ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

15-21 ለካቲት

ነህምያ 9-11

15-21 ለካቲት
  • መዝሙር 25ን ጸሎትን

  • መእተዊ ሓሳባት (3 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

  • እሙናት ኣምለኽቲ ንቲኦክራስያዊ ስርዓታት ይድግፉ”፦ (10 ደቒቕ)

    • ነህ 10:28-30—ምስ “ህዝቢ እታ ሃገር” ከይዋሰቡ ተሰማምዑ (w98 15/10 21 ¶11)

    • ነህ 10:32-39—ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ብእተፈላለየ መገድታት ኪድግፉ ወሰኑ (w98 15/10 21 ¶11-12)

    • ነህ 11:1, 2—ንፍሉይ ቲኦክራስያዊ ስርዓታት ብፍታዎም ደገፉ (w06 1/2 11 ¶6፣ w98 15/10 22 ¶13)

  • ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ፦ (8 ደቒቕ)

    • ነህ 9:19-21—የሆዋ ንህዝቡ ጽቡቕ ነገር ከም ዜቕርብ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ (w13 15/9 9 ¶9-10)

    • ነህ 9:6-38—ሌዋውያን ንጸሎት ዚምልከት እንታይ ጽቡቕ ኣብነት እዮም ገዲፎምልና፧ (w13 15/10 22-23 ¶6-7)

    • ናይዚ ሰሙን እዚ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ይምህረኒ፧

    • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብክዎ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኽጥቀመሉ ዝኽእል እንታይ ነጥብታት ረኺበ፧

  • ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ነህ 11:15-36 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

  • ናይ ፈለማ ምብጻሕ፦ (2 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ) ነታ ኣብ እዋናዊት ንቕሑ! ዝወጸት፡ “ንስድራ ቤት—ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ብኸመይ ከም እተጥሪ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ብምፍላጥ ንቕሑ! ኣበርክት። ንተመላሊስካ ምብጻሕ ዚኸውን መሰረት ድማ ኣንብር።

  • ተመላሊስካ ምብጻሕ፦ (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ) ኣብታ ኣብ እዋናዊት ንቕሑ! ዝወጸት፡ “ንስድራ ቤት—ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ብኸመይ ከም እተጥሪ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ተገዳስነት ንዘርኣየ ሰብ ተመላሊስካ ምብጻሕ ብኸመይ ከም ዚግበረሉ ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ። ንዚመጽእ ምብጻሕ ዚኸውን መሰረት ከኣ ኣንብር።

  • መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፦ (6 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ) መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚምራሕ ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ። (bh 32-33 ¶13-14)

ክርስትያናዊ ህይወት

  • መዝሙር 19

  • ኣዝዩ ዝበለጸ ህይወት”፦ (15 ደቒቕ) ምይይጥ። ነታ ቪድዮ ዘ በስት ላይፍ አቨር (ኣዝዩ ዝበለጸ ህይወት) ዘርእስታ ቪድዮ ብምውላዕ ጀምር። ድሕሪኡ፡ ነቲ ሕቶታት ተመያየጥሉ። ንሓደ ንጽል ወይ እተመርዓወ ኣስፋሒ ነቲ ንጽል ኰይኑ ዝጸንሓሉ ሓያሎ ዓመታት ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ብኸመይ ከም እተጠቕመሉ ኣሕጽር ኣቢልካ ቓለ መጠይቕ ግበረሉ። (1ቈረ 7:35) እንታይ በረኸት ረኺቡ፧

  • መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦ lv ምዕ. 6 ሕ.ጽ. 10-15፡ ኣብ ገጽ 67 ዘላ ሳጹን (30 ደቒቕ)

  • ክለሳን ጽማቝ ትሕዝቶ ዚቕጽል ሰሙንን (3 ደቒቕ)

  • መዝሙር 39ን ጸሎትን