ድሕነት እንታይ እዩ፧
መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነተን “ድሕነት” ኰነ “ምድሓን” ዚብላ ቓላት፡ ንሓደ ኻብ ሓደጋ ወይ ጥፍኣት ዝደሓነ ሰብ ንምምልካት ይጥቀሙለን እዮም። (ዘጸኣት 14:13, 14፣ ግብሪ ሃዋርያት 27:20) መብዛሕትኡ እዋን ግና፡ እተን ቃላት ካብ ሓጢኣት ምድሓን እየን ዜመልክታ። (ማቴዎስ 1:21) ሞት ብሰሪ ሓጢኣት ስለ ዚመጽእ፡ እቶም ካብ ሓጢኣት ዝደሓኑ ሰባት ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ኣለዎም።—ዮሃንስ 3:16, 17። a
ድሕነት ብኸመይ ይርከብ፧
ድሕነት ንምርካብ፡ ብየሱስ ክትኣምንን ነታ እምነትካ ድማ ንትእዛዛቱ ብምሕላው ከተርእያን ይግባእ።—ግብሪ ሃዋርያት 4:10, 12፣ ሮሜ 10:9, 10፣ እብራውያን 5:9።
መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚሕብሮ፡ እምነትካ ህያው ከም ዝዀነት ከተርኢ እንተ ደሊኻ፡ ብግብሪ ኸተርእያ ወይ እዙዝ ክትከውን ኣሎካ። (ያእቆብ 2:24, 26) ይኹን እምበር፡ ብናትካ ጻዕሪ ጥራይ ድሕነት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ ማለት ኣይኰነን። ከመይሲ፡ ድሕነት ኣብ ‘ጸጋ ኣምላኽ’ እተመርኰሰ “ውህበት ኣምላኽ” እዩ።—ኤፌሶን 2:8, 9።
ድሕነትካ ኽትስእን ትኽእልዶ፧
እወ። ልክዕ ከምቲ ሓደ ኻብ ምጥሓል ዝደሓነ ሰብ ተመሊሱ ናብቲ ማይ ኪወድቕ ወይ ዘሊሉ ኺኣቱ ዚኽእል፡ ሓደ ኻብ ሓጢኣት ዝደሓነ ሰብ እምነቱ እንተ ኣጥፊኡ፡ ድሕነቱ ኺስእን ይኽእል እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ዝደሓኑ ክርስትያናት ‘ንእምነቶም ኪጋደሉ’ ዚምሕጸኖም። (ይሁዳ 3) ብዘይካዚ፡ ነቶም ዝደሓኑ፡ “ብፍርሃትን ብምንቅጥቃጥን ድሕነትኩም ፈጽሙ” ኢሉ የጠንቅቖም እዩ።—ፊልጲ 2:12።
መን እዩ መድሓኒ—ኣምላኽ ወይስ የሱስ፧
መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ቀንዲ ምንጪ ድሕነት ምዃኑ ይገልጽ እዩ፣ መብዛሕትኡ እዋን ድማ፡ ‘መድሓኒ’ ኢሉ እዩ ዚጽውዖ። (1 ሳሙኤል 10:19፣ ኢሳይያስ 43:11፣ ቲቶስ 2:10፣ ይሁዳ 25) ብተወሳኺ፡ ኣምላኽ ነቶም ጥንቲ ዝነበሩ ህዝቢ እስራኤል ንምድሓን ሓያሎ ሰባት ተጠቒሙ እዩ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ነቶም ሰባት፡ “መድሓንቲ” ኢሉ ይጽውዖም። (ነህምያ 9:27፣ መሳፍንቲ 3:9, 15፣ 2 ነገስት 13:5) b ብተመሳሳሊ፡ ኣምላኽ ብመስዋእታዊ በጃ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ኻብ ሓጢኣት ስለ ዘድሓነና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንየሱስ “መድሓኒ” ኢሉ ይጽውዖ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 5:31፣ ቲቶስ 1:4።
ኵሉ ሰብ ድዩ ዚድሕን፧
ኣይፋልን፣ ገሊኦም ሰባት ኣይድሕኑን እዮም። (2 ተሰሎንቄ 1:9) የሱስ፡ “እቶም ዚድሕኑ ሒደት ድዮም፧” ዚብል ሕቶ ምስ ቀረበሉ፡ “እብለኩም ኣለኹ፡ ብዙሓት ኪኣትዉ እናደለዩስ፡ ስለ ዘይኰነሎም፡ በታ ጸባብ ኣፍ ደገ ንምእታው ተጋደሉ” ኢሉ መሊሱ እዩ።—ሉቃስ 13:23, 24።
ኵሉ ሰብ ከም ዚድሕን ዚገልጽ ግጉይ ርድኢት
ግጉይ ርድኢት፦ ቀዳማይ ቈረንቶስ 15:22፡ “ኵላቶም ብክርስቶስ ህያዋን ኪዀኑ እዮም” ስለ እትብል፡ ኵሉ ሰብ ከም ዚድሕን እያ እትምህር።
ሓቂ፦ ኣብ ከባቢ እታ ጥቕሲ ዚርከብ ሓሳብ፡ ብዛዕባ ትንሳኤ እዩ ዚገልጽ። (1 ቈረንቶስ 15:12, 13, 20, 21, 35) ስለዚ፡ እታ “ዅላቶም ብክርስቶስ ህያዋን ኪዀኑ እዮም” እትብል ሓረግ፡ ኵሎም እቶም ካብ ሞት ዚትንስኡ፡ ነቲ ህያው ናይ ምዃን በረኸት ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሎም ከም ዚረኽብዎ እያ እትገልጽ።—ዮሃንስ 11:25።
ግጉይ ርድኢት፦ ቲቶስ 2:11፡ ኣምላኽ “ንዅሉ ሰብ . . . ምድሓን ኣምጺኡ” ስለ እትብል፡ ኵሉ ሰብ ከም ዚድሕን እያ እትምህር።—ትርጉም 1956።
ሓቂ፦ እታ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ “ዅሉ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ “ኵሉ ዓይነት” ተባሂላ እውን ክትትርጐም ትኽእል እያ። c ስለዚ፡ ቲቶስ 2:11፡ ኣምላኽ ንድሕነት መገዲ ዚኸፍት፡ ንዅሉ ዓይነት ሰብ” እንተላይ ነቶም “ካብ ኵሎም ኣህዛብን ነገዳትን ህዝብታትን ቋንቋታትን እተኣከቡ” ሰባት ከም ዝዀነ እያ እትገልጽ።—ራእይ 7:9, 10።
ግጉይ ርድኢት፦ ካልኣይ ጴጥሮስ 3:9፡ ኣምላኽ “ሓደ እኳ ኺጠፍእ ስለ ዘይደሊ” ስለ እትብል፡ ኵሉ ሰብ ከም ዚድሕን እያ እትምህር።
ሓቂ፦ ኣምላኽ፡ ሰባት ኪድሕኑ ይደሊ እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ነቲ ንምድሓን ኢሉ ዘዳለዎ መሰናድዎ ኪቕበልዎ ኣየገድዶምን እዩ። ‘መዓልቲ ፍርዱ፡’ “ጥፍኣት እቶም ንኣምላኽ ዘይፈርሁ ሰባት” እውን እተጠቓልል እያ።—2 ጴጥሮስ 3:7።