያል፡” “ፐርፕል ትሪያንግልስ” ዘርእስተን ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተዘርግሓ ሰለስተ ቪድዮታት ርአ።

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“የሆዋ ኽሳዕ ዝፈቐዶ፡ ነቶም ኣብ ክልና ዚርከቡ ሰባት ክንረኽቦም ዜኽእለና ዝዀነ ይኹን ሜላ ተጠቒምና፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብቕንኣት ምስባኽና ኽንቅጽል ኢና።”—መጽሓፍ ዓመት ናይ የሆዋ መሰኻኽር 2010።