ግምቢ ዘብዐኛ ሚያዝያ 2015 | መጽሓፍ ቅዱስ ክትመሃር ትደሊዶ፧

ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ካብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብናጻ ዚህብዎ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይጥቀሙ ኣለዉ። ንስኻ እውን ካብዚ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ክትጥቀም ከም እትኽእል ርአ።

ገበር

መጽሓፍ ቅዱስ ክትመሃር ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

‘ግዜ የብለይን፡’ ‘ከተግብሮ ይኸብደኒ እዩ፡’ ኢልካ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧

ንዅሉ ዚኸውን ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ

ብዛዕባ እቲ እንህቦ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብተደጋጋሚ ንዚሕተት ሸሞንተ ሕቶ መልሱ ርኸብ።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር

ንህይወተይ ዝቐየራኦ ሰለስተ ሕቶ

ዶሪስ ኤልድረድ ዝስማ መምህር ብዛዕባ ህይወት ዝነበራ ኣገዳሲ ሕቶታት ካብ ተመሃሪታ ዜዕግብ መልሲ ረኸበት።

ኣብ ጐሓፍ እተረኽበ ጥንታዊ ዕንቊ

እቲ ኽፋል ወንጌል ዮሃንስ ዝሓዘ ቝራጽ ራይላንድስ፡ ክሳዕ ሕጂ ኻብ እተረኽበ ቝርጽራጻት ናይ ክርስትያን ግሪኽኛ ቕዱሳት ጽሑፋት፡ ብጥንታውነቱ ቐዳማይ ቦታ ዝሓዘ ኢደ ጽሑፍ እዩ።

ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዚግበር ዝርርብ

ዝኽሪ ሞት የሱስ ከነብዕል ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ብዙሓት ሰባት ኣብ በዓል ልደት ንውልደት የሱስ፡ ኣብ በዓል ትንሳኤ ድማ ንትንሳኤኡ የብዕሉ እዮም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ክንዲ ነዚ፡ ዝኽሪ ሞት የሱስ ዜብዕሉ ስለምንታይ እዩ፧

ትፈልጥዶ፧

ሓለቓ ሚእቲ ኣብ ሰራዊት ሮሜ እንታይ ሓላፍነት እዩ ነይርዎ፧ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ መስትያት ኣብዚ ግዜና ኻብ ዘሎ ዚፍለ ብኸመይ እዩ፧

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ንሓድሕዶም ዚፋቐሩ ሰባት ዝሓቘፈ ዓለምለኻዊ ሕብረተ ሰብ ይህሉ ደዀን ይኸውን፧