ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንሕና ንኣምላኽ ክንሓትቶስ ግቡእ ድዩ፧

ንሕና ንኣምላኽ ክንሓትቶስ ግቡእ ድዩ፧

ገሊኦም ሰባት ንኣምላኽ ክንሓትቶ ግቡእ ከም ዘይኰነ ይዛረቡ እዮም። ኣምላኽ ሓደ ነገር ኪኸውን ዚፈቅድ ወይ ዘይፈቅድ ስለምንታይ ምዃኑ ምሕታት፡ ጕድለት ኣኽብሮት ከም ዝዀነ ይስምዖም ይኸውን። ንስኻኸ ኸምኡ ድዩ ዚስምዓካ፧

ከምኡ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ ሓያሎ ቕኑዓት ሰባት ንኣምላኽ ሓቲቶምዎ ኸም ዝነበሩ ምፍላጥካ ኼገርመካ ይኽእል እዩ። ነዚ ስዒቡ ዘሎ ገለ ኣብነታት እቲ ዝሓተትዎ ሕቶታት ርአ፦

እቲ እሙን ዝነበረ እዮብ፦ “ረሲኣን ብህይወት ዚነብሩ፡ ዚአርጉ ስልጣኖም ድማ ዚብርትዕስ፡ ስለምንታይ ኰን እዩ፧”እዮብ 21:7

እቲ እሙን ነብዪ ኣንባቆም፦ “ስለምንታይ ነቶም ጠለምቲ እትጥምቶም፧ ከመይከ እቲ ረሲእ ነቲ ኻብኡ ዚጸድቕ ኪውሕጦ ኸሎ ትም እትብል፧”ኣንባቆም 1:13

የሱስ ክርስቶስ፦ “ኣምላኸይ፡ ኣምላኸይ፡ ንምንታይ ሐደግካኒ፧”ማቴዎስ 27:46

ኣብ ዙርያ እዚ ጥቕስታት እዚ ዚርከብ ሓሳባት እንተ ደኣ ኣንቢብካ፡ የሆዋ a ኣምላኽ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕቶታት ምስ ተሓትተ፡ ከም ዘይተሓጐሰ ዚሕብር ነገር ኣይክትረክብን ኢኻ። እዚ ዜገርም ኣይኰነን። ንኣብነት፡ ኣካላዊ ጥዕና ምእንቲ ኺህልወና ኢልና ብስጋ ዜድልየና ነገራት ኬማልኣልና ምስ እንልምኖ፡ ሕማቕ ኣይስምዖን እዩ። ተሓጒሱ ንልማኖና የማልኣልና እዩ። (ማቴዎስ 6:11, 33) ብተመሳሳሊ፡ ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ጥዕና ንኽንረክብ ኪሕግዘና ዚኽእል ሓበሬታ ብፍቓዱ ይህበና እዩ። (ፊልጲ 4:6, 7) የሱስ እውን ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ለምኑ፡ ይውሀበኩም” እዩ ዝበሎም። (ማቴዎስ 7:7) ኣብ ዙርያ እዚ የሱስ እተዛረቦ ቓላት ዘሎ ሓሳብ፡ ብዛዕባ ስጋዊ ነገራት ጥራይ ዘይኰነስ፡ መልሲ ኣገደስቲ ሕቶታት ብዛዕባ ምርካብ እውን ይዛረብ ምንባሩ ይሕብር።

ንኣምላኽ ክትሓትቶ ኣጋጣሚ እንተ ትረክብ፡ ካብዚ ዚስዕብ ሕቶታት ነየናይ ምሓተትካዮ፧

  • ህይወተይ ትርጕም ኣለዋ ድዩ፧

  • ምስ ሞትኩ እንታይ እየ ክኸውን፧

  • መከራ ኺበጽሓኒ እትፈቅድ ስለምንታይ ኢኻ፧

ቅዱሳት ጽሑፋት “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ” ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ኣምላኽ ዚህበና መልስታት ኣብቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) ገሊኦም ሰባት ነዚ ኣብ ላዕሊ እተገልጸ ሕቶታት ኪሓትቱ ዘለዓዓሎም ምኽንያትን መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ መልስታትን ርአ።

a የሆዋ፡ ኣብቲ ብበዅሪ ቛንቋታት እተጻሕፈ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስም ኣምላኽ እዩ።