ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኣምላኽ ቅረቦ

የሆዋ “ኻባኻ ዚደልዮ እንታይ እዩ፧”

የሆዋ “ኻባኻ ዚደልዮ እንታይ እዩ፧”

የሆዋ ኻብቶም ብቕቡል መገዲ ኬምልኽዎ ዚደልዩ እንታይ እዩ ዚደሊ፧ ዘይፍጹማት ሰባት ኬማልእዎ ዘይክእሉ ፍጽምና ድዩ ዚደሊ፡ ወይስ ክንበጽሖ እንኽእል ጥራይ እዩ ኸነማልእ ዚደልየና፧ ንኣምላኽ ብምግልጋል ሓጐስ ክንረክብ እንተ ዄንና፡ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ኣገዳሲ እዩ። ነብዪ ሚክያስ ነቲ ኣምላኽ ካባና ዚደልዮ ብቕዓት ብኸመይ ከም ዝጠቐሶ እስከ ንመርምር።—ሚክያስ 6:8 ኣንብብ።

“ንሱ ሰናይ ዘበለ ኣፍለጠካ።” እቲ ኣምላኽ ካባና ዚጽበዮ ነገር እንታይ ምዃኑ ኽንግምት ኣየድልየናን እዩ። ከነማልኦ ዚደልየና ብቕዓታት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብምዝርዛር፡ ብግህዶ ነጊሩና ኣሎ። እቲ ኣምላኽ ካባና ዚደልዮ ነገር “ሰናይ” እዩ። ካልእ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ፣” ስለዚ፡ ንጽቡቕና እዩ ዚሓስብ። (1 ዮሃንስ 4:8፣ 5:3) ከነማልኦ ዚሓትተና ብቕዓታት ምምላእ፡ ንዕኡ የሐጕሶ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዓና እውን ንጥቕምና እዩ።—ዘዳግም 10:12, 13

“ካባኻ ዚደልዮ እንታይ እዩ፧” የሆዋ ኻባና ሓደ ነገር ኪደሊ ወይ ኪጠልብ መሰል ኣለዎ ድዩ፧ እወ፡ ብርግጽ ኣለዎ! ምንጭን ሓብሓብን ህይወትና ስለ ዝዀነ፡ ክንእዘዞ ይግብኣና እዩ። (መዝሙር 36:9) እሞ ደኣ ካባና ዚደልዮ እንታይ እዩ፧ ሚክያስ ነቲ ኣምላኽ ከነማልኦ ዚደልየና ብቕዓታት ኣብ ሰለስተ ጠርኒፍዎ ኣሎ። እተን ቀዳሞት ክልተ ብቕዓታት ብመሰረቱ ነቲ ምስ ሰባት ዘሎና ርክብ ዜጠቓልላ ኪዀና ኸለዋ፡ እታ ሳልሰይቲ ኸኣ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ተጠቓልል።

“ቅንዕና ኽትገብር።” እታ “ቕንዕና” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል፡ ብመሰረት ሓደ መወከሲ ጽሑፍ፡ “ኣብ ማሕበረሰብ ዚህሉ ቕኑዕን ፍትሓውን ርክብ ተጠቓልል።” ኣምላኽ ንኻልኦት ሰባት፡ በቲ ንሱ ዜውጽኦ ስርዓታት ቕንዕናን ፍትሕን ክንሕዞም እዩ ዚደልየና። ምስ ካልኦት ኣብ ዘሎና ርክብ፡ ኣድልዎ ብዘይምግባርን ፍትሓውያን ብምዃንን ሓቀኛታት ብምዃንን፡ ቅንዕና ኽንገብር ንኽእል ኢና። (ዘሌዋውያን 19:15፣ ኢሳይያስ 1:17፣ እብራውያን 13:18) ንኻልኦት ብቕንዕና እንተ ሒዝናዮም፡ ንሳቶም እውን ብቕንዕና ንኺሕዙና ኺድረኹ እዮም።—ማቴዎስ 7:12

“ምሕረት ከኣ ክትፈቱ።” የሆዋ፡ ምሕረት ክንገብር ጥራይ ዘይኰነስ፡ ክንፈቱ እውን እዩ ዚደልየና። እታ ኣብዚ “ምሕረት” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል (ኸሰድ)፡ “ሳህሊ፡” “ለውሃት፡” ወይ “እሙን ፍቕሪ” ተባሂላ እውን ክትትርጐም ትኽእል እያ። ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር፡ “ፍቕርን ምሕረትን ለውሃትን ን[ኸሰድ] ዚበቕዓ ትርጕማት ኣይኰናን፣ ሓንቲ ኻብዘን ባህርያት እዚአን ዘይኰነትስ፡ ኵለን ብሓባር እያ” በለ። ለውሃት ንፈቱ እንተ ዄንና፡ ብፍታው ኢና እንገብሮ፣ ንእተሸገሩ ብምሕጋዝ ሓጐስ ንረክብ ኢና። ከም ውጽኢቱ፡ ብምሃብ ዚርከብ ሓጐስ ንረክብ።—ግብሪ ሃዋርያት 20:35

“ምስ ኣምላኽካውን ብትሕትና ኽትመላለስ።” ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እታ “ኽትመላለስ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ቓል፡ “ሓደ መገዲ ምስዓብ” ማለት እያ። ነቲ ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝሓንጸጸልና መገዲ ህይወት ብምስዓብ፡ ምስኡ ኽንመላለስ ንኽእል ኢና። ነዚ መገዲ እዚ ኽንስዕብ ከለና፡ “ትሕትና” ኺህልወና ኣለዎ። ብኸመይ፧ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ትሑታት እንተ ዄንና፡ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎና ቦታ ብሚዛናዊ ዓይኒ ገምጊምና፡ ዓቕምና ድሩት ምዃኑ ንእመን። ስለዚ፡ “ብትሕትና ኽትመላለስ” ኪብሃል ከሎ፡ ብዛዕባ እቲ ንሱ ኻባና ዚደልዮን ንሕና ኸነማልኦ እንኽእልን ነገራት ሚዛናዊ ኣረኣእያ ምሓዝ ማለት እዩ።

እቲ ዜሐጕስ ከኣ፡ የሆዋ ኻብ ዓቕምና ንላዕሊ ኽንገብር ኣይጽበየናን እዩ። ዚከኣለና እንተ ጌርና፡ ብጻዕርና ይሕጐስ እዩ። (ቈሎሴ 3:23) ዓቕምና ይፈልጥ እዩ። (መዝሙር 103:14) ንሕና እውን ትሕት ብምባል ዓቕምና እንተ ፈሊጥና፡ ምስኡ ብምምልላስ ሓጐስ ክንረክብ ንኽእል ኢና። ምስ ኣምላኽ ምምልላስ ብኸመይ ክትጅምር ከም እትኽእል ስለምንታይ ዘይትምሃር፧ እዚ መገዲ እዚ፡ ካብኡ ብዙሕ በረኸት ኬምጽኣልካ እዩ።—ምሳሌ 10:22

ንሕዳር ዚኸውን ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦

ዮኤል 1-3ሚክያስ 1-7