ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሙሴ—ትሑት

ሙሴ—ትሑት

ትሕትና እንታይ እያ፧

ትሕትና ኣንጻር ትዕቢት ወይ ኣንጻር ኵርዓት እያ። ትሑት ሰብ ንኻልኦት ካብኡ ኸም ዚንእሱ ገይሩ ኣይርእዮምን እዩ፣ ዓቕሙ እውን ይፈልጥ እዩ።

ሙሴ ትሕትና ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

ሙሴ ስልጣን ምስ ተዋህቦ፡ ኣይተዓበየን። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ንሓደ ሰብ ንእሽቶ ስልጣን እውን ይኹን ኪውሃቦ ኸሎ፡ ትሑት ምዃኑን ዘይምዃኑን ይቕላዕ እዩ። ሮበርት ጂ. ኢንጌርሶል ዝስሙ ኣብ መበል 19 ዘመን ዝነበረ ደራሲ፡ “መብዛሕትኦም ሰባት ጸበባ ኺጻወሩ ይኽእሉ እዮም። ናይ ሓቂ መንነት ሓደ ሰብ ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ ግና፡ ስልጣን ሃቦ” በለ። ስለዚ፡ ሙሴ ትሕትና ብምርኣይ ብሉጽ ኣብነት እዩ ገዲፉልና። ብኸመይ፧

ሙሴ ንእስራኤላውያን ኪመርሖም መዝነት ተዋሂብዎ ስለ ዝነበረ፡ ዓብዪ ስልጣን እዩ ነይርዎ። ኰይኑ ግና፡ እቲ ስልጣን ከም ዚዕበ ኣይገበሮን። ንኣብነት፡ ንርስቲ ዚምልከት ኣሸጋሪ ሕቶ ምስ ቀረበሉ፡ ዓቕሙ ብምፍላጥ ብኸመይ ከም ዝመለሰ ንርአ። (ዘሁልቍ 27:1-11) እቲ ውሳነ ንሽዑ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዚመጽእ ወለዶ እውን ዚትንክፍ ስለ ዝነበረ፡ ከቢድ ጕዳይ እዩ ነይሩ።

ሙሴ ነቲ ጕዳይ ብኸመይ እዩ ፈቲሕዎ፧ መራሒ እስራኤል ብምዃኑ፡ ነቲ ጕዳይ ባዕሉ ኺፈትሖ ኸም ዚኽእል ተሰሚዕዎ ድዩ፧ ኣብ ክእለቱ፡ ኣብ ተመክሮኡ፡ ወይ ከኣ ብዛዕባ ሓሳባት የሆዋ ኣብ ዝነበሮ ፍልጠት ተመርኲሱ ባዕሉ ወሲኑ ድዩ፧

ሓደ ዕቡይ ሰብ ምናልባት ከምኡ ምገበረ ነይሩ። ሙሴ ግና ከምኡ ኣይገበረን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሙሴ ድማ እቲ ነገረን ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕረበ” ይብለና። (ዘሁልቍ 27:5) ሕስብ እሞ ኣብሎ። ሙሴ ን40 ዓመት ዚኣክል ንእስራኤላውያን ምስ መርሖም እውን ከይተረፈ፡ ኣብ ገዛእ ርእሱ ዘይኰነስ፡ ኣብ የሆዋ እዩ ተወኪሉ። ንሱ ኣዝዩ ትሑት ከም ዝነበረ ብንጹር ርኢና ኢና።

ሙሴ ስልጣኑ ንኸይትንከፍ ሕግብግብ ኣይበለን። የሆዋ ንኻልኦት እስራኤላውያን እውን ምስ ሙሴ ሓቢሮም ነብያት ኪዀኑ ምስ ፈቐደሎም፡ ሙሴ ተሓጒሱ እዩ። (ዘሁልቍ 11:24-29) ሓሙኡ፡ ኣብ ዕዮኡ ዚድግፍዎ ሰባት ኪሸይም ሓሳብ ምስ ሃቦ እውን፡ ነቲ ምኽሪ ብትሕትና ተቐቢሉ ተግቢርዎ እዩ። (ዘጸኣት 18:13-24) ኣብ ኣጋ ሞቱ ኸኣ፡ ኣዝዩ ድልዱል እኳ እንተ ነበረ፡ ንዕኡ ዚትክእ ሰብ ኪሸይም ንየሆዋ ሓቲትዎ እዩ። የሆዋ ነቲ ምንኣስ ሙሴ ዝነበረ እያሱ ምስ መረጾ፡ ሙሴ ብምሉእ ልቡ ደጊፍዎ እዩ። ነቶም ህዝቢ ኸኣ ንእያሱ፡ ናብ ምድሪ ተስፋ ኺመርሖም ከሎ ንኺስዕብዎ ተማሕጸኖም። (ዘሁልቍ 27:15-18፣ ዘዳግም 31:3-6፣ 34:7) ነቲ ንእስራኤላውያን ኣብ ኣምልኾ የሆዋ ንኺመርሖም ተዋሂብዎ ዝነበረ ሓላፍነት፡ ከም ፍሉይ መሰል ገይሩ ይርእዮ እኳ እንተ ነበረ፡ ስልጣኑ ኸይሕደግ ግና ሕግብግብ ኣይብልን እዩ ነይሩ።

ካብዚ እንታይ ንመሃር፧

ሓላፍነት፡ ስልጣን፡ ወይ ፍሉይ ክእለት ምስ ዚህልወና ንኼዐብየና ኽንፈቕደሉ የብልናን። የሆዋ ዕዮኡ ንኽንፍጽም ኪጥቀመልና እንተ ደሊና፡ ካብ ክእለትና ንላዕሊ ትሕትናና ወትሩ ኺዓዝዝ ኣለዎ። (1 ሳሙኤል 15:17) ብሓቂ ትሑታት እንተ ዄንና፡ ነቲ “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ” ዚብል ጥበባዊ ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ንኸነውዕሎ ኽንጽዕር ኢና።—ምሳሌ 3:5, 6

እቲ ሙሴ ዝገደፎ ኣብነት፡ ንደረጃና ወይ ንስልጣንና እምብዛ ኸነተኵረሉ ኸም ዘይብልና እውን ይምህረና እዩ።

ነቲ ሙሴ ትሕትና ብምርኣይ ዝገደፎ ኣብነት እንተ ቐዲሕናዮ፡ ንጥቀም ዲና፧ እሂናይ ደኣ! ናይ ሓቂ ትሕትና እንተ ኣልዩና፡ ካልኦት ሰባት ንኪቐርቡና ስለ ዝፈዅሶም ይፈትዉና እዮም። ብዝያዳ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ነዛ ጽብቕቲ ባህሪ ዘርኢ የሆዋ ኣምላኽ ተፈተውቲ ንኸውን። (2 ሳሙኤል 22:36) “ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም እዩ።” (1 ጴጥሮስ 5:5) ነቲ ሙሴ ዘርኣዮ ትሕትና ንኽንቀድሖ ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና።