ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሃይማኖት ኣብ ፖለቲካ ኺኣቱ ይግባእ ድዩ፧

ሃይማኖት ኣብ ፖለቲካ ኺኣቱ ይግባእ ድዩ፧

 ኣብ ብዘላ ዓለም፡ ‘ሰዓብቲ የሱስ ክርስቶስ ኢና’ ዚብሉ ሰባት፡ ኣብ ፖለቲካ ኣጸቢቖም ጥሒሎም እዮም። ነቲ ዘለዎም ሃይማኖታዊ እምነትን ስነ ምግባራዊ ስርዓታትን ንምስፍሕፋሕ ንገሊኦም ናይ ምርጫ ሕጹያትን ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ይድግፉ። እቶም ፖለቲካውያን ብወገኖም፡ መብዛሕትኡ ግዜ ነቶም ሃይማኖታውያን ኣብ ኢዶም ምእንቲ ኼእትውዎም ሃይማኖታዊ ወይ ስነ ምግባራዊ ጕዳያት ይጥቀሙ እዮም። መራሕቲ ሃይማኖት ንፖለቲካዊ ስልጣን ኪወዳደሩ ልሙድ ነገር እዩ። ኣብ ገሊኡ ሃገራት፡ ገሊአን ኣብያተ ክርስትያናት ከም ሃገራዊ ሃይማኖት እየን ዚፍለጣ።

 እንታይ ይመስለካ፧ ሰዓብቲ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ኢዶም ኬእትዉ ይግባእ ድዩ፧ መልሲ እዚ ሕቶ እዚ ምእንቲ ኽትረክብ የሱስ ዝገደፎ ኣብነት ርአ። ንሱ፡ “ከምቲ ኣነ ዝገበርኩልኩምሲ፡ ንስኻትኩም እውን ክትገብሩ፡ ኣርኣያ ሂበኩም ኣለኹ” በለ። (ዮሃንስ 13:15) ንፖለቲካ ብዚምልከት የሱስ እንታይ ኣርኣያ ገዲፉልና፧

የሱስ ኣብ ፖለቲካ ኢዱ ኣእትዩ ድዩ፧

 ኣይፋልን። የሱስ ኣብ ናይ ዓለም ፖለቲካ ኢዱ ኣየእተወን።

 የሱስ ፖለቲካዊ ስልጣን ንምርካብ ኣይተመጣጠረን። ሰይጣን ድያብሎስ፡ ‘ንዅለን መንግስትታት ዓለም’ ብምቕራብ፡ ገዛኢ ሰብኣውያን መንግስትታት ኪኸውን ዕድመ ምስ ኣቕረበሉ፡ የሱስ ነጺግዎ እዩ። (ማቴዎስ 4:8-10) a ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ፡ ነቲ የሱስ ዘለዎ ናይ ኣመራርሓ ኽእለት ዝረኣዩ ሰባት፡ ናብ ፖለቲካ ኺደፋፍእዎ ፈቲኖም እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “የሱስ ድማ፡ መጺኦም ብሓይሊ ሒዞም ኬንግስዎ ኸም ዝደለዩ ፈሊጡ፡ ከም ብሓድሽ በይኑ ናብ ከረን ኣልገሰ።” (ዮሃንስ 6:15) የሱስ ከምቲ እተጸበይዎ ኣይገበረን፡ ከመይሲ ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ኢዱ ኼእቱ ኣይደለየን።

 የሱስ ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ወገን ኣይሓዘን። ንኣብነት፡ እቶም ኣብ ግዜ የሱስ ዝነበሩ ኣይሁድ ንመንግስቲ ሮሜ ግብሪ ምኽፋል ከም ዘይፍትሓዊ ጾር ገይሮም ይርእይዎ ስለ ዝነበሩ፡ የቘጥዖም ነይሩ እዩ። የሱስ ብዛዕባ ፍትሓውነት ምኽፋል ግብሪ፡ ወገን ኪሕዝ ጸቕጢ ኺግበረሉ ኸሎ እውን ከይተረፈ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ኽርክራት ኣይኣተወን። እኳ ደኣስ፡ “ናይ ቄሳር ንቄሳር፡ ናይ ኣምላኽ እውን ንኣምላኽ ሃቡ” በለ። (ማርቆስ 12:13-17) ኣብቲ ፖለቲካዊ ጕዳያት ገለልትነቱ ሓልዩ እዩ። ይኹን እምበር፡ ነቲ ቄሳር፡ ማለት ሲቪላዊ ምምሕዳር ሮሜ ዚሓትቶ ግብሪ ኪኽፈል ከም ዚግባእ ኣርእይዎም እዩ። በቲ ሓደ ወገን ከኣ፡ ንመንግስታዊ ስልጣናት ኪውሃብ ዘለዎ ተኣዛዝነት ደረት ከም ዘለዎ ኣርእይዎም እዩ። ሓደ ሰብ፡ እቲ ንኣምላኽ ጥራይ ኪውሃብ ዚግብኦ ተወፋይነትን ኣምልኾን ንሃገር ኪህብ የብሉን።—ማቴዎስ 4:10፣ 22:37, 38

 የሱስ ንሰማያዊ ምምሕዳር፡ ማለት ንመንግስቲ ኣምላኽ እዩ ዚድግፍን ዚምህርን ነይሩ። (ሉቃስ 4:43) ነቲ ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ ኽትፍጽም እትኽእል፡ መንግስቲ ኣምላኽ እምበር መንግስትታት ደቂ ሰብ ከም ዘይኰና ስለ ዚፈልጥ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ኢዱ ኣየእተወን። (ማቴዎስ 6:10) የሱስ፡ መንግስቲ ኣምላኽ መንግስትታት ደቂ ሰብ ከም እትትክአን ደኣ እምበር፡ ብእአን ኣቢላ ኸም ዘይትዓዪ ይርድኦ ነይሩ እዩ።—ዳንኤል 2:44

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብ ፖለቲካ ኢዶም ኣእትዮም ድዮም፧

 ኣየእተዉን። ሰዓብቲ የሱስ፡ ነቲ፡ “ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን” ዚብል ትእዛዙ ስዒቦምዎ እዮም። (ዮሃንስ 15:19) ኣብነቱ ብምስዓብ ካብ ፖለቲካዊ ጕዳያት እዛ ዓለም እዚኣ ተፈልዮም እዮም። (ዮሃንስ 17:16፣ 18:36) ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት እዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ክንዲ ዚኣትዉ፡ ነቲ የሱስ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰብኩን ኪምህሩን ዝሃቦም ዕዮ እዮም ዚፍጽሙ ነይሮም።—ማቴዎስ 28:18-20፣ ግብሪ ሃዋርያት 10:42

 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዚነብሩ ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብ ህይወቶም ንኣምላኽ ምእዛዝ እዮም ዜቐድሙ ነይሮም። ይኹን እምበር፡ ንሰበ ስልጣን ኬኽብሩ ኸም ዘለዎም ይፈልጡ ነይሮም እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 5:29፣ 1 ጴጥሮስ 2:13, 17) ነቲ ሕግታት ይእዘዝዎ፡ ግብሪ እውን ይኸፍሉ ነይሮም እዮም። (ሮሜ 13:1, 7) ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ኢዶም ዘየእትዉ እኳ እንተ ነበሩ፡ ነቲ መንግስትታት ዚህባኦ ዝነበራ ሕጋዊ ዕቝባን ኣገልግሎትን ይጥቀሙሉ ነይሮም እዮም።—ግብሪ ሃዋርያት 25:10, 11፣ ፊልጲ 1:7

ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ክርስትያናዊ ገለልትነት

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሱስ ኰነ እቶም ቀዳሞት ሰዓብቱ ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ኢዶም ፈጺሞም ከም ዘየእተዉ ብንጹር እዩ ዚሕብር። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ክርስትያናት መጠን ምሉእ ብምሉእ ገለልተኛታት እዮም። ልክዕ ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ነቲ የሱስ ዝኣዘዞም “ብስራት መንግስቲ” ናይ ምስባኽ ዕዮ እዮም ዚፍጽሙ ዘለዉ።—ማቴዎስ 24:14

a የሱስ ነዚ ዕድመ እዚ ኺነጽጎ ኸሎ፡ ‘ሰይጣን ነዘን መንግስትታት እዚአን ኪውፊ ስልጣን የብሉን’ ኢሉ ኣይተኸራኸረን። ጸኒሑ እኳ ደኣስ ንሰይጣን፡ “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ።—ዮሃንስ 14:30