ናይ ሓቂ ኣመንትን ሓላፍነት ዚስምዖም ዜጋታትን ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
ናይ ሓቂ ኣመንትን ሓላፍነት ዚስምዖም ዜጋታትን ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
ኣገልግሎት የሱስ በየናይ ክልተ መገድታት እዩ ዚልለ ነይሩ፧ ቀዳማይ፡ የሱስ ፖለቲካዊ ለውጢ ኼምጽእ ዘይኰነስ፡ ልቢ ውልቀ ሰባት ኪልውጥ እዩ ዚጽዕር ነይሩ። ንኣብነት፡ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት እንታይ ከም ዝበለ እስከ ንርአ። ልክዕ ከም ጨውን ብርሃንን ክንከውን ከም ዘሎና ቐቅድሚ ምዝራቡ፡ ንሰማዕቱ፡ ናይ ሓቂ ሓጐስ ዚረኽቡ፡ “እቶም መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልዮም ዚግንዘቡ” ሰባት ምዃኖም ሓበሮም። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “ዓቃላት፡ . . . ጽሩያት ልቢ፡ . . . ገበርቲ ሰላም፡ . . . ብጹኣን እዮም” በለ። (ማቴዎስ 5:1-11) የሱስ ንሰዓብቱ፡ ንኣተሓሳስባኦምን ንስምዒታቶምን ምስቲ ንጽቡቕን ንሕማቕን ዚምልከት ስርዓታት ኣምላኽ ኬሰማምዕዎን ንኣምላኽ ብምሉእ ልቦም ኬገልግልዎን ኣገዳሲ ምዃኑ ንኺርድኡ ሓጊዝዎም እዩ።
ካልኣይ፡ የሱስ ብርሕራሐ ተደሪኹ፡ ንሰባት ካብ መከራኦም ኣናጊፍዎም እዩ። ይኹን እምበር፡ ንዅሉ መከራ ኼወግዶ ኣይኰነን ዚጽዕር ነይሩ። (ማቴዎስ 20:30-34) ንሕሙማት እኳ እንተ ኣሕወዮም፡ ሕማም ግና ምሉእ ብምሉእ ኣይጠፍአን። (ሉቃስ 6:17-19) ነቶም እተገፍዑ ራህዋ እኳ እንተ ኣምጽኣሎም፡ ብሰንኪ ግፍዒ ዚሳቐዩ ሰባት ግና ነይሮም እዮም። ንዝጠመዩ እኳ እንተ መገቦም፡ ጥሜት ግና ቀጺሉ እዩ።—ማርቆስ 6:41-44።
ልቢ ምልዋጥን ካብ መከራ ምንጋፍን
የሱስ ማሕበራዊ ለውጢ ኣብ ምምጻእን መከራ ኣብ ምውጋድን ዘይኰነስ፡ ልቢ ኣብ ምልዋጥን ካብ መከራ ኣብ ምንጋፍን ዘተኰረ ስለምንታይ እዩ፧ የሱስ፡ ኣምላኽ ኣብ መጻኢ ብመንግስቱ ገይሩ ንዅለን ሰብኣውያን መንግስትታት ከም ዜጥፍአንን ንዅሉ ምንጪ መከራ ኸም ዜወግዶን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ሉቃስ 4:43፣ 8:1) በዚ ምኽንያት እዚ፡ ሓደ እዋን ደቀ መዛሙርቱ ንሕሙማት ኣብ ምሕዋይ ዝያዳ ግዜ ኼሕልፍ ምስ ለመንዎ፡ “ምእንትዚ እየ ወጺኤ ዘለኹ እሞ፡ ኣብ ካልእ ኣብዚ ቐረባ ዓድታትውን ኣብኡ ኽሰብኽ፡ ንዑናይ ንኺድ” በሎም። (ማርቆስ 1:32-38) ንብዙሓት ሰባት ካብ ኣካላዊ ስቓይ እኳ እንተ ኣናገፎም፡ ቃል ኣምላኽ ኣብ ምስባኽን ኣብ ምምሃርን እዩ ዜተኵር ነይሩ።
ሎሚ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን፡ ኣብ ዕዮ ስብከቶም ንየሱስ ኪመስልዎ ይጽዕሩ እዮም። ንእተሸገሩ ውልቀ ሰባት ካብ መከራኦም ምእንቲ ኼናግፍዎም፡ ግብራዊ ብዝዀነ መገዲ ይሕግዝዎም እዮም። ኰይኑ ግና፡ ንዅሉ እቲ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘሎ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ኬወግድዎ ኣይጽዕሩን እዮም። መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሉ ምንጪ መከራ ኸም እተወግዶ ይኣምኑ እዮም። (ማቴዎስ 6:10) ልክዕ ከም የሱስ፡ ፖለቲካዊ ለውጢ ኼምጽኡ ዘይኰነስ፡ ልቢ ሰባት ኪልውጡ እዮም ዚጽዕሩ። ከምኡ ኺገብሩ ምጽዓሮም ከኣ፡ ርትዓዊ እዩ፣ ከመይሲ፡ ጸገም ደቂ ሰብ፡ ፖለቲካዊ ዘይኰነስ፡ ስነ ምግባራዊ እዩ።
ሓላፍነት ዚስምዖም ዜጋታት
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንፉዓት ዜጋታት ናይ ምዃን ክርስትያናዊ ሓላፍነት ከም ዘለዎም ስለ ዚኣምኑ፡ ንመንግስታዊ ስልጣን የኽብሩ እዮም። ብጽሑፋቶምን ብዕዮ ምስክርነቶምን ኣቢሎም፡ ንኻልኦት ሰባት ኣኽበርቲ ሕጊ ኪዀኑ የተባብዕዎም እዮም። ይኹን እምበር፡ መንግስትታት ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ሕጊ ኣምላኽ ዚጋጮ ነገራት ኪገብሩ ኺሓትታኦም ከለዋ፡ ኣይእዘዙን እዮም። ከመይሲ፡ “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ።”—ግብሪ ሃዋርያት 5:29፣ ሮሜ 13:1-7።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብቶም ኣብ ከባቢኦም ዚርከቡ ማሕበረሰብ ብምኻድ፡ ብናጻ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
ይህቡ እዮም። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ልቢ ሚልዮናት ሰባት ተለዊጡ እዩ። በብዓመቱ፡ ብኣማእታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ካብ ከም ሽጋራ ምትካኽን መስተ ምብዛሕን ሓሽሽ ምውሳድን ምጥላዕን ጾታዊ ርኽሰት ምፍጻምን ዝኣመሰለ ኣመላት ናጻ ይዀኑ ኣለዉ። ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ህይወቶም ብኸመይ ከም ዚትግብርዎ ስለ ዚመሃሩ፡ ብስነ ምግባር ዝመጸ ሓላፍነት ዚስምዖም ዜጋታት እዮም ዚዀኑ።—ነታ ኣብ ገጽ 18 ዘላ፡ “መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።ብዘይካዚ፡ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኣባላት ስድራ ቤት፡ ማለት ንሰብ ሓዳርን ንወለድን ንውሉዳትን፡ ንሓድሕዶም ኣጸቢቖም ንኺከባበሩን ብዝያዳ እሂን ምሂን ንኺበሃሃሉን ይሕግዞም እዩ። እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ መንጎ ኣባላት ስድራ ቤት ዘሎ ርክብ የደልድሎ እዩ። ድልዱላት ስድራ ቤታት ድማ፡ ድልዱል ማሕበረሰብ እየን ዜቝማ።
ነቲ ኣብዘን ዝሓለፋ ዓንቀጻት ዝረኣናዮ ነጥብታት ድሕሪ ምምርማርካ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ኣብ ሃይማኖትን ኣብ ፖለቲካን ዚኣትዉ ሰባት ዚድግፎምዶ ይመስለካ፧ እቲ መልሲ፡ ‘ኣይድግፎምን’ ዚብል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ሓላፍነት ዚስምዖም ዜጋታት ኪዀኑ ኣለዎምዶ፧ እሂናይ ደኣ! ብኸመይ፧ ነቲ ኸም ጨውን ብርሃንን ክንከውን የሱስ ዝሃበና ትእዛዝ ብምኽባር።
እቶም ነቲ ክርስቶስ ዝሃቦ ግብራዊ መምርሒ ኣብ ግብሪ ኼውዕልዎ ዚጽዕሩ ሰባት፡ ንርእሶምን ንስድራ ቤቶምን፡ እንተላይ ንማሕበረሰቦም ይጠቕሙ እዮም። ኣብ ከባቢኻ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ተሓጒሶም ብዛዕባ እቲ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ማሕበረሰብካ ዚካየድ ዘሎ መደብ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪነግሩኻ ይኽእሉ እዮም። *
[እግረ-ጽሑፍ]
^ ሕ.ጽ. 12 እንተ ደሊኻ፡ ብwww.watchtower.org ኣቢልካ እውን ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ።
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
የሱስ ፖለቲካዊ ለውጢ ኼምጽእ ዘይኰነስ፡ ልቢ ኺልውጥ እዩ ዚጽዕር ነይሩ
[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንፉዓት ዜጋታት ናይ ምዃን ሓላፍነት ከም ዘለዎም ይኣምኑ እዮም