ክርስትያናዊ ህይወት
‘በቲ ዘሎካ ዕገብ’
ስኡናት እንተ ዄንና፡ መንፈሳውነትና ኺጐድእ ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር ክንገብር ክንፍተን ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ብዙሕ ገንዘብ ዚርከቦ ግናኸ፡ መንፈሳውነትና ኺጐድእ ዚኽእል ነገር ክንገብር ንፍተን ንኸውን፡ እዚ ድማ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ የበላሽዎ እዩ። ብዛዕባ እቲ ኣብ እብራውያን 13:5 ዘሎ ሓሳባት ምስትንታና ኺሕግዘና ይኽእል እዩ።
“ናብራኹም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን”
-
ነቲ ንገንዘብ ዚምልከት ዘሎካ ኣረኣእያ ብጸሎት ሕሰበሉ፣ ንደቅኻ ብኸመይ ሰናይ ኣብነት ከም እትዀኖም እውን ሕሰብ። —g 9/15 6።
“በቲ ዘሎኩም . . . ዕገቡ”
-
ብዛዕባ እቲ ብሓቂ ዜድሊ ነገራት ዘሎካ ኣረኣእያ ምትዕርራይ ግበር።—w16.07 7 ¶1-2።
“ከቶ ኣይክሓድገካን፡ ከቶ እውን ኣይክጥንጥነካን እየ”
-
ንመንግስቲ ኣምላኽ ቀዳምነት ትህብ እንተ ደኣ ዄንካ፡ የሆዋ ንህይወት ዜድሊ ነገራት ከም ዚህበካ ተኣማመን።—w14 15/4 21 ¶17።
ነታ ኣሕዋትና ሰላም ረኺቦም ኣለዉ—ቍጠባዊ ጸገማት እናሃለወ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዛ እትስዕብ ሕቶ መልሳ፦
ካብ ተመክሮ ሚገል ኖቮዋ እንታይ ተማሂርካ፧