26 መጋቢት–1 ሚያዝያ
ማቴዎስ 25
መዝሙር 143ን ጸሎትን
መእተዊ ሓሳባት (3 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ)
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ
“ንቕሑ”፦ (10 ደቒቕ)
ማቴ 25:1-6—እተን ሓሙሽተ ለባማትን ሓሙሽተ ዓያሹን ደናግል፡ መርዓዊ ኪቕበላ ወጻ
ማቴ 25:7-10—እቲ መርዓዊ ምስ መጸ፡ እተን ዓያሹ ደናግል ኣብኡ ኣይነበራን
ማቴ 25:11, 12—እተን ለባማት ደናግል ጥራይ ናብቲ መርዓ ኣተዋ
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ፦ (8 ደቒቕ)
ማቴ 25:31-33—ምሳሌ እተን ኣባጊዕን ኣጣልን ግለጽ። (w15 15/3 27 ¶7)
ማቴ 25:40—ምስ ኣሕዋት ክርስቶስ ዘሎና ዕርክነት ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧ (w09 15/10 16 ¶16-18)
ናይዚ ሰሙን እዚ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ምሂሩካ፧
ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እንታይ ካልእ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ (4 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) ማቴ 25:1-23
ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ
ካልኣይ ተመላሊስካ ምብጻሕ፦ (3 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) በቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርብ ጀምር። ናብ በዓል ዝኽሪ ዓድሞ።
ሳልሳይ ተመላሊስካ ምብጻሕ፦ (3 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) ናይ ርእስኻ ጥቕሲ ምረጽ፡ ድሕሪኡ ንመጽናዕቲ ዚኸውን ሕታም ዓድል።
መደረ፦ (6 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) w15 15/3 27 ¶7-10—ፍረ ነገር፦ እቲ ብዛዕባ ኣባጊዕን ኣጣልን ዚገልጽ ምሳሌ ንዕዮ ስብከት ዜጕልሕ ብኸመይ እዩ፧
ክርስትያናዊ ህይወት
“ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ተምሃሮና ኺዳለዉ ንምሃሮም”፦ (10 ደቒቕ) ምይይጥ። ድሕሪኡ፡ ነታ ሓንቲ ኣስፋሒት ንተማሃሪታ ንመጽናዕቲ ብኸመይ ከም እትዳሎ ኸተርእያ ኸላ እተርኢ ቪድዮ ወልዓያን ተመያየጡላን። ኣስፋሕቲ ንተምሃሮኦም ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኺዳለዉ ንምሕጋዝ እንታይ ካልእ ውጽኢታዊ መገዲ ኸም እተጠቐሙ ኺገልጹ ዓድሞም።
“ንኣጋይሽና ብሓጐስ ንቀበሎም”፦ (5 ደቒቕ) ኣብ ናይ መጋቢት 2016 ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን ዘሎ ዓንቀጽ ተመርኲስካ ዚቐርብ መደረ። ኣብ ወቕቲ በዓል ዝኽሪ 2017 እተረኽበ ገለ ባህ ዜብል ተመክሮታት ኣዘንቱ። ነቲ ኣብ መጋቢት 31 ዚኽበር በዓል ዝኽሪ ብዚምልከት፡ ብዛዕባ መቘም ማካይንን ብዛዕባ መእተውን መውጽእን እቲ መአከብን ብዛዕባ ኻልእ ነገራትን መዘኻኸሪታት ሃብ።
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦ (30 ደቒቕ) kr “3ይ ክፋል—ስርዓታት መንግስቲ ኣምላኽ—ጽድቂ ኣምላኽ ምድላይ፡” ምዕ. 10 ሕ.ጽ. 1-7
ክለሳን ጽማቝ ትሕዝቶ ዚቕጽል ሰሙንን (3 ደቒቕ)
መዝሙር 115ን ጸሎትን