ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ኣንበብትና

ሃይማኖታዊ እምነት ስምዒታዊ ምርኩስ ድዩ፧

ሃይማኖታዊ እምነት ስምዒታዊ ምርኩስ ድዩ፧

ስምዒታዊ ምርኩስ ኪብሃል ከሎ፡ ሓደ ሰብ ንኽውንነት ዕሽሽ ከም ዚብልን ብስነ መጐታዊ መገዲ ኸም ዘይሓስብን ዚገብር ሓደ ዓይነት ርእሰ ምትላል እዩ። ንኣብነት፡ ገሊኦም ሰባት ንኣልኮላዊ መስተ ኸም ምርኩስ ይጥቀሙሉ እዮም። ኣብ ፈለማ፡ ኣልኮላዊ መስተ ዝያዳ ምትእምማን ኬሕድረሎምን ኣብ ህይወቶም ንዜጋጥሞም ብድሆታት ከም ዚጻወሩ ኺገብሮምን ይኽእል ይኸውን። ውዒሉ ሓዲሩ ግና፡ እቶም ኣብ ኣልኮላዊ መስተ ዚምርኰሱ፡ ገዛእ ርእሶም እዮም ዚጐድኡ። ብዛዕባ ሃይማኖታዊ እምነትከ ኸምኡ ኺብሃል ይከኣል ድዩ፧

ገሊኦም ንእምነት ምስ ዕሽነት የመዓራርይዎ እዮም። ነቶም ኣብ እምነት ዚምርኰሱ ሰባት፡ ብርእሶም ኪሓስቡ ኸም ዘይደልዩ ወይ ጭቡጥ መርትዖ ንዚኣምኑሉ ነገር ኪጸልዎ ኸም ዘይፈቕዱ ገይሮም ይርእይዎም እዮም። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ተጠራጠርቲ፡ ነቶም ሓያል ሃይማኖታዊ እምነት ዘለዎም ንኽውንነት ዕሽሽ ከም ዚብሉ ገይሮም እዮም ዚርእይዎም።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እምነት ብዙሕ ዚብሎ ኣለዎ። ኰይኑ ግና፡ ዓያሹ ኽንከውን ኣየተባብዓናን እዩ። ኣእምሮኣዊ ትህኪት እውን ኣየበራትዕን እዩ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ዝሰምዖ ዘበለ ዚኣምን ሰብ፡ ከም ዘይለበመ ገርሂ፡ ወይ ከም ዓሻ ገይሩ እዩ ዚገልጾ። (ምሳሌ 14:15, 18) ሓደ ሓሳብ ሓቅነቱ ኸየረጋገጽና ምቕባል ብሓቂ ዕሽነት እዩ! ግበርዎ ስለ እተብሃልና ኢልና፡ ኣዒንትና ዓሚትና ማካይን ብዚበዝሓኦ ጐደና ኽንሰግር ከም ምፍታን እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዕሙትና ኽንኣምን ዘይኰነስ፡ ምእንቲ ኸይንታለል ክንጥንቀቕ እዩ ዚምሕጸነና። (ማቴዎስ 16:6) ንኽንጥንቀቕ ከኣ ‘ኣእምሮና’ ኽንጥቀመሉ ኣሎና። (ሮሜ 12:1) መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ጭቡጥ ሓቅታት ንእተመርኰሰ መርትዖታት ገምጊምና፡ ኣብ ቅኑዕ መደምደምታ ኽንበጽሕ የሰልጥነና እዩ። ካብቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝጸሓፎ ጽሑፋት፡ ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ።

ጳውሎስ ነቶም ኣብ ጉባኤ ሮሜ ዝነበሩ ኺጽሕፈሎም ከሎ፡ ንሱ ስለ ዝበሎም ጥራይ ብኣምላኽ ኪኣምኑ ኣይደለየን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣምላኽ ጋህዲ ምዃኑ ዚሕብር መርትዖታት ኪምርምሩ ኣተባብዖም። “[እቶም ንስልጣን ኣምላኽ ዚኽሕዱ] ዜማኻንይዎ ምእንቲ ኺስእኑስ፡ እቲ ኻብ ፍጥረት ዓለም ጀሚሩ ብግብሩ ዚፍለጥ ዘይርኤ ባህርዩ፡ እዚ ኸኣ እቲ ናይ ዘለኣለም ሓይሉን መለኮቱን ኣጸቢቑ ይርኤ” ኢሉ ድማ ጸሓፈ። (ሮሜ 1:20) ንእብራውያን ደብዳበ ኺጽሕፈሎም ከሎ እውን፡ “ቤት ዘበለትሲ ሰራሒኣ አለዋ፡ እቲ ንዅሉ ዘዳለወ ግና ኣምላኽ እዩ” ብምባል ተመሳሳሊ ሓሳብ እዩ ተጠቒሙ። (እብራውያን 3:4) ኣብታ ኣብ ከተማ ተሰሎንቄ ናብ ዝነበሩ ክርስትያናት ዝጸሓፋ ደብዳብ ኸኣ፡ ነቲ ዚኣምኑሉ ነገር ተጠንቂቖም ኪመርጹ ኣተባብዖም። “ንዅሉ ተዐዘብዎ” ድማ በሎም።—1 ተሰሎንቄ 5:21

እምነት ከም ዋልታ ኪዀነና ይኽእል

ኣብ ድልዱል መርትዖ ዘይተሃንጸ ሃይማኖታዊ እምነት፡ ከም ምርኩስ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ማለት፡ ንሰብ ኬታልሎን ኣብ መወዳእታኡ ኺጐድኦን ይኽእል እዩ። ጳውሎስ ብግዜኡ ብዛዕባ ዝነበሩ ገሊኦም ሃይማኖተኛታት፡ “ብፍልጠት ደኣ ኣይኰነን እምበር፡ ንኣምላኽ ቅንኣት ከም ዘለዎምሲ፡ ኣነ እምስክረሎም አሎኹ” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 10:2) እምበኣር፡ ነቲ ጳውሎስ፡ “እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ” ብምባል ንጉባኤ ሮሜ ዝሃባ ምዕዶ ኽንስዕብ ኣሎና። (ሮሜ 12:2) ኣብ ቅኑዕ ፍልጠት ኣምላኽ እተመስረተ እምነት፡ ከም ምርኩስ ዘይኰነስ፡ ካብ ስምዒታውን መንፈሳውን ጕድኣት ከም ዜዕቍብ “ዋልታ” እዩ።—ኤፌሶን 6:16