ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
ንቕሑ!
ሕቶ፦ እዛ እዋናዊት ንቕሑ! እንሀትልካ። ነዛ ኣብ ገጽ 2 ዘላ ሕቶ እሞ ኣስተብህለላ። ንስኻኸ እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
ጥቕሲ፦ ምሳ 24:10
መፋለጢ፦ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ምስዚ ዚሰማማዕ ተወሳኺ መሰረታዊ ስርዓታት ትገልጽ።
ንቕሑ!
ንኣምላኽ ስምዓዮ
ሕቶ፦ ኣብ ከምዚኣ ዝበለት ዓለም ክትነብር ትደሊዶ፧ [ነቲ ኣብ ገጽ 2-3 ዘሎ ስእሊ ኣርእዮ፡ ድሕሪኡ መልሲ ተጸበ።]
ጥቕሲ፦ ኤር 29:11
መፋለጢ፦ እዛ ብሮሹር እዚኣ ንኣምላኽ ብኸመይ ከም እንሰምዖን ነቲ ንሱ ኣብ መጻኢ ንዓና ኣዳልዩልና ዘሎ በረኸት ብኸመይ ከም እንረኽቦን ትገልጽ። [ነቲ ኣብ ገጽ 4-5 ዘሎ ሓሳብ ተመያየጥሉ።]
ናይ ርእስኻ ኣቀራርባ ኣዳሉ
ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣቀራርባ ኣገልግሎት ወፍሪ ንምድላው፡ ነቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ኣብነታት ተጠቐም።