ንመጻምድትኻ ኣኽብሮ
መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት
ንመጻምድትኻ ኣኽብሮ
ዊል * ዚብሎ፦ “ሬቸል ክትሓርቕ ከላ፡ ንነዊሕ እዋን እያ እትበኪ። ክንዘራረብ ከለና ኸኣ፡ ብቐሊሉ ትሓርቕ ወይ ትስጕደም። ዝገበርኩ እንተ ገበርኩ እቲ ጕዳይ ኣይፍታሕን እዩ። እዚ ድማ ተስፋ እዩ ዜቝርጸኒ።”
ሬቸል እትብሎ፦ “ዊል ናብ ገዛ ኺመጽእ ከሎ፡ እበኪ እየ ነይረ። ስለምንታይ ከም ዝሓረቕኩ ኽገልጸሉ ኽፍትን ከለኹ ድማ፡ ኣብ መንጎ ዀሊፉኒ። እቲ ጕዳይ ክሳዕ ክንድቲ ረዚን ከም ዘይኰነን ዕሽሽ ክብሎን ምስ ነገረኒ ኸኣ መሊሰ ሓረቕኩ።”
ሓድሓደ ግዜ ምስ ናይ ዊልን ሬቸልን ዚመሳሰል ስምዒት ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ ክልቲኦም እሂን ምሂን ኪበሃሃሉ እኳ እንተ ደለዩ፡ ኣብ መወዳእታኡ ግና ተበሳጭዮም እዮም ዚተርፉ። ስለምንታይ፧
ሰብኡትን ኣንስትን ሓሳቦም ዚገልጹሉ መገዲ ይፈላለ እዩ፣ እተፈላለየ ድሌት ከኣ እዩ ዘለዎም። ኣንስቲ፡ ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ ስምዒተን ብግልጺ ኺዛረባ እየን ዚደልያ። ብኣንጻሩ ኸኣ ብዙሓት ሰብኡት፡ ንጸገማት ብቕልጡፍ ብምፍታሕን ካብ ኣካታዒ ጕዳያት ብምህዳምን፡ ሰላም ኬስፍኑ እዮም ዚጽዕሩ። ነዚ ፍልልያት ክትሰግሮን ምስ መጻምድትኻ እሂን ምሂን ክትበሃሃልን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ንመጻምድትኻ ብምኽባር ኢኻ ኸምኡ ኽትገብር እትኽእል።
ኣኽብሮት ዘለዎ ሰብ፡ ንኻልኦት ክብ ኣቢሉ ይርእዮምን ስምዒቶም ይርድኣሎምን እዩ። ካብ ቍልዕነትካ ኣትሒዝካ፡ ካብ ናትካ ዚበልጽ ስልጣን ወይ ተመክሮ ንዘለዎም ሰባት ተኽብር ኔርካ ትኸውን። ኣብ ሓዳር ግና፡ ምሳኻ ዚመጣጠን ቦታ ንዘለዎ ሰብ፡ ማለት ንመጻምድትኻ ኢኻ ኸተኽብር ዘሎካ። ካብ እትምርዖ ሸሞንተ ዓመት ዝገበረት ሊንዳ፡ “ፊል ንዝዀነ ይኹን ሰብ ብትዕግስትን ብምስትውዓልን ከም ዚሰምዕ እፈልጥ እየ። ንዓይ እውን ከምኡ ዓይነት ሓልዮት ከርእየኒ እየ ዝደሊ” በለት። ምናልባት ንፈተውትኻን ንዘይትፈልጦም ሰባትን፡ ብትዕግስቲ ትሰምዖምን ብኣኽብሮት ተዘራርቦምን ትኸውን። ንመጻምድትኻኸ፧
ንመጻምድትኻ ዘይምኽባር፡ ውጥረትን ግጭትን ኪፈጥር ይኽእል እዩ። ሓደ ጥበበኛ ገዛኢ፡ “ካብ ሕሩድ ዝመልኦ ቤት ምስ ቈየቛስ፡ ንቕጽቲ ቝራስ ምስ ህድኣት ትበልጽ” በለ። (ምሳሌ 17:1) ሰብኣይ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ ንሰበይቱ ብኣኽብሮት ኪሕዛ ኣለዎ። (1 ጴጥሮስ 3:7) ‘ሰበይቲ እውን ንሰብኣያ ኸተኽብሮ ኣለዋ።’—ኤፌሶን 5:33፡ ትርጕም 1990።
ብኣኽብሮታዊ መገዲ ኽትዘራረብ እትኽእል ደኣ እሞ ብኸመይ ኢኻ፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ግብራዊ ምኽሪ እስከ ንመርምር።
መጻምድትኻ ኺዛረብ ከሎ
ብድሆ፦ ብዙሓት ሰባት ካብ ምስማዕ ንላዕሊ፡ ምዝራብ ይቐሎም። ንስኻኸ ኸምኡ ዲኻ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ “ኸይሰምዔ ምላሽ ዚህብ ሰብ፡” ዓሻ ኢሉ ይጽውዖ። (ምሳሌ 18:13) ስለዚ፡ ቅድሚ ምዝራብካ ስማዕ። ስለምንታይ፧ ካብ እትምርዖ 26 ዓመት ዝገበረት ካራ፡ “ሰብኣየይ ንጸገማተይ ሽዑ ንሽዑ ኺፈትሖ እንተ ዘይፍትን እዩ ደስ ዚብለኒ። ንርእይቶይ ኪሰማምዓሉ ወይ እቲ ጸገም ስለምንታይ ከም ዘጋጠመ ኺፈልጥ እውን ኣይደልን እየ። ኪሰምዓንን ንስምዒተይ ኪርድኣለይን ጥራይ እየ ዝደሊ” በለት።
በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ርእይቶኦም ካብ ምግላጽ ዜድሓርሕሩን መጻምድቶም ብዛዕባ ስምዒቶም ኪዛረቡ እንተ ደፋፊእዎም ባህ ዘይብሎምን ሰብኡትን ኣንስትን ኣለዉ። ኣብ ቀረባ እዋን እተመርዓወት ሎሪ፡ ሰብኣያ ብዛዕባ ስምዒቱ ኺገልጽ ግዜ ኸም ዚወስደሉ ፈለጠት። “ስምዒቱ ኽሳዕ ዚገልጸለይ ብትዕግስቲ ኽጽበዮ ኣሎኒ” ድማ በለት።
መፍትሒ፦ ንስኻን መጻምድትኻን ብዛዕባ ሓደ ኼሰሓሕብ ዚኽእል ጕዳይ ክትዘራረቡ እንተ ደሊኹም፡ ክልቴኹም ህድእ እትብሉሉ እዋን ምረጹ። መጻምድትኻ ኺዘራረብ እንተ ዘይደልዩኸ፧ ነቲ፡ “ምኽሪ ኣብ ልቢ ሰብ ከም ጥልቂ ማይ እዩ፡ ብዓል ኣእምሮ ግና ይቐድሖ” ዚብል ምኽሪ ዘክሮ። (ምሳሌ 20:5) ንሓደ ሰንኬሎ ኻብ ዒላ ተቐላጢፍካ እንተ ስሒብካዮ፡ ብዙሕ ማይ ኣይትግልልን ኢኻ። ብተመሳሳሊ፡ ንመጻምድትኻ እንተ ኣፋጢጥካዮ፡ ንርእሱ ኺከላኸለላ ስለ ዚፍትን፡ ስምዒቱ ብዚግባእ ከይገልጽ ኢኻ እትዓግቶ። ስለዚ፡ ብሕያውነትን ብኣኽብሮትን ሕቶታት ሕተቶ፣ ተቐላጢፉ ስምዒቱ እንተ ዘይገሊጹልካ ኸኣ፡ ተዓገሶ።
መጻምድትኻ ኺዛረብ ከሎ፡ “ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ፡ ንዅራ ደንጓዪ” ኹን። (ያእቆብ 1:19) ንፉዕ ሰማዒ፡ ብእዝኑ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብልቡ እውን እዩ ዚሰምዕ። መጻምድትኻ ኺዛረብ ከሎ፡ ንስምዒቱ ኽትርድኣሉ ፈትን። መጻምድትኻ፡ ብኸመይ ከም እትሰምዖ ብምርኣይ፡ ተኽብሮ እንተ ዄንካ ወይ እንተ ዘይኴንካ ኼስተብህል ይኽእል እዩ።
የሱስ፡ ብኸመይ ክንሰምዕ ከም ዘሎና ምሂሩና እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ዝሓመመ ሰብኣይ ሓገዝ ደልዩ ናብ የሱስ ምስ መጸ፡ ብኡንብኡ ንጸገሙ ኣይፈትሓሉን። ብቐዳምነት፡ ነቲ እቲ ሰብኣይ ዘቕረቦ ልመና ሰምዐ። ድሕሪኡ፡ በቲ ዝሰምዖ ልመና ውሽጡ ተተንከፈ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ነቲ ሰብኣይ ኣሕወዮ። (ማርቆስ 1:40-42) ንስኻ እውን መጻምድትኻ ኺዛረብ ከሎ፡ ከምኡ ግበር። መጻምድትኻ፡ ቅልጡፍ መፍትሒ ዘይኰነስ፡ ልባዊ ሓልዮት ከም ዜድልዮ ኣይትረስዕ። ስለዚ፡ ጽን ኢልካ ስምዓዮ። ንስምዒቱ ኸኣ ተረድኣሉ። ድሕሪኡ፡ ነቲ ንመጻምድትኻ ዜድልዮ ነገራት ኣማልእ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ንመጻምድትኻ ኸም እተኽብሮ ኸተርኢ ኢኻ።
ነዚ ፈትኖ፦ ኣብ ዚቕጽል እዋን ምስ መጻምድትኻ ኽትዘራረብ ከለኻ፡ ተሃዊኽካ መልሲ ኣይትሃብ። መጻምድትኻ ዘረባኡ ኽሳዕ ዚውድእን ነቲ ዝበሎ ኽሳዕ እትርድኦን ተጸበ። ድሕሪኡ፡ “ብሓቂ ዝሰምዓካ ዝነበርኩ ዀይኑዶ ተሰሚዑካ፧” ኢልካ ሕተቶ።
ንስኻ ኽትዛረብ ከለኻ
ብድሆ፦ እታ ኣቐዲማ ተጠቒሳ ዝነበረት ሊንዳ፡ “ኣብ ቴሌቪዥን ኣብ ዚቐርብ ዜስሕቕ ድራማታት፡ ንመጻምድትኻ ብሕማቕ ምልዓልን ምጽራፍን ብዛዕባኡ ምሕጫጭን ከም ንቡር ጌርካ እዩ ዚርአ” በለት። ኣኽብሮት ዝጐደሎ ዘረባ ኣብ ዚዝረበሉ ቤት ዚዓብዩ ሰባት ኣለዉ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ምስ ተመርዓዉ፡ ነቲ ዝለመድዎ ኣዘራርባ ምሕዳግ የጸግሞም እዩ። ኣብ ካናዳ እትነብር ኣይቪ፡ “ሕጫጨን ጭድርታን ጸርፍን ልሙድ ኣብ ዝዀነሉ ኸባቢ እየ ዓብየ” በለት።
መፍትሒ፦ ብዛዕባ መጻምድትኻ ኽትዛረብ ከለኻ፡ “እቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዚኸውን፡ ንምህናጽውን ዜድሊ ሰናይ ዘበለ ዘረባ” ተዛረብ። (ኤፌሶን 4:29) ካልኦት ሰባት ከም ዜኽብርዎ ዚገብሮም ኣወንታዊ ዘረባ ኸኣ ተዛረብ።
ምስ መጻምድትኻ ንበይንኹም ኣብ እትዀኑሉ እዋን እውን ከይተረፈ፡ ብሕጫጨ ኸይትዛረብ ወይ ከይትጻረፍ ተጠንቀቕ። ኣብ ጥንታዊት እስራኤል፡ ሚካል በቲ ንጉስ ዝነበረ ዳዊት ሰብኣያ ሓረቐት። ብሕጫጨ ኸኣ፡ ልክዕ ከም “ከንቱ ዝዀነ ሰብ” ከም ዝሓሰረ ነገረቶ። ዳዊት ብዘረባኣ ጐሃየ፡ ኣምላኽ እውን ኣይተሓጐሰን። (2 ሳሙኤል 6:20-23) እዚ እንታይ እዩ ዚምህረና፧ ምስ መጻምድትኻ ኽትዘራረብ ከለኻ፡ ንቓላትካ ብጥንቃቐ ምረጽ። (ቈሎሴ 4:6) ካብ ዚምርዖ ሸሞንተ ዓመት ዝገበረ ፊል፡ ንሱን ሰበይቱን ሕጂ እውን ከም ዘይሰማምዑ ገለጸ። ሓድሓደ ግዜ ዘረባኡ ነቲ ዅነታት መሊሱ ኸም ዜጋድዶ ኸኣ ተገንዘበ። “ተኸራኺርካ ‘ምስዓር’ ንርክብካ መሊሱ ኸም ዜበላሽዎ እየ ተረዲአ። ንርክብና ምህናጸይ ግና፡ ዜዕግብን ጠቓምን ኰይኑ እየ ረኺበዮ” በለ።
ብግዜ ጥንቲ ዝነበረት ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት መበለት ንኣንስቲ ደቃ፡ “ነፍሲ ወከፍክን ኣብ በቤት ሰብኣይክን ዕረፍቲ ኽትረኽባ እግዚኣብሄር ይሀብክን” በለተን። (ሩት 1:9) ሰብኣይን ሰበይትን ንሓድሕዶም ዚከባበሩ እንተ ዀይኖም፡ ቤቶም ‘ቤት ዕረፍቲ’ እያ እትኸውን።
ነዚ ፈትኖ፦ ምስ መጻምድትኻ ግዜ ወሲድኩም፡ ነቲ ኣብዚ ንኡስ ኣርእስቲ ዘሎ ሓሳባት ተመያየጡሉ። ንመጻምድትኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተቶ፦ “ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባኻ ኽዛረብ ከለኹ፡ ዘኽብረካ ዀይኑ ድዩ ዚስምዓካ ወይስ ዘዋርደካ፧ ዘመሓይሾ ነገር ኣሎዶ፧” መጻምድትኻ ብዛዕባ ስምዒቱ ኺዛረብ ከሎ፡ ጽን ኢልካ ስማዕ። ነቲ እተዋህበካ ሓሳብ ክትትግብሮ ኸኣ ፈትን።
ንፍልልይኩም ተቐበሎ
ብድሆ፦ ገሊኣቶም ሓደስቲ ሰብ ሓዳር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሰብኣይን ሰበይትን ኪገልጽ ከሎ “ሓደ ስጋ” ኸም ዚዀኑ ስለ ዚሕብር፡ ሰብ ሓዳር ሓደ ዓይነት ርእይቶ ወይ ባህርይ ኪህልዎም ከም ዚግባእ ብጌጋ ደምዲሞም እዮም። (ማቴዎስ 19:5) ይኹን እምበር፡ ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኣብ ክውንነት እተመስረተ ኸም ዘይኰነ ብቕልጡፍ ይርድኡ እዮም። ድሕሪ እተወሰነ እዋን ከኣ፡ እቲ ፍልልዮም ናብ ክርክር ይመርሖም። ሊንዳ ኸምዚ በለት፦ “ኣብ መንጎና ዝነበረ ዝዓበየ ፍልልይ፡ ኣነ ኻብ ፊል ንላዕሊ ዝጭነቕ ምዃነይ እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ኣነ ተጨኒቐ ኸለኹ፡ ንሱ ኽንድቲ ኣይግድሶን እዩ፣ እዚ ኸኣ መሊሱ እዩ ዜሕርቐኒ።”
መፍትሒ፦ ንፍልልይኩም ተቐቢልካ ንመጻምድትኻ ኣኽብሮ። ነዚ ብምሳሌ ንምርዳእ፦ ኣዒንትኻ ኻብ ኣእዛንካ ብእተፈልየ መገዲ ዚሰርሓ እኳ እንተ ዀና፡ ተጠንቂቕካ መገዲ ምእንቲ ኽትሰግር፡ ንሓድሕደን ይተሓባበራ እየን። ካብ እትምርዖ ኣስታት 30 ዓመት ዝገበረት ኣድሪን፡ “ኣረኣእያና ንቓል ኣምላኽ ዘይጥሕስ ክሳዕ ዝዀነ፡ ንፍልልይና ንቕበሎ ኢና። ብቐደሙ እውን እኮ፡ ክልተ እተመርዓዉ ሰባት ኢና ደኣ እምበር፡ ክልተ ሓደ ኣይኰንናን” በለት።
መጻምድትኻ ኻብ ናትካ እተፈልየ ርእይቶ ምስ ዚህልዎ፡ ኣብ ናትካ ድሌት ጥራይ ኣይተተኵር። ንስምዒት መጻምድትኻ እውን ኣብ ግምት ኣእቱ። (ፊልጲ 2:4) ኪል ዝስሙ ሰብኣይ ኣድሪን ከምዚ ኢሉ ተኣመነ፦ “ንርእይቶ ሰበይተይ ኵሉ ሳዕ እርድኦ ወይ ምስኡ እሰማማዕ እየ ማለት ኣይኰነን። ኰይኑ ግና፡ ካብ ርእይቶይ ንላዕሊ ንሰበይተይ ከም ዘፍቅራ ንርእሰይ አዘኻኽራ እየ። ንሳ ኽትሕጐስ ከላ፡ ኣነ እውን ብሓቂ እየ ዝሕጐስ።”
ነዚ ፈትኖ፦ ነቲ ኻብ ናትካ ዚበልጽ ርእይቶን ኣተሓሕዛን መጻምድትኻ ኣብ ወረቐት ብዝርዝር ጽሓፎ።—ፊልጲ 2:3
ንሓዳር ሕጉስን ነባርን ካብ ዚገብሮ ነገራት እቲ ሓደ፡ ኣኽብሮት እዩ። ሊንዳ፡ “ኣኽብሮት፡ ካብ ሓዳርካ ዕግበትን ድሕነትን ከም እትረክብ እዩ ዚገብረካ። ብሓቂ ኺጸዓረሉ ዚግባእ እዩ” በለት።
[እግረ-ጽሑፍ]
^ ሕ.ጽ. 3 ስማት ተቐዪሩ እዩ።
ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦
▪ ምስ መጻምድተይ ዘሎኒ ፍልልይ፡ ንስድራ ቤትና ዘመሓየሾ ብኸመይ እዩ፧
▪ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዘይጠሓሰሉ እዋን፡ ንምርጫ መጻምድተይ ከቐድም ጠቓሚ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧