ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር

ንሓደ ኣብ ስኮትላንድ ዚነብር ሰብኣይ፡ ካብ ዕዉት ንግዲ ንላዕሊ ዕግበት ዘምጽኣሉ እንታይ እዩ፧ ሓደ ኣብ ብራዚል ዚነብር ሰብኣይ፡ ነቲ ርኹስ ኣነባብራኡ ንኺሓድጎን ኮከይን ምትካኽ ንኼቋርጽን ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ ሓደ ኣብ ስሎቨንያ ዚነብር ሰታይ ዝነበረ ሰብኣይ፡ ነቲ ኣመሉ ኺሓድጎ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ እዞም ሰባት እዚኣቶም እንታይ ከም ዝበሉ እስከ ንርአ።

“ጽቡቕ ህይወት ዝነበረኒ እዩ ዚመስል ነይሩ።”​—ጆን ሪከትስ

ዓመተ ልደት፦ 1958

መበቈል ሃገር፦ ስኮትላንድ

ታሪኽ፦ ዕዉት ብዓል ንግዲ

ሕሉፍ ህይወተይ፦ ብምሾት እየ ዓብየ። ኣቦይ ብዓል ስልጣን ሰራዊት ብሪጣንያ ስለ ዝነበረ፡ ስድራ ቤትና ብተደጋጋሚ ትግዕዝ ነበረት። ካብ ስኮትላንድ ወጻኢ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝን ጀርመንን ኬንያን ማለዥያን ኣይርላንድን ቆጵሮስን ተቐሚጥና ኢና። ወዲ ሸሞንተ ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ኣብ ስኮትላንድ ኣብ ዚርከብ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ኽመሃር ጀመርኩ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ካብ ካምብሪጅ ዩኒቨርሲቲ ተመረቕኩ።

ወዲ 20 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ንሸሞንተ ዓመት ምስ ነዳዲ ዘይቲ ኣብ እተተሓሓዘ ንግዲ እሰርሕ ነበርኩ። ፈለማ ኣብ ደቡብ ኣመሪካ፡ ጸኒሑ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ኣብ ምዕራባዊ ኣውስትራልያ እሰርሕ ነበርኩ። ናብ ኣውስትራልያ ምስ ገዓዝኩ፡ ናይ ወፍሪ ትካል ከፈትኩ፣ ጸኒሐ ግና ሸጥክዎ።

ነቲ ትካል ሸይጠ ዝረኸብክዎ መኽሰብ ብዙሕ ስለ ዝነበረ፡ ወዲ 40 ኸለኹ ጡረታ ወጻእኩ። ንግዜይ ከኣ ኣብ ጕዕዞ አሕልፎ ነበርኩ። ብሞተር ብሽክለታ ገይረ ንኣውስትራልያ ኽልተ ሳዕ ዘርክዋ፣ ኣብ መላእ ዓለም ከኣ ተጐዓዝኩ። ጽቡቕ ህይወት ዝነበረኒ እዩ ዚመስል ነይሩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦ ጡረታ ቕድሚ ምውጽአይ እውን እንተ ዀነ፡ ስለቲ ዘሕልፎ ዝነበርኩ ጽቡቕ ህይወት ንኣምላኽ ከመስግነሉ ዝኽእል መገዲ ኽረክብ እደሊ ነበርኩ። ናብቲ ብንእስነተይ ዝኸደሉ ዝነበርኩ ቤተ ክርስትያን ኣንግሊካን ድማ ክኸይድ ጀመርኩ። ኰይኑ ግና፡ ኣብቲ ቤተ ክርስትያን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ መምርሒ ኽረክብ ኣይከኣልኩን። ቀጺለ ምስ ሰዓብቲ እምነት ሞርሞን መጽናዕቲ እኳ እንተ ጀመርኩ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዘይውከሉ፡ ተገዳስነተይ ጠፍአ።

ሓደ መዓልቲ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ቤተይ መጹ። ሽዑ ንሽዑ ድማ፡ ትምህርትታቶም ምሉእ ብምሉእ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ምዃኑ ተገንዘብኩ። ቀዳማይ ጢሞቴዎስ 2:3, 4 ከኣ ኣርኣዩኒ፣ እታ ጥቕሲ፡ ፍቓድ ኣምላኽ፡ “ዅሉ ሰብ ኪድሕን ናብ [“ቅኑዕ፡” NW] ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ” ምዃኑ እያ እትሕብር። ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ፍልጠት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ቅኑዕ ፍልጠት ዜጕልሑ ምዃኖም ኣዝዩ መሰጠኒ።

ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገበርክዎ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነቲ ቕኑዕ ፍልጠት ንኽረኽቦ ሓገዘኒ። ንኣብነት፡ ኣምላኽን የሱስን ክፍሊ ምስጢረ ስላሴ ኸም ዘይኰኑ፡ ኣብ ክንዳኡስ ክልተ እተፈላለዩ ኣካላት ምዃኖም ተመሃርኩ። (ዮሃንስ 14:28፣ 1 ቈረንቶስ 11:3) ነዚ ቐሊል ሓቂ እዚ ኽፈልጦ ብምኽኣለይ፡ ኣዝየ ተሓጐስኩ። ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ነቲ እተሓላለኸ ትምህርቲ ስላሴ ንኽርድኦ ግዜይ ብምጥፍአይ ግና ኣመና ጐሃኹ።

ነዊሕ ከይጸናሕኩ፡ ኣብ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክእከብ ጀመርኩ። በቲ ኣብኡ ዝረኣኽዎ ምሕዝነትን ልዑል ስነ ምግባራዊ ስርዓታትን ኣዝየ ስለ እተተንከፍኩ፡ ጻድቃን መሲሎም ተራእዩኒ። እቲ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ድማ፡ ነታ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ከም ዝረኸብክዋ ኣእመነኒ።—ዮሃንስ 13:35

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦ ምስ ተጠመቕኩ፡ ምስ ዳያን እትብሃል ባህ እተብል ሰበይቲ ተፋለጥኩ። ናይ የሆዋ ምስክር ኰይና ስለ ዝዓበየት፡ ንዓይ ዝሰሓበኒ ብዙሕ ጽቡቕ ባህርያት ነበራ። ድሕሪ ግዜ፡ ተመርዓና። ምስ ዳያን ዘሎኒ ዕርክነትን እትገብረለይ ደገፍን፡ ናይ ሓቂ በረኸት የሆዋ እዩ ዀይኑለይ።

ኣነን ዳያንን ናብቲ ዝያዳ ሰበኽቲ ብስራት መጽሓፍ ቅዱስ ዜድልዩሉ ቦታ ኽንግዕዝ ንደሊ ነበርና። ብ2010 ድማ ናብታ ኣብ ማእከላይ ኣመሪካ እትርከብ በሊዝ ገዓዝና። ነቶም ፍቕሪ ኣምላኽን ጽምኢ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስን ዘለዎም ሰባት ድማ ነገልግሎም ኣለና።

ብዛዕባ ኣምላኽን ብዛዕባ እቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስን እቲ ሓቂ ኽፈልጥ ምኽኣለይ፡ ናይ ኣእምሮ ሰላም ኣምጺኡለይ እዩ። ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ኸም ምዃነይ መጠን፡ ንሓያሎ ሰባት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ብምምሃር ዚርከብ ሓጐስ እረክብ ኣለኹ። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ፡ ከምቲ ንዓይ ዝቐየረኒ፡ ንህይወት ካልእ ሰብ እውን ኪቕይሮ ኸሎ ኻብ ምርኣይ ዚበልጽ ነገር የልቦን። ኣብ መወዳእታኡ፡ ስለቲ ዘሕልፎ ዘለኹ ጽቡቕ ህይወት ንኣምላኽ ዘመስግነሉ ዝበለጸ መገዲ ረኺበ እየ።

‘ብሕያውነት ሓዙኒ።’—ማሪስዮ ኣራውዡ

ዓመተ ልደት፦ 1967

መበቈል ሃገር፦ ብራዚል

ታሪኽ፦ ርኹስ ኣነባብራ ዚነብር

ሕሉፍ ህይወተይ፦ ኣብታ ኣብ ግዝኣት ሳኦ ፓውሎ እትርከብ ኣቫረ እትብሃል ህድእቲ ኸተማ እየ ዓብየ። መብዛሕትኦም ተቐማጦ እዛ ኸተማ እዚኣ፡ ሸቃሎ እዮም።

ኣቦይ፡ ኣነ ተጠኒሰ ኸለኹ እዩ ሞይቱ። ቈልዓ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ኣደይ ካብ ቤት ክትወጽእ ከላ፡ ንኽዳውንታ እኽደኖ ነበርኩ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ጓል ጓሎ ስለ ዝዀንኩ፡ ሰባት ከም ግብረ ሶዶም ዝገብር ገይሮም ኪርእዩኒ ጀመሩ። ድሕሪ ግዜ፡ ምስ ካልኦት ኣወዳትን ሰብኡትን ጾታዊ ርክብ ክፍጽም ጀመርኩ።

ኣብ ኣጋ መወዳእታ ዕድመ ዀተቴ ምስ በጻሕኩ፡ ኣብ ባራትን ኣብ ክበብ ለይታዊ ትልሂትን፡ ሕሉፍ ሓሊፈ እውን ኣብ ቤተ ክርስትያን፡ ምሳይ ጾታዊ ርክብ ዚፍጽሙ ሰባት (ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን) አናዲ ነበርኩ። በዓላት ካርኒቫል ኣብ ዚግበረሉ እዋን፡ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ኽዳን ተኸዲነ እስዕስዕ ነበርኩ። ኣዝየ ህቡብ እየ ነይረ።

ግብረ ሶዶም ምስ ዚገብሩን ምስ ኣመንዝራታትን ምስ ውሉፋት ሓሽሽን ተዓራረኽኩ። ገሊኦም ኣዕሩኸይ ኮከይን ንኸትክኽ ካብ ዚደፋፍኡኒ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ውሉፍ ኮከይን ኰንኩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ምሉእ ለይቲ ኸነትክኽ ንሓድር ነበርና። ኣብ ካልእ ግዜ ድማ፡ ንበይነይ ኰይነ ኸትክኽ እውዕል ነበርኩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኣመና ስለ ዝቐጠንኩ፡ ሰባት አይድስ ከም ዝሓዘኒ ገይሮም ኬውርዩ ጀመሩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦ ኣብቲ እዋን እቲ፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸብኩ። ንሳቶም ድማ ብሕያውነት ሓዙኒ። ነታ፡ “ነፍሲ ወከፍ ስም እግዚኣብሄር [“የሆዋ፡” NW] ዚጽውዕ ዘበለ ኺድሕን እዩ” እትብል ሮሜ 10:13 ኸኣ ኣንበቡለይ። እተን ቃላት ድማ፡ ስም የሆዋ ምጥቃም ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ንኽግንዘብ ሓገዛኒ። ብዙሕ ሳዕ፡ ምሉእ ለይቲ ኮከይን ከትክኽ ድሕሪ ምሕዳረይ፡ መስኰት ከፊተ ናብ ሰማይ እናጠመትኩ፡ ምእንቲ ኺሕግዘኒ ብብኽያት ንየሆዋ እልምኖ ነበርኩ።

ነታ በቲ ዝወስዶ ዝነበርኩ ሓሽሽ ንገዛእ ርእሰይ ክጐድእ ከለኹ ብምርኣይ እትጭነቕ ዝነበረት ኣደይ ኢለ፡ ሓሽሽ ምውሳድ ንኸቋርጾ ወሰንኩ። ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ንኸጽንዕ ዘቕረቡለይ ሕቶ ተቐበልክዎ። እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ እቲ ዝገብሮ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነቲ ሓሽሽ ምውሳድ ንኸቋርጾ ዝገበርክዎ ውሳነ ኸም ዜደልድለለይ ነገሩኒ፣ ከምቲ ዝበሉኒ ኸኣ ዀነ።

ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ቀጸልክዎ፡ ኣነባብራይ ክልውጥ ከም ዘሎኒ ተገንዘብኩ። ብሕልፊ እቲ ነነዊሕ እዋን ዝገብሮ ዝነበርኩ ግብረ ሶዶም፡ ምቍራጹ ኸበደኒ። ኰይኑ ግና፡ ኣከባቢ ምቕያረይ ንኽዕወት ሓገዘኒ። ነቲ ምስቶም ናይ ቀደም ኣዕሩኸይ ዝነበረኒ ርክብ ኣቋረጽክዎ፣ ናብ ባራትን ናብ ክበብ ለይታዊ ትልሂትን ምኻድ እውን ሓደግክዎ።

ለውጢ ምግባር እኳ እንተ ኸበደኒ፡ የሆዋ ኸም ዚግደሰለይን ነቲ ዝገብሮ ዘለኹ ቓልሲ ኸም ዚርድኣለይን ስለ ዝፈልጥ፡ እጸናናዕ ነበርኩ። (1 ዮሃንስ 3:19, 20) ብ2002 ንዅሉ ተግባራት ግብረ ሶዶም ሓደግክዎ፣ ኣብታ ዓመት እቲኣ ኸኣ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይነ ተጠመቕኩ።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦ ኣደይ በቲ ዝገበርክዎ ለውጢ ኣዝያ ስለ እተገረመት፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረት። እቲ ዜሕዝን፡ ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ወቕዒ ኣጋጠማ። ኰይኑ ግና፡ ንየሆዋን ንሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስን ዘለዋ ፍቕሪ ኣየቋረጸን።

ኣብ ዝሓለፈ ሸሞንተ ዓመት፡ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ዀይነ ብምዕያይ፡ ንመብዛሕትኡ ግዜይ ንኻልኦት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምምሃር እየ ኣሕሊፈዮ። ሓቂ እዩ፡ ሓድሓደ ግዜ ምስ ዘይግቡእ ባህግታት ክቃለስ ነይሩኒ እዩ። ኰይኑ ግና፡ በቲ ባህግታት እንተ ዘይተሰኒፈ፡ ንየሆዋ ኸሐጕሶ ኸም ዝኽእል እፈልጥ እየ።

ናብ የሆዋ ምቕራበይን ንዕኡ ብዜሐጕሶ መገዲ እነብር ምህላወይን፡ ነቲ ንገዛእ ርእሰይ ዘሎኒ ኣኽብሮት ወሲኽዎ እዩ። ሎሚ፡ ሕጉስ ሰብ እየ።

‘ቀዳድ ፊስቶ እየ ነይረ።’—ሉካ ሹትስ

ዓመተ ልደት፦ 1975

መበቈል ሃገር፦ ስሎቨንያ

ታሪኽ፦ ሰታይ

ሕሉፍ ህይወተይ፦ ኣብታ ርእሲ ኸተማ ስሎቨንያ ዝዀነት ሉብልያና እየ ተወሊደ። ክሳዕ ወዲ ኣርባዕተ ዝኸውን፡ ብጽቡቕ እየ ዓብየ። ድሕሪኡ ግና፡ ኣቦይ ርእሱ ቐተለ። ድሕሪ እዚ ዜሕዝን ፍጻመ እዚ፡ ኣደይ ንዓይን ንምዕባየይ ሓወይን ንኸተዕቢ፡ ኣበርቲዓ ትዓዪ ነበረት።

ወዲ 15 ምስ ኰንኩ፡ ምስ ዓባየይ ክነብር ጀመርኩ። መብዛሕትኦም ኣዕሩኸይ ኣብቲ ኸባቢ ይነብሩ ስለ ዝነበሩ ድማ፡ ምስኣ ምንባር ኣሐጐሰኒ። ብዘይካዚ፡ ካብቲ ቕድሚኡ ዝነበረኒ ንላዕሊ፡ ናጽነት ረኸብኩ። ወዲ 16 ምስ ኰንኩ፡ ኣብ ቀዳመ ሰንበት ኣልኮላዊ መስተ ምስ ዚሰትዩ ሰባት ተዓራረኽኩ። ንጸጕረይ ኣንዋሕክዎ፣ ዓለወኛ ምዃነይ ዜርኢ ኽዳውንቲ ክኽደንን ሽጋራ ኸተክኽን ከኣ ጀመርኩ።

እተፈላለየ ዓይነት ሓሽሽ እወስድ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ ግና የሐጕሰኒ ስለ ዝነበረ፡ ኣየቋረጽክዎን። ነዊሕ ከይጸናሕኩ፡ ካብ ሒደት ብርጭቆ ወይኒ ናብ ልዕሊ ሓደ ጥርሙዝ በጻሕኩ። ንስኽራነይ ክሓብኦ ኸኣ እኽእል ነበርኩ። መብዛሕትኡ እዋን፡ ጨና ኣፈይ እንተ ዘይኰይኑ፡ ከም ዝሰተኹ ኣይፍለጥን እዩ ነይሩ። ሰባት ከም ዝሰተኹ እውን እንተ ፈለጡ፡ ብዙሕ ወይኒ ወይ ቢራ፡ ኣብ ርእሲኡ ኸኣ ቮድካ ኸም ዝሰተኹ ኣይፈልጡን እዮም ነይሮም።

መብዛሕትኡ እዋን፡ ኣነ ኻብ ኣዕሩኸይ ንላዕሊ ሰትየ ኽነሰይ፡ ኣብ ክበብ ለይታዊ ትልሂት ኣምሲና ኽንምለስ ከለና፡ ነቶም ሰትዮም ሰንከልከል ዚብሉ ኣዕሩኸይ እሕግዞም ነበርኩ። ሓደ መዓልቲ፡ ሓደ ኻብቶም ኣዕሩኸይ፡ ቀዳድ ፊስቶ ምዃነይ ክዛረብ ከሎ ሰማዕክዎ፣ እዚ ኣዘራርባ እዚ፡ ንሓደ ኻብ ካልኦት ንላዕሊ ኣልኮላዊ መስተ ኺሰቲ ዚኽእል ሰብ ንምንእኣስ ኣብ ጥቕሚ ዚውዕል ናይ ስሎቨንኛ ኣዘራርባ እዩ። በዚ ኸኣ ኣመና ተጐዳእኩ።

ኣብ ህይወተይ እንታይ እገብር ከም ዘለኹ ኽሓስብ ጀመርኩ። ዘይረብሕ ኰይኑ ኸኣ ተሰምዓኒ። ዝዀነ ይኹን ኣብ ህይወተይ ዝገብሮ ነገራት፡ ትርጕም ዘይብሉ መሰለኒ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦ ኣብቲ እዋን እቲ፡ ሓደ ኻብቶም መማህርተይ ህይወቱ ኸም እተቐየረን ልኡም ከም ዝዀነን ኣስተብሃልኩ። ብኸመይ ከምኡ ኪኸውን ከም ዝኸኣለ ኽፈልጥ ስለ እተሃንጠኹ ድማ፡ ምሳይ ሻሂ ኺሰቲ ዓደምክዎ። ኣብ መንጎ ዕላልና ኸኣ፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኑ መጽሓፍ ቅዱስ የጽንዕ ከም ዘሎ ነገረኒ። ካብቲ እተመሃሮ ነገራት ድማ እተወሰነ ነገረኒ፣ ሃይማኖታዊ ዀይነ ስለ ዘይዓበኹ፡ ኵሉ እቲ ዝነገረኒ ነገራት ሓድሽ ኰነኒ። ኣብ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክእከብን መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕን ድማ ጀመርኩ።

እቲ ዝገብሮ ዝነበርኩ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓያልን ደራኽን ዝዀነ ብዙሕ ሓቅታት ንኽፈልጥ ሓገዘኒ። ንኣብነት፡ ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ዳሕሮት መዓልትታት” ኢሉ ዚጽውዖ እዋን ንነብር ከም ዘለና ተመሃርኩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) ብዘይካዚ፡ ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር እዋን ንዅሎም እኩያት ሰባት ካብ ምድሪ ኣጥፊኡ፡ ንቕኑዓት ሰባት ኣብ ገነት ንዘለኣለም ናይ ምንባር ኣጋጣሚ ኸም ዚህቦም ፈለጥኩ። (መዝሙር 37:29) ሓደ ኻብቶም ቅኑዓት ሰባት ምእንቲ ክኸውን ድማ፡ ህይወተይ ንምጽራይ ሓያል ድሌት ሓደረኒ።

ንኣዕሩኸይ ብዛዕባ እቲ ዝመሃሮ ዝነበርኩ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ክነግሮም ጀመርኩ። መብዛሕትኦም እኳ እንተ ኣላገጹለይ፡ እዚ ግና ንዓይ ጠቒምኒ እዩ። ናይ ሓቂ ኣዕሩኸይ ከም ዘይኰኑ ንኽርዳእ ሓገዘኒ። ሰታይ ክኸውን ዝኸኣልኩ፡ ብምኽንያት እቲ ዝነበረኒ ምሕዝነት ምዃኑ ተገንዘብኩ። ምሉእ ሰሙን ነቲ እንደገና ዚሰኽሩሉ እዋን እዮም ዚናፍቕዎ።

ነቲ ምሳታቶም ዝነበረኒ ምሕዝነት ኣቋሪጸ፡ ምስቶም ኪሃንጹኒ ዚኽእሉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክቀራረብ ጀመርኩ። እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኣምላኽ ካብ ልቦም ስለ ዜፍቅርዎን ንስርዓታቱ ኺስዕብዎ ስለ ዚጽዕሩን፡ ምሳታቶም ምሕባረይ፡ ምንጪ ዓብዪ ምትብባዕ እዩ ዀይኑኒ። ቀስ ብቐስ ድማ፡ ኣልኮላዊ መስተ ምብዛሕ ሓደግክዎ።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦ ሕጂ፡ ሓጐስ ንምርካብ ኣብ ኣልኮላዊ መስተ ስለ ዘይውከል፡ ንየሆዋ ኣዝየ እየ ዘመስግኖ። በቲ ናይ ቀደም ኣነባብራይ እንተ ዝቕጽል ነይረ፡ እንታይ ኬጋጥመኒ ይኽእል ከም ዝነበረ ኣይፈልጥን እየ። ኰይኑ ግና፡ ሕጂ ህይወተይ ከም እተመሓየሸ እየ ዝኣምን።

ኣብ ዝሓለፈ ሸውዓተ ዓመት፡ ኣብቲ ኣብ ስሎቨንያ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ምግልጋል ፍሉይ መሰል ረኺበ እየ። ንየሆዋ ምፍላጠይን ንዕኡ ምግልጋለይን፡ ህይወተይ ናይ ሓቂ ትርጕም ከም ዚህልዋ ገይሩ እዩ።