ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ
ትዕቢት ናብ ውርደት ይመርሕ
ንጉስ ሳኦል ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት ከም ዝነበረ ተሰምዖ (1ሳሙ 13:5-7)
ሳኦል ብትሕትና መምርሒ የሆዋ ኣብ ክንዲ ዚስዕብ፡ ብትዕቢት ስጕምቲ ወሲዱ (1ሳሙ 13:8, 9፣ w00 1/8 13 ¶17)
የሆዋ ንሳኦል ገሲጽዎ (1ሳሙ 13:13, 14፣ w07 15/6 27 ¶8)
ሓደ ሰብ ተሃዊኹ ወይ ብዕሽነት ዘይተፈቕደሉ ነገር ምስ ዚገብር፡ ብድፍረት ስጕምቲ ወሲዱ ኺብሃል ይከኣል እዩ። ትዕቢት ኣንጻር ትሕትና እዩ። ንሓደ ሰብ ዕቡይ ኪገብሮ ዚኽእል እንታይ ኵነታት ኪኸውን ይኽእል፧