መንእሰያት ዚሓትትዎ
ንሕልናይ ብኸመይ ከሰልጥኖ እኽእል፧
ሕልናኻ፡ ኣብዚ ተዘርዚሩ ኻብ ዘሎ ምስ እንታይ ይመሳሰል፧
ምስ ኮምፓስ
ምስ መስትያት
ምስ ፈታዊ
ምስ ፈራዲ
እቲ ቕኑዕ መልሲ ምስ ኣርባዕቲኡ ዚብል እዩ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ስለምንታይ ከምኡ ኸም እንብል ትገልጽ።
ሕልና እንታይ እዩ፧
ሕልናኻ ቕኑዕን ጌጋን ዚነግረካ ውሽጣዊ ስምዒት እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሕልና “ኣብ ልቢ ሰብ ከም እተጻሕፈ ሕጊ” ምዃኑ ይገልጽ እዩ። (ሮሜ 2:15፡ ኮንተምፖራሪ ኢንግሊሽ ቨርሽን) ሰናይ ሕልና፡ ክትገብሮ ንዝሓሰብካ ውሳነ ወይ ኣቐዲምካ ንዝገበርካዮ ውሳነ ክትግምግም ይሕግዘካ እዩ።
ሕልናኻ ኸም ኮምፓስ እዩ። ጸገማት ምእንቲ ኸየጋጥመካ ናብ ቅኑዕ ኣንፈት ይመርሓካ።
ሕልናኻ ኸም መስትያት እዩ። እንታይ ዓይነት ስነ ምግባር ከም ዘሎካን ውሽጣዊ እንታይነትካን የርእየካ።
ሕልናኻ ኸም ጥዑይ ፈታዊ እዩ። እንተ ሰሚዕካዮ፡ ኪሕግዘካን ኬዐውተካን ዚኽእል ጽቡቕ ምኽሪ ይህበካ።
ሕልናኻ ኸም ፈራዲ እዩ። ምስ ተጋገኻ ይፈርደካ።
ቀንዲ ነጥቢ፦ ሕልናኻ (1) ጥበባዊ ውሳነታት ክትገብርን (2) ጌጋታትካ ኽትእርምን ዚሕግዘካ ኣገዳሲ ንዋት እዩ።
ንሕልናኻ ኸተሰልጥኖ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧
መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሰናይ ሕልና ይሃሉኹም” ኢሉ ይምዕደና እዩ። (1 ጴጥሮስ 3:16) ከምኡ ምእንቲ ኪኸውን ግና ፈለማ ኺስልጥን ኣለዎ።
“ንወለደይ ኣበይ ከም ዝነበርኩ ሓስየ እነግሮም ነይረ፡ ምስጢር ገይረ ድማ እሕዞ ነይረ። ኣብ ፈለማ ሕልናይ ይርብሸኒ ነይሩ፡ ድሕሪ ግዜ ግና፡ እቲ ዝገብሮ ዝነበርኩ ጌጋ ዀይኑ ኣይርኣየንን እዩ ነይሩ።”—ጀኒፈር።
ውዒሉ ሓዲሩ ግና ጀኒፈር ብዛዕባ እቲ ዝገበረቶ ንወለዳ ኽትነግሮምን ንዓታቶም ምትላል ደው ኸተብልን ሕልናኣ ደፋፊእዋ እዩ።
ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ንጀኒፈር ሕልናኣ ኼንቅሓ ዝነበሮ መዓስ እዩ፧
“ክልተ ዓይነት ህይወት ምምራሕ ከቢድን ኣጨናቕን እዩ። ሕልናኻ ሕማቕ ውሳነ ኽትገብር ሓንሳእ እንተ ፈቒዱልካ ግና ንምድጋሙ ኣይከብደካን እዩ።”—ማቲው።
ገሊኦም ሰባት ንሕልናኦም ፈጺሞም ዕሽሽ ይብልዎ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ ኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት “ሕልናኦም ደንዚዙ” ይብል። (ኤፌሶን 4:19) ጉድ ኒውስ ትራንስሌሽን ድማ ነዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ “ሕንኪ ዚብሃል የብሎምን” ኢሉ ተርጒምዋ ኣሎ።
ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ብጌጋኦም ዘይጽጸቱ ሰባት ዝሓሸ ድዮም ዚገብሩ፧ ውዒሉ ሓዲሩ እንታይ ዓይነት ጸገማት እዩ ኼጋጥሞም፧
ቀንዲ ነጥቢ፦ ሰናይ ሕልና ምእንቲ ኺህልወካ፡ ‘ቅኑዕን ጌጋን ንምፍላይ ብተመክሮ ልቦናኻ ከተሰልጥን’ ኣሎካ።—እብራውያን 5:14።
ንሕልናኻ ብኸመይ ከተሰልጥኖ ትኽእል፧
ንሕልናኻ ንምስልጣን፡ ፈለማ ኽትምርሓሉ ዚግባእ መለክዒታት ኪህሉ ኣለዎ። ገሊኦም ሰባት ብመለክዒታት እቶም ኣብዚ ተዘርዚሮም ዘለዉ እዮም ዚምርሑ፦
ስድራ ቤትን ባህልን
መዛኑ
ፍሉጣት ስነ ጥበበኛታት
ይኹን እምበር፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መለክዒ ካብ ኵሉ ዝበለጸ መለክዒ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ” ስለ እተጻሕፈ፡ እዚ ኣየገርምን እዩ፣ እቲ ዝፈጠረና ድማ እንታይ ከም ዚጠቕመና ይፈልጥ እዩ።—2 ጢሞቴዎስ 3:16።
ገለ ኣብነታት እስከ ንመርምር።
መለክዒ፦ “ኣብ ኵሉ ብቕንዕና ኽንነብር [ንደሊ ኢና]።”—እብራውያን 13:18።
ኣብ ፈተና ኽትቀድሕ፡ ንወለድኻ ኽትሕሱ፡ ወይ ክትሰርቕ እንተ ተፈቲንካ፡ እዚ መለክዒ እዚ ንሕልናኻ ብኸመይ ይጸልዎ፧
ሕልናኻ ኣብ ኵሉ ቕኑዕ ክትገብር ዚድርኸካ እንተ ዀይኑ፡ ሕጅን ኣብ መጻእን ብኸመይ ይጠቕመካ፧
መለክዒ፦ “ካብ ምንዝርና ህደሙ!”—1 ቈረንቶስ 6:18።
ስእለ ጽዩፍ ክትርኢ ወይ ቅድሚ መርዓ ጾታዊ ርክብ ክትገብር እንተ ተፈቲንካ፡ እዚ መለክዒ እዚ ንሕልናኻ ብኸመይ ይጸልዎ፧
ሕልናኻ ኻብ ምንዝርና ኽትሃድም ዜጠንቅቐካ እንተ ዀይኑ፡ ሕጅን ኣብ መጻእን ብኸመይ ይጠቕመካ፧
መለክዒ፦ “ብናጻ ይቕረ እናተባሃሃልኩም፡ ንሓድሕድኩም ለዋሃትን ርሕሩሓትን ኩኑ።”—ኤፌሶን 4:32።
ምስ ሓውካ ወይ ምስ ፈታዊኻ እንተ ተጋጪኻ፡ እዚ መለክዒ እዚ ብኸመይ ይጸልወካ፧
ሕልናኻ መሓርን ርሕሩሕን ክትከውን ዚደፋፍኣካ እንተ ዀይኑ፡ ሕጅን ኣብ መጻእን ብኸመይ ይጠቕመካ፧
መለክዒ፦ “የሆዋ . . . ዓመጻ ንዚፈቱ ዘበለ . . . ይጸልኦ።”—መዝሙር 11:5።
እዚ መለክዒ እዚ፡ ፊልምታትን መደባት ተለቪዥንን ጸወታታት ቪድዮን ክትመርጽ ከለኻ ብኸመይ ኪጸልወካ ይግባእ፧
ሕልናኻ ዓመጻ ዘለዎ መዘናግዒታት ከይትርኢ ዜጠንቅቐካ እንተ ዀይኑ፡ ሕጅን ኣብ መጻእን ብኸመይ ይጠቕመካ፧
ናይ ሓቂ ታሪኽ፦ “ዓመጻ ዘለዎ ጸወታታት ቪድዮ ዚጻወቱ ኣዕሩኽ ነይሮምኒ፡ ኣነ እውን እጻወት ነይረ። ኣቦይ ካብ ሽዑ ንደሓር ነቲ ቪድዮታት ክጻወት ከም ዘይክእል ነጊሩኒ። ስለዚ ናብ እንዳ ኣዕሩኸይ ክኸይድ ከለኹ ጥራይ እጻወት ነይረ። ናብ ገዛ ምስ ተመለስኩ ብዛዕባኡ ዋላ ሓንቲ ኣይዛረብን እየ ነይረ። ሽዑ ኣቦይ ‘እንታይ ኴንካ፧’ ኢሉ ይሓትተኒ ነይሩ፡ ኣነ ድማ ‘ዋላ ሓንቲ’ እብሎ ነይረ። ሓደ መዓልቲ ግና መዝሙር 11:5 ምስ ኣንበብኩ፡ ሕማቕ ተሰሚዑኒ። ነቲ ጸወታታት ቪድዮ ደው ከብሎ ኸም ዘሎኒ ተገንዚበ። ከምኡ ኸኣ ገይረ። ንዓይ ስዒቡ ኸኣ ሓደ ዓርከይ ዓመጻ ዘለዎ ጸወታታት ምጽዋት ገዲፍዎ።”—ጀረሚ።
ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ሕልና ጀረሚ መዓስ እዩ ኺዓዪ ጀሚሩ፧ ንሱኸ መዓስ እዩ ኺሰምዖ ጀሚሩ፧ ካብ ታሪኽ ጀረሚ እንታይ ተማሂርካ፧
ቀንዲ ነጥቢ፦ ሕልናኻ እንታይ ዓይነት ሰብ ምዃንካን እንታይ ከም ዜገድሰካን የርእየካ። እሞ ደኣ ሕልናኻ ብዛዕባኻ እንታይ ይገልጽ፧