ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

መጻምድትኻ ብጥበብ ምረጽ

መጻምድትኻ ብጥበብ ምረጽ

ሰሎሞን፡ ጥበብ ዝጐደሎ ምርጫ ብምግባር፡ ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ዜምልኻ ኣንስቲ ተመርዓወ (1ነገ 11:1, 2w18.07 18 ¶7)

ኣንስቲ ሰሎሞን በብቝሩብ ልቡ ኣዘንበላኦ፡ ካብ የሆዋ ድማ ኣርሓቓኦ (1ነገ 11:3-6w19.01 15 ¶6)

የሆዋ ንሰሎሞን ተቘጢዕዎ (1ነገ 11:9, 10w18.07 19 ¶9)

ቃል ኣምላኽ ንዘይተመርዓዉ ክርስትያናት፡ “ብጐይታ ጥራይ” ኪምርዓዉ ይመክር። (1ቈረ 7:39) ይኹን እምበር፡ ሓደ ሰብ ስለ እተጠምቀ ጥራይ፡ ንሓዳር ብቝዕ እዩ ማለት ኣይኰነን። እቲ ሰብ ብምሉእ ነፍስኻ ንየሆዋ ኸተገልግል ዚሕግዘካ ድዩ፧ ንየሆዋ ዓሚቝ ፍቕሪ ኣጥርዩ ድዩ፧ ክትምርዖ ቕድሚ ምውሳንካ፡ ግዜ ወሲድካ ነቲ መጻምድትኻ ዚኸውን ሰብ፡ ኣጸቢቕካ ኽትፈልጦ ጻዕሪ ግበር።