መዝሙር 130
ይቕረ በሃልቲ ንኹን
-
1. የሆዋ ብወዱ፡
መሰናድዎ ገይሩ፣
ሓጥያትና ኺሕደገልና፡
ሞት ኬወግድ ብፍቕሩ።
ብሓቂ ’ተ ተነሲሕና፡
ይቕረታ ’ተ ለሚንና፡
ሳላ መስዋእቲ ክርስቶስ፡
ኣብዚሑ ይምሕረና።
-
2. ምሕረት’ውን ንረክብ፡
ንኣምላኽ ’ተ መሲልና፣
ብናጻ ይቕረ ’ተ ኢልና፡
ርሕሩሓት እንተ ዄንና።
ጐዳኢ ነገር ኣርሒቕና፡
እንተ ተዓጋጊስና፡
ሓውና እንተ ኣኽቢርና፡
ፍቕሪ ትህልወና።
-
3. ኣድላዪት’ያ ምሕረት፡
ክንኵስኵሳ ኣሎና፣
ቂም ካብ ምሓዝ ትሰትረና፡
ካብ ጽልኢ ተርሕቐና።
ንኣምላኽ ’ተ መሲልናዮ፡
ነቲ ዓብዪ ብፍቕሪ፡
ይቕረ በሃልቲ ንኸውን፡
ንወርሳ’ውን ንምድሪ።